ኢትዮጵያ፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንታይ’ዩ? ብኸመይ’ከ ይፍጸም?

ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ ስቓይ እቲ ዝተፈርዶ ውልቀሰብ ብዝንኪ መልክዑ ክፍጸም ይግበር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብዙሓት ሃገራት፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክተርፍ ይገብራ’ኳ እንተሃለዋ፡ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ውሳነ መቕጻዕቲ ሞት የሕልፋ እየን ዘለዋ።

ብሰኑይ 02 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ማእከላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእከል ከተማ ዓድዋ ዝተፈጸመ ቅትለት ሓንቲ ትሕተ ዕድመ ቈልዓ ስሒቡ ኣብ ልዕሊ ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ናይ ሞት ፍርዲ ወሲኑ።

ጓል 16 ዓመት ነባሪት ከተማ ዓድዋ ማህሌት ተኽላይ ብ10 መጋቢት 2016 ዓ.ም [ኣ.ግ] ናብ ቤት ትምህርቲ ካብ ትኸደሉ መገዲ ተጨውያ ድሕሪ ምጥፍኣ፡ ኣስክሬና ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ተረኺቡ።

ብቕትለት እዛ ንእስቲ ዝተጠርጠሩ ክልተ ውልቀሰባት ኰይኖም፡ እቶም ተኸሰስቲ ነታ ግዳይ፡ ብዘስካሕኽሕ መገዲ ብገመድ ሓኒቖምን ኣሳቒዮምን ከም ዝቐተልዋ ዓቃቢ ሕጊ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ፡ ቀዳማይ ተኸሳሲ ዓወት ነጋሲ ዝተባህለ መንእሰይ፡ ንሕልፈት ክፍረድ እንከሎ፡ ተሓባባሪ እቲ ገበን ኰይኑ ዝተረኽበ ካልኣይ ተኸሳሲ ተኸሳሲ ናሆም ፍጹም ብዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ተፈሪዱ ኣሎ።

ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣዝዮም ከበድቲ ንዝብሃሉ ገበናት ቅትለት፡ ምስግጋር ከም ሄሮይን ዝተባህለ ሓደገኛ ሓሽሽ ዝተኸሰሱ ውልቀሰባት ብሞት ክቕጽዑ ይገብራ እየን።

ኣመሪካ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ዓ.ም [ኣ.ኤ] እታ እንኰ ብፌደራል ንሞት ተፈሪዳ ክትጽበ ዝጸንሐት ሊሳ ሞንትጎሜሪ ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ ፍርዳ ክፍጸም ከም ዝገበረት ይዝከር።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ እቲ ብይን ክፍጸም ድሕሪ ምውሳኑ እያ ሊሳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቴረሃውት፡ ኢንድያና ቀታሊ መርፍእ ተወጊኣ።

ጓል 52 ዓመት ሊሳ ኣብ 2004 ንሓንቲ ብጽሕቲ ወርሒ ዝነበረት ሰበይቲ ብምሕናቕ ነቲ ኣብ ማህጸና ዝነበረ ዕሸል ኣውጺኣ ብምስራቕ ገበነኛ ኰይና ስለ ዝተረኸበት እያ ኣብ 2007 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ንሞት ተፈሪዳ ክትጸንሕ እንከላ፡ ጠበቓታታ፡ ኣብ ንእስነታ ናይ ኣእምሮ ጸገም ከም ዝነበራን፡ ጉድኣት ከም ዝበጽሓን ሞጒቶም ነይሮም።

ጓል 23 ዓመት ግዳይ ቦቢ ጆ ስቲነት፡ ብዝፈሰሳ ደም ሽዑ ንሽዑ እያ ሞይታ።

ኣብ ዓለም ጽኑዕ ዝበሃል ሕጊ ጸረ-ሓሽሽ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ሲንጋፖር ብወገና፡ ብ2023 ዓ.ም ሲንጋፖር ኣብ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን፡ ኣብ 2018፡ 30 ግራም ዝምዘን ሄሮይን ዝተባህለ ዓይነት ሓሽሽ ክተሰጋግር ተረኺባ ብዝብል ክሲ ገበነኛ ንዝበለታ ጓል 45 ዓመት ሳሪደዊ ጃማኒ ብሞት ቀጺዓ'ያ።

ሕጊ እታ ሃገር ልዕሊ 500 ግራም ካናቢስ ወይ 15 ግራም ሄሮይን ከዘዋውር ዝተረኸበ ሰብ ብሞት ክቕጻዕ ይድንግግ።ሲንጋፑር እዚ ሕጊ ማሕበረሰብ ንምሕላው ኣገዳሲ እዩ ኢላ ትኣምን።

ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ኢትዮጵያ ብኸመይ ይፍጸም?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ጥርጡር፡ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ክብሎ እንከሎ ዝወሃቦ ውሳነታት፡ ዳያኑ ደረጃ እቲ ዝፈጸሞ ገበን መሰረት ዝገበረ መቕጻዕቲ የሕልፉ።

እዚኦም፡ ስሩዕ [መደበኛ] መቕጻዕቲ ተባሂሎም ዝግለጹ ኰይኖም፡ ናይ ገንዘብ፡ ናጽነት ዘስእን [ማእሰርቲ]፡ ናይ ግዴታ ስራሕ ከምኡ'ውን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ሰብ ሞያ ሕጊ የረድኡ።

ኣብ ካልኦት ጕዳያት ድማ፡ ግዝያዊ ስጕምቲታት ብጥንቃቐ ከም ዝውሰኑ ይጠቕሱ።

ሓደ ሰብ ብሞት ይቕጻዕ ኣሎ ማለት፡ መንግስቲ ብህይወት ናይ ምንባር መሰሉ ይኸልኦ ኣሎ ማለት እዩ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዘጽደቐቶ ሕገ-መንግስቲ፡ ሰባት ብህይወት ናይ ምንባር መሰሎም ሕልው ከም ዝዀነ ይድንግግ።

ዓንቀጽ 15 እቲ ሕገ-መንግስቲ፡ "ዝዀነ ሰብ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ፤ ብሕጊ ዝተደንገገ ከቢድ መቕጻዕቲ ገበን እንተዘይኰይኑ፡ ዝዀነ ሰብ ህይወቱ ኣይስእንን" ይብል።

"ይኹን’ምበር፡ ሰባት ከቢድ ገበን ፈጺሞም ብቤት ፍርዲ እንተተወሲኑሎም፡ ብህይወት ናይ ምንባር መሰሎም ክስእኑ ይኽእሉ" ዝብል ካብ ወረዳ ክሳብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንልዕሊ 14 ዓመታት ብዳይነት ዝሰርሐ ክኢላ ሕጊ ዓወት ልጃለም እዚ ማለት "ብሞት ክቕጽዑ እንከለው ማለት እዩ" ክብል የረድእ።

እቲ ሕጂ ናይ ውልቂ ኣማኻሪ ሕግን ጠበቓን ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ክኢላ ሕጊ፡ ቤት ፍርዲ ነዚ ልዑል ውሳነ ንከሕልፍ እቲ ዝተፈጸመ ገበን ከቢድን ፍሉይን ክኸውን እንከሎ'ዩ ይብል።

ሕጊ ገበን እታ ሃገር ነዚ ውሳነ ንክፍጸም ዘቐምጦም ረቋሒታት ኣለው።

እዚኦም ድማ፡ ብቐንዱ እቲ ገበን ብፍሉይ ከቢድ ምዃኑ ክረጋገጽ ከም ዘለዎ ይድንግግ - እዚ ማለት ኣፈጻጽማ እቲ ገበን እንታይ ይመስል? እቲ ገበነኛ ዝዀነ ውልቀሰብ ነቲ ገበን ንምፍጻም ዝተጠቐመሉ መሳርሒ እንታይ'ዩ? ዝብሉ ገለ ካብቶም ኣብ ግምት ዝኣትው ጕዳያት'ዮም።

ካልኣይ፡ እቲ ውልቀሰብ ነቲ ገበን ክፍጽም እንከሎ ዕድሚኡ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ክኸውን ኣለዎ ይብል።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ እዚ ፍርዲ ንክመሓላለፍ እቲ ተኸሳሲ ንዝወሃቦ ፍርዲ ዘቕርቦ መቃለሊ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ።

"እዚ ማለት ዋላ ሓደ መቃለሊ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ፤ ንኣብነት፡ ሙሉእ ብሙሉእ ንዝፈጸምካዮ ገበን ምእማን መቃለሊ'ዩ፤ ሓደ ሰብ ገበኑ ሙሉእ ንሙሉእ እንተኣሚኑ፡ ሓደ መቃለሊ ረኺብካሉ ኣለኻ ማለት’ዩ። ሓደ መቃለሊ እንተተረኺቡዎ ክኣ ብሞት ክትቐጽዖ ኣይትኽእልን ማለት እዩ። ስለዚ ፍርዲ ሞት ንክውሰን እቲ ገበን ብጣዕሚ ዝተፈለየ ክኸውን ኣለዎ" ይብል ክኢላ ሕጊ ዓወት።

እዚ ውሳነ ግብራዊ ይኸውን'ዶ?

እቲ ኣማኻሪ ሕጊ ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ገበን ቅትለት -ቀሊል፡ ከቢድን ተራን ተባሂሉ ብሰለስተ መገዲ ክግለጽ ይኽእል።

"ካብአቶም ብሞት ዘቕጽዑ ገበናት ሓደ መቕተልቲ ኰይኑ፡ ከቢድ ዓይነት መቕተልቲ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ብኣፈጻጽምኡ፡ ዝተጠቐምሉ መሳርሒ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።እቲ ገበን ፈጺሙ ዝብሃል ሰብ ክኣ ብፍሉይ፡ ጨካን፡ ነውረኛ፡ ወይ ሓደገኛ ኰይኑ ክርከብ እንከሎ እዩ" ኢሉ።

ሓደ ሰብ ብሞት ክቕጻዕ ተፈሪዱዎ ኣሎ ማለት ግን እቲ ውሳነ ብኡ ንብኡ ይፍጸም ማለት ኣይኰነን።

ከምዚ ዓይነት ውሳነ ቤት ፍርዲ ዝመሓላለፈሎም ውልቀሰባት ግን፡ ይግባይ ዝሓትሉ መሰል ኣለዎም።

ውሳነ ፍርዲ ሞት፡ ብልሙድ ኣብ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ዝጅምር ኰይኑ፡ እቲ ተኸሳሲ ኣቐዲሙ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ይብል።

ኣብኡ እንተዘይሰሊጡዎ ናይ ሰበር ጥርዓን ናብ ክልል የቕርብ። እዚ ተቐባልነት እንተዘይረኺቡ ድማ ጕዳዩ ሒዙ ናብ ናይ ፌደራል ሰበር ይግባእ ከቕርብ መሰል ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ ሕጊ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እዚ ሓሊፉ እቲ ውሳነ ዝጸንዕ እንተዀይኑ ግን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር እቲ ውሳነ ተፈጻሚ ንክኸውን ክታም ከዕርፈሉ ወይ ከተዕርፈሉ ይጠልብ።

ፕረዚደንት ነቲ ውሳነ ዝቕበሎ እንተዀይኑ፡ ኣፈጻጽማ እቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ሰብኣዊ ብዝኰነ መገዲ ክኸውን ከም ዘለዎ ስርዓት ሕጊ እታ ሃገር ይድንግግ።

እዚ ማለት "ዘሳቒን ነቲ ውልቀሰብ ዘዋርድን ኣገባብ ቅትለት ኣይፍጸምን ማለት'ዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣደባባይ ብማሕነቕቲ ክትቐጽዖ ወይ ቀጥቂጥካ ክትቀትሎ ኣይትኽእልን።ስርዓት ሕጊ እታ ሃገር፡ ኣብ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ፡ ብጣዕሚ ስቓይ ብዝንኪ መገዲ እዩ ክፍጸም ዘለዎ እዩ ዝብል” ክብል ዓወት ይገልጽ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ፕረዚደንታት እታ ሃገር ዝነበሩ መራሕቲ ግን መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ውሳነታት ናብ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ከውርዶ እዮም ተራእዮም።

ክንደይ ዝኣኽላ ሃገራት ብሞት ይቐጽዓ?

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023፡ ኣብ ኢራን ክልተ ሰልፈኛታት ብሞት ምስ ተቐጽዑ ሰባት ኣብ ፊት ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኢራን ተቓውሞኦም ኣስሚዖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023፡ ኣብ ኢራን ክልተ ሰልፈኛታት ብሞት ምስ ተቐጽዑ ሰባት ኣብ ፊት ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኢራን ተቓውሞኦም ኣስሚዖም

ናይ ሞት መቕጻዕቲ ማለት ድሕሪ ግቡእ ሕጋዊ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ዝፈጸሞ ፍሉይ ገበን ዝመሓላለፍ ቕጽዓት ቅትለት'ዩ።

እዚ፡ መንግስቲ ጥራይ እዩ ክጥቀመሉ ዝኽእል።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብፍሉይ ኣብ ዝፍጸሙ ከበድቲ ዓይነታት ቅትለት ጥራይ ዝውዕል ዓይነት መቕጻዕቲ ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ግን ገበናት ክድዓት ሃገር፣ ገለ ዓይነት ምትላላት፣ ዝሙትን ጾታዊ ዓመጽን ክፍጸም እንከሎ ነዚ ውሳነ የመሓላልፋ።

ኣሃዛት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ቻይና ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ሰባት እትቐትል ሃገር ከም ዝዀነት የምልክቱ።

ኣብታ ሃገር፡ ዓመታዊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብሞት ከም ዝቕጽዑ'ኳ እንተገለጸ፡ ቻይና ግን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ናይ ሞት ፍርዲ ዝርዝር ሓበሬታ ስለ ዘይትዝርግሕ ትኽክለኛ ኣሃዝ ምርካብ ኣጸጋሚ'ዩ።

እቲ ትካል፡ ኣብ 2022 ኣብ መላእ ዓለም መቕጻዕቲ ሞት 883 ሰባት ከም ዘመዝገበን፤ እዚ ድማ ካብ 2017 ጀሚሩ ዝለዓለ ቁጽሪ ቅትለታት ከም ዝዀነን ይገልጽ።

ይኹን'ምበር ካብቲ ኣብ 1988፡ 1989 ወይ 2015 ዝነበረ ኣሃዛት ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ 2022 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ኣብ 52 ሃገራት፡ ብውሕዱ 2016 ናይ ሞት ፍርዲ ከም ዝተመሓላለፈ ይገልጽ።

ብደረጃ ዓለም ኣብ መወዳእታ 2022 ብውሕዱ 28 ሽሕን 282 ሰባት ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪዶም ከም ዝነበሩ ይኣምን።

ብዙሓት እሱራት ቅድሚ ምቕታሎም ንዓመታት ወይ ዓሰርተታት ዓመታት ብሞት ተፈሪዶም እዮም ዘሕልፉዎ።

ኣብ 2022፡ 20 ሃገራት ሰባት ቀቲለን፤ ካብ ቻይና ብዝሰገረ፣ ኢራን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ግብጽን ኣመሪካን ብብዝሒ ሰባት ብሞት ዝቐጽዓ ሃገራት ኰይነን፡ ዒራቕ፣ ቬትናምን የመንን'ውን ነዚ ውሳነ ግብራዊ ይገብራ።

ንሓያሎ ዓመታት ነዚ ውሳነ ከይተጠቐማሉ ዝጸንሓ ሓሙሽተ ሃገራት - ባሕሬን፣ ኮሞሮስ፣ ላኦስ፣ ኒጀርን ደቡብ ኮርያን - ኣብ 2022 ሰባት ንሞት ፈሪደን ነይረን።

ኣብ ኣመሪካ ካብ 2021 ጀሚሩ ቁጽሪ ግብራዊ ዝዀኑ ፍርዲ ቅትለታት እናወሰኸ መጺኡ'ዩ።

ነዚ ፍርዲ ዝሰረዛ ሃገራት

ኣብ 1991 ዓ.ም [ኣ.ኤ] 48 ሃገራት ነዚ ሕጊ ሰሪዘንኦ። ሕጂ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ 112 ሃገራት ፈጺሙ ኣብ ግብሪ ኣይውዕልን።

ሽዱሽተ ሃገራት ኣብ 2022 ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ወይ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ሰሪዘን።

ኣርባዕተ ሃገራት ድማ - ካዛኪስታን፡ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፣ ሴራሊዮንን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን - ምሉእ ብምሉእ ኣልየንኦ።

ኢኳቶርያል ጊኒን ዛምብያን ንዝኸበዱ ገበናት ጥራይ ከም ዝውዕል ገሊጸን።

ኣብ ሚያዝያ 2023 ፓርላማ ማሌዥያ’ውን ቅትለትን ግብረሽበራን ሓዊሱ ን11 ከበድቲ ገበናት ዝወሃብ ዝነበረ ግዴታዊ ናይ ሞት ፍርዲ፡ ክእለ ኣድሚጹ።

ባይቶ ጋና ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ጠቕሊሉ ክስረዝ ኣድሚጹ።