ኢትዮጵያ፡ ንጥዕና ነበርቲ 'ሓደገኛ' ዝተባህለ ስፍራ ዕደና ብህጹጽ ክዕጾ ተሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Tom Gardner
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጥዕና ነበርቲ 'ሓደገኛ' ጉድኣት ኣስዒቡ ዝተባህለ ስፍራ ዕደና ሚድሮክ ብቕልጡፍ ክዕጾ ተሓቲቱ።
እዚ ለገ ደንቢ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝርከብ ብሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ዝመሓደር ስፍራ ዕደና፡ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ነበርቲ እቲ ከባቢ 'ሓደገኛ' ጕድኣት የስዕብ ከም ዘሎ ሂዩማን ራይትስ ዎች ሓቢሩ።
ቀጻሊ ሳዕቤናት ንምክልኻል’ውን ብቕልጡፍ ክዕጾ ሓቲቱ።
እቲ ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ስፍራ ዕደና ኣብ ጥዕና ነበርቲ እቲ ከባቢ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዘለዎ’ኳ እንተተገለጸ፡ እቲ ኩባንያ ግን ንዓመታት ኣብ ስርሒታት ዕደና ዝዀነ መእረምታ ስጉምቲ ከም ዘይወሰደ ኣፍሊጡ።
ኣብ ከባቢ እቲ ስፍራ ዕደና፡ ምስ ጉድኣት ኣካል ዝውለዱ ህጻናት ከም ዘለዉ’ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ቢቢሲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጉጂ ኣብ ጥቓ ከተማ ሻኪሶ ዝርከብ ስፍራ ዕደና ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጸገም ጥዕና ከም ዘስዓበ ኣመልኪቱ ነይሩ።
እቲ ኣብ ለገ ደንቢ ዝርከብ ስፍራ ዕደና ቅድሚ ዓመታት ብዘጋጠሞ ተቓውሞታት ተዓጽዩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ንጹር ብዘይኰነ ኣገባብ ስርሑ ክቕጽል ካብ መንግስቲ ፍቓድ ከም ዝረኸበ መጽናዕቲ ሂዩማን ራይትስ ዎች የመልክት።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቲ መስርሕ ዕደና ዘስዕቦ ብከላ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከቢድ ጕድኣት ጥዕና ከም ዘብጸሐ ተገሊጹ’ዩ።
እቲ ኩባንያ፡ ነቲ ብከላ ንምውጋድ ወይ ሳዕቤኑ ንምንካይ ዘኽእል ዝዀነ ዓይነት መእረምታ ስጕምቲ ኣብ ዘይወሰደሉ ኵነታት ግን ዳግማይ ስርሑ ከም ዝቐጸለ’ዩ እቲ ጸብጻብ ዝሕብር።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ንመርዛም ባእታታት ከም ዝተቓልዑ ኣረጋጊጹ’ዩ።
ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቶም መርዛም ባእታታት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓደጋ ከም ዘየስዕቡ ክሳብ ዝረጋገጽ ፍቓድ ከም ዘይህብ ሓቢሩ ነይሩ።
ይዅን’ምበር እቲ ኩባንያ ዝዀነ መአረምታ ስጕምቲ ከይወሰደ ኣብ ሕዳር 2013 ዳግማይ ስርሑ ከም ዝጀመረ ብምስሊ ሳተላይት ከረጋግጽ ከም ዝኸኣለ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልጽ።
ንግዳያት ካሕሳ ይከፈል
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሚድሮክ ኣብቲ ኣብ ለገ ደንቢ ዝርከብ ስፍራ ዕደና ክነጥፍ ዳግማይ ፍቓድ ምሃቡ፡ መሰረታዊ መሰል ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝግህስ ምዃኑ ካብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ጁልያን ኬፐንበርግ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ዕደና ብቕልጡፍ ክዕጾን ነቶም ግዳያት ካሕሳ ክወሃብን ጸዊዑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓመድን ማይን ዝርከቡ መርዛማት ነገራት ካብቲ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝፍቀድ ዝዛይድ ከም ዘይኰነ ብምርግጋጽ ሓላፍነቱ ክዋጻእ እቲ ተጣባቒ መሰላት ሓቲቱ ኣሎ።
ሚድሮክን እቲ ካብቲ ከባቢ ዘውጽኦ ወርቂ ዝቕበል ኣርጎር-ሄሮዮስ ዝተበሃለ ስዊዘርላንዳዊ ኩባንያን ክልቲኦም፡ ነቶም ግዳያት ካሕሳ ክኸፍሉ ከም ዘለዎም ወሲኹ ገሊጹ።
ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2018 ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ማይ እቲ ከባቢ ብብዝሒ ኣርሰኒክ ዝተበሃለ መርዛም ንጥረ ነገር ከምዘሎ ኣረጋጊጹ’ዩ።
ኣብቶም ካብ ሓመድ እቲ ከባቢ ዝተወሰዱ ቅምሶታት እውን ልዑል መጠን ኣርሰኒክ፡ ኒኬልን ክሮሚየምን ተረኺቡ እዩ።
ነበርቲ ከባቢ ለገ ደምቢ ካብቲ ስፍራ ዕደና ንዝወጹ ሓደገኛ መርዛም ነገራት ተቓላዕቲ ምዃኖም፡ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ መጽናዕቲ የረጋግጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ዓበይቲ ናይ ብሕቲ ትካላት ዕደና ሓደ ዝዀነ ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ፡ ኣብ 1997 እቲ ስፍራ ዕደና ብመንግስቲ ከም ዝተወሃቦ ይዝከር።
እቲ ፍሉጥ ስዊዘርላንዳዊ ኩባንያ ኣርጎር-ሄሮዮስ፡ ካብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ምስ ሚድሮክ ዝነበሮ ስራሕ ከም ዘቋረጸ ዝገልጽ ምላሽ ሂቡ።
እቲ ዕደና ኣብቲ ከባቢ ዘስዕቦ ጕድኣት ምፍላጡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኩባንያ ሚድሮክ ዝነበሮ ርክብ ከቋርጽ ምኽንያት ከም ዝነበረ’ውን ኣመልኪቱ።
ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ግን ካብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይዅን ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







