ስዑድ ዓረብ፡ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ሓያለ ሰባት ብሞት ቀጺዓ

ስዑዲ ዓረብ

ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስት ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ስዑድ ዓረብ ምስ ምዝውዋር ዕጸፋርስ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ሓያለ ወጻእተኛታት ብሞት ከምዝቐጸዐት ኣፍሊጡ።

ስዑድ ዓረብ ኣብዚ እዋን ምስ ምዝውዋር ዕጸፋርስ ብዝተሓሓዝ ብማሕነቐቲ ትቐትሎም ዘላ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ወጻእተኛታት ቍጽሮም ይውስኽ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 345 ሰባት ብሞት ከምዝቐጽዐት ብምሕባር፡ እዚ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዝተመዝገበ ኣብ ሓደ ዓመት ዝተፈጸመ ዝበዝሐ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኰይኑ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ከኣ 180 ሰባት ብሞት ከምዝተቐጽዑ ኣምነስት ብምግላጽ፡ እቲ ቝጽሪ ካብዚ ክውስኽ ከምዝኽእል'ውን ግምቱ ኣቐሚጡ።

ካብ ጥሪ 2014 ክሳብ ሰነ 2025 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ 1816 ሰባት ብሞት ከምዝተቐጽዑ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ካብዞም ብሞት ዝተቐጽዑ ሓደ ካብ ሽዱሽተ ገበኖም ምስ ምዝውዋር ዕጸፋርስ ዝተሓሓዝ'ዩ።

ብመሰረት ዓለምለካዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ምዝውዋር ዕጸፋርስ ብሞት ዘየቅጽዕ ገበን ምዃኑ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ምስ ምዝውዋር ዕጸፋርስ ብዝተሓሓዝ ብሞት ዝተቐጽዑ 597 ሰባት እቶም 75 ሚእታዊት ወጻእተኛታት ምዃኖም ኣምነስት ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓመት 2024 ስዑድ ዓረብ 345 ሰባት'ያ ብሞት ቀጺዓ።

እታ ሃገር ኣብዛ ገና ፍርቂ ጥራይ ዝተላዕላ ዓመት 2025፡ 180 ሰባት ብሞት ክትቀጽዕ እንከላ፡ ኣብ ሰነ 2025 ጥራይ ከኣ 46 ሰባት ብሞት ቀጺዓ።

ካብዚኦም እቶም 37 ገበኖም ምስ ምዝውዋር ዕጸፋርስ ዝተሓሓዝ ከምዝዀነ ከኣ ኣምነስት ገሊጹ።

እዚ ማለት ከኣ ምስ ገበን ምዝውዋር ዕጸፋርስ ብዝተሓሓዝ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ሓደ ሰብ ብሞት ይቕጻዕ ከምዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብሪሁ።

ካብዚኦም እቶም 34 ዜጋታት ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ዮርዳኖስ፡ ናይጀርያ፡ ፓኪስታን፡ ሶማልያን ሶርያን ከምዝዀኑ ኣምነስት ሓቢሩ።

ካብቶም ኣብ ዓመተ 2024 ብሞት ዝተቐጽዑ 345 ሰባት'ውን እቶም 122 ሰባት ገበኖም ምስ ዕጸፋርስ ዝተሓሓዝ'ዩ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ካብ 1990 ጀሚሩ ቍጽሪ ኣብ ስዑድ ዓረብ ብሞት ዝተቐጽዑ ክስንድ ካብ ዝጅመር ቍጽሪ ናይቶም ኣብ 2024 ብሞት ዝተቐጽዑ ዝልዓለ ኰይኑ ከምዝረኸቦ ኣፍሊጡ።

ስዑድ ዓረብ ኣብ 2020 ምስ ምዝውዋር ዕጸፋርስ ዝተሓሓዝ ገበናት ብሞት ከይቅጽዑ ኣዊጃ ነይራ'ያ፤ ቅድሚ ክልተ ዓመት'ውን ብተመሳሳሊ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ሰብ ዝቐተለ ሰብ ጥራይ ብሞት ክቕጻዕ ምእዋጁ ይዝከር።

እንተዀነ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ስዑድ ዓረብ ዝዀነ መግለጺ ከይሃበት፡ ገበኖም ምስ ምዝውዋር ዕጸፋርስ ዝተሓሓዝ ሰባት ብሞት ክትቀጽዕ ጀሚራ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስዑድ ዓረብ፡ ኢራን፡ ኩወትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ገበኖም ምስ ዕጸፋርስ ዝተሓሓዝ ሰባት ብሞት ካብ ዝቐጽዓ ሃገራት'የን።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታ ዓመታት ኣብ ስዑድ ዓረብ 155 ፓኪስታናውያን፡ 66 ሶርያውያን፡ 50 ዮርዳኖሳውያን፡ 39 የመናውያን፡ 33 ግብጻውያን፡ 32 ናይጀርያውያን፡ 22 ሶማልያውያንን 13 ኢትዮጵያውያንን ብሞት ከምዝተቀጽዕ ብዝርዝር ገሊጹ።

ብዙሓት ወጻእተኛታት'ውን ብተመሳሳሊ ገበን ሓደጋ ሞት ኣንጻላልይዎም ከምዘሎ ከኣ እቲ ትካል ገሊጹ።

ገመድ

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock