ኣብይ ኣሕመድ ዝርከቦም፡ ሽዱሽተ ኣካታዕቲ ተዓወትቲ ኖቤል ሰላም

ብ7 ሓምለ 2025፣ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተኻየደ ድራር ፖስታ እናረከቦ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናይ ሎሚ ዓመት ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 10 ጥቅምቲ 2025 (30 መስከረም 2018) ወግዓዊ ክግበር ትፅቢት ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዙሕ ጎንፅታት ደው ስለዘበልኩ እቲ ሽልማት ይግብኣኒ እዩ ክብል ይስማዕ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ'ውን ንዶናልድ ትራምፕ ሽልማት ኖቤል ሰላም ከወስድ ምቑሑ ይዝከር። እዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዕላማ እቲ ፕረዚደንት ምዃኑ ይግለጽ።

ነታንያሁ ኣብቲ ንትራምፕ ከምዝረቁሕ ዝገልጽ ናብ ኮሚተ ሽልማት ዝለኣኾ ደብዳበ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ "ኣብዛ ህሞትዚኣ'ኳ ካብ ሓንቲ ሃገር፡ ናብ ሓደ ዞባን ሓደ ድሕሪ ሓደ ንሰላም ይጕስጉስ ኣሎ" ኢሉ።

ኣብዚ መድረኽ ነታንያሁ ጥራይ ኣይኰነን ንትራምፕ ዝሓጺ ዘሎ።

ኣብ ሰነ፡ ፓኪስታን እውን ንትራምፕ ነቲ ሽልማት ክትሓጽዮ መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ ነይራ።

ኢስላማባድ ኣብ ግንቦት ኣብቲ ምስ ህንዲ ንዝኣተወቶ ውግእ ተዅሲ ደው ንምባል ንዝተጻወቶ ተራ ብምጥቃስ'ያ ድጋፋ ተስምዕ ዘላ።

ይዅን እምበር ኣመሪካ ንጽባሒቱ ኣብ ጐረቤት ሃገር ኢራን ንዝርከቡ ኒዩክለሳዊ ቦታታት ብቦምባ ድሕሪ ምድብዳባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተሪር ነቐፌታታት ኣስዒቡ'ዩ።

ሽልማት ኖቤል ሰላም ሓደ ካብቶም ክቡራት ሽልማት ዓለም ዝቝጸር ሽልማት ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ሽወደናዊ ሳይንሰኛ፡ ነጋዳይን ገባሪ ሰናይን ኣልፍረድ ኖቤል ዘታኣታተዎም ሽዱሽተ ሽልማታት እዩ።

እቶም ተዓወትቲ ሓሙሽተ ሰባት ብዝሓቘፈት ኮሚቴ ዝምረጹ ኰይኖም፡ ንሳቶም ድማ ብባይቶ ኖርወይ ይምረጹ።

ትራምፕ እንተተዓዊቱ ብዙሓት ንትራምፕ ከም ኣካታዒ ተዓዋቲ ክቘጽርዎ ይኽእሉ እዮም።

ይዅን እምበር እዚ ንፈለማ እዋን ኣይኰነን ከጋጥም፤ ንቀዳማይ ምኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ሓዊስካ ብዙሓት ካልኦት ኣዘራረብቲ ሰባት ሽልማት ሰላም ኖቤል ዝወሰዱ'ውን ኣለዉ።

ካብቶም ኣዝዮም ኣካታዕቲ እዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ ይጥቀሱ

ኣብይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላምን ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ኣዳራሽ ከተማ ኦስሎ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ሽልማት ኖቤል ሰላም ድሕሪ ምሽላሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 2019 ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ጐረቤት ሃገር ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዶባዊ ግጭት ንምፍታሕ ብዝገበሮ ጻዕሪ ሽልማት ሰላም ተሸሊሙ።

እዚ ቅኑዕ ውሳነ ድዩ ዝብል ሕቶታት ክስዕብ ግን ግዜ ኣይወሰደን።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናብቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ዝሳተፉ ሰራዊት ምውፋሩ ነቒፉዎ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኣሽሓት ሰባት ዘጥፈአ ኣዕናዊ ኵናት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 'ዘጉህን ዘስካሕክሕን ጥፍኣት' ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

ባራክ ኦባማ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ዓይኑ እናጸቐጠ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ኣብ 2009 ሽልማት ኖቤል ሰላም ምስ ተዓወተ - ንባዕሉ እቲ ተዓዋቲ ሽልማት ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት ተገሪሞም ነይሮም።

ኦባማ ነቲ ኣዋጅ ምስ ሰምዐ ዝሃቦ ቀዳማይ ግብረመልሲ፡ "ናይ ምንታይ ሽልማት?" ብምባል ግር ኢልዎ ምንባሩ ኣብ ናይ 2020 መዘከርታኡ ከይተረፈ ኣሎ።

ንሱ እቲ ሽልማት ክብርከተሉ እንከሎ ኣብ ስልጣን ካብ ዝጸንሕ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ኣቊጺሩ ነይሩ።

ነቐፍቲ ድማ ነቲ ውሳነ ህዉኽ ሕርያ ኢሎምዎ። ብሓቂ ክርአ እንከሎ ድማ እቲ ሕጹያት ንምቕራብ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ግዜ ኦባማ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ድሕሪ 12 መዓልታት እዩ ተዓጽዩ።

ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ ክልተ እብረ ስልጣኑ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቕን ሶርያን ኣብ ውግእ ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ኣብ 2015 ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ኖቤል ነበር ጌር ሉንደስታድ፡ እቲ ነቲ ሽልማት ዝወሰነ ኮሚተ በቲ ውሳነ ከምዝተጣዕሰ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ያሲር ዓራፋት

ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 1994 ያሰር ዓራፋት፡ ስእሊ መራሒ እስራኤል ይትዛክ ራቢን ሒዙ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ያሲር ዓራፋት

ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 1994 ያሲር ዓራፋት እዩ ነይሩ።

መራሒ ፍልስጤም ነበር ኣብ 1994 ምስ ናይ ሽዑ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ይስሓቅ ራቢንን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ ሺሞን ፐረዝን ሓቢሮም ኣብ 1990ታት ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ፍታሕ ክረክብ ተስፋ ዝሃበ ስምምዓት ሰላም ኦስሎ ብዝሰርሕዎ ስራሕ እዩ እቲ ሽልማት ተዋሂብዎ።

ይዅን እምበር እቲ ሽልማት ኣብ ንኡስ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ንዝሳተፍ ያሲር ዓራፋት ክወሃብ ምውሳኑ፡ ኣብ እስራኤልን ክንዮ'ኡን ነቐፌታታት ኣስዒቡ።

ምሕጻይ ዓራፋት ኣብ ውሽጢ ኮሚተ ኖቤል ከይተረፈ፡ ዕግርግር ብምፍጣሩ ካብ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ሓንቲ ካረ ክርስቲያንሰን ዝተባህለት ኖርወጃዊት ፖለቲከኛ ብተቓውሞ ካብ ስልጣና ወሪዳ።

ሄንሪ ክሲንጀር

ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ሄንሪ ኣልፍሬድ ክሲንጀር ኣብ ኣመሪካ ኣብ 1973

ምንጪ ስእሊ, Gamma-Rapho via Getty Images

ኣብ 1973 ናይ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ሄንሪ ክሲንጀር ሽልማት ሰላም ተቐቢሉ።

ክሲንጀር ምስ መራሒ ሰሜን ቬትናም ለ ዱክ ቶ ብሓባር ኣብ ኲናት ቬትናም ተዅሲ ደው ንምባል ኣብ ንምስምማዕ ብዝገበርዎ ተራ እዩ ተሸሊሙ።

ይኹን እምበር ንከም ኣብ ካምቦድያ ዝተገብረ ምስጢራዊ ናይ ቦምባታት መጥቃዕትን ከምኡ እውን ንቐተልቲ ወተሃደራዊ መንግስታት ደቡብ ኣመሪካን ምድጋፍ ኣብ ዝኣመሰለ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ኢዱ ንዝሓወሰ ሰብኣይ ምውሃቡ ግን ንብዙሓት ኣፎም ዘረምጠጠ እዩ ነይሩ።

ክልተ ኣባላት ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ተቓውሞኦም ብምግላጽ ስልጣኖም ክለቁ እንከለዉ፡ ኒውዮርክ ታይምስ ድማ ነቲ ዜና ሽልማት - ሽልማት ኖቤል ኲናት ኢላ ብምጽዋዕ ምላሽ ሂባ።

ኣንግ ሳን ሱ ቺ

ተዓዋቲት ተዓዋቲት ኖቤል ኣንግ ሳን ሱቺ ኣብ ኣዳራሽ ከተማ ኦስሎ ኣብ ዝሃበቶ ኣስተምህሮ ኖቤል እናተዛረበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እታ በርማዊት ፖለቲከኛ ኣብ 1991 ኣብ ሚያንማር ኣንጻር ወተሃደራዊ ምሕደራ ብዝገበረቶ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ'ያ ሽልማት ኖቤል ሰላም ተዓዊታ።

ድሕሪ ልዕሊ 20 ዓመታት ግን፡ ኣንግ ሳን ሱ ቺ፡ ኣብ ሃገራ ንዝፍጸም ጃምላዊ ቅትለትን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣስላም ህዝቢ ሮሂንጋያን ክትዛረብ ዘይምኽኣላ፡ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ማዕረ "ምጥፋእ ዓሌት" ተባሂሉ ዝግለጽ ተነቒፋ።

እቲ ሽልማት ክትምንጠል ከይተረፈ ጻውዒታት ይቐርብ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ንሽዱሽተ ሽልማታት ኖቤል ዝቈጻጸር ሕግታት ግን ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ኣይፈቅድን እዩ።

ዋንጋሪ ማታይ

ዋንጋሪ ማታይ ኣብ መበቆል ኤችኣይቪ ብዝሃበቶ ርኢይቶ ትንቀፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ነፍስሄሪት ኬንያዊት ተጣባቒት መሰላት፡ ዋንጋሪ ማታይ ኣብ 2004 ሽልማት ኖቤል ዝረኸበት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ እያ።

እታ ተመራማሪት ስነ ህይወት፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣግራብ ብምትካል ዝምስገን ምንቅስቓስ ሓምላይ ቅናት ብምግባር'ያ ተዓዊታ።

ዓወታ ግን ብዛዕባ ኤችኣይቪን ኤይድስን ብዝምልከት ዝሃበቶ ርእይቶታት ድሕሪ ምቕልቃሉ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ።

ማታይ፡ቫይረስ ኤች.ኣይ.ቪ፡ "ንጸለምቲ ንምዕናው ብፍላጥ ዝተሰርሐን ዝተወጠነን ስነ-ህይወታዊ ኣጽዋር እዩ" ክትብል'ያ ርእይቶኣ ሂባ።

ይዅን እምበር ንርእይቶኣ ዝድግፍስነ-ፍልጠታዊ መርትዖ ኣይተረኽበን።

ሽልማት ኖቤል ዝሕመየሉ ግድፈት - ማህተማ ጋንዲ

ኣንጻር መግዛእቲ እንግሊዝ ተቓውሞኡ ብምግላጽ ኣብ ጾም ዝነበረ ህንዳዊ ኣባል መንግስቲ ማሃተማ ጋንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሽልማት ኖቤል ክሽለሙ ዝያዳ ቈላሕታ ዝተገብረሎም ብዘይምሽላሙ እውን ይሕመ እዩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ምድብ ሰላም ከይተሸለሙ ዝተረፉ እሞ ዝያዳ ጐሊሑ ዝርአ ግድፈት ድማ ዘይምሽላም ማሃተማ ጋንዲ እዩ።

እቲ ናይ መበል 20 ክፍለ ዘመን ህንዳዊ ፖለቲከኛ ሓሙሽተ ግዜ ተሓጽዩ እኳ እንተነበረ፡ ነቲ ሽልማት ተቐቢሉ ኣይፈልጥን።

ኣብ 2006፡ ሽዑ ፕረዚደንት ናይቲ ንተዓወትቲ ሽልማት ሰላም ዝመርጽ ኮሚተ ዝነበረ ኖርወጃዊ ጸሓፊ ታሪኽ ጌር ሉንደስታድ፡ ንዓወታት ጋንዲ ኣፍልጦ ዘይምሃብ ኣብ ታሪኽ ኖቤል እቲ ዝዓበየ ኣግልሎ ምዃኑ ገሊጹ።