‘ዘሕዝንን ዘሰክፍን’ ቅትለት ጸሊም ኣሜሪካዊ

ምንጪ ስእሊ, BEN CRUMP LAW
ኣደ እቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ዝሞተ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፡ እቲ ፍጻመ ዘርእይ ናይ 12 ደቓይቕ ቪድዮ "ዘሕዝንን ዘሰክፍን" ከም ዝዀነን ከም "ስቅያት" ከም ዝቑጸርን ትገልጽ።
ኣብ ቨርጂንያ ሸውዓተ ምክትላት ሓለፍቲ ፖሊስ ብሰንኪ ሞት ኢርቮ ኦቲየኖ ብኻልኣይ ደረጃ ቅትለት ተኸሲሶም።
ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ካልኦት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል'ውን ብካልኣይ ደረጃ ቅትለት ከም ዝተኸሰሱ ኣፍሊጦም።
ኦቲየኖ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ትካል ጥዕና ኣእምሮ እናተሰጋገረ እንከሎ እዩ ብ6 መጋቢት 2023 ሞይቱ።
መባእታዊ ጸብጻብ ሕክምና ጠንቂ ሞቱ ሕጽረት ምስትንፋስ ምዃኑ ከም ዘመልክት ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።
እቶም ሸውዓተ ምክትላት ካውንቲ ሄንሪኮ ግን፡ ኣብ እዋን ምስግጋር ንኦቲየኖ ሓኒቖም ምስትንፋስ ክስእን ከም ዝገበሩ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ይኸሱ።
ተወሳኺ መርትዖታት ኣብቲ ኦቲየኖ ዝግዕዘሉ ዝነበረ ማእከላይ ስቴት ሆስፒታል ሰለስተ ሰራሕተኛታት ንክኽሰሱ ከም ዘኽኣለ’ውን ሓቢሮም።
እቲ ፍጻመ ዘርኢ ቪድዮ ብናይ ድሕንነት ካሜራታት ናይቲ ሆስፒታል ዝተቐድሐ ኰይኑ እቲ ፍሉጥ ጠበቓ ሲቪላዊ መሰላት ቤን ክራምፕን ስድራቤት ኦቲየኖን ከም ዝረኣይዎ ይፍለጥ።
ክራምፕ፡ እቲ ቪድዮ መኮንናት ንኦቲየኖ ክገትእዎ ከለዉ ከም ዘርኢን፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ድማ ተኣሲሩ ከም ዝነበረን ገሊጹ።
ኦቲየኖ "ብመቑሕ ተኣሲሩ ገጹ ንታሕቲ እንከሎ፡ ኣካላቱ ብክብደት ሸውዓተ ሰባት ተጸቒጡን ኣብ ክሳዱ ድማ ብርኪ ኣንቢሮም ክሳብ ክንድዚ ብጭካነ ክገትእዎ" ዘርኢ'ዩ ኢሉ።
ወሲኹ ድማ እቲ ቪድዮ፡ ኦቲየኖ ምስቶም መኮንናት ከም ዘይተጋጨወን ስግኣት ከም ዘይፈጠረሎምን ዘመልክት ከም ዝዀነ ሓቢሩ።
ኣብ መብዛሕትኡ ናይቲ ቪድዮ፡ ኦቲየኖ "ኣብ መንጎ ህይወት ኣልቦነትን ሕልና ኣልቦነትን" ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።
ክራምፕ፡ ሞት ኦቲየኖ ምስቲ ኣብ ግንቦት 2020 ብመቑሕ ተኣሲሩን ብሓይሊ ናብ መሬት ዝወደቐን ጆርጅ ፍሎይድ ዝመሳሰል ምዃኑን፡ እዚ ድማ ብደረጃ ሃገር ኣንጻር ጭካነ ፖሊስ ምንቅስቓሳት ከም ዘስዓበን ገሊጹ።
ዓቃቢት ሕጊ ካውንቲ ኮመንዌልዝ ዲንዊዲ ኣን ካቤል ባስከርቪል፡ እቲ ቪድዮ ንመስርሕ ፍርዲ ኣብ ሓደጋ ከየእቱ ብምፍራሕ ንህዝቢ ዘይዝርጋሕ "ቁልፊ ባእታ መርትዖ" ምዃኑ ሓቢራ።
ፖሊስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ኦቲየኖ ኣብ መጀመርታ ብ3 መጋቢት 2023 ኣብ ስርቂ ተሳቲፉ ከይኸውን ብዝብል ተጠርጢሩ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ንሱ ኣብ ትሕቲ ህጹጽ ትእዛዝ ማእሰርቲ ክኣቱ ተገይሩ፤ እዚ መስርሕ ሓደ ሰብ ብሰንኪ ሕማም ኣእምሮ ንነብሱ ወይ ንኻልኦት ክጎድእ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝእመነሉ እዋን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል።
ብድሕሪኡ ኦቲየኖ ንገምጋም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደን፡ ኣብኡ ድማ "ኣብ ልዕሊ መኮንናት ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመን" ፖሊስ ገሊጹ።
ብድሕሪኡ ተታሒዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተሰጋጊሩ፤ ኣብኡ’ውን ብመጥቃዕቲ ተኸሲሱ።
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ መኮንናት ንኦቲየኖ ናብ ሆስፒታል ኣሰጋጊሮምዎ።
መርመርቲ፡ ኣብ መስርሕ ምእታው "ተቓላሳይ ኰይኑ" ከም ዝተነግሮም ገሊጾም።
ኣደ ኦቲየኖ ካሮሊን ኦውኮን ቤን ክራምፕን፡ ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ የጋጥሞን መድሃኒት ጥዕና ኣእምሮ ይወስድ ከም ዝነበረን ገሊጾም።
እንተዀነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን መድሓኒት ክወስድ ከም ዘይከኣለ ወሲኾም ሓቢሮም።
ካሮሊን ኦውኮ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ወዳ "ከም ከልቢ እዩ ተታሒዙ፤ ካብ ከልቢ ዝኸፍአ" ኢላ።
ክራምፕ ብወገኑ፡ "ገበን ዝፍጽም ኣይነበረን" ኢሉ።
ስድራቤት ኦቲየኖ መበቆሎም ካብ ኬንያ ኰይኑ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት እንከሎ ናብ ኣሜሪካ ተሰዲዶም።
ህንጡይ ስነጥበባዊ ሂፕ ሆፕ ዝዀነ ኦቲየኖ፡ ፍቕሪ ሙዚቃን ስፖርትን ከም ዝነበሮን፡ ኣብ ነጻ ግዜኡ ድማ ሙዚቃ ከም ዝጽሕፍን ከም ዝቐርጽን ይዛረቡ።
ኣብ ፍሪማን ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ ከምዝተማህረን ኣብ ካሊፎርንያ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝተማሃረን’ውን ይዛረቡ።
"ሕማም ኣእምሮ ጠንቂ ሞትካ ክኸውን የብሉን" ትብል ኣዲኡ።
እቶም ሸውዓተ ምክትላት እቲ ምርመራ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ምምሕዳራዊ ዕረፍቲ ክወስዱ ከም ዝተገበሩ ተገሊፁ ኣሎ።
ክልተ ብዋሕስ ክፈትሑ እንከለዉ፡ እቶም ካልኦት ድማ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ።
እቶም ሰለስተ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተጓዕዙን ብዘይ መሰል ዋሕስ ተኣሲሮም ከም ዘለዉን ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።
ፖሊስ ግዝኣት ቨርጂንያ እውን ነቲ ፍጻመ ይምርምሮ ኣሎ፤ ኣኽበርቲ ሕጊ ድማ ምስ ሞት ኦቲየኖ ብዝተኣሳሰር ተወሳኺ ክስን ማእሰርትን ኣብ ምጽራይ ከም ዘሎ ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







