ትግራይ፡ ‘ወደይ ምስ ተጨውየ ክልተ ግዜ ጥራይ ድምጹ ኣስሚዖምኒ’

ስእላዊ መብርሂ ዝተጨውየ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስድራ ኣቶ መሓሪ ከበደ፡ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጨውዩ ዝተወስደ ትሕቲ ዕድመ ውላዶም ንኽፍታሕ ኣርባዕተ ሚልዮን ብር ተሓቲቶም።

እንተዘይከፊልኩም ግን ‘ወድኹም ክንቀትሎ ኢና!’ ዝብል መፈራርሒ’ውን በጺሑዎም።

ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ዝዀነ ኣቶ መሓሪ፡ ነቲ ‘ተጻዋቲ፡ የዋህን ወለዱ ዘኽብርን’ዩ’ ብምባል ዝገልጾ ወዲ ሸሞንተ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ውላዱ፡ ንጻት’ውን እንተዀነ ካብ ጓጓ ወለዱ ክፍለ’ዩ እሞ ድማ፡ በዚ መገዲ ክስእኖ’የ ዝብል ግምት ኣይነበሮን።

“ዓቢይ ስግኣት ኣትዩኒ፤ ዘለኒ ሸይጠ ድየ ዋላስ ካልእ ገይረ ወደይ ንምውጻእ ጥራይ እየ ዝደሊ ነይረ” ይብል።

እዚ ህጻን፡ ብ10 ለካቲት 2016 ዓ.ም [ግእዝ] በቶም ብዕድመ ዝዓብይዎ ‘ባጃጅ’ ሒዞም ናብ ደገ-ኣፌት ገዛኡ ብምምጻእ ክውሰድ እንከሎ፡ ኣጋምሸት ሰዓት 12፡00’ዩ [ብኣቆጻጽራ ሰዓት ኢትዮጵያ] ነይሩ።

እቲ ዕለት ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ምስ ካልኦት ኣሕዋቱ ኣብ ገዛ ዝወሃቦ መለማመዲ ትምህርቲ ወዲኡ ንመምህሩ ተሰናቢቱ፤ ምስ ካልኦት ሰለስተ መሓዙቱ ጸወታ ካብ ዝጅምር ገና 30 ደቓይቕ’ውን ኣይመልአን።

ሃንደበት፡ ‘ባጃጅ’ ምምራሕ ከነልምደካ ብዝበልዎ መንነቶም ዘይፈልጦም ሰባት ምስ ተወስደ ክኣ፡ ንትሸዓተ መዓልታት ደሃዩ ከይተረኽበ ጸኒሑ።

ኣብዚ ግዜ፡ ካብ መቐለ ክሳብ ዓዲግራትን ዓድዋን ርኢናዮ ካብ ዝብል ዘይተጨበጠ ወረታት ወጻኢ ርጡብ ሓበሬታ ንምርካብ ዝጽገም ዝነበረ ስድራ ኣቶ መሓሪ፡ “እተን ትሸዓተ መዓልቲ ትሸዓተ ዓመት’የን ኰይነን’የን ኣጨኒቐናና” ይብሉ።

ወዱ ንምፍታሕ መበጆ ዝሕተት ዝነበረ ኣቦ፡ “(ገንዘብ) ክኸፍለና’ዩ ዝብል ሓሳብ ስለ ዘለዎም ወይ ዘጽንዑ ስለ ዝዀኑ’ዮም ንወደይ ወሲዶምዎ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እዚ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓይደር ጣብያ ዓዲ’ሓ ዘጋጠመ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ህጻን ኣብ ሓደ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ካብ ብሎኬቲ ዝተሰርሐ ጠበቕን ኣናጹን ዝበዝሑዎ ዖና ንትሸዓተ መዓልቲታት ተዓጽዩ ከም ዝጸንሐ ፖሊስን ስድራን ይገልጹ።

እቲ ህጻን ብመቐስ፡ መዐፈኒ ኣፍን ካልእን ‘መልሓስካ ክንቈርጸካ ኢና፤ ክንቀትለካ ኢና’ እናበሉ የፈራርሕዎ ምንባሮም’ውን ሓቢሮም።

“ኵሉ ተጻዊሩ በይኑ ኣብኡ ይሓድር ነይሩ፤ እናፈራሕኩ ኮበርታ ዝመስል ገጸይ ሸፊነዮ ይሓድር ነይረ ኢሉና-- ከውግዓካ እንከሎስ ከቢድ’ዩ” ይብል ኣቶ መሓሪ።

እቲ ህጻን ካብ ዝጠፍኣሉ መዓልቲ ጀሚሩ ድማ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ‘ኣብ ፌስቡክ ካብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ’ ብዝብል ናብ ተሌፎን ኣቶ መሓሪ እናደወሉ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ይሓቱዎ ምንባሮም ተዛሪቡ።

“ወድኻ ኣብዚ ኣሎ፤ ከነርእየካ እንተዄንና፡ ገንዘብ ትኸፍል ኢኻ ይብሉኒ ነይሮም።”

ካብኣቶም ሓደ ተሌፎን ደዊሉ፡ “ኣብ ዓዲግራት ኣሎ፤ 25 ሽሕ ናብ ሕሳበይ ኣእትወለይ እሞ ዘለዎ ቦታ ከርእየካ እየ ይብለኒ። ክጻረ እንከሎ ግን እቲ ዝድውል ዝነበረ ሰብ ኣብ ዓድዋ’ዩ ነይሩ። ገለ ሰባት ምስ ፖሊስ ኣብ ዓዲግራት ገዲፍና፡ ኣነ ንዓድዋ ከይደ። በል ኣራኽበኒ ምስ በልኩዎ፤ 25 ሽሕ ወስኽ እሞ ሓባሪ ሰብ ክገብረልካ እየ ኢሉና” ብምባል ንገለ ዝርርባት ተሌፎን ይዝክሮ።

ይዅን’ምበር፡ እዞም ምስ ጭውያ ውላድ ኣቶ መሓሪ ብዝተኣሳሰር ዝድወሉ ዝነበሩ መስመራት ተሌፎን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተመዝገቡን ዝተሰርቁን፤ ምስ መንነት እቶም መበጆ ዝሓቱ ዘለው ሰባት ርክብ ዘይብሎም ብምንባሮም ኣሰር እቶም ነቲ ህጻን ዝዓገቱ ሰባት ንምርካብ ኣጸጋሚ ገይርዎ ምጽንሑ ፖሊስ ይገልጽ።

“ድምጺ ወደይ ምስ ሰማዕኹ ብዝተፈላለየ ስልኪ እናደወሉ ኣርባዕተ ሚልዮን ብር ክፈል ኢሎምኒ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ደዊሎም ክኣ ሰለስተ ሚልዮን ኢሎምኒ።

‘ስም ኣደኡን ኣሕዋቱን ይጽውዕ ነይሩ’

ኣቶ መሓሪ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ውላዱ ካብ ዝጭወ ንደሓር ናብ ገዛኡ ተመሊሱ ከም ዘይፈልጥ ይዛረብ።

“ኣብ ሕማቕ. . . ሕማቕ . . . ሕማቕ ኵነታት ኢና ነይርና፤ ደቀይን ሰበይተይን ይበኽዩ ስለ ዝነበሩ እንታይ ሒዘ ክኣቱ እናበልኩ ናብ ገዛ ኣይኸይድን፤ ቀትሪ ፈቘድኡ ክእልሾ ይውዕል፤ ለይቲ ኣብ ኬላታት ምስ ኣዕሩኽተይ ኣብ መኪና ንሓድር። ጸልማት ግዜ ነይሩ” ኢሉ።

በዓልቲ ቤቱ ብወገና፡ ቀትርን ለይትን እናበኸየትን እናጸለየትን ኣብ ቤተክርስቲያን ትውዕል።

እቲ ህጻን ካብ 9 ክሳብ 17 ለካቲት 2016 ዓ.ም ተዓጊቱ ክጸንሕ እንከሎ፡ ኣቶ መሓሪ ድሕነቱ ወዱ ንምርግጋጽ ብ11 ለካቲትን 15 ለካቲትን ጥራይ ድምጹ ከም ዝሰምዐ ገሊጹ።

“እቲ ዝሓተቱኒ ገንዘብ ከመይ ገይረ ከእትዎ ከም ዘለኒ ንኽነግሩኒ ደዊሎም፤ ድምጺ ወደይ ኣስምዑኒ ምስ በልክዎም ግን ክልተ ግዜ ጥራይ’ዮም ኣስሚዖምኒ። ወደይ ሽም ኣደኡ፡ ኣቦኡ፡ ኣሕዋቱ ይጽውዕ ነይሩ። እዚ ክሰምዕ እንከለኹ ሕማቕ ነገር’ዩ ስለ ዝስምዓኒ፡ ንበይነይ ኣብ መኪና ኣትየ’የ ዝበኪ ነይረ።”

ወሲኹ፡ “ስልኪ ከይደወሉ ስቕ ክብሉ እንከለው ይጭነቕ፤ ድምጺ መዓስ’ዮም ዘስምዑኒ ኢለ ሃንቀው’የ ዝብል ነይረ” ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ነዊሕ ጻዕርን ክትትልን ዝወሰደ ስራሕ፡ እቲ ህጻን ብ17 ለካቲት ናብ ስድራኡ ክጽንበር ክኢሉ ኣሎ።

መን'ዩ ቈልዑ ዝጨዊ ዘሎ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዒላማ ዝገበረ መጭወይቲ ቈልዑ ከጋጥም ከም ዝተራእየ ሓበሬታ ፖሊስ የረድእ።

እዚ ተግባር ዝፍጽሙ ዘለው ሰባት ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብልሙድ ‘ባጃጅ’ ተባሂለን ዝጽውዓ ንሕብረተሰብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብምሃብ ዝተለምዳ በዓል ሰለስተ እግሪ መጓዓዝያ ይጥቀሙ ምህላዎም’ውን ይሕብር።

ብፍላይ፡ ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ፡ ክፍለ ከተማ ሓድነትን ካልኦት ከባቢታትን እታ ከተማ፡ ካብ ቤት-ትምህርቲ ጨውዮም ቈልዑ ክወስዱ ዝተትሓዙ ጥርጡራት ምህላዎም ኣዛዚ ፖሊስ መቐለ ኮማንደር ኣንድነት ታደሰ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እዞም ግዳያት ከኣ፡ ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ኣወዳትን ኣዋልድን ይርከቡዎም።

ጉዳይ እዞም ጥርጡራት ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከብን፡ ምስ ጭውያ ውላድ ኣቶ ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠሩ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም 11 ውልቀሰባት ተታሒዞም ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረቡን ኣረዲኡ።

ድሕረ ባይታ ኣብዚ ተግባራት ዝሳተፉ ዘለው ሰባት ዝተሓተተ ኮማንደር፡ “እዚ ገበን ዋላ ብዙሕ ኣብ ትግራይ ዝተለምደ እንተዘይኰነ፡ ምስ ገበን ከትሪ፣ ዘይሕጋዊ ሰነዳት ብምስራሕ ዝፍለጡ ገንዘብ ዝሓቱ ኣለው። ድሕረ ባይታኦም፣ ብተደጋጋሚ ዝኽሰተሉ ዘሎ ጉዳይ ግን መጽናዕቲ የድልዮ’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ትግራይ፡ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሃጓፍ ጸጥታን ድሕነት ነጊሱ ምህላው ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ዓበይቲ ከተማታት እታ ክልል ድማ፡ ካብ ስርቂ፡ ሞባይል ምምንዛዕ ጀሚሩ ክሳብ ዕጥቂ ሒዝካ ዝፍጸም ዝምታ ከም ዝተራእየን ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝፍጸም ከትሪ ነክዩ’ዩ ዝብል ኮማንደር ኣንድነት፡ “እቲ ለውጢ ግን ውሱን እምበር ዘላቒ ኣይኰነን ዘሎ፤ ስራሕ የድልየና’ዩ። ብፍላይ ዘይተቘጻጸርናዮ ስርቂ ኣሎ” ብምባል” ጸጥታ ናይ ሕብረሰተብ ተሳትፎ ዝሓትት ስለ ዝዀነ ‘ኮምዩኒቲ ፖሊሲን’ ክጠናኸር ኣዘኻኺሩ።