ኢራን ንእስራኤል ሰሊሎም ዝበለቶም ኣርባዕተ ዜጋታታ ረሺና

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለንደን ኣብ ዝተሳለጠ ምድላው፡ ሰባት ኢራን ንትፍፅሞ ናይ ሞት መቕፃዕቲ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም እዮም

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለንደን ኣብ ዝተሳለጠ ምድላው፡ ሰባት ኢራን ንእትፍጽሞ መቕጻዕቲ ሞት ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም እዮም

ኢራን ምስ ትካል ስለላ እስራኤል ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝረሸነት ተገሊፁ።

ከም ሓበሬታ ማዕከን ዜና ሚዛን፡ እቲ ምስ “ስለላ እስራኤል ተሓባቢሮምን “ጭውያ” ፈፂሞምን ናይ ዝተበሃሉ ኣርባዕተ ሰባት መርሸንቲ ብሰንበት እዩ ተፈጺሙ።

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ግንበት ዝተኣሰሩ ኣርባዕተ ደቂተባዕትዮ፡ ብሞት ክቕጽዑ ብረቡዕ እዩ ብይን ኣሕሊፉ።

እዚ መቕጻዕቲ ሞት ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ብዝቐፀለ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ፡ ኣብ ኢራን ሓያል ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ተፈጺሙ።

ምስ ገበን ኣንጻር ድሕነት ሃገር፣ ኣብ ጭውያን ምውናን ኣጽዋርን ኢድ ኣሎዎም ዝተበሃሉ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ድማ፡ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝተፈረዱ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዞባ ቀንዲ መነሓንሕቲ ዝዀና ኢራንን እስራኤልን፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝቐጸለ ደበና ኵናት ተጸሚደን ይርከባ።

ጭውያ ምፍጻም ዝብል ክሲ ካብ ዝቐረበሎም እቲ ሓደ፡ ነቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ማዕከናት ዜና እስራኤል ዝተቓልሐ ዛዕባ እዩ ዘመልክት፤ ኣብቲ ጸብጻብ ምስ ሓይልታት እስላማዊ ሰውራ ሕብረት ከምዘለዎ ዝገልፅ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣውሮጳ ንእስራኤላውያን ዲፕሎማሰኛታት ዒላማ ዝገብር ዝበሎ ሽርሒ ክዛረብ ተራእዩ ነይሩ።

ማዕከናት ዜና ኢራን ብወገነን ነዚ ትረኻ'ዚ ብምንጻግ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ 2021 [ኣ.ኣ] ብገበነኛታት ተጨውዩ ዝተወሰደን ብፍሉይ ነዞም ሓረጋት ክዛረብ ዝተገደደን ሓረስታይ ምዃኑ ኣቃሊሐን።

ድሕሪ'ቲ 'ጉልባብኪ ብዝግባእ ኣይገበርክን' ተባሂላ ብኣካላት ፀጥታ ኢራን ተኣሲራ እንከላ ዝሞተት ኢራናዊት ጓልኣስተይቲ ዝሰዓበ ናዕቢ ኣንፃር መንግስቲ ብምስዋር፡ ኢራን ካብ እትኸሰን ሃገራት ሓንቲ እስራኤል እያ።

ነዞም ኣብ ጐደናታት ኢራን ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ ስዒቡ፡ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ሽድሽተ ሰባት ፍርዲ ሞት ከም ዝተበየነሎም ዝገለፀ ኰይኑ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግን ኣብዚ እዋን ብውሑዱ 21 ሰባት ብማሕነቕቲ ብዘቕጽዑ ገበናት ተኸሲሶም ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ።

ኢራን ኣብዚ እዋን ብዘይካ ቻይና፡ ልዕሊ ዝዀነት ሃገር በብዓመቱ ሰባት ብምርሻን ዝወዳደራ ከምዘየለ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልፁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢራን፡ እቲ ዝጸንሐ ሓይሊ 'ፖሊስ ስነምግባር' ከም እትደስክል ኣኽባሪ ሕጊ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እዚ ሓይሊ ፖሊስ፡ ደቂኣንስትዮ እታ ሃገር እስላማዊ ኣከዳድና ከም ዝተኸደና ዝቈጻጸር እዩ።

ዓቃቢ ሕጊ እታ መሓመድ ጃዕፈር መንተዝሪ ስነ-ምግባር ዝቈጻጸሩ ፖሊስ ካብ ስራሕ ይእለዩ ከምዘለዉ’ኳ እንተፍለጠ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር ግን ነዚ ኣየረጋገጹን። 

ፖሊስ ስነ-ምግባር ይእለዩ ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ፡ እቲ ፖሊስ ምስ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዘራኽብ ከምዘይብሉን፡ ተሓታትነቱ ንሚኒስትሪ ውሽጢ ጉዳያት ከምዝዀነን ተዛሪቡ።