ብዘይፈጸሞ ገበን ልዕሊ ፍርቂ ዕድሚኡ ዝተኣሰረ ጸሊም ኣሜሪካዊ ናጻ ተባሂሉ

‘እዚ ኣዝዩ ዘገርም እዩ’ ላማር ጆንሰን ካብቲ ቤት ፍርዲ ነጻ ሰብ ኮይኑ ድሕሪ ምውጽኡ ዝተዛረቦ
መግለጺ ስእሊ, ‘እዚ ኣዝዩ ዘገርም እዩ’ - ላማር ጆንሰን ነጻ ሰብ ኮይኑ ድሕሪ ምውጽኡ ዝተዛረቦ

ወትሩ ከም ዘይፈጸሞ ብዝኽሕዶ ቅትለት ተፈሪዱ ንኣስታት 28 ዓመታት ዝተኣሰረ ላማር ጆንሰን፡ ኣብ መወዳእታ ካብቲ ገበን ናጻ ምዃኑ ኣብ ሚዙሪ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

እቲ ወዲ 50 ዓመት ኣመሪካዊ፡ ብሰሉስ ዳኛ ዴቪድ ሜሰን ዝሃቦ ውሳነ ስዒቡ፡ ካብ ቤት ፍርዲ ሴንት ሉዊስ ንጹህ ሰብ ኮይኑ ወጺኡ።

ክልተ መሰኻኽር፡ ላማር ገበን ኣልቦ ምዃኑ "ንጹርን ዘእምንን መርትዖ" ምስ ኣቕረቡ’ዩ እቲ ዳኛ ነቲ ስጉምቲ ወሲዱ።

ኣብ 1994 እዩ ንማርከስ ቦይድ ብምቕታል ተፈሪዱ።

ልዕሊ ፍርቂ ዕድሚኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈ ላማር ጆንሰን፡ እቲ ዳሕረዋይ ብይን ክንገር ከሎ ኣይኣመነን፤ ደገፍቱ ድማ ዕልል ክብሉን ከጣቕዑን ጀሚሮም።

ካብቲ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምውጽኡ ድማ "እዚ ኣዝዩ ዘገርም’ዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ጠበቓ ኪም ጋርድነር ምስ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ሕጋዊ ትካል ፕሮጀክት ኢኖሰንስ ብሓባር መርመራ ድሕሪ ምክያዱ፡ ላማር ጆንሰን ክፍታሕ ዝሓትት ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

ድሕሪ እቲ ናይ ሰሉስ መስርሕ ፍርዲ፡ ጉጅለ ጠበቓታት ላማር ጆንሰን፡ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኽጸንሕ ዝጽዕር ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ዋና ኣኽባሪ ሕጊ እታ ግዝኣት ነቒፎም።

እቲ ቤት ጽሕፈት "ላማር ገበነኛ እዩ ካብ ምባል ኣየቋረጸን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቐን ክመውትን ድማ ድልየት ነይርዎ" ኢሎም።

ወሃቢ ቃል እቲ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል፡ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ ስጉምቲ ከም ዘይወስድ ሓቢሩ’ሎ።

"ቤት ጽሕፈትና ንልዕልና ሕጊ ተኸላኺሉ፡ ኣብ ፍርዲ ዝቐረቡ ሓቅታት መሰረት ብምግባር፡ እቲ ዝጸንሐ ፍርዲ ንምዕቃብ ሰሪሑ" ይብል እቲ መግለጺ።

ማርከስ ቦይድ ኣብ ጥቅምቲ 1994 ኣብ ቅድሚት በረንዳ ገዛ ላማር ጆንሰን ብኽልተ ገጾም ዝተሸፈኑ ሰባት ብጥይት ተቐቲሉ።

ኣቦ ክልተ ኣዋልድ ዝኾነ ላማር፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብ ገዝኡ ከም ዘይነበረ ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።

ዳኛ ሜሰን ውሳነኡ ዝሃበ፡ "ጭቡጥ ንጽህና ዝሕብር ዘተኣማምን መርትዖ” ስለዝተረኸበ’ዩ።

ሓደ ምስክር ቅድሚ ሕጂ ዝሃቦ ምስክርነት ዝሰሓበ ክኸውን ከሎ፡ ሓደ እሱር ድማ ንቦይድ ብጥይት ከም ዝቐተሎን ኣብቲ እዋን ድማ ምስ ላማር ጆንሰን ዘይኮነስ ምስ ፊል ካምበል ዝተበሃለ ካልእ ጥርጡር ከም ዝነበረን ተናዚዙ።

ኣብ ናይ መጀመርታ ፍርዲ፡ ፊል ካምፕበል ብዝተቐነሰ ክሲ ገበን ተኣሚኑ፡ ንሸውዓተ ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ እዩ።