'ሕጃብ ዘይገብራ ደቂ ኣንስትዮ ብካሜራ ክከታተል እየ' - ኢራን

ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሰብመዚ ኢራን ሕጃብ ዘይክደና ደቂ ኣንስትዮ ንምክትታል ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ካሜራታት ምትካል ከም ዝጀመሩ ፖሊስ ገሊጹ።

ጸጕረን ዘይሽፍና ደቂ ኣንስትዮ፡ "ሓጺር ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ - ቴክስት - ክቕበላ እየን" ይብል ፖሊስ።

እዚ ድማ፡ "ንሕጊ ሕጃብ ተቓውሞ ንምክልኻል ክሕግዝ'ዩ።"

ዝሓለፈ ዓመት ማህሳ ኣሚኒ ዝተባህለት መንእሰይ ኩርዳዊት፡ ሕጊ ሕጃብ ብምጥሓሳ ብፖሊስ ተኣሲራ ድሕሪ ምማታ’ዩ ተቓውሞታት ተላዒሉ።

ድሕሪ ሞት ኣሚኒ፡ ተኽእሎታት ምእሳር'ኳ እንተሃለወ፡ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ቍጽሪ ሕጃብ ዘይለብሳ ደቂ ኣንስትዮ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

ብመንግስቲ ዝመሓደር ኣገልግሎት ዜና እስላማዊት ሪፓብሊክ ዘውጽኦ መግለጺ ፖሊስ፡ እቲ ቴክኖሎጂ "ስማርት" ካሜራታትን ካልኦት መሳርሒታትን ተጠቒሙ፡ "ንሕጊ ሕጃብ ዝጥሕሳ ንምልላይን ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ንምልኣኽን" ክውዕል እዩ።

ኣብ ኢራን ድሕሪ እስላማዊ ሰውራ 1979፡ ጽኑዕ ሃይማኖታዊ ሕግታት ተግባራዊ ኰይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጸጕረን ብሕጃብ ክሽፍና ብሕጊ ይግደዳ።

እቲ ፖሊስ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሕጃብ "ሓደ ካብ መሰረታት ስልጣነ ህዝቢ ኢራን" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ወነንቲ ትካላት ንግዲ ነቲ ሕጊ "ብትግሃት" ከኽብሩ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ኢራን ኣብ ልዕሊ ጸጕረን ዘይሽፍና ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ግሉጽ መጥቃዕቲ ልሙድ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሕጃብ ዝለበሳ ደቂ ኣንስትዮ ርግኦ ክደፍእ ዘርኢ ቪድዮ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ነይሩ። ድሒሩ እተን ደቂ ኣንስትዮ ሕጊ ሕጃብ ብምጥሓሰን ክእሰራ እንከለዋ እቲ ዝደፍኣለን ሰብ ድማ ዓመጽ ብምፍጣር ተታሒዙ’ዩ።

ካብ ታሕሳስ ኣትሒዙ ኣብ ኢራን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ተኣሲሮም እዮም። ኣርባዕተ ሰባት ድማ ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ደገፍቲ እቲ ሕጊ፡ ነቲ ሕጊ ንምትግባር ዝያዳ ስራሕ ክስራሕ ከም ዘለዎ ይምጕቱ ኣለዉ።

ዝሓለፈ ቀዳም ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሃገሩ "ንሃይማኖት ኣድላዪ ስለዝዀነ" ሕጃብ ክኽደና ከም ዘለወን ደጊሙ ገሊጹ ነይሩ።

ሓላፊ ፍትሒ ኢራን ጎላምሆሴን ሞህሴኒ ኤጀይ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሕጊ ንኽኽተላ ንምትብባዕ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ምግዳድ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ከም ዝበለ ይዝከር።

"ባህላዊ ጸገማት ብባህላዊ መንገዲ ክፍታሑ ይግባእ... ከምዚኦም ዝበሉ ጸገማት ብምእሳርን ብምቕጻዕን ክንፈትሕ እንተደሊና እቲ ጸገም ይውስኽ እምበር እቲ ዝድለ ውጽኢት ኣይንረክብን" ብምባል ሓሳቡ ምግላጹ ይፍለጥ።