እስራኤል ንመላእ ህዝቢ ቓዛ ናብ መዓስክር ክግዕዝ መደብ ኣለዋ ድዩ ?

ኲናት ዘይተፈለዮ ህዝቢ ቓዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ንዅሎም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ናብ ደቡባዊ ክፋል ናይቲ ግዝኣት ናብ ዝርከብ መዓስከር ንምግዓዝ ውጥን ንኸዳልዉ ንወተሃደራቱ መምርሒ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

እስራኤል ካትዝ ትማሊ ሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዑናታት ከተማ ራፋሕ፡ ኣብ መጀመርታ ኣስታት 600 ሽሕ ፍልስጤማውያን - ኣብ መወዳእታ ድማ ንብምሉኡ 2.1 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብሩላ "ሰብኣዊት ከተማ" ክምስርት ከምዝደሊ ገሊጹ።

እቲ ዕላማ፡ ሰባት ኣባላት ሓማስ ከምዘይኰኑ ብመርመራ ምስተረጋገጸ ከምዝምለሱን ክወጹ ከምዘይፍቀደሎምን ገሊጹ።

ኵነታት እንተፈቒዱ፡ እስራኤልን ሓማስን ክዘራረቡሉ ኣብ ዝፍትኑሉ ዘለዉ ናይ 60 መዓልታት ተዅሲ ደው ምባል ህንጸት ክጅምር ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሓደ እስራኤላዊ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብ "ስርሒታዊ ውጥን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ዝንእስ ኣይኰነን ክብል ኰኒንዎ።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ ዝተጎበጠ መሬት ሰለማውያን ሰባት ምስጓግ ወይ ብሓይሊ ምስግጋር፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ብጥብቂ ዝተኸልከለን "ምስ ጽጽያ ዓሌት ዝዳረግ" ገበን ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ካብ በዓል መዚ ፍልስጤም ይዅን ካብ ሓማስ ዝተዋህበ ቅጽበታዊ ርእይቶ የለን።

ብሰኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ብዛዕባ እቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣመሪካ ድሕሪ ኲናት ቓዛ ህዝቢ እታ ከተማ ንሓዋሩ ኣብ ካልእ ቦታታት ክሰፍር ዘቕረቦ ሓሳብ ጠቒሱ።

ነታንያሁ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ ብሉጽ ራእይ ኣለዎ 'መስለኒ፣ ናጻ ሕርያ ይበሃል። ሰባት ክጸንሑ እንተደልዮም ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም፡ ክወጹ እንተደልዮም ግን ክወጹ ክኽእሉ ኣለዎም...።"

ነታንያሁ ኣስዒቡ፡ "ነቲ ኵሉ ግዜ ዝብልዎ ንፍልስጤማውያን ዝሓሸ መጻኢ ክህባ ጻዕሪ ዝገብራ ሃገራት ንምርካብ ምስ ኣመሪካ ብቐረባ ንሰርሕ ኣለና።"

ትራምፕ፡ "ካብ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሃገራት ጽቡቕ ናይ ምትሕብባር ድሌታት ረኺብና ስለዘለና ዝሓሸ ነገር ክፍጸም'ዩ" ኢሉ።

ኣብ መጋቢት፡ ሃገራት ዓረብ፡ ነቲ ትራምፕ ዝሓንጸጾ ውጥን ዳግመ ህንጸት ቓዛ፡ ከም መማረጺ ፍልስጤማውያን ኣብ ግብጺ ንኽሰፍሩ 53 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ደጊፈን ነይረን።

ብተወሳኺ፡ "ንዝዀነ ዓይነት ምምዝባል ህዝቢ ፍልስጤም ብፍጹም ከምዘይቅበልዎ" ዘስመራሉ ኰይነን፡ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ "ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ዓሌታዊ ጽጽያን" ክብሉ ገሊጾሞ።

በዓል መዚ ፍልስጤምን ሓማስን እውን ነቲ ውጥን ግብጺ ኣጽዲቖምዎ እኳ እንተነበሩ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ግን ኣብ ቓዛ ንዘሎ ክውንነት ክምልስ ከምዘይከኣለ ገሊጸን።

ፍልስጤማውያን ቅድሚ እቲ ኣብ 1948 ድሕሪ ምፍጣር ሃገረ እስራኤል ዝተኻየደ ኲናት ዘጋጠመ ክስተት ከይድገም ይሰግኡ።