ቓዛ፡ ቈልዑ ይቕተሉን ሰብኣዊ ኵነታት እናበኣሰ ይኸይድ ከም ዘሎን ተገሊጹ

ኣብ ቓዛ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል ቈልዑ ይመቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትማሊ ሰንበት ኣብ ማእከላይ ቓዛ፡ ማይ ንምምላእ ጀሪካናት ሒዞም ኣብ ዝጽበይሉ ዝነበሩ እዋን መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ብምፍጻሙ፡ ሽዱሽተ ቈልዑ ዝርከቡዎም 10 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ ህጹጽ ኣገልግሎት ገሊጾም።

ሬሳኦም ናብ ሆስፒታል ኣል-ዓውዳ ኑሰይራት ከም ዝተላእከን፣ እቲ ሆስፒታል 7 ቈልዑ ዝርከቡዎም 16 ዝቘሰሉ ከም ዝሓከመን ኣብኡ ዝነብር ሓኪም ገሊጹ።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣል-ኑሰይራት፡ ኣብ ጐድኒ መዐደሊ ማይ፡ ጥርሑ ጀሪካን ሒዞም ኣብ ሪጋ ዝነበሩ ሰባት፡ ካብ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሚሳይል ከም ዝተተኰሰሎም ይሕብሩ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ እቲ ንሓደ "ሽበራዊ" እስላማዊ ጅሃድ ዒላማ ገይሩ ዝነበረ መጥቃዕቲ "ቴክኒካዊ ጌጋ" ከም ዘጋጠሞን እቲ ተተኳሲ ካብቲ ዒላማ ዓሰርተታት ሜትሮታት ርሒቑ ከም ዝወደቐን ገሊጹ። ነቲ ፍጻመ ኣብ ምግምጋም ከም ዘሎ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF)፡ ኣብቲ ከባቢ ሰባት ከም ዝቘሰሉ ንዝገልጽ ጸብጻባት ከም ዝፈልጡዎ ገሊጾም። ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጕድኣት ከይበጽሕ ኣበርቲዖም ከም ዝጽዕሩን ዝዀነ ንጹህ ሰብ እንተ ተጐዲኡ ጣዕሳ ከም ዝስምዖምን ይሕብሩ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዘርኢ ቪድዮ፡ ኣብ መንጎ ብጫ ጀሪካናት ዝወደቑ ቈልዑ ዝርከብዎም ሰባትን ክሕግዙዎም ዝጓየዩን የርኢ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ ምስቲ ኣብ ቀረባኡ ዝርከቡ ናሕስታት፡ ኣግራብን ዓንዲ ተለግራፍን ብምዝማድ ነቲ ቦታ ከለልዮ ክኢሉ እዩ።

እዚ መጥቃዕቲ'ዚ፡ እስራኤል ኣብ መላእ ወሽመጥ ቓዛ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ኣየር እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ተፈጺሙ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወሃቢ-ቓል ኤጀንሲ ስቪል ምክልኻል ቓዛ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ማእከላይ ቓዛን ከተማ ቓዛን ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ብዝተፈጸመ ሰለስተ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲታት ካልኦት 19 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ሰሙናት ኣብ ራፋሕ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል መጕዳእቲ ኣጓኒፉዎም ዝተሓከሙ ሰባት፡ ካብቲ ዓሚ ኣብ ምሉእ ዓመት ዝመጽኡ ከም ዝበዝሕ ገሊጹ።

እቲ ሆስፒታል ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ እስራኤል ዝተጐድኡ 132 ሕሙማት ከም ዝተቐበለን 32 ካብኦም ከም ዝሞቱን ሓቢሩ።

"መብዛሕትኦም"ብጥይት ከም ዝተወቕዑን ኵሎም መግቢ ናብ ዝቕርባ መዓስከራት ክኣትዉ ክጽዕሩ ከም ዝጸንሑን ሓቢሩ።

እቲ ሆስፒታል፡ ብ27 ግንቦት ሓደስቲ መከፋፈሊ መግቢ ካብ ዝኽፈቱ ንደሓር ልዕሊ 3,400 ብብረት ተወቒዖም ዝቘሰሉ ሕሙማት ከም ዝሓከመን ልዕሊ 250 ሞት ከም ዝመዝገበን ገሊጹ።

"ብዝሕን መጠንን ናይቲ ጃምላዊ ጕድኣት፡ ኣብ ቓዛ ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት ዘሕልፉዎ ንዘለዉ ዘስካሕክሕ ኵነታት ዘጕልሕ እዩ፡" ይብል ቀይሕ መስቀል።

ብቐዳም ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ዝርከብ ሆስፒታል ናስር፡ ኣብ ጥቓ ሓደ መዐደሊ ረድኤት፡ 24 ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ። እቶም ሰባት መግቢ ንምርካብ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ሰራዊት እስራኤል ተዅሲ ከም ዝኸፈቱሎም መሰኻኽር ገሊጾም።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ጥቓ እቲ ቦታ ብዝተተኰሰ "ዝተጐድአ ሰብ" ከም ዘየሎ ሓቢሮም።

ሓደ ወተሃደራዊ ብዓል ስልጣን እስራኤል፡ ሰራዊት ምክልኻል ስግኣት እዮም ኢሉ ዝኣመነሎም ሰባት ንምብታን ናይ መጠንቀቕታ ተዅሲ ከም ዝተኰሰ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ዛጊት ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተኣሳሰሩ 789 ቅትለታት ከም ዘመዝገበ ብዓርቢ ገሊጹ።

ካብቶም ሰባት እቶም 615፡ ኣብቲ ብኣመሪካን እስራኤልን ዝድገፍ ቓዛ ሰብኣዊ ፋውንደሽን (GHF) ዝበሃል ቦታታት ከም ዝነበሩ ገሊጹ። እቶም ናይ GHF ቦታታት ብ27 ግንቦት ዝተኸፍቱ ኰይኖም፡ ኣብ ደቡባውን ማእከላይን ቓዛ ብብሕታውያን ኩባንያታት ጸጥታ ኣመሪካ ይመሓደሩ።

እቶም ካልኦት 183 ቅትለታት፡ ኣብ ጥቓ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ናይ ረድኤት ትካላትን ዝተመዝገቡ እዮም።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ሰላማውያን ሰባት መጕዳእቲ ከም ዘጋጠሞም ከም ዝተገንዘበን "ብዝተኻእለ መጠን ኣብ መንጎ ህዝብን ሓይልታት [እስራኤል] ክህሉ ዝኽእል ምትፍናን" ንምንካይ ይሰርሕ ከም ዘሎን ገሊጹ።

ቀይሕ መስቀል፡ ሕቡራት ሃገራት ካብቲ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ "ናይ ሓሶትን ምድንጋርን" ጸብጻብ ከም ዝተጠቀመ ከሲሱ።

ሓላፊ ቀይሕ መስቀል ጆኒ ሙር ኣቐዲሙ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ጥቓ ረድኤት ዝካየደሉ ቦታታት ሞት ከም ዘጋጠመ ከም ዘይክሕድ እኳ እንተ ገለጸ፡ ኵሎም እቶም ዝሞቱ ሰባት ምስ ቀይሕ መስቀል ቅርበት ከም ዘለዎም ዝገልጽ ጸብጻብ ግን ሓቅነት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

እስራኤል ንቢቢሲ ሓዊሱ ኣህጉራዊ ትካላት ዜና ናብ ቓዛ ክኣትዋ ኣይትፈቅድን እያ።

ተመዛበልቲ ኣብቲ ብሰራዊት እስራኤል ዝዓነወ መዓስከሮም ንብረቶም ይደልዩ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተመዛበልቲ ኣብቲ ብሰራዊት እስራኤል ዝዓነወ መዓስከሮም ንብረቶም ይደልዩ

እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝወረዳ፡ ምሉእ ወተሃደራዊ ስርሒት ጀሚራ። ኣብዚ መጥቃዕቲ ኣስታት 1,200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 57,882 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።

ዝበዝሕ ህዝቢ ቓዛ ብተደጋጋሚ ካብ መነባብሮኡ ተመዛቢሉ እዩ።

ልዕሊ 90% ኣባይቲ ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ። ስርዓተ ጥዕናን ማይን ጽሬትን ተበታቲኑ ስለ ዘሎ፡ እኹል መግቢ፡ ነዳዲ፡ መድሃኒት፡ መጽለሊ የሎን።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ድሕሪ 130 መዓልታት ንፈለማ እዋን 75,000 ሊትሮ ነዳዲ ናብ ቓዛ ክኣቱ ተፈቒዱ።

እዚ'ውን መዓልታዊ ድሌታት ህዝቢ ንምምላእ ወይ ንዕዮታት ረድኤት ንምድጋፍ እኹል ከም ዘይኰነ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ትሽዓተ ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሕጽረት ነዳዲ ቓዛ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝዀነ ትማሊ ሰንበት ኣጠንቂቐን።

ነዳዲ እንተ ወዲኦም፡ ሆስፒታላት፡ ቀረብ ማይ፡ ጽሬት፡ ከምኡ'ውን እንዳ ሕብስቲ ክሰርሑ ኣይክእሉን እዮም።

ሕቡራት ሃገራት፡ "ሆስፒታላት ድሮ ጸልሚተን ኣለዋ፣ ክፍልታት ወሊድ፡ ህጻናትን ጽዑቕ ክንክንን ኣብ ጸገም ይርከባ። ኣምቡላንሳት ድማ ድሕሪ ሕጂ ምንቅስቓስ ኣይክእላን እየን፡" ይብል።