ትራምፕ ስለምንታይ'ዩ ንሓሙሽተ መራሕቲ ኣፍሪቃ ናብ ዋይትሃውስ ዓዲሙ?

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሕቲ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክራኸብ ምዃኑ ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ትራምፕ ነዚ ዕድመ፡ "ንምእማኑ ዘጸግም" ንግዳዊ ዕድል ገይሩ እዩ ዝርእዮ።

ትራምፕ ዝመረጾም ኣጋይሽ፡ መራሕቲ ጋቦን፡ ጊኒ-ቢሳው፡ ላይበርያ፡ ሞሪታንያን ሰኔጋልን ይርከብዎም ።

ካብዚአን፡ ዋላ ሓንቲ ዓቢይ ቍጠባ እቲ ኣህጕር እትውንን ሃገር የላን።

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝካየድ ዋዕላ ኣብ ፖሊሲ "ንግዲ እምበር ሓገዝ" ዘተኰረ ከም ዘይከውን ትጽቢት ይግበር።

ኵለን ድማ ኣብ ልዕሊ ናብ ኣመሪካ ዝለኣኹ ኣቝሑት 10 ሚእታዊት ቀረጽ ካብ ዝተነብረለን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።

መራሕቲ እተን ሃገራት ከኣ፡ ነዚ መጠን ቀረጽ ንምጕዳል ውዕላት ክገብሩ ተስፋ ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ዛዕባታት ኣገደስቲ ማዕድናት፡ ጸጥታ ሓይሊ ባሕሪ፡ ስደትን ምእንጋድ ዝተሰጕ ስደተኛታትን እውን ኣብ መኣዲ ዝርርብ ክቐርቡ ተኽእሎ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብዘይካ ጋቦን፡ ኣርባዕቲአን ሃገራት ስደተኛታት ኣብ ዝሓልፉሎም መስመራት እየን ዝርከባ።

ከምኡ'ውን ካብ ላቲን ኣመሪካ ዝመጽኡ ኣሰጋገርቲ ዕጸ-ፋርስ ኣይስኣኑወንን።

ገለ ካብተን ሃገራት፡ ብሸነኽ ደቡብ ዝርግሐ ናይቲ ንጐረባብተን ዝያዳ ዘቤታዊ ጽልዋታት ዘሕድር ዘሎ መጥቃዕቲታት ጅሃዳውያን ዕጡቓት እውን ተቓላዕቲ ክዀና ይኽእላ እየን።

ስለዚ ነዚ ሓደጋ ኣብ ምምካት ክህሉ ዝግብኦ ምትሕብባር ዝምልከት ዘተታት እውን ክግበር ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ መራሒ ሓይሊ ኣፍሪቃ-ኣመሪካ (ኣፍሪኮም) ዝዀነ ጀነራል ማይክል ላንግሊ፡ ሓደ ካብቲ ሓድሽ ዕላማታት ጅሃዳውያን፡ ናብ ገማግም ባሕሪ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እዚ'ውን "ስግኣታት ናብ ገማግም ባሕሪ ኣመሪካ ናይ ምብጻሕ ዕድል፡" ክብ ከም ዘብሎ'ዩ ዝገልጽ።

ኣምባሳደር ሰኔጋል ኣብ ዋሽንግተን ነበር ባባካር ዲያግነ፡ እቲ ናብ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝቐረበ ዕድመ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እታ ኣህጉር ዝተራእየ "መሰረታዊ ለውጢ" ዘንጸባርቕ ምዃኑ ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ጥሪ ንኻልኣይ ግዜ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣመሪካ ናብታ ኣህጉር እትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ብኽነትን ምስቲ "ቀዳምነት ንኣመሪካ" ዝብል ፖሊሲኡ ዘይቃዶን እዩ ብምባል ደው ክብል ከም ዝገበሮ ይፍለጥ።

ትራምፕን ሰልፊ ሪፓብሊካንን ኣብ ቅድሚት ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ነቲ ካብ ኣፍሪቃ ንዝመጽኡ ዝተወሰኑ ኣቝሑ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝዀነ ንግዳዊ ዕድላት ዝህብ ኣጎዋ ከተሐድሶ ድያ ኣይትሕድሶን ዝብል ጥርጣረ'ውን ኣሎ።

ሕጂ፡ "ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ምስ ዲሞክራት ዝነበረ ኣይኰነን። ምስኦም ብኣጎዋን ካልኦት ተበግሶታትን ኣቢልካ ክዕወቱ ዝድለዩ ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ነይሮም፤ ምንካይ ድኽነትን ጕዳያት ልምዓትን። እዚ ዅሉ ኣብቂዑ'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ብመሰረት እቲ ዲፕሎማት ነበር፡ መርገጺ ምምሕዳር ትራምፕ፡ "ጽሩይ ንግዲ። ምሃብን ምቕባልን፡ ምዕዋትን ምዕዋትን'ዩ። ምስ ዩክረይን ዝነበረ ርኢናዮ ኢና። ነቲ ስምምዕ ማዕድናት ትፍርሙ፡ ኣብ ጐንኹም ድማ ክንከውን ኢና- እንተዘይኰይኑ ኵሉ ረስዑዎ፡" እዮም ተባሂሎም ይብል ዲያግን።

ካልኣ ኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ መንጐ ሩዋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፡ ኣመሪካ ተበጻሕነት ማዕድናት ክትረክብ ዘኽእል ንግዳዊ ዲፕሎማሲ ዝተሰርሓሉ'ዩ ነይሩ።

ነዳዲ

ምንጪ ስእሊ, Gamma-Rapho/Getty Images

ብርግጽ ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሃገረ ጋቦን ዝርከብ ሓላፊ ዘይመንግስታዊ ትካል ኒካይዝ ሞሉምቢ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ዘተኰረሉ ምኽንያት፡ ካብ ተቐናቐንቲ ሓይልታት - ቻይናን ሩስያን ሓዊሱ - ብመዓድናት ዘጋጥም ንሕንሕ እናወሰኸ ብምምጽኡ ምዃኑ ይሕብር።

"ኵለን እዘን [ዕዱማት] ሃገራት ኣገደስቲ ማዕድናት ኣለወን- ወርቂ፡ ነዳዲ፡ ማንጋነዝ፡ ጋዝ፡ ዕንጸይትን ዚርኮንን - ብፍላይ ሰኔጋል፡ ሞሪታንያን ጋቦንን፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ጋቦን ኣስታት ርብዒ ናይቲ ኣብ ዓለም ዝፍለጥ ዕቝር ማንጋነዝ ትሕዝ - ከምኡ'ውን 22 ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ምፍራይ ባትሪን ሓጺንን ዝውዕል ማዕድን ንቻይና ተቕርብ።

ሞሉምቢ፡ ጋቦን ከም ማንጋነዝን ዩራንየምን ዝኣመሰሉ "ስትራተጂያዊ" ማዕድናት ከምኡ'ውን ነዳዲ ስለ ዘለዋ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ወሽመጥ ጊኒ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣ ስለ ዘለዋ፡ ከምኡ'ውን ኣስታት 800 ኪ.ሜ ገማግም ባሕሪ ስለ ዘለዋ፡ ኣመሪካ ምስ ጋቦን ዘለዋ ርክብ ንምሕያል ዝያዳ ድሌት ክህልዋ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ክትሃንጾ ዝሓሰበቶ ወተሃደራዊ መዓስከር ከተአንግድ ትኽእል።

ዲያግነ ብወገኑ፡ ብዛዕባ ሽፍትነት ባሕሪ ተመሳሳሊ ነጥቢ ከቕርብ እንከሎ፡ "ኣብ ወሽመጥ ጊኒ ዝካየድ ዘሎ ባሕራዊ ግብረሽበራ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳይ ኰይኑ ኣሎ፡" ኢሉ።

ብዙሓት ነዳድን ጋዝን ዝጸዓና ታንከራት በቲ ንሓያሎ ዓመታት ከም ቀንዲ ቦታ ሽፍትነት ባሕሪ ዝፍለጥ ወሽመጥ ጊኒ እየን ዝጓዓዛ።

ንሞሪታንያን ሰኔጋልን ድማ፡ ጕዳይ ስደት ቀንዲ ዝዘራረባሉ ጕዳይ ምዃኑ ሓላፊ ማእከል ምርምር ምዕራብ ኣፍሪቃ (WARC) ዑስማነ ሰነ ገሊጹ።

"ካብ 2023 ክሳብ 2025 ኣስታት 20 ሽሕ መንእሰያት ሞሪታንያ ብኒካራጓ ኣቢሎም ናብ ኣመሪካ ከም ዝተበገሱ ክዝንጋዕ የብሉን፡" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

"እዘን ኵለን ሃገራት መበገሲ ዘይሕጋዊ ስደት እውን እየን። እዚ ድማ ኣብ ፖሊሲ ስደት [ትራምፕ] ኣዝዩ ኣገዳሲ ዛዕባ'ዩ። መዓልታዊ ድማ ሰባት ካብ ዶባት ንድሕሪት ይምለሱ እዮም ዘለው።"

ሞሪታንያ፡ ካብተን ሓሙሽተ ሃገራት ኣብ ጕዳይ እስራኤል ምስ ኣመሪካ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘይብላ እንኮ ሃገር እያ።

ኣብ 2009 ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምስ እስራኤል ዝነበራ ርክብ በቲኻ።

ምንጪታት ንሴማፎር ከም ዝሓበርዎ ድማ፡ እዚ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምምላስ ዋይትሃውስ ዝደልዮ ነገር ክኸውን ይኽእል።

መጠን ልዕሊ ዝተፈቕደሎም ናይ ቪዛ እዋን ዝጸንሑ ሰባት ድማ፡ ካልእ ጕዳይ እዩ።

ብፍላይ ነተን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ልዕሊ ዓቐን ምጽናሕ ቪዛ ከም ቀንዲ ምኽንያት እገዳ መገሻ ምዃነን ዝተጠቕሳ ብሩንዲ ጋቦንን ላይበርያን እዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ።

ላይበርያ፡ ገበነኛታት ሓዊሱ ብኣመሪካ ዝተሰጐጕ ሰባት ንምቕባል ዝቐረበ ሓሳብ'ውን ክትቕበሎ ትኸውን እያ።

እታ ሃገር ብናይ 14 ዓመታት ኲናት ሓድሕድ ብድሕሪኡ ድማ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ለበዳ ኢቦላ ብዙሕ ተሃስያ ዝጸንሐት እያ።

ብሰንኪ ምጕዳል ሓገዛት ኣመሪካ ድማ ኣዝያ ስለ ዝተሃስየት፡ጥረ ገንዘብ ትደሊ።

ብፍላይ እቲ ጽልዋ በቲ 48 ሚእታዊት ካብ ባጀቱ ኣብ ምወላ ኣመሪካ ዝተመርኰሰ ዝነበረ ዝተዳኸመ ስርዓተ ጥዕና ዓቢይ ጽልዋ ኣሕዲሩ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተኸታታሊ ዕልዋ መንግስቲን ፈተነ ዕልዋ መንግስትን ዘጋጠማ ጊኒ ቢሳው፡ ኣብ 1998 ዝተዓጽወ ኤምባሲ ኣመሪካ ዳግም ክኽፈት ትደሊ።

ኣደታትን ህጻናትን ኣብ ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኡማሮ ሲሶኮ ኤምባሎ፡ ሃገሩ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ላቲን ኣመሪካ ናብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዓቢ መተሓላለፊ ኮኬይን ብምንባራ፡ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ብኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን "ናርኮ-ስቴት" - ማለት ኵሎም ሕጋዊ ትካላት ብስልጣንን ሃብትን ዘይሕጋዊ ንግዲ ዕጸ-ፋርስ - ተባሂላ ዝተሰምየት ብምዃና በቲ ካብ ዋይት ሃውስ ዝቐረበሉ ዕድመ ሕቡን እዩ።

"ጊኒ-ቢሳው ሕጂ ካብ ስርዓት ኣልቦነት ወጺኣ ሓቀኛ ሃገር ኰይና ኣላ። ኣመሪካውያን ንዝዀነት ሃገር ስቕ ኢሎም ናብ ሃገሮም ኣይዕድሙን እዮም፣ ጽቡቕ ቅርጺ ዘለዋ ሃገር ክትከውን ኣለዋ፡" ክብል ቅድሚ ናብ ዋሽንግተን ምኻዱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተዛሪቡ እዩ።

ንሱን መዛንኡን - ብራይስ ክሎተር ኦሊጉይ ንጉማ ካብ ጋቦን፡ ጆሴፍ ቦኣካይ ካብ ላይበርያ፡ መሓመድ ኦልድ ጋዞዋኒ ካብ ሞሪታንያን ባሲሩ ዲዮማየ ፋየ ካብ ሰኔጋልን - ምስ ትራምፕ ስምምዕ ንምግባር እዮም ዘተስፍው።

ብርግጽ ነቲ ኣብ ግንቦት ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳን ትራምፕን ኣብ ኦቫል ኦፊስ ዝተኻየደ ኣዘራራቢ ርክብ ዳግማይ ክጻወት ኣይደልዩን እዮም።