ትግራይ፡ ስድራ እታ ንልዕሊ 20 መዓልታት ‘ዝተጨውየት’ ማህሌት እንታይ ይብሉ?

ጓል 16 ዓመት ማህሌት፡ ተመሃሪት ሻምናይ ክፍሊ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Million

መግለጺ ስእሊ, ጓል 16 ዓመት ማህሌት፡ ተመሃሪት ሻምናይ ክፍሊ'ያ

ኣብ ትግራይ ዞባ ማእከል ከተማ ዓድዋ፡ ብ10 መጋቢት 2016 ዓ.ም [ግዝእ] መንነቶም ብዘይተፈልጡ ውልቀሰባት ዝተወስደት ትሕቲ ዕድመ ቈልዓ ክሳብ ሕጂ ደሃያ ከም ዘይተረኽበ ኣባላት ስድራ እታ ግዳይ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ጓል 16 ዓመት ማህሌት ተኽላይ፡ ቅድሚ 21 መዓልቲታት ኣጋምሸት ናብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዘኛ ትኸደሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ከም ዝተጨውየት ምዕባይ ሓፍታ ዝዀነት ሚልዮን ተኽላይ ገሊጻ።

ንሳ ከም እትብሎ፡ እቶም ንማህሌት ከም ዝሓዙን ንኽለቍዋ ሚልዮናት ዝሓቱ ዘለውን ውልቀሰባት፡ ክልተ ግዜ ናብ ወላዲ ኣቦአን ስልኪ ደዊሎም ከም ዝነበሩ ጠቒሳ።

“ድምጻ ኣይሰማዕናዮን፤ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝኸውን ሓንቲ ግዜ ደዊሎም ነይሮም፤ ዝበልናኩም ትቕርቡ ዲኹም ድማ ኢሎም። ባባ፡ ‘ሐራይ ብምንታይ ክህበኩም፤ ከመይ ክህበኩም?’ ኢሉ ኣዛሪቡዎም። ቀርብ ኣብ ዝበልናካ ክትቅርብ ኢኻ ተዳሎ ጥራይ ኢሎምዎ። ስልኮም ኢና ንጽበ ዘለና፡” ትብል ሚልዮን።

ተምሃሪት ማህሌት፡ ኣብ ከተማ ዓድዋ ዓዲ ማሕለኻ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ካብ ዘሎ መንበሪ ገዛኣ ‘ባር ሰላም’ ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ እቲ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዝርከበሉ ቦታ ትኸይድ ነይራ።

ኣብቲ ዕለት፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመልሰት ብዙሕ ከይጸንሐት፡ ናብቲ ማእከል ቋንቋ ንምኻድ ተጻዲፋ ምውጽኣ ሓፍታ ሚልዮን ትዝክር።

"ሰዓት ኣኺሉዋ ስለ ዝነበረ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ትጓየ ነይራ። ንኣደና ቅርሺ ሃብኒ ኢላ ንባጃጅ ዝኸውን 10 ቅርሺ ተቐቢላ እናጐየየት እያ ከይዳ። ናብ መሓዝኣ ደዊላ'ውን ይመጽእ ኣለኹ ኢላታ" ትብል።

ወሲኻ፡ “ናብ ትምህርቲ ቋንቋ ክትኸይድ ዲቢዛኣ ቀይራ ወጺኣ፤ ኣብ ጽርግያ ዝረኸበቶም ንኣሽቱ ኣሕዋትና ናብ ገዛ ኣእትያ ባጃጅ ተሰቒላ ከይዳ። ናብ መሓዛኣ ደዊላ’ውን ይመጽእ ኣለኹ’ሞ ወንበር ሓዝለይ ኢላታ ነይራ፤ ናብ መምሃሪ ክፍሊ ግን ኣይበጽሐትን፤ ኣይኣተወትን። እቶም ዝሓዙዋ ክኣ ኣብታ ተመሊሳ ናብ ገዛ ትኣትወላ ዝነበረት ሰዓት ምሸት ሰዓት ክልተ ናብ ባባ ደዊሎም” ኢላ።

ኣብ ድሮ እታ ዝተጨውየትላ መዓልቲ . . .

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ተምሃሪት ማህሌት ተኽላይ፡ 16 ዓመት ካብ እትመልእ ክልተ ወርሒ’ውን ኣይገበረትን።

ኣብዚ ዓመት፡ ናብ ካልኣይ ደረጃ ዘእቱ ሃገራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ንምፍታንን ጽቡቕ ውጽኢት ንምምጻእን ጐኒ ጐኒ ትምህርታ፡ ካልእ ናይ ሓገዝ ትምህርትን ቋንቋን ብምምሃር ምድላዋት ትገብር ነይራ።

ስድራኣ፡ ‘እድብትን ካብ ገዛኣ ወጺኣ ዘይትፈልጥን ቈልዓ’ ብምባል ይንእዱዋ።

ኣጋምሸት 10 መጋቢት 2016 ዓ.ም [ግ] ግን፡ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ውልቀሰባት ነታ ኣብ ባጃጅ ተሰቒላ ትኸይድ ዝነበረት ትሕቲ ዕድመ ቈልዓ ጨውዮም ከም ዝወሰዱዋ ኣባላት ስድራ ገሊጾም።

በቲ ናይ ውልቃ ተሌፎን ናብ ስድራኣ ደዊሎም ድማ፡ ከም ዝወሰድዋን ገንዘብ ከም ዝሓቱን ኣረጋጊጾም።

“ሽዓ ናብ ባባ ደዊሎም፡ ‘እዚ ቍጽሪ ስልኪ’ዚ ትፈልጦ’ዶ?’ ኢሎምዎ። እንታይ ኢኹም ትቕልዱ፤ ናይ ጓለይ ስልኪ ከመይ ይጠፍኣኒ? መን ኢኻ? ኢሉዎም። ‘ጓልካ ኣብ ኢድና እያ ዘላ፤ ብህይወት ክትረኽባ እንተደሊኻ ሰለስተ ሚልዮን ብር ቀርብ’ ኢሉ እታ ስልኪ ዓጽዩዋ” ክትብል ሚልዮን ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ድሕሪኡ፡ ድሕሪ ትሸዓተ መዓልቲ ንካልኣይ ግዜ ከም ዝደወሉን ስድራ ዝተሓተቱዎ ገንዘብ ንምኽፋል ምድላው ይገብሩ እንተለውን ምሕታቶም እውን ትገልጽ።

“ልዕሊኡ ክትህበና እትኽእል ሰብ ከም ዝዀንካ ንፈልጥ ኢና፤ እተን ዝበልናካ ኣብ ዝበልናዮ ትቕርበልና ኢሎምዎ። ካብዚ ወጻኢ ዝበሉና የለን” ኢላ።

ተምሃሪት ማህሌት፡ ድሮ እታ ዝጠፈአትላ መዓልቲ ምሸት ኣብ በረንዳ ገዛኣ ኰይና፡ ኣብ ገዛውቶም ዝተጸግዑ ዘየለለየቶም ሰባት ርእያ ንኣቦኣ ሓቢራቶም ከም ዝነበረት እትገልጽ ሚልዮን፡ “ባቢ፡ ‘ጸሊም ዝተኸድኑ ዝተጸግዑ ሰባት ኣለው ንዓ ርኣዮም’ ኢላቶ። ወጺኡ መብራህቲ ኣብሪሁ ምስ ርኣየ፡ ‘ፈሪሕኺ ኢኺ ትዀኒ ወይ’ውን ለያቡ’ዮም ዝዀኑ’ ኢሉዋ ኣትዩ። ንሳ ኸኣ፡ ‘ከፍርሑኻ፡ ሓደ በዚ፡ እቲ ሓደን በቲ ኣሎ’ ኢላ ነጊራቶ ነይራ። እዚ ክመጽእ ግን መን ሓሲቡዎ ነይሩ” ትብል።

ማህሌት ምስ ኣደኣ

ምንጪ ስእሊ, Million

መግለጺ ስእሊ, ማህሌት ምስ ኣደኣ

ካብቲ ደሃያ ዝጠፍኣሉ ግዜ ኣትሒዞም፡ ስድራቤት ኣብ ኣለሻ እኳ እንተዀኑ፡ ክሳብ ሕጂ ኣፋፍኖት ዝህብ ነገር ኣይረኸቡን ዘለው።

ፖሊስ እቲ ከባቢ ከምቲ ዝድለ ይሕግዙና የለውን እትብል ሚልዮን፡ ብመሰረት እቲ ስድራ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ጥርጡራት’ኳ እንተሃለው ንምፍትሓ ኰነ ዘላትሉ ቦታ ንምፍላጥ ዘኽእል ሓበሬታ ክርከብ ከም ዘይተኻእለ ገሊጻ።

“ስቕ ኢሉ ቅርሺያ ወስኹ ኢሎምዎም ካብ ዝብል ናይ ባዕሉ ወረታት ወጻኢ፡ ኣብዚ ርእየያ ዝብል ሰብ ኣይረኸብናን” ብምባል፡ እቲ ስድራ ኣብ ጭንቅን ሓያል ሻቕሎትን ከም ዘሎ ሓቢራ።

“ድምጻ’ውን ምሰማዕና ዓብይ ተስፋ ምዀነ ነይሩ። በሪ እናመዓዶኻ ምዓል ግን ብጣዕሚ’ዩ ከቢድ” ኢላ።

ቈልዑ ዝጨዊ ዘሎ መን'ዩ?

እዚ ካብ ቀረባ ግዜያት ናብዚ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እቲ ክልል ከጋጥም ጸኒሑ ኣሎ።

ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዒላማ ዝገበረ መጭወይቲ ቈልዑ ከጋጥም ከም ዝተራእየ ሓበሬታ ፖሊስ የረድእ።

እዚ ተግባር ዝፍጽሙ ዘለው ሰባት ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብልሙድ ‘ባጃጅ’ ተባሂለን ዝጽውዓ ንሕብረተሰብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብምሃብ ዝተለምዳ በዓል ሰለስተ እግሪ መጓዓዝያ ይጥቀሙ ምህላዎም’ውን ይሕብር።

ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ፡ ክፍለ ከተማ ሓድነትን ካልኦት ከባቢታትን፡ ካብ ቤት-ትምህርቲ ጨውዮም ቈልዑ ክወስዱ ዝተትሓዙ ጥርጡራት ምህላዎም ፖሊስ እታ ከተማ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

እዞም ግዳያት ከኣ፡ ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ኣወዳትን ኣዋልድን ይርከቡዎም።

ኣብ ከተማ መቐለ፡ ብ10 ለካቲት 2016 ዓ.ም [ግእዝ] ‘ባጃጅ’ ሒዞም ዝመጽኡ ውልቀሰባት ውላድ ስድራ ኣቶ መሓሪ ከበደ ዝዀነ ትሕቲ ዕድመ ቈልዓ ጨውዮም ብምውሳድ ንኽፍታሕ ኣርባዕተ ሚልዮን ብር ተሓቲቶም ነይሮም።

እቲ ህጻን ካብ 9 ክሳብ 17 ለካቲት 2016 ዓ.ም ተዓጊቱ ክጸንሕ እንከሎ፡ፖሊስን ስድራን ድሕሪ ዝገበሩዎ ነዊሕ ጻዕርን ክትትልን፡ እቲ ህጻን ብ17 ለካቲት ናብ ስድራኡ ክጽንበር ምኽኣሉ ቢቢሲ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሰርሖ ጸብጻብ ኣቃሊሑ ነይሩ።

ድሕረ ባይታ ኣብዚ ተግባራት ዝሳተፉ ዘለው ሰባት ዝተሓተተ ፖሊስ፡ “እዚ ገበን ዋላ ብዙሕ ኣብ ትግራይ ዝተለምደ እንተዘይኰነ፡ ምስ ገበን ክትራን፡ ዘይሕጋዊ ሰነዳት ብምስራሕ ዝፍለጡ ገንዘብ ዝሓቱ ኣለው። ድሕረ ባይታኦም፡ ብተደጋጋሚ ዝኽሰተሉ ዘሎ ጉዳይ ግን መጽናዕቲ የድልዮ’ዩ” ምባሉ ይዝከር።

ኣብ ትግራይ፡ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሃጓፍ ጸጥታን ድሕነት ነጊሱ ምህላው ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ዓበይቲ ከተማታት እታ ክልል ድማ፡ ካብ ስርቂ፡ ሞባይል ምምንዛዕ ጀሚሩ ክሳብ ዕጥቂ ሒዝካ ዝፍጸም ዝምታ ከም ዝተራእየን ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።