ተኹሲ ደው ናይ ምባል ዝርርብ ኣብ ድርኩኺት ምፍራስ ከምዝርከብ ሰበስልጣን ፍልስጤም ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤልን ሓማስን ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ቓዛን ምፍታሕ ጅሆን ኣመልኪቱ ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዘሎ ዘተ ኣብ ድርኩኺት ምፍራስ ከምዝርከብ ዝርዝር ናይቲ ዘተ ዝፈልጡ ሰበስልጣን ፍልስጤም ገሊጾም።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እስራኤል ኣብዚ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ናብ ዋሽንግተን ኣብ ዘካየዶ ዑደት 'ግዜ ትዕድግ' ከምዝነበረት ብምግላጽ ኣብ ወሰንቲ ነጥብታት ናይ ምውሳን ስልጣን ዘይብሉ ልኡኽ ናብ ዶሓ ከምዝለኣኸት ይገልጽ።
እቲ ድርድር ምስሓብ ሰራዊት እስራኤልን ምዕዳል ሰብኣዊ ሓገዝን ዝርከብዎ ኮይኑ ናታንያሁ ብሓሙስ ካብ ኣመሪካ ቅድሚ ምውጽኡ፡ "ድሕሪ ሒደት መዓልታት" ብስምምዕ ክዛዝም ተስፋ ከምዘለዎ ብምግላጽ እወንታዊ ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
ንሱ፡ እቲ ዝቐረበ ስምምዕ፡ ሓማስ ፍርቂ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ሒዝዎም ዘሎ 20 ብህይወት ዘለዉ ጅሆታትን ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ዝሞቱ 30 ጅሆታትን መሰስ ዝፈትሕ ን60 መዓልታት ዝጸንሐ ዕርቂ ክገብር ምዃኑ ገሊጹ።
ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ፡ ተደራደርቲ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዶሓ ኣብ ዝተፈላለያ ህንጻታት ኣብ ዝተኻየደ ሸሞንተ ዙርያታት ዘይቀጥታዊ ድርድራት ኣካይዶም።
እቲ ዝርርብ ብቀዳማይ ሚኒስትር ቀጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣልታኒን ላዕለዎት ሰበስልጣን ስለያ ግብጽን ዝተዋሃሃደ ኮይኑ ልኡኽ ኣመሪካ ብሬት ማክጎርክ'ውን ተረኺቡ እዩ።
እቶም መንጐኛታት ኣብ መንጎ ልኡኽ ሓማስን ወተሃደራዊ፣ ጸጥታውን ፖለቲካውን ሰበስልጣን ዝሓቖፈ ልኡኽ እስራኤልን ዓሰርተታት ናይ ቃላትን ጽሑፋውን መልእኽትታት ተለዋዊጦም።
ዓርቢ ምሸት ግን ነቲ ድርድር ዝከታተሉ ዘለዉ ሰበስልጣን ፍልስጤም እቲ ዝርርብ ኣብ ኣፍደገ ምብትታን ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊጾም። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓያሎ ኣካታዕቲ ጉዳያት ብዕምቆት ከምዝተመቓቐሉ ይፍለጥ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ክልተ ካብቶም ጉዳያት ዘተኮረ ምንባሩ ገሊጾም፡ ንሳቶም ድማ ኣብ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዝሕግዝ ኣገባብን ምውጻእ ወተሃደራት እስራኤልን እዮም።
ሓማስ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ክኣቱን ብመንገዲ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላት ረድኤትን ክዕደል ከምዘለዎ'ዩ ዝደሊ።
ብኣንጻሩ እስራኤል፡ በቲ ብእስራኤልን ኣመሪካን ዝድገፍ ብሰብኣዊ ትካል ቓዛ ዝካየድ ምክፍፋል ሓገዝ ትደፍእ ኣላ።
ኣብቲ መስርሕ ዝተሳተፉ መንጎኛታት ከም ዝብልዎ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝነበረ ምፍልላይ ኣብ ምድልዳል ገለ ውሱን ምዕባለታት ተራእዩ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ወግዓዊ ስምምዕ ኣይተበጽሐን።
እቲ ካልኣይ ዓቢ ነጥቢ ድማ ብዛዕባ ምውጻእ ወተሃደራት እስራኤል ካብ ቓዛ ኮይኑ ኣብ ሓሙሻይ ዙርያ ዝርርብ፡ ተደራደርቲ እስራኤል፡ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ቓዛ ካብ 1 ኪ.ሜ ክሳብ 1.5 ኪ.ሜ ዕምቆት ዘለዎ ውሱን "መከላኸሊ ዞባ" ክትፈጥር ምዃና ዝገልጽ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ከምዝለኣኹ ይንገር።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ይኹን እምበር፡ ሓማስ እስራኤል ክትስሕብ ዝሓሰበቶ ዞባታት ዝገልጽ ካርታ ምስ ሓተተን ምስ ተቐበለን፡ እቲ ሰነድ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ መልእኽቲ ዝጻረር ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ይግለጽ።
እቲ ካርታ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ክሳብ 3 ኪ.ሜ ዕምቆት ዘለዎም መከላኸሊ ዞባታት ከምዘመልክትን ኣብ ሰፊሕ መሬት ቀጻሊ ህላወ እስራኤል ከምዘረጋገጸን ተገሊጹ።
ሰበስልጣን ሓማስ ነቲ ካርታ ብእስራኤል ዝተገብረ ምትላል ከምዝኾነ ብምግናዛኦም፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ተደራረደርቲ ዝነበረ ምትእምማን ዝያዳ ከምዘጉደሎ ሰብ ሰልጣን ፍሊስጤም ይገልጹ።
ሰበስልጣን ፍልስጤም ልኡኽ እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣብ ዋሽንግተን ንዝገበሮ ዑደት ኣወንታዊ ዲፕሎማስያዊ ድሕረ ባይታ ንምፍጣር ኮነ ተባሂሉ ዝተገበረ'ዩ ክብሉ ከሲሶም።
ሓደ ላዕለዋይ ተደራዳሪ ፍልስጤም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብዛዕባ እዚ ዝርርብ ዕቱባት ኮይኖም ኣይፈልጡን" ኢሉ። "እቲ ድርድር ግዜ ንምዕዳግን ናይ ሓሶት ምስሊ ንምንጽብራቕን ተጠቒሞምሉ" ከኣ ኢሉ።
እስራኤል ብጉልባብ ሰብኣዊ ውጥን፡ ናይ ነዊሕ እዋን ስትራተጂ ግዱድ ምምዝባል ትኽተል ከምዘላ'ውን እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ ንፍልስጤማውያን ራፋሕ ናብ እትርከብ "ሰብኣዊት ከተማ" ንምግዓዝ ዝሓንጸጾ መደብ ኣካል ናይቲ ንሓዋሩ ንምግዓዝ ዝግበር ሰፊሕ ጻዕሪ ምዃኑ'ዮም ሰበ ስልጣን ፍሊስጤም ዝገልጹ።
ካትዝ ትማሊ ሰኑይ ንጋዜጠኛታት እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ራፋሕ ኣብ መጀመርታ ኣስታት 600 ሽሕ ፍልስጤማውያን - ኣብ መወዳእታ ድማ ንብምሉኡ 2.1 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብሩሉ ሓድሽ መዓስከር ንምድላው ውጥን ንኸዳልዉ መምርሒ ምሃቡ ዝዝከር'ዩ።
እቲ ዝርርብ ኣብ ወሳኒ ኩነታት ኣብ ዘለወሉሉ እዋን፡ ሰበ ስልጣን ፍልስጤም፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ድርድር ኢዳ ከተእተኡን እስራኤል ትርጉም ዘለዎ ሕድገታት ክትገብር ጸቕጢ ክትገብርን ጸዊዖም።
ከምዚ ዓይነት ምትእትታው እንተዘይተገይሩ፡ ድርድር ዶሓ ምሉእ ብምሉእ ክፈርስ ከምዝኽእል መንጐኛታት የጠንቅቑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







