ከም መረሸኒ’ውን ዘገልግል ሜዳ ኵዕሶ እግሪ

ምንጪ ስእሊ, AP
ኣብ ሞቓድሾ፡ ርእሰ ከተማ ሶማልያ፡ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ሑጻ ዝተተኽሉ ሽዱሽተ ነዋሕቲ ካብ ኮንክሪት ዝተሰርሑ ዓንዲታት ኣለዉ።
ማዕበል ሰማያዊ ህንዳዊ ውቅያኖስ ነዞም ዓንዲታት ከይተንከፈ ኣየብርን።
ካብኡ ንላዕሊ ግን፡ ኣብዞም ዓንዲታት ብርክት ዝበሉ ዘሕዝኑ ፍጻመታት ተፈጺሞም እዮም።
መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ንገለ ሰባት ዘሰክፍ ትሕዝቶ ኣለዎ።
ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ንደቂ ተባዕትዮ ናብዚ ቦታ ኣምጺኦም፡ ኣብቶም ዓንዲታት ብገመድ ኣሲሮም፡ ገጾም ብጸሊም መሸፈኒ ዓፊኖም ብጥይት ይርሽንዎም።
እቶም ፍሉይ ስልጠና ሓይልታት’ውን ገጾም ምስ ተሸፈኑ እዮም።
ርእሲ እቶም ዝተረሸኑ ንታሕቲ የዘንብል፡ ኣብቲ ዓንዲ ዝተኣሰረ ኣካሎም ግን ትኽ ምስ በለ እዩ። ካምቻኦምን ሸርጦምን ክኣ ንፋስ የወዛውዞ።
ገለ ካብዚኦም ኣባላት ናይቲ ኣብታ ሃገር ንኣስታት 20 ዓመታት ራዕዲ ዘስፋሕፍሐን ሰፊሕ ክፋል እታ ሃገር ዝተቘጻጸረን እስላማዊ ጕጅለ ኣልሸባብ ኰይኖም፡ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ተፈሪዶም'ዮም።
ካልኦት ድማ ወተሃደራት ኰይኖም፡ ሰላማውያን ሰባት ወይ መሳርሕቶም ብምቕታል ገበነኛታት ኰይኖም ዝተረኽቡ እዮም።
ሓሓሊፉ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ከቢድ ገበን ፈጺሞም ንሞት ዝተፈርዱ ተራ ገበነኛታት እውን የቕርብ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውሕዱ 25 ሰባት ኣብዚ ገማግም ባሕሪ ተረሺኖም።
እቲ ዳሕረዋይ ዝተረሸነ ሰብ ስዒድ ዓሊ ሞዓሊም ዳውድ ይበሃል።
ንሱ ንበዓልቲ ቤቱ ሉል ዓብደልዓዚዝ ኣብ ሓደ ክፍሊ ዓጽዩ ሓዊ ብምቅጻል ብ6 መጋቢት 2024 ንሞት ተፈሪዱ።
ሉል፡ ፍትሕ ስለ ዝሓተተት ብህይወት እንከላ ከም ዘቃጸላ ተዛሪቡ።
ብድሕሪ እቲ ኣብ ምምሕዳር ሃማር ጃጃብ ዝርከብ መረሸኒ ቦታ ሓደ ንእሽቶ ዘይወግዓዊ ሰፈራ ኣሎ።
እዚ፡ ብዝፈረሰ መንበሪ ኣባይትን ግዝያዊ መዕቆቢታትን ዝመልአ ኰይኑ ኣስታት 50 ስድራቤታት ይነብሩሉ።
"ሓሙሽተ ንኣሽቱ ደቀይ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛ ምስ መጽኡ፡ ኵዕሶ ክጻወቱ ናብቲ ገምገም ባሕሪ ይወርዱ። ነቶም ቅትለት ዝፍጸመሎም ዓንዲታት ከም ዓንዲ ልዳት ይጥቀሙሎም፡" ትብል ሓንቲ ካብቶም ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝዀነት ፋርቱን መሓመድ እስማዒል።

ምንጪ ስእሊ, Naima Said Salah
ወሲኻ፡ "ኣብ ልዕሊ’ቲ ሰባት ብጥይት ክቕተሉ እንከለዉ ደም ዝፈሰሰሉ ቦታ ስለ ዝጻወቱ ብጥዕና ደቀይ ይጭነቕ’የ። ቅትለት ምስ ተፈጸመ እቲ ከባቢ ኣይጽረግን'ዩ" ክትብል ፋርቱን ስክፍታኣ ትገልጽ።
መቓብር ናይቶም ብጥይት ዝተቐተሉ ሰባት ኣብ ከባቢ እቲ ገማግም ባሕሪ እዩ ዝርከብ።
ፋርቱን፡ ደቃ ኣብታ ን33 ዓመታት ብግጭት ዝተሃስየት ከተማ ሞቓድሾ ስለ ዝተወልዱ፡ ዓመጽን ዘይውሕስነትን ከም ዝለመዱ ትዛረብ።
እንተዀነ ንሳን ካልኦት ወለድን ደቆም ኣብቲ ደም ዝፈሰሰሉ ቦታ ምጽዋቶም ዝፈጥረሎም ስክፍታ ኣሎ።
መብዛሕትኦም ወለዲ፡ ደቆም ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ምስ ኣዕሩኽቶም ከይጻወቱ ክኽልክሉዎም ግን ኣይክእሉን። ምሉእ መዓልቲ ደቆም ክሕልዉ'ውን ኣይክእሉን።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ቅትለት ወጋሕታ ካብ ሰዓት 06፡00 ክሳብ 07፡00 እዩ ዝፍጸም።
ነቲ ቅትለት ክዕዘቡ ዝዕደሙ ጋዜጠኛታት ጥራይ እዮም፤ ህጻናት ዝርከብዎም ነበርቲ ግን ኣብኡ ዙርያ ተኣኪቦም ካብ ምዕዛብ ዝዓግቶም ነገር የለን።
ኣብ 1975 ዓ.ም (ኣ.ኣ) ፕረዚደንት ነበር ዝያድ ባረ፡ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ክዕዘቡ ዝኽእልሉ ቦታ ስለ ዝዀነ እቲ ገማግም ባሕሪ ከም መረሸኒ ቦታ ከም ዝመረጾ ይንገር።
እቶም ዓንዲታት ድማ፡ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝያድ ባረ፡ ኣዋልድን ኣወዳትን ማዕረ መሰል ውርሻ ክረኽቡ ዘኽእል ሓድሽ ሕጊ ስድራቤት ዝተቓወሙ ገለ እስላማውያን መራሕቲ ሃይማኖት ብጥይት ንምቕታል ዘቘምዎም ዓንዲታት እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወለዲ፡ እቶም ኣብቲ መረሸኒ ቦታ ዝጻወቱ ደቆም፡ ገለ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ሃንደበት ጥይት ከይረኽቦም ይሰግኡ።
ደቆም፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ምስ ዝፍጸም ቅትለት ስለ ዘዛምድዎም ንፖሊስን ወተሃደራትን ከም ዝፈርሑ ወሲኾም ይገልጹ።
"ለይቲ ክድቅስ ይጽገም'የ፤ ወትሩ ይጭነቕ። ሓሓሊፉ፡ ንግሆ ድምጺ ተዅስታት ይሰምዕ፤ ሽዑ ዝዀነ ሰብ ከም ዝተቐትለ እፈልጥ። ደቀይ ካብ ገዛ ከይወጽኡ ይፍትን'የ፤ ሕዙናትን ድኩላትን ኢና። ናብ ደገ ወጺአ ኣብ ጥቓይ ደም ክፈስስ ምርኣይ እዩ ዘጽልኣኒ" ትብል ፋዱማ።
መብዛሕትኦም ነበርቲ ኣብ ጥቓ እቲ ቅትለት ዝፍጸመሉ ዝነብሩ ሰባት፡ በቲ ኵነታት ዝርበሹ’ኳ እንተዀኑ፡ ብዙሓት ሶማላውያን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣልሸባብ ዝፍጸም ናይ ሞት ፍርዲ ይድግፉ እዮም።
ፋዱማ ዓብደላሂ ቃሲም ካብቶም ሳሕቲ ዘጋጥሙ ተቓወምቲ እቲ ቅትለት እያ።
ንሳ፡ ኣብ ሓደ እንዳ ቁርሲ ሰራሕተኛ ጽሬት ዝነበረ ወዲ 17 ዓመት ወዳ ካብቶም ኣብ ጥቅምቲ 2022 ኣብ ሞቓድሾ ብዝተፈጸሙ ክልተ ፍንጀራታት መካይን ሞይቱዋ እዩ።
ብሰንኪ እቶም ኣልሸባብ ከም ዝፈጸሞም ዝግለጹ መጥቃዕትታት 120 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 300 ድማ ኣብቲ መጥቃዕቲ ቆሲሎም።
እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፋዱማ ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ምቅዋማ ዘገርም’ዩ።
"እቶም ዝቕተሉ ሰባት ብኣካል ኣይፈልጦምን፤ ግን እቲ ተግባር ኢ-ሰብኣዊ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ናብቲ ቅትለት ዝፍጸመሉ ቦታ ክጻወቱ ዝመጽኡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ጥራይ ኣይኰኑን።
ብፍላይ ዕለተ ዓርቢ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሶማልያ ዝመጽኡ መንእሰያት ኣብቲ ከባቢ ይእከቡ እዮም።
ወዲ 16 ዓመት ዓብዱራሕማን ኣደም ሓደ ካብኣቶም እዩ።
"ኣነን ሓወይን ዓርቢ ዓርቢ ናብዚ መጺእና ኣብ ገምገም ባሕሪ ንሕንብስን ኵዕሶ እግሪ ንጻወትን ኢና። ሓፍተይ'ውን ምእንቲ [ኣብ ማሕበራዊ ገጻት] እትዝርግሖም ኣሳእል ንኽትሳኣል፡ ብሉጽ ክዳውንታ ተኸዲና ትመጽእ" ይብል።
ንሱን ካልኦትን መንእሰያትን ብዛዕባ እቲ ዝፍጸም ቅትለትን መቓብር ናይቶም ዝተቐትሉን ይፈልጡ እዮም - እዚ ግን ካብ ናብቲ ገምገም ባሕሪ ምኻድ ኣይዓግቶምን።
እቲ ዘገድሶም እቲ ውቁብ ቦታ እዩ። "መማህርትና ነቶም ስእልታት ምስ ረኣዩ ይቐንኡ። ኣብ መረሸኒ ቦታ ምህላውና ግን ኣይፈልጡን።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







