ኣብ 2022፡ ንፈለማ እዋን ዝተኸሰቱ ሸሞንተ ነገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓመተ 2022፡ ብዙሓት ተራእዮምን ተሰሚዖምን ብዘይፈልጡ ፍጻመታት ዝተመልአት ዓመት እያ ነይራ፤ ኩሎም ግን ኣብ ፕላኔትና ዝተኸሰቱ ኣይኰኑን።
ንገለ ካብቶም ንዓይንና ዝስሓቡ ዓበይቲ ምዕራፋት ከነዳህስሰኩም፤ ሸሞንተ ክኣ መሪጽና።
ናሳ፡ ንሓደ ኣስትሮይድ ኣንፈቱ ቀይሩ
ትካል ህዋ ኣሜሪካ፡ ብ28 መስከረም ኰነ ኢሉ ንሓንቲ መንኮርኮር ጠፈር ምስ ኣስትሮይድ ድሕሪ ምግጫው፡ ንኣንፈት እቲ ኣስተሮይድ ኣብ ምቕያር ተዓዊቱ እዩ።
እቲ ፈተነ፡ ንመሬት ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝኽእሉ ኣኻውሕ ህዋ፡ ውሑስ ብዝዀነ ኣገባብ ካብ መንገዲ ክእለዩ ይኽእሉ እንተኾይኑ ንምፍታን ዝተዳለወ እዩ ኔሩ። ከም ዝክኣል ክኣ ተረጋጊጹ።
ኣብ ደም ደቂ ሰባት ደቐቕቲ ፕላስቲካት ተረኺቦም
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ መጽሔት ኢንቫይሮመንት ኢንተርናሽናል ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ኣብ ቅምሶ ደም 80 ሚኢታዊት ዝተመርመሩ ሰባት፡ ደቀቕቲ ፕላስቲካት [ማይክሮፕላስቲክ] ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።
ማይክሮፕላስቲክ ትሕቲ 5 ሚ.ሜ ንውሓት ዘለዎም ንኣሽቱ ቁርጽራጽ ፕላስቲክ እዮም።- ዓበይቲ ቁራጽ ፕላስቲክ ኣብ ሓመድ ወይ ኣብ ባሕሪ ተበታቲኖም ንኣከባቢ ምስ ዝብክሉ እዮም ዝፍጠሩ።
እዚኦም ኣብ ሰብነትና ብዛዕባ ዝህልዎም ጽልዋ ኣይተፈልጠን። ተመራመርቲ ግን እቶም ሓደሽቲ ርኽበታት ኣዝዮም ዘተሓሳስቡ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ማይክሮፕላስቲክ ንዋህዮታት ደቂ ሰባት ክጐድኡ ይኽእሉ’ዮም ይብሉ።
ኣብ ዋንጫ ዓለም፡ ንፈለማ እዋን ዝተኸሰቱ ፍጻመታት
ዋንጫዓለም ደቂ ተባዕትዮ ፊፋ 2022 ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተኸታታሊ ሓደሽቲ ምዕራፋት ዝተራእዮ ነይሩ። እዚ፡ ንመጀመርታ ግዜ፡ ብዓረባዊት ወይ ኣስላማዊት ሃገር - ቀጠር ዝተኣንገደ ፈላሚ ውድድር እዩ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ጥራይ ዝዳነይኦ ጸወታ ተኻይዱ። እዚ ኣብ ሞንጐ ጀርመንን ኮስታሪካን ዝነበረ ጸወታ ምዃኑ ይዝከር።
ፈረንሳዊት ስቴፋኒ ፍራፓርት ካፒተን እተን ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ኰይና ነቲ ጸወታ ክትመርሖ እንከላ፡ ብራዚላዊት ኑዛ ባክን ሜክሲኮኣዊት ካረን መዲናን ተሓጋገዝቲ ደያኑ ነይረን።
ካልእ፡ ንፈለማ እዋን ዝተኸስተ ነገር፡ ሞሮኮ ብዘገርም ክእለት ናብ ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ ምብጽሓ እዩ።
እዚ ሞሮኮ ዝበጽሓቶ ደረጃ ዛጊት ብኣፍሪቃዊት ወይ ዓረባዊት ሃገር ዝተመዝገበ ብሉጽ ዓወት እዩ።
ብተወሳኺ፡ ቀጠር፡ ሊዮኔል ሜሲ ንሓሙሽተ ግዜ ድሕሪ ዘካየዶ ፈተነታት ንፈለማ እዋን ጽዋዕ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረሉ መድረክ እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሸሞንተ ቢልዮን ኰይንና . . . ንውስኽ ክኣ ኣለና
ብ15 ሕዳር 2022፡ ህዝቢ ዓለም ሸሞንተ ቢሊዮን ከም ዝመልአ ተኣዊጁ።
“እዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕብየት፡ ኣብ ጥዕና፣ ኣመጋግባ፣ ውልቃዊ ጽርየትን መድሃኒትን ብዝመጽአ ምምሕያሽ፡ ዕምሪ ሰባት ብምውሳኹ ዝሰዓበ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ዘሎ ልዑልን ቀጻልን መጠን ወሊድ ነዚ ኣበርክቶ ገይሩ” ይብል መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት።
ይኹን’ምበር፡ እዚ ዓለማዊ ብዝሒ ህዝቢ ካብ ሸውዓተ ቢሊየን ናብ ሸሞንተ ቢሊየን ንክዓቢ 12 ዓመታት ከም ዝወሰደ ይሕብር።
እዚ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ቢሊዮን ንክበጽሕ ኣስታት 15 ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእልን፡ ሓፈሻዊ መጠን ወሊድ ከም ዝንክን እቲ ትካል ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘ንዓለም ዝቕይር’ ክታበት ዓሶ
ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ‘ዓለም ናይ ምቕያር” ተኽእሎ ዘለዎ ክታበት ዓሶ ረኺብና ኢሎም።
እዚ ኣብ 2023 ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ትጽቢት ዝግበር ክታበት፡ ፈተነ ተገይርሉ፡ 80 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ከም ዝዀነ ተረጋጊጹ’ዩ።
ሕማም ዓሶ፡ ዓመታዊ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ይቐትል። እቶም ተመራመርቲ እቲ ዝረኸቡዎ ክታበት ዋጋኡ’ውን ሕሱር ከም ዝዀነ ገሊጾም።
ዓሶ፡ ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት ሞት ህጻናት ኰይኑ፡ እቲ ዓሶ ዘስዕብ ጽግዕተኛ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን መደናገርን ብምዃኑ፡ ነዚ ክታበት ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ጸኒሑ። እቲ ሓሰኻ፡ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ቀልጢፉ ዝቀያየር ስለ ዝዀነ፡ ኣንጻሩ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምዕባይ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ገይሩዎ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Katie Ewer
ቴሌስኮፕ ጄምስ ዌብ
ኣብ 2022፡ ርእሰ ዜና ዓለም ዝተቘጻጸረት ቴሌስከፐፕ ጄምስ ዌብ ነይራ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይቲ ዓመት ናብ ግብሪ ካብ እትኣቱ ኣትሒዛ፡ ኣዝዮም ዘደንቑ ስእልታት ዓለምና ከተርኢ ክኢላ።
ካብኣቶም እቲ ሓደ፡ ክሳብ ሕጂ ዝዓሞቐ ቅጽበታዊ ስእሊ ዓለምና ከምኡ'ውን ADES-GS-z13-0 ዝተባህለ ልዕሊ 13 ቢሊዮን ዓመታት ዝገበረ ጋላክሲ ሓዊሱ ከተርኢ ክኢላ።
እዚ፡ ክሳብ ሕጂ ብወርቃዊ ደረጃ መዐቀኒ ዝተረጋገጸ “ኣዝዩ ዝርሓቐ ጋላክሲ” እዩ።

ምንጪ ስእሊ, NASA
ፈላማይ እስያዊ ናብ ዳውኒንግ ስትሪት 10 ኣትዩ
ኣብ 2022፡ ኣብ ብሪጣኒያ ቅልጡፍ ምቅይያር ቀዳሞት ሚኒስትራት ተራእዩ ነይሩ።
ሊዝ ትራስ ን45 መዓልታት ጥራይ ኣብ ስልጣን ጸኒሓ። ንሳ እታ ዝሓጸረ እዋን ቀዳመይቲ ሚኒስትር ዝዀነት ብሪጣንያዊት ፖለቲከኛ እያ።
ንዓኣ ተኪኡ ዝመጽአ ሪሺ ሱናክ፡ ድማ ኣብታ ሃገር ፈላማይ እስያዊ መራሒ ኰይኑ። ሱናክ፡ ኣብ 25 ጥቅምቲ’ዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባክቴሪያ ብዘይ ማይክሮስኮፕ ርኢና

ምንጪ ስእሊ, Jean-Marie Volland
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ተመራመርቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሕማም ዘስዕብ ደቂቕ ነፍሳት ከም ዝረኸቡ ወግዓዊ ገይሮም።
እዚ፡ ቅርጹን ዓቐኑን ክንዲ ቅርንብ ዓይኒ ዝኸውን ቲዮማርጋሪታ ማግኒፊሳ ዝተባህለ ሓድሽ ነፍሳት ንምርኣይ ማይክሮስኮፕ ኣየድለየን።
ሓንቲ ሴንቲ ሜትር ንውሓት ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብቶም ካልኦት ዓበይቲ ባክቴሪያታት 50 ዕጽፊ ዝዓበየን ንፈለማ እዋን ብዓይኒ ደቂ ሰባት ጥራይ ዝተራእየን ባክቴሪያ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







