ኢራን፡ ኣብ 2022 ዘተፈጸመ ፍርዲ ማሕነቕቲ ኣብታ ሃገር ፍርሒ ኣኸቲሉ

ብታሕሳስ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሊዝበን፡ ኢራን ብሰንኪ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ክልተ ሰባት ምቕታላ ብምቅዋም ተቓውሞ የስምዕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ኢራን፡ ኣብ 2022 ማሕነቕቲ ፍርዲ ብ75% ብምውሳኹ ኣብ ህዝቢ እታ ሃገር ራዕዲ ኣኸቲሉ። ኣብቲ ዓመት ኣስታት 582 ሰባት ብሞት ተቐጺዖም። ተቓወምቲ ወገናት፡ ሰበ ስልጣን ኢራን ኣብ ልዕሊ ተቐናቐንቶም 'ፍርሒ ንምዝራእ’ ብፍላጥ ይገብሩዎ ከምዘለው እዮም ዝገልጹ።

ኣብ ኖርወይ ዝመደበሮም ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን (IHR) ከምኡ'ውን ፈረንሳ፡ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብ ኢራን መጠን ሞት መቕጻዕቲ ይዛይድ ከምዘሎ ሓቢሮም። እቲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ከኣ ኣብ ኢራን ካብ ዝርከብ ወግዓዊ መግለጺታትን ምንጭታትን እተመርኰሰ እዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ብማሕነቕቲ እተፈርዱ፡ ብሓሽሽን ቅትለትን ዝተኸሱ ገበነኛታት'ኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ታሕሳስ ግን ክልተ ተቓወምቲ ናይቲ ስርዓት ብሞት ተቐጺዖም እዮም።

ወዲ 22 ዓመት ሞሀሰን ሸካሪን ወዲ 23 ዓመት ማጂዲሬዛ ራህናቫርድን፡ "ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ጽልኢ ሰቢኾም" ብዝብል ዘይንጹር ክሲ እዮም ንሞት ተፈሪዶም። ይኹን እምበር እቶም መንእሰያት ኣብ እዋን መርመራ ብማህረምቲ፡ ተኣሚኖም ገበነኛታት ኰይኖም ከምእተረኽቡ’ዩ እቲ ጸብጻብ ዝሕብር።

ኣብ መጀመርታ ናይዛ ዓመት ካልኦት ክልተ ተቓወምቲ ብሞት ክቕጽዑ እንከለው፡ ካልኦት ብደርዘን ዝቑጸሩ ብከቢድ ወንጀል ከምእተኸሱ’ዩ ዝንገር።

ዝሓለፈ መስከረም እታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እስላማዊ ሪፓብሊክ ዝነበረት ማሕሳ ኣሚኒ ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት ኩርዳዊት መንእሰይ፡ኣብ ቴህራን ሒጃብ ኣይገበረትን ብዝብል ምኽንያት ብጉድለት ስነ ምግባር ብፖሊስ ተኸሲሳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምማታ፡ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ተቓውሞ’ዩ ተላዒሉ።

ሰብኣዊ መሰላት ኢራን (IHR) ከምኡ'ውን ኣንጻር ፍርዲ ሞት ዝጣበቕ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳን (ECPM's) ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጸመ ቅትለት እቲ 71 ጥራይ ብወግዒ ከምእተነግረ ሓቢሮም።

እቲ ካልእ ምስጢራዊ ቅትለት ግን፡ ኣባላት ስድራ ቤት፡ ጠበቓታትን ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ፍርዳዊ ትካላትን ዝሰርሑ መሰኻኽር ዓይኒ ዝሃብዎ እዩ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቶም 288 (49%)፡ ዝተቐትሉ ሰባት ብወንጀል ዝተኸሱ ክዀኑ እንከለው፡ እዚ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ካብ ዝተፈጸመ ዝለዓለ ቝጽሪ እዩ። እተን 13 ደቀንስትዮ ከኣ ኣብ ቑልዕነተን ገበን ፈጺመን ተባሂለን እተኸሳ ይርከባአን።