ማዕጾ ተጋግዩ ንዝደወለ ጸሊም መንእሰይ ብጥይት ዝሃረመ ጻዕዳ ሰብኣይ ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, KANSAS CITY POLICE DEPARTMENT
ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ሚዙሪ ተጋግዩ ናይ ካልእ ገዛ ደወል ንዝደወለ ጸሊም መንእሰይ ብጥይት ዝሃረመ ኣሜሪካዊ ተኸሲሱ።
እቲ መንእሰይ፡ ንኣሽቱ ኣሕዋቱ ንምውሳድ ብጌጋ ኣብ ካልእ ገዛ ደወል ብምውቅዑ እዩ፡ እቲ ጻዕዳ ሰብኣይ ብጥይት ተኵሱ ሃሪምዎ።
ነዚ ተግባር ዝፈፀመ ወዲ 84 ዓመት ኣንድሪው ሌስተር፡ ብቐዳማይ ደረጃ መጥቃዕትን ብዕጥቃዊ ገበናዊ ስጕምትን ከም ዝተኸሰሰ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊፆም።
እቲ ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ውልቀሰብ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት እዩ፡ ንወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ራልፍ ያርል ኣብ ርእሱን ኣብ ማእገሩን ብጥይት ወቒዕዎ።
እቲ መንእሰይ ዋላ’ኳ ክልተ ግዘ ብጥይት እንተተወቕዐ ካብ ብሂወት ክተርፍ ክኢሉ ኣሎ።
ኣኽባሪ ሕጊ፡ እዚ መጥቃዕቲ “ዓሌታዊ ባእታ” ዘለዎ እዩ ኢሉ።
ይዅን’ምበር፡ እቲ ውልቀሰብ ብገበን ጽልኢ ኣይተኸሰሰን፤ ኣብ ሰነዳት ክሱ እውን ዓሌታዊ ወገናውነት ኣይተጠቐሰን።
ዓቃቢ ሕጊ ግዝኣት ክሌይ ዛቻሪ ቶምፕሰን ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ንሕብረተሰብ ዘሕልፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ግዝኣትና ሕጊ ክነኽብር ኢና፣ ብሕጊ ድማ ንምራሕ። መንነት ሰባት፡ ዓሌቶም ወይ ድማ ዘለዎም ገንዘብ ብዓይኒ ሕጊ ኣፈላላይ የብሉን” ክብል ተዛሪቡ።
ፖሊስ ኣብ ፈለማ፡ ንኣንድሪው ሌስተር ሕቶ ኣቕሪቡ ብምልቃቑ፡ ብሰንበት ኣብ መላእ እታ ከተማ ከቢድ ተቓውሞ ኣስዒቡ እዩ።
ብሰኑይ እውን ኣብ መንበሪ ገዛ እቲ ጥርጡር ዝተኣከቡ ተቓወምቲ፡ “ጸለምቲ ይጥቅዑ ኣለዉ፡ ተልዓሉ፡ ተቓለሱ” ዝብሉ ጭርሖታት የስምዑ ከም ዝነበሩ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት የርእዩ።
መንበሪ ገዛ ኣንድሪው ከም ዝዓነወ እውን ተገሊጹ።
ጠበቓ ስድራ እቲ መንእሰይ፡ ቤንጃሚን ክረምፕ፡ “ሓደ ሰብ ማዕጾ ስለ ዝኳሕኵሐ ጥራሕ ምትኳስ ኣይከኣልን። ማዕጾ ስለዝኳሕኰሐ ተኲሰ ዝብል ምኽንያታዊ ኣይኰነን” ኢሉ።
ስድራ ራልፍ ከም ዝበልዎ፡ ብ 13 ሚያዝያ ሰዓት 4፡00 ናይ ምሸት እቲ መንእሰይ፡ ንኣሽቱ መናቱ ኣሕዋቱ ካብ ገዛ መሓዙቱ ከምጽእ ብዝብል ብጌጋ ንገዛ ኣንድሪው ኳሕኲሑ።
ራልፍ፡ ኣብ ክንዲ ናብ መደያይቦ ቁ. 115 ብጌጋ ናብ ጐደና 115 ብምኻድ፡ ንደወል ገዛ ኣንድሪው ክልተ ግዜ ደዊሉ። ብጥይት ምስ ተሃረመ ከኣ ረዳኢ ክሳዕ ዝረክብ ናብ ሰለስተ ጎረባብቲ ኣባይቲ ከምዝኸደ'ውን ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







