ንደቂ ኣንስትዮ መንእሰያት ብወልፊ ዝጎድእ ዘሎ መድሃኒት

ኣሚኖ ኣብዲ ኣብ ዙርያ እቲ ጉዳይ ዘሎ ስቕታ ክቕንስ ተስፋ ብምግባር ብዛዕባ ወልፋ ተዛሪባ

ምንጪ ስእሊ, FATHI MOHAMED AHMED

መግለጺ ስእሊ, ኣሚኖ ኣብዲ ኣብ ዙርያ እቲ ጉዳይ ዘሎ ስቕታ ክቕንስ ተስፋ ብምግባር ብዛዕባ ወልፋ ተዛሪባ

ደቂ ኣንስትዮ ሞቓድሾ ብወልፊ ይልከፋ ምህላወን ክፍለጥ ዝኸኣለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሬሳ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ሓደ ጎደና ወዲቑ ምስ ተረኸበ እዩ።

እታ መንእሰይ ብሰንኪ ዓቐኑ ዝሓለፎ መድሃኒት ‘ኦፒዮኦድ’ ከም ዝሞተት ክኢላታት ጥዕና ይሕብሩ።

ኦፒዮኦድ ብፍላይ ኣብ እዋን ሕክምና መጥባሕቲ መዕገሲ ቃንዛ ክኸውን ብዝብል ብሰብ ሞያ ሕክምና ዝእዘዙ ዓይነታት መድሓኒታት እዮም። ብዘይግቡእን ካብ መጠን ንላዕሊን እንተተወሲዱ ግን ናብ ወልፊ ክምዕብል ይኽእል።

እታ መንእሰይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሓት ሰዓብቲ ዝነበርዋን ብዙሕ ጽልዋ ትፈጥርን ዝነበረት እያ።

ካብ መሓዙታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ እታ መንእሰይ ንነዊሕ እዋን ነቲ መድሃኒት ክትወስድ ጸኒሓ እያ።

ንገለ ካብቶም ህቡባት ብቲክቶክ እትፍንዎም ቪድዮታታ ኣብ እትቐርጸሉ እዋን ድማ፡ ብሰንኪ ልዑል መጠን እቲ መድሓኒት ኣብ ዝለዓለ ስምዒት ምንቕቓሕ [ስክራን] ከም ዝነበረት ይዛረቡ።

ኣብ ሞቃድሾን ካልኦት ከባቢታት ሶማልያን ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ቁጽሪ ነቲ መድሓኒት ዝጥቀሙ ሰባት ይውስኽ ከም ዘሎ ፖሊስ ይገልጽ።

ፖሊስ ከም ዝበሎ ብዙሓት ሰባት ናብቲ ሓድሽ ወልፊ ዘትሕዝ መድሓኒት ኣብ ምእታው ይርከቡ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ፡ ፖሊስ ብሓኪም ዝተኣዘዙ መድሓኒታት ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓድሾ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ኣፍሊጡ ነይሩ። ካብቶም መድሓኒታት ድማ መብዛሕትኦም ኦፒኦይድ እዮም። እቶም ነቶም መድሓኒታት ከእትውኡ ዝፈተኑ ነጋዶ'ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝወዓሉ ተሓቢሩ።

ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣብ ሞቓዲሹ ዝርከብ ሓኪም፡ ብመልክዕ ከኒናን ብመርፍእን ዝውሃብ መድሃኒት ኣብ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ይዛረብ።

"መብዛሕትኦም እቶም መድሃኒታት ወልፊ ዘትሕዙ ኮይኖም፡ ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ኣብ ፋርማሲታት እታ ከተማ ይርከቡ" ይብል።

“ኣብ መኪና ክድቅስ ጀሚረ”

እቲ ካልእ ብብዙሓት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝፍለጥ ዕጸ-ፋርስ፡ 'ታቡ' ብዝብል ዝፍለጥን ዝሕየኽን እዩ።

ጓል 23 ዓመት ኣሚኖ ኣብዲ፡ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ነዚ ሓሽሽ ክትጥቀም ጸኒሓ እያ። ኣብ ሶማልያ ደቂ ኣንስትዮ ብወልፊ ሓሽሽ ክተሓዛ ከም ነውሪ ዝቑጸር’ኳ እንተኾነ፡ ኣሚኖ ግን ነቲ ስቕታ ንምስባር ብዛዕብኡ ንቢቢሲ ብግልጺ ክትዛረብ ወሲና።

ኣሚኖ፡ ምስተን ሓቢረንኣ ዝነብራ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃን 'ታቡ' ምጥቃም ከም ዝጀመረት ትዛረብ።

“ኣብ ልዕለይ ዓቢ ጽልዋ የሕድራ ነይረን። ድሕሪኡ ውልፍቲ ትምባኾ ኰይነ። ካብኡ መብዛሕትኡ ግዜ ብመርፍእ ዝውሰድ ሓደገኛን ከበድትን ዕጸ-ፋርስ ክጥቀም ጀሚረ” ትብል ኣሚኖ።

ካዲጆ ኣዳን፡ ጓል 14 ዓመት ጓላ ዘይልሙድ ኣካይዳ ከምዝነበራ ትገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Fathi Mohamed Ahmed

መግለጺ ስእሊ, ካዲጆ ኣዳን፡ ጓል 14 ዓመት ጓላ ዘይልሙድ ኣካይዳ ከምዝነበራ ትገልጽ

ብፍላይ ምስ በዓል ቤታ ዘይምርድዳእ ካብ ዝፍጠር ንደሓር መጠን እትወስዶ መነቃቕሒ ከም ዝወሰኸ ትዛረብ። ኣብዚ እዋን ምስ በዓል ቤታ ተፈላልያ እያ። ምስ ጓላ ድማ ትነብር ኣላ።

ኣሚኖ ካብቲ ወልፋ ክትገላገል ድልየት ኣለዋ። ግን ድማ ኣብ ሶማልያ ብቑዓት መሐከሚ ማእኸላት ስለ ዘየለዋ ከቢድዋ’ሎ።

ንኹሉ ወልፍታት ብሓንሳብ ደው ምባል ከቢድ ከም ዝኾነ እትዛረብ ኣሚኖ፡ ዋላ እኳ ነቲ ብመርፍእ ዝውሰድ ኦፒኦይድ ክትንክይ እንተኽኣለት፡ ትምባኾን ሽሻን ግን ኣይገደፈትን።

ወለዲ ብፍላይ ድማ ኣዴታት ደቂ ኣንስትዮ ደቀን ዝኣትዋኦ ዘለዋ ወልፊ እናወሰኸ ብምምጽኡ ኣዝየን ክጭነቓ ጀሚረን ኣለዋ።

ካዲጆ ኣዳን፡ ጓል 14 ዓመት ጓላ ዘይልሙድ ኣካይዳ ከምዝነበራ ትገልጽ።

“ኣብ ዘይተለመደ ሰዓታት እያ ትድቅስ። ዝገርም ባህሪ እውን ተርእይ" ትብል።

“ሓደ መዓልቲ ከኒናን ትምባኾን ኣብ ቦርሳኣ ረኺበ። ሓቲተያ፤ ብድፍኢት መሓዙታ መድሓኒት ክትወስድ ከም ዝጀመረት ድማ ነጊራትኒ” ትብል ካዲጆ።

ግዳም ሓደር ህጻናት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ

ሶማልያ ካብቲ ንኣርብዓ ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ድርቅን ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ግጭትን ክትሓዊ ትቃለስ እኳ እንተሃለወት፡ ይትረፍ'ዶ ምስ ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰር ጸገማታ ንምፍታሕስ፡ መሰረታዊ ድሌታት ደቂ ሰባት ንምምላእን እውን ዓቕሚ የብላን።

ገለ ትካላት ብዛዕባ እቲ ሓደጋታት መድሓኒት ግንዛበ ብምፍጣር ነቲ ዘሎ ጸገም ንምቅላል ይጽዕራ ኣለዋ።

'ዘ ግሪን ክረሰንት ሶሳይቲ' ዝተባህለ ትካል ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲታትን ብምኻድ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ወልፍታት ከምኡ’ውን ብዛዕባ ጠላዕ፡ 'ጌማትን' ማሕበራዊ መራኸቢታትን መጠንቀቕታ ዝህቡ መልእኽትታ ኣብ ምሕላፍ ይርከቡ።

ጸብጻብ ሚኒስትሪ ልምዓት ደቂ ኣንስትዮን ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዝሕብሮ፡ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ካብ ግዳም ሓደር ህጻናት ሓሽሽ ይወስዱ እዮም።

ኣብ ጎደና ካብ ዘለዉ ህጻናት ድማ እተን 20 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ኣብ ሶማልያ ህቡብ ዝኾነ ቆጽሊ ጫት፡ ክሕየኽ ከሎ ልኡም መነቓቕሒ ውጽኢት ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሶማልያ ህቡብ ዝኾነ ቆጽሊ ጫት፡ ክሕየኽ ከሎ ልኡም መነቓቕሒ ውጽኢት ኣለዎ

ጫት ምሕያኽ፡ በንዚን ምሽታትን ትምባኾን ምጥቃምን ኣብ ግዳም ሓደር ህጻናት ልሙድ እኳ እንተኾነ፡ ሚኒስትሪ ልምዓት ደቂ ኣንስትዮን ሰብኣዊ መሰላትን ዘካየዶ መጽናዕቲ ግን 10 ሚኢታዊት ካብኣቶም ኦፒኦይድ ከም ዝወስዱን 17 ሚኢታዊት ድማ መደቀሲ ከኒና ከም ዝጥቀሙን የመልክት።

ቁጽሪ ወልፊ ሓሽሽ ዘለዎም መንእሰያት ምውሳኹ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍጸም ዓመጽ ሓዊሱ ካልኦት ገበናት ክውስኽ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ።

ብተወሳኺ ኣብታ ቁጽሪ ብኤችኣይቪ ዝልከፉ ሰባት ትሑት ዝኾነላ ሶማልያ ካብ ሕዚ ንደሓር እቲ ቁጽሪ ንኽውስኽ ምኽንያት ከምዝኸውን ስክፍታ ፈጢሩይርከብ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሶማልያ ሓላፊት ፕሮግራም ኤችኣይቪ ዝኾነት ዶክተር ሳድያ ዓብዲሳማድ ዓብደላሂ፡ "ብዝሒ መድሓኒታት ብፍላይ ድማ ኦፒዮይድ ዝወግኡ ሰባት እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ በቲ ቫይረስ ናይ ምልካፍ ሓደጋ ይውስኽ ኣሎ" ትብል።

ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ዕጸፋርስ

ክኢላታት ጥዕና ከም ዝብልዎ፡ ነቲ ቅልውላው ኦፒዮይድ ንምውጋድ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ መድሓኒት ዘነጻጸረ ስርሒት ክካየድ ኣለዎ።

ኣብዚ እዋን ድማ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊኦም ስጉምቲ ክወስድ ጀሚሩ ኣሎ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነጋዳይ መድሓኒት ግን፡ ንሱን መሳርሕቱን በቲ ፖሊስ ዝወሰዶ ዘሎ ስጉምቲ ሕጉሳት ከም ዘይኮኑ ይዛረብ።

“ኣብ ሞቓድሾ ኣብ ፋርማሲ ክሰርሕ ካብ ዝጅምረ ዓመታት ኣቑጺረ ኣለኹ። ንመንእሰያት መድሓኒት ምሻጥ ኣዝዩ ቀሊል እዩ ነይሩ። እቲ መድሓኒት ኣብ ልዕሊኦም ዘስዕቦ ጽልዋ ኣይንፈልጥን። ስለዝኾነ ድማ ንዝኾነ ሰብ ብምሻጥ ጽቡቕ ገንዘብ ንረክብ ነይርና" ይብል።

ብምስዓብ "ሕጂ ግን ወለዲ ምስቶም ክከታተሉናን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ክኣስሩናን ዝጀመሩ ፖሊስ ይተሓባበሩ ኣለዉ። ሕጂ ንመንእሰያት ከይንሸይጥ ንፈርሕ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ኣታዊ ንስእን ኣለና።" ይብል።

ብዛዕባ ምጥቃም ዕጸፋርስ ደቂ ኣንስትዮ ብምዝራብ፡ ከም በዓል ኣሚኖ ኣብዲ ዝኣመሰላ ተባዓት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ከም በዓል ካዲጆ ኣዳን ዝኣመሰላ ኣዴታትን ነቲ ጉዳይ ናብ ቅሉዕ ንምውጻእ ኣገዳሲ ቀዳማይ ስጉምቲ ወሲደን ኣለዋ።

ምትእትታው ፖሊስን መደባት ንቕሓትን እውን ክሕግዝ እዮም፡ እንተኾነ ግን ብዘይ ተወሳኺ ጸጋታትን ኣቓልቦን እቲ ጸገም ኣብ ቀረባ እዋን ክፍታሕ ተኽእሎ ዘሎ ኣይመስልን።