ቱርኪ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንምሽምጋል ከምዘይትሕለል ኣፍሊጣ

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፤ ኢትዮጵያ፡ ቱርኪን ሶማልያን

ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ክልተ ዙር ልዝብ ዝፈተነት ቱርኪ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መወዳእታኡ ንምብጻሕ ንኽልቲአን ሃገራት ብተናጸል ምዝርራብ ከም እትቕጽል ኣፍሊጣ።

ነዚ ኣመልኪቱ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሃካን ፊዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰበብ እቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝፈረማኦ ስምምዕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተፈጢሩ ንዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ምስ ሰበስልጣን እተን ሃገራት ንምዝርራብ መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጡ።

ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያን ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ቱርኪ ምስ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ወተሃደራዊን ቍጠባዊን ጽላታት ክትሰርሕ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት ንምህዳእ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ክትገብር ጸኒሓ ኣላ።

ኢትዮጵያን ሶማልያን ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈረመ ንተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪን ኣምሳያኡ ኣፍልጦ ሃገርነት ዘውህብን መረዳድኢ ሰነድ ኣብ ወጥሪ ከምዝርከባ ይፍለጥ።

ሶማልያ፡ እቲ ኢትዮጵያ ዝፈረመቶ ሰነድ ንልኡላውነታ ዝጥሕስ ምዃኑ ብምኽሳስ፡ ምስታ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ግብጺን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራትን ስምምዓት ብምግባር ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ጸቕጢ ንምፍጣር ክትንቀሳቐስ ጸኒሓ እያ።

ቱርኪ ንሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ዓዲማ ብምዝርራብ ኣብ መንጐ ክልቲአን ዘሎ ወጥሪ ክሃድእን መፍትሒ ንምርካብን ክትጽዕር ዝጸንሐት ኰይና፡ እቲ ዘተ ዛጊት ውጽኢት ስለዘየመጽአ ግን ተወሳኺ ዙርያ ዘተ ክካየድ ትጽቢት ክግበር ጸኒሑ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ብመንገዲ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መንጐአን ክልተ ዘይቀጥታዊ ዝርርባት ዝተኻየዱ ኰይኖም፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ትጽቢት ዝተገብሮ ሳልሳይ ዙርያ ቀጥታዊ ዘተ ከምዝተሰረዘ ይፍለጥ።

ክልቲአን ሃገራት ንምቅርራብ ዝጽዕር ዘሎ ሚኒስተር ሃካን ፊዳን ንማዕከን ዜና ሃገሩ ኣናዶሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቱርኪ ንኢትዮጵያን ሶማልያን ብደረጃ ሚኒስተራትን መራሕቲን ንምቅርራብ እትገብሮ ጻዕሪ ክትቅጽሎ እያ ኢሉ።

እቲ ኣብ ኣንካራ ዝተዋህበ መግለጺ ሚኒስተር ጉድያት ወጻኢ፡ ክልቲአን ሃገራት “ኣብ ዝተወሰኑ ነጥብታት ክቀራረባ” ከምዝኸኣላ ብምምልካት፡ እዚ ድማ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሽግር መፍትሒ ንምርካብ ተስፋ ከምዀነን ሓቢሩ።

ስለዚ፡ “ንኽልቲኦም ወገናት ጉዳያቶም ብተናጸል ብምስማዕ፡ ኣብ መሰረታዊ ነገራት ናብ ሓባራዊ ምርድዳእ ምስ በጽሑ ናብ ቀጥታዊ ዝርርብ ከነእትዎም ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ኣለና” ኢሉ።

ቱርኪ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዙርያታት ሽምግልና ብዝረኸበቶ “ተመኵሮ” ነቲ ጉዳይ ብተናጸል ክትደፍኣሉ ከምዝወሰነት'ውን እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኢትዮጵያ “ልኡላውነት ሶማልያ ከተኽብር ድሌት ስለዘይብላ” ካልኣይ ዙርያ ዘተ ብዘይ ፍረ ከምዝተዛዘመ ምግላጹ ይዝከር።

እቲ ፕረዚደንትን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ሶማልያን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ሰነድ ምስ እትነጽጎ ጥራይ እዩ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዝኽእል ክብሉ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈረመ መረዳድኢ ሰነድ፡ ኣብ ሓደ ወርሒ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝተባህለን ዝርዝራቱ ዘይተገልጸን ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ታሽዓይ ወርሑ ኰይኑ ብዛዕባ ኣተገባብራኡን ዝርዝራቱን ዝተባህለ ነገር የለን።