ድሕሪ 20 ዓመት ንፈለማ እዋን ንጓል ኣንስተይቲ ብሞት ዝቐጽዐት ሃገር

ተቓወምቲ ቅጽዓት ሞት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሲንጋፖር ኣብ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን፡ ብዓርቢ ንሓንቲ ሰበይቲ ብሞት ከምዝቐጸዐት ሰብ መዚ ኣረጋጊጾም።

ጓል 45 ዓመት ሲንጋፖራዊት ሳሪደዊ ጃማኒ፡ ኣብ 2018 30 ግራም ዝምዘን ሄሮይን ዝተባህለ ዓይነት ሓሽሽ ክተሰጋግር ተረኺባ ብዝብል ክሲ ገበነኛ ተባሂላ።

ንሳ ኣብዚ ሰሙን ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ብሞት ዝተቐጸዐት ካልአይቲ ሰብ ኮይና ኣላ።

ሞህድ ዓዚዝ ቢን ሑሴን፡ ብተመሳሳሊ ኣብዚ ሰሙን ብሞት ዝተቐጽዐ ኰይኑ ካብ መጋቢት 2022 ናብዚ መበል 15 ሰብ'ዩ።

ኣብ ዓለም ጽኑዕ ዝበሃል ሕጊ ጸረ-ሓሽሽ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ሲንጋፖር ማሕበረሰብ ንምሕላው ኣገዳሲ እዩ ኢላ ትኣምን።

ሕጊ እታ ሃገር ልዕሊ 500 ግራም ካናቢስ ወይ 15 ግራም ሄሮይን ከዘዋውር ዝተረኸበ ሰብ ብሞት ክቕጻዕ ይድንግግ።

ቤት ጽሕፈት ማእከል ናርኮቲክስ ( ሲ ኤን ቢ) ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብ 6 ሓምለ 2018 ንሞት ዝተፈረደት ሳሪደዊ መቕጻዕታ ብመሰረት ሕጊ ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 6 ነሓሰ ዝቐረበሉ ናይ ይግባይ መመልከቲ ዝነጸገ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ምሕረት ክገብረላ ዝተኻየደ ጎስጓስ እውን ከምዘይሰመረ ሰብ መዚ ገሊጾም።

ኣብ 2017፡ 50 ግራም ሄሮይን ብምዝውዋር ገበነኛ ዝተብሃለ ዓዚዝ ብረቡዕ ምስተሰቐለ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እያ እታ ጓል ኣንስተይቲ ተሰቒላ ዘላ።

ኣብ ሚያዝያ ታንጋራጁ ሱፕያህ ዝተባህለ ውልቀ ሰብ 1 ኪሎ ግራም ካናቢስ ብምዝውዋር ተኸሲሱ ብሞት ተቐጺዑ። ንሱ ግን ነቲ ሓሽሽ ብሞባይል ገይሩ ኣሻይጡ እምበር ብኢዱ‘ኳ ኣይተንከፎን።

ብሪጣንያዊ ቢልየነር ሰር ሪቻርድ ብራንሰን፡ ቅትለት ንገበን ኣይከላኸልን ክብል ነቲ ሲንጋፖር ዘፈጸመቶ መቕጻዕቲ ዳግማይ ነቒፉ።

ንሱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእክቲ "ብዙሓት ብዅነታቶም ስለዝደሃሉ፡ ንእሽቶ መጠን ዘለዎ ሓሽሽ ዘሰጋግሩ ሰባት ሓገዝ እዩ ዘድልዮም" ኢሉ።

ሓደ ጕጅለ ተሓላቒ መሰላት ሲንጋፖር ከምዝገለጾ፡ ሳሪደዊ ኣብ ተርታ መቕጻዕቲ ሞት ካብ ዝነበራ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ እያ። ንሳ ድሕሪ እታ ኣብ 2004 ብሞት ዝተቐጸዐት የን መይ ዎይን ዝተቐተለት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ እያ። የን እውን እጽ ብምዝውዋር እያ ብሞት ተቐጺዓ።

ሳሪደዊ ነቲ እጽ ኣብ እዋን ጾም ንውልቀኣ ክትጥቀመሉ ከምዝኣከበቶ ንቤት ፍርዲ ምዝራባ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ገሊጸን ነይረን። ዋላ‘ኳ ኣብ ገዝኣ እጻት ከምእትሸይጥ እንተዘይከሓደት እቲ መጠን ግን ኣዝዩ ንእሽቶ ከምዝኾነ ተዛሪባ።

ጽኑዕ ሕጊ እጻት፡ ሲንጋፖር ካብተን ውሑሳት ሃገራት ሓንቲ ክትከውን ከምዝሕግዝ ዝገልጹ ሰብመዚ እታ ሃገር፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ነቲ ሕጊ ከምዝድግፎ ይዛረቡ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓዊሱ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ነቲ መቕጻዕቲ ኣትሪሮም ይቃወሙ።

ቻይና፡ ኢራን፡ ስዑድ ዓረብን ሲንጋፖርን ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ምዝውዋር እጽ ተተሓሒዙ ብሞት ዝቐጸዓ እንኮ ሃገራት ከምዝኾና ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጽ።