ኣብ 2022፡ ንፈለማ እዋን ዝተኸሰቱ ሸሞንተ ነገራት

ማይክሮፕላስቲክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓመተ 2022፡ ብዙሓት ተራእዮምን ተሰሚዖምን ብዘይፈልጡ ፍጻመታት ዝተመልአት ዓመት እያ ነይራ፤ ኩሎም ግን ኣብ ፕላኔትና ዝተኸሰቱ ኣይኰኑን።

ንገለ ካብቶም ንዓይንና ዝስሓቡ ዓበይቲ ምዕራፋት ከነዳህስሰኩም፤ ሸሞንተ ክኣ መሪጽና።

ናሳ፡ ንሓደ ኣስትሮይድ ኣንፈቱ ቀይሩ

ትካል ህዋ ኣሜሪካ፡ ብ28 መስከረም ኰነ ኢሉ ንሓንቲ መንኮርኮር ጠፈር ምስ ኣስትሮይድ ድሕሪ ምግጫው፡ ንኣንፈት እቲ ኣስተሮይድ ኣብ ምቕያር ተዓዊቱ እዩ።

እቲ ፈተነ፡ ንመሬት ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝኽእሉ ኣኻውሕ ህዋ፡ ውሑስ ብዝዀነ ኣገባብ ካብ መንገዲ ክእለዩ ይኽእሉ እንተኾይኑ ንምፍታን ዝተዳለወ እዩ ኔሩ። ከም ዝክኣል ክኣ ተረጋጊጹ።

ኣብ ደም ደቂ ሰባት ደቐቕቲ ፕላስቲካት ተረኺቦም

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ መጽሔት ኢንቫይሮመንት ኢንተርናሽናል ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ኣብ ቅምሶ ደም 80 ሚኢታዊት ዝተመርመሩ ሰባት፡ ደቀቕቲ ፕላስቲካት [ማይክሮፕላስቲክ] ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።

ማይክሮፕላስቲክ ትሕቲ 5 ሚ.ሜ ንውሓት ዘለዎም ንኣሽቱ ቁርጽራጽ ፕላስቲክ እዮም።- ዓበይቲ ቁራጽ ፕላስቲክ ኣብ ሓመድ ወይ ኣብ ባሕሪ ተበታቲኖም ንኣከባቢ ምስ ዝብክሉ እዮም ዝፍጠሩ።

እዚኦም ኣብ ሰብነትና ብዛዕባ ዝህልዎም ጽልዋ ኣይተፈልጠን። ተመራመርቲ ግን እቶም ሓደሽቲ ርኽበታት ኣዝዮም ዘተሓሳስቡ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ማይክሮፕላስቲክ ንዋህዮታት ደቂ ሰባት ክጐድኡ ይኽእሉ’ዮም ይብሉ።

 ኣብ ዋንጫ ዓለም፡ ንፈለማ እዋን ዝተኸሰቱ ፍጻመታት

ዋንጫዓለም ደቂ ተባዕትዮ ፊፋ 2022 ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተኸታታሊ ሓደሽቲ ምዕራፋት ዝተራእዮ ነይሩ። እዚ፡ ንመጀመርታ ግዜ፡ ብዓረባዊት ወይ ኣስላማዊት ሃገር - ቀጠር ዝተኣንገደ ፈላሚ ውድድር እዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ጥራይ ዝዳነይኦ ጸወታ ተኻይዱ። እዚ ኣብ ሞንጐ ጀርመንን ኮስታሪካን ዝነበረ ጸወታ ምዃኑ ይዝከር።

ፈረንሳዊት ስቴፋኒ ፍራፓርት ካፒተን እተን ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ኰይና ነቲ ጸወታ ክትመርሖ እንከላ፡ ብራዚላዊት ኑዛ ባክን ሜክሲኮኣዊት ካረን መዲናን ተሓጋገዝቲ ደያኑ ነይረን።

ካልእ፡ ንፈለማ እዋን ዝተኸስተ ነገር፡ ሞሮኮ ብዘገርም ክእለት ናብ ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ ምብጽሓ እዩ።

እዚ ሞሮኮ ዝበጽሓቶ ደረጃ ዛጊት ብኣፍሪቃዊት ወይ ዓረባዊት ሃገር ዝተመዝገበ ብሉጽ ዓወት እዩ።

ብተወሳኺ፡ ቀጠር፡ ሊዮኔል ሜሲ ንሓሙሽተ ግዜ ድሕሪ ዘካየዶ ፈተነታት ንፈለማ እዋን ጽዋዕ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረሉ መድረክ እዩ ነይሩ።

ፈረንሳዊት ዳይና ስቴፋኒ ፍራፓርት ኣብ ቀጠር፡ ናይ መወዳእታ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ዝኸፈተት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፈረንሳዊት ዳይና ስቴፋኒ ፍራፓርት ኣብ ቀጠር፡ ናይ መወዳእታ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ዝኸፈተት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ

ሸሞንተ ቢልዮን ኰይንና . . . ንውስኽ ክኣ ኣለና

ብ15 ሕዳር 2022፡ ህዝቢ ዓለም ሸሞንተ ቢሊዮን ከም ዝመልአ ተኣዊጁ።

“እዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕብየት፡ ኣብ ጥዕና፣ ኣመጋግባ፣ ውልቃዊ ጽርየትን መድሃኒትን ብዝመጽአ ምምሕያሽ፡ ዕምሪ ሰባት ብምውሳኹ ዝሰዓበ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ዘሎ ልዑልን ቀጻልን መጠን ወሊድ ነዚ ኣበርክቶ ገይሩ” ይብል መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት።

ይኹን’ምበር፡ እዚ ዓለማዊ ብዝሒ ህዝቢ ካብ ሸውዓተ ቢሊየን ናብ ሸሞንተ ቢሊየን ንክዓቢ 12 ዓመታት ከም ዝወሰደ ይሕብር።

እዚ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ቢሊዮን ንክበጽሕ ኣስታት 15 ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእልን፡ ሓፈሻዊ መጠን ወሊድ ከም ዝንክን እቲ ትካል ይሕብር።

ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፡ ሸሞንተ ቢሊዮን ንከeመልእ 12 ዓመታት ወሲዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፡ ሸሞንተ ቢሊዮን ንከeመልእ 12 ዓመታት ወሲዱ

‘ንዓለም ዝቕይር’ ክታበት ዓሶ

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ‘ዓለም ናይ ምቕያር” ተኽእሎ ዘለዎ ክታበት ዓሶ ረኺብና ኢሎም።

እዚ ኣብ 2023 ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ትጽቢት ዝግበር ክታበት፡ ፈተነ ተገይርሉ፡ 80 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ከም ዝዀነ ተረጋጊጹ’ዩ።

ሕማም ዓሶ፡ ዓመታዊ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ይቐትል። እቶም ተመራመርቲ እቲ ዝረኸቡዎ ክታበት ዋጋኡ’ውን ሕሱር ከም ዝዀነ ገሊጾም።

ዓሶ፡ ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት ሞት ህጻናት ኰይኑ፡ እቲ ዓሶ ዘስዕብ ጽግዕተኛ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን መደናገርን ብምዃኑ፡ ነዚ ክታበት ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ጸኒሑ። እቲ ሓሰኻ፡ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ቀልጢፉ ዝቀያየር ስለ ዝዀነ፡ ኣንጻሩ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምዕባይ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ገይሩዎ’ዩ።

ክታበት ዝወስድ ዘሎ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Katie Ewer

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቡርኪናፋሶ ፈተነ ሓድሽ ክታበት ዓሶ ተዋሂቡ

ቴሌስኮፕ ጄምስ ዌብ

ኣብ 2022፡ ርእሰ ዜና ዓለም ዝተቘጻጸረት ቴሌስከፐፕ ጄምስ ዌብ ነይራ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይቲ ዓመት ናብ ግብሪ ካብ እትኣቱ ኣትሒዛ፡ ኣዝዮም ዘደንቑ ስእልታት ዓለምና ከተርኢ ክኢላ።

ካብኣቶም እቲ ሓደ፡ ክሳብ ሕጂ ዝዓሞቐ ቅጽበታዊ ስእሊ ዓለምና ከምኡ'ውን ADES-GS-z13-0 ዝተባህለ ልዕሊ 13 ቢሊዮን ዓመታት ዝገበረ ጋላክሲ ሓዊሱ ከተርኢ ክኢላ።

እዚ፡ ክሳብ ሕጂ ብወርቃዊ ደረጃ መዐቀኒ ዝተረጋገጸ “ኣዝዩ ዝርሓቐ ጋላክሲ” እዩ።

JADES-GS-z13-0 ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ 'ኣዝዩ ዝርሓቐ ጋላክሲ' እዩ

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, JADES-GS-z13-0 ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ 'ኣዝዩ ዝርሓቐ ጋላክሲ' እዩ

ፈላማይ እስያዊ ናብ ዳውኒንግ ስትሪት 10 ኣትዩ

ኣብ 2022፡ ኣብ ብሪጣኒያ ቅልጡፍ ምቅይያር ቀዳሞት ሚኒስትራት ተራእዩ ነይሩ።

ሊዝ ትራስ ን45 መዓልታት ጥራይ ኣብ ስልጣን ጸኒሓ። ንሳ እታ ዝሓጸረ እዋን ቀዳመይቲ ሚኒስትር ዝዀነት ብሪጣንያዊት ፖለቲከኛ እያ።

ንዓኣ ተኪኡ ዝመጽአ ሪሺ ሱናክ፡ ድማ ኣብታ ሃገር ፈላማይ እስያዊ መራሒ ኰይኑ። ሱናክ፡ ኣብ 25 ጥቅምቲ’ዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።

ሪሺ ሱናክ ብ25 ጥቅምቲ 2022 ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ኰይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ባክቴሪያ ብዘይ ማይክሮስኮፕ ርኢና

ቲ.ማግኒፊሳ ቅርጹን ዓቐኑን ክንዲ ቅርንብ ዓይኒ እዩ ዝኸውን

ምንጪ ስእሊ, Jean-Marie Volland

መግለጺ ስእሊ, ቲ.ማግኒፊሳ ቅርጹን ዓቐኑን ክንዲ ቅርንብ ዓይኒ እዩ ዝኸውን

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ተመራመርቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሕማም ዘስዕብ ደቂቕ ነፍሳት ከም ዝረኸቡ ወግዓዊ ገይሮም።

እዚ፡ ቅርጹን ዓቐኑን ክንዲ ቅርንብ ዓይኒ ዝኸውን ቲዮማርጋሪታ ማግኒፊሳ ዝተባህለ ሓድሽ ነፍሳት ንምርኣይ ማይክሮስኮፕ ኣየድለየን።

ሓንቲ ሴንቲ ሜትር ንውሓት ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብቶም ካልኦት ዓበይቲ ባክቴሪያታት 50 ዕጽፊ ዝዓበየን ንፈለማ እዋን ብዓይኒ ደቂ ሰባት ጥራይ ዝተራእየን ባክቴሪያ እዩ።