100 ኢራናውያን እሱራት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከምዘጋጥሞም ተሓለቕቲ መሰላት ገሊጾም

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም መቕጻዕቲ ሞት መሓመድ ጎባደሉ ክፍጸም ፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Twitter

መግለጺ ስእሊ, ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም መቕጻዕቲ ሞት መሓመድ ጎባደሉ ክፍጸም ፈሪዱ

ኣብ ኢራን ብዝተላዕለ ተቓውሞታት ብዝተኣሳሰር ኣስታት 100 ሰባት ንሞት ወይ ንሕልፈት ከም ዝተፈርዱ ጉጅለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም።

ሓሙሽተ ካብኣቶም ደቀንስትዮ ምዃነን ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን (IHR) ገሊጹ።

እንተዀነ፡ስድራቤታት ናይቶም እሱራት ንኸይዛረቡ ምፍርራሕ የጋጥሞም ብምህላዩ፡ እቶም ንሞት ዝተፈርዱ ተቓወምቲ ቁጽሮም ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ እቲ ተሓላቒ መሰላት ኣጠንቂቑ ኣሎ።

እቶም ተጣበቕቲ መሰላት ድሕሪ ምዝራቦም ክልተ ሰባት ድሮ ብናይ ሞት መቕጻዕቲ ተቐቲሎም እዮም።

"ንኽብሪ ኣምላኽ ኣነኣኢሶም፡ ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ሞህሰን ሸካሪን ማጂድሬዛ ሪሃንቫርድን ዝተባህሉ ክልተ ደቂ 23 መንእሰያት ብኣኽበርቲ ሕጊ ገበነኛታት ኰይኖም ተረኺቦም ተባሂሎም እዮም ተቐቲሎም።

ኢራን፡ ንልዕሊ 100 መዓልቲታት ኣንጻር ሃይማኖታዊ ኣቦታት ብዝተላዕለ ተቓውሞታት ክትናወጽ እያ ጸኒሓ።

እቲ ተቓውሞ ድሕሪ እታ ብ13 መስከረም፡ ሕጃብ ኣይገብርን እየ ብምባላ ብስነ ምግባር ፖሊስ ኣብ ቴህራን ዝተኣስረት ጓል 22 ዓመት ማሕሳ ኣሚኒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምማታ እዩ ተባሪዑ።

ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ብባዕዳዊ ዝድገፍ "ናዕቢ" ገይሮም ብምግላጽ ሓያል ግብረ መልሲ ሂቦምሉ ።

ክሳብ ሕጂ 64 ቈልዑን 34 ደቀንስትዮን ዝርከብዎም ብውሕዱ 476 ተቓወምቲ ከም ዝተቐትሉ IHR ዝተባህለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ጕጅለ ብሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ሰበ-ስልጣን ኢራን ን100 ዝዀኑ ሰባት ንሞት ከም ዝፈረደ ብስድራ-ቤቶምን ጋዜጠኛታት ከም ዝተነግሮም ሓቢሩ ።

ኩሎም ተኸሰስቲ "ናይ ባዕሎም ጠበቓ ናይ ምርካብ መሰልን ግቡእ ፍትሓዊ መስርሕ ፍርድን ተነፊጎም " እዮም ይብል።

ወሲኹ፡ "[እቶም ግዳያት] ምስ ሰብ ሞያ ርክብ ኣብ ዝገበሩሉ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ዘይወዓሉዎን ዘይገበሩዎን ጉዳያት ብጸቕጥን ኣስገዳድን ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስቓይ ከጋጥሞም ጸኒሑ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ሓደ ካብቶም ንክቕተሉ ዝተበየነሎም ተቓወምቲ ወዲ 22 ዓመት ዝዕድሚኡ ሞሃድ ጎባድሉ ፍርዱ ብቤት ፍርዲ ጸኒዑ እዩ።

ኣብ መስከረም ኣብ ቴህራን ኣብ ዝተገብረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ናብ ጕጅለ ፖሊስ መኪና ብምሽክርካር ንሓደ ሰብ ብምቕታሉ’ዩ: "ብጽልኢ ኣምላኽ" ተኸሲሱ።

ኣዲኡ፡ ውላዳ ናይ ስምዒት ምቅይያር (ባይፖላር ዲስኦርደር) ዝበሃል ሕማም ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ጠበቓታቱ እውን ክረክብ ከይተፈቕዶ ኣብ ፈላሚ ጉባኤ ንሞት ምፍራዱ ቅኑዕ ዘይምዃኑ ተዛሪባ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እቲ ንሞት ዝተፈርደ ሰብ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ቅልጽሙ፡ ኣብ ኩርናዕ ኢዱን መንኩቡን ናይ ካራ መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞ ዝሕብር ናይ ፈረንዚክ ቅድመ መጠንቀቕታ ከም ዘጋጠሞ ሓቢሩ።

እተን ሓሙሽተ ኣንስቲ "ብምድራዊ ብልሽውና" ከም ዝተኸሰሳ ዝገለጸ ሞጅጋን ካቩሲ ዝበሃል ናይ ኩርዳውያን ቋንቋ መምህርን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ብሞት ከምእተቐጽዓ ገሊጹ ።

ሓንቲ ኣኽባሪት ሕጊ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ከተማ ሳሪ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ፡ ንሚስ ካቩሲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፖስተራት ብምሕታማ ፡ "ንርኽሰት ኣለዓዒላ" ብምባል ከም ዝኸሰሳ እዩ ዝንገር ።

ዳይረክተር IHR ማሕሙድ ኣሚሪ ሞጋዳም ንማዕከናት ዜና AFP ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "[እቶም ሰበ-ስልጣን] ናይ ሞት ፍርዲ ብምፍራድን ንገሊኦም ብምቕታልን ነቲ ሰልፊ ክብትንዎ እዮም ዝደልዩ” ኢሉ ።

"እዚ እተወሰነ ጽልዋ ኣለዎ" እኳ እንተ በለ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ ግና፡ "ብሓፈሻ ዝረኣናዮ ነገራት፡ ኣብ ሰበ ስልጣን ዝያዳ ቝጥዓ ፈጢሩ’ዩ" ይብል ።

ኢራናዊት ተጻዋቲት ቼዝ ሳራ ካደም፡ ኣብ ካዛኪስታን ኣብ ዝtኻየደ ውድድር ብዘይ ሒጃብ ተወዳዲራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኢራናዊት ተጻዋቲት ቼዝ ሳራ ካደም፡ ኣብ ካዛኪስታን ኣብ ዝtኻየደ ውድድር ብዘይ ሒጃብ ተወዳዲራ

ዓባይ ብሪጣንያ ብሰሉስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ሰውራዊ ሓለዋ ዝተባህለ ሓይሊ ኣብቲ ተቓውሞ ተሳቲፎም ዝተባህሉ ሸውዓተ ኢራናውያን ዝመበቆሎም ብሪጣንያውያን ዜግነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዉዎም ዝገልጽ ጸብጻብ ካብ ኢራናውያን ሰበ-ስልጣን ብህጹጽ ሓበሬታ ከም ዝደሊ ገሊጹ ።

ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ዓዲ ኢንግሊዝ (ዳውኒንግ ስትሪት)፡ "ዜጋታትና ንዲፕሎማሲያዊ ሃልኪ ክውዕሉ ፈጺምና ኣይንቕበልን ኢና” ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እን ከሎ ሰበ-ስልጣን ፈረንሳ፡ ሰኑይ ምሸት ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ ሊዮን ፈለግ ሮን ሞይቱ ዝተረኽበ ኢራናዊ ሰብኣይ መርመራ ይገብሩ ምህላዎም ገሊጾም ።

ወዲ 38 ዓመት መሓመድ ሞራዲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ነቲ ኣብ ኢራን ዘጋጠመ ተቓውሞ ኣቓልቦ ዓለም ንክፈጥር ምእንቲ ንገዛእ ርእሱ ክቐትል ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ’ዩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ላዕለወይቲ ኢራናዊት ተጻዋቲት ቸስ ሳራ ካደም ምስተን ብደቀንስትዮ ዝምርሓ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ብዝነበራ ጽኑዕ ርክብ ንኻልኣይ መዓልቲ ኣብ ካዛኪስታን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብዘይ ሕጃብ ተሳቲፋ።

ኢራን ደቂ ኣንስትዮኣ ናብ ወጻኢ ሃገር ብወግዒ ክውክላ እኳ እንተፈቐደት ብኣከዳድናአን ግን ክትቅየድን እያ ትደሊ።