ኣምነስቲ፡ ዓመተ 2022 ዝበዝሑ ሰባት ብሞት ዝተቐጽዑላ ዓመት ነይራ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ 2022 ዓ.ም ምስ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝበዝሑ ሰባት ብሞት ዝተቀጽዑላ ዓመት ከም ዝነበረት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ።
እቲ ዝበዝሐ ቀጽሪ ከኣ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈጸመ ከም ዝዀነ እቲ ትካል ገሊጹ።
ኣብ ዓመት 2022 ብሓፈሻ 883 ሰባት ኣብ 20 ሃገራት ብሞት ከም ዝተቀጽዑ ብምሕባር እዚ ምስ 2021 ክወዳደር እንከሎ እቲ ቁጽሪ ብ53 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ካብቲ ኣብ ዓመተ 2022 ዝተመዝገበ ናይ ሞት መቅጻዕቲ፡ እቲ 90 ሚኢታዊት ኣብ ሃገራት ኢራን፡ ስዑድ ዓረብን ግብጽን ዝተፈጸመ ከም ዝዀነ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።
ናይታ ዓመታዊ ኣሽሓት ብሞት ከምእትቐጽዕ ዝእመነላ ቻይና እኹል ሓበሬታ ክርከብ ስለ ዘይክኣለ ኣብቲ ጸብጻብ ኣይተሓቖፈን።
ኣምነስቲ ኣብ ሰሜን ኮርያ፡ ቬትናም፡ ሶርያን ኣፍጋኒስታን’ውን ናይ ሞት መቅጻዕቲ ከም ዝተፈጸመ’ኳ ከረጋግጽ እንተኸኣለ፡ እቲ ዝረኸቦ ሓብታ ጭቡጥ ኣሃዝ ንምግላጽ ስለ ዘየኽኣሎ ኣብቲ ጸብጻብ ኣየስፈሮን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢራንን ስዑድ ዓረብን ዝተፈጸመ ብዝሕ መቕጻዕቲ ሞት፡ ኣብ ዓመተ 2022 ቁጽሪ ብሞት ናይ ዝተቀጽዑ ሰባት ክብ ከብሎ ከም ዝኽኣለከ ገሊጹ።
ኢራን ኣብ 2021፡ 314 ሰባት ብሞት ክትቀጽዕ እንከላ ኣብ ዓመተ 2022 ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 576 ክብ ክኢሉ።
ካብዚኦም እቶም 279 ብቕትለት ዝተኸሰሱ፡ 255 ብምስግጋር ዕጸ ፋርስ፡ 21 ብጾታዊ ዓመት፡ 18 ከኣ ሃይማኖት ብምንሻውን ብሓደጋ ሃገራዊ ጸጥታን ተኸሲሶም ብሞት ዝተቐጽዑ ከም ዝዀኑ ኣምነስቲ ገሊጹ።
ካብቶም ብሓደጋ ሃገራዊ ጸጥታ ተኸሲሶም ብሞት ዝተቀጽዑ፡ ክልተ ምስቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ኢራን ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ ብዝተኣሳሰር መንግስቲ ኢራን ብሞት ዝቀጽዖም እዮም።

ስዑድ ዓረብ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ 2021፡ 65 ሰባት ብሞት ክትቀጽዕ እንከላ ኣብ 2022 ግን 196 ሰባት’ያ ብሞት ቀጺዓ።
እዚ ቁጽሪ እዚ ከኣ ኣምነስቲ ኣብታ ሃገር ቅድሚ 30 ዓመታት ኣትሒዙ ሰነዳት ክእክብ ካብ ዝጅምር እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ስዑዲ ኣብ 2022 ብሞት ካብ ዝቀጽዓቶም እቶም 85 ብግብረሽበራ ዝተኸሰሱ ክዀኑ እንከለዉ እቶም 57 ሰባት ብምስግጋር ዕጸ ፋርስ ዝተኸሰሱ እዮም ይብል።
እታ ሃገር፡ ኣብ መጋቢት 2022 ኣብ ሓደ መዓልቲ 81 ሰባት ብሞት ዝቀጽዓትሉ መዓልቲ እታ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሓ ናይ ሞት መቅጻዕቲ ዝተፈጸመላ መዓልቲ ኰይና ተመዝጊባ ከም ዘላ ዝሓበረ ኣምነስቲ፡ ካብቶም ኣብታ መዓልቲ ብሞት ዝተቀጽዑ እቶም 41 ኣባላት ሽዓ ከም ዝነበሩን ካብኦም እቶም ክልተ ኣንጻር መንግስቲ ኣናዒብኩም ዝብል ክሲ ቀሪብሎም ከም ዝነበረ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።
ኣብ ግብጺ ኣብ ዓመተ 2022፡ 24 ሰባት ብሞት ክቅጸዑ እንከለዉ እቲ ቁጽሪ ምስቲ ኣብ ዓመተ 2021 ዝነበረ 83 ክነጻጸር እንከሎ ብ71 ሚኢታዊት ነክዩ ኣሎ።
ኣምነስቲ ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ ዒራቕ 11፡ ኩዌት 7፡ ኣብ ፍሊስጤም 5፡ ኣብ የመን ከኣ 4 ናይ ሞት መቅጻዕቲ ከም ዝተጸመ ሓቢሩ።
ዋና ጽሓፊት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ፡ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ይጥሕሳ ከም ዘለዋ ብምግላጽ “መንግስታትን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ልዕሊ እዘን ብዘይሓላፍነትን ብዘይ ግቡእ መስርሕ ፍርድን ናይ ሞት መቅጻዕቲ ዝፍጽማ ዘለዋ ሃገራት ጸቅጢ ክገብራ ኣለወን” ኢላ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ዓመተ 2022 ኣብ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ 18 ኣብ ሲንጋፑር ከኣ 11 ኣብ ሰባት ብሞት ከም ዝተቀጽዑ ጸብጻብ እቲ ትካል ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







