ቀዳማይ ዙር ዘተ ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛ ኣበይ በጽሐ?

ቤንያሚን ናታንያሁ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስ ውግእ ደው ንምባል ብዘይቀጥታዊ መንገዲ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ብዘይ ፍረ ከም ዝተዛዘመ ሓደ ብዓል ስልጣን ፍልስጤም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ብዓል ስልጣን፡ እቲ ኣስታት ሰለስተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ኣኼባ፡ ኣብ ዶሓ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ህንጻታት ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ።

ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ብመንገዲ መንጐኛታት ቐጠርን ግብጽን መልእኽትታትን መብርህታትን እኳ እንተ ተለዋወጡ፡ ዝዀነ ምዕባለ ግን ከርኢ ኣይከኣለን።

እቲ ብዓል ስልጣን ወሲኹ፡ ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ዘሎ ዕንቅፋታት ንምስጋርን ዘለዎም ጋግ ንምጽባብን ምስ ነፍሲወከፍ ልኡኽ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ከካይዱ መደብ ስለ ዘለዎም፡ ዝርርብ ሎሚ ሰኑይ ክጅምር ትጽቢት ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ሮይተርስ ምስ ክልተ ሰበስልጣን ፍልስጤም ብምዝርራብ፡ እቲ ልኡኽ እስራኤል "ሓቀኛ ስልጣን" ስለ ዘይብሉ፡ ምስ ሓማስ ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ።

እዚ ዳሕረዋይ ዙር ዘይቀጥታዊ ዘተ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ንምርኻብ ናብ ዋሽንግተን ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ናታንያሁ እቲ ምስ ትራምፕ ዘካይዶ ርክብ፡ ተወሰኽቲ ጅሆታት ንምፍታሕን ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ንምባልን ክግበር ንዝጸንሐ ጻዕርታት ንምስጓም ክሕግዝ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

እስራኤል፡ በቲ ንሳ እትቕበሎ መንገዲ ንምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ ንልኡኻቱ መምርሒ ከም ዝሃበ ሓቢሩ።

ሓማስ ነቲ ዳሕረዋይ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ብእወታዊ መንፈስ ከም ዝተቐበሎ እኳ እንተ መለሰ፡ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ግና ኣብ መንጎ ክልተኦም ክጸብብ ዝግብኦ ጋግ ከም ዘሎ ንጹር ይመስል።

ሓማስ ገና ኣብቲ ቀዳማይ ዘተ ዘቕረቦ ቅድመ-ኵነት ጸኒዑ ዘሎ ይመስል - እንተላይ ኵሎም ተጻብኦታት ደው ክብሉን ሰራዊት እስራኤል ክወጽእን።

ነዚ፡ መንግስቲ ናታንያሁ ቅድሚ ሕጂ ነጺጉዎ እዩ።

መርገጺ እስራኤል'ውን ብዙሕ ዘይተቐየረ ክኸውን ይኽእል እዩ። ናታንያሁ ካብ እስራኤል ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ሕጂ'ውን ኣብ ሰለስተ ዕላማታት ከም ዝኣምን ገሊጹ፡ "ብህይወት ዘለዉ ኰኑ ዝሞቱ ጅሆታት ተለቒቘም ናብ ዓዶም ክምለሱ፡ ናይ ምቅላስ ዓቕሚ ሓማስ ክደክም፣ ቓዛ ንእስራኤል ስግኣት ከም ዘይትኸውን ምርግጋጽ።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስ ዝካየድ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ፡ መንጎኛታት ቐጠርን ግብጽን ከቢድ ስራሕ እዩ ዝጽበዮም። ቅድሚ ሕጂ ምስጓም ከሊኡዎም ዝጸንሐ ከበድቲ ጉዳያት ንምፍታሕ ክጽዕሩ እዮም።

እዞም ጉዳያት፡ እቲ ናይ መወዳእታ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ መጋቢት ካብ ዝዛዘም ንደሓር ካልኦት ጻዕርታት ከይቅጽሉ ሓሊዀም ዝጸንሑ እዮም።

መንግስቲ እስራኤል መጥቃዕቲታት ዝጀመረ፡ ንሓማስ ዝያዳ ንምድኻምን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንምፍታሕ ክዘራረቡ ንምግዳድን ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ፡ ሰራዊት እስራኤል 130 ዕላማታት ሓማስ ከም ዝሃረመን ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ከም ዝቐተለን ይሕብር።

እንተዀነ፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ጕድኣት ግን እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ብሰንበት ልዕሊ 30 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣካየድቲ ሆስፒታላት ገሊጾም።

ኣብዚ ግዜ'ዚ እቲ ሕቶ ዝኸውን፡ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ክልተኦም ወገናት ሕድገት ገይሮም ናብ ስምምዕ ክበጽሑ ይኽእሉ ድዮም ጥራይ ዘይኰነ፡ ትራምፕ ንናታንያሁ ኣብቲ ዝገብሩዎ ርክብ፡ ኲናት ከብቅዕ ከም ዘለዎ ከእምኖ ይኽእል ድዩ ዝብል እዩ።

ሓያሎ እስራኤላውያን ነቶም ዝተረፉ ጅሆ ዝተታሕዙ ንምድሓን ክትብል ሃገሮም ክትከፍሎ ዝግባእ ዋጋ ምዃኑ ይኣምኑ።

ትማሊ ሰንበት ምሸት'ውን ናብ ጐደናታት ብምውጻእ፡ ናታንያሁ እቶም ጅሆታት ናጻ ክወጽኡ ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ገለ ጽኑዓት ደገፍቲ መንግስቲ ናታንያሁ ግን - ከም ምኒስተር ጸጥታ ኢታማር ቤን ግቪርን ምኒስተር ፋይናንስ በዛለል ስሞትሪችን ዝኣመሰሉ - ሓማስ ምሉእ ብምሉእ ከይጠፍአ፡ እቲ ኲናት ከብቅዕ ብትሪ ከም ዝቃወሙ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

እንተዀነ፡ ኣብ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምብጻሕ ድሌታት ዘሎ ይመስል። መንግስቲ እስራኤል ይዅን ሓማስ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ከቕርቡዎ ዝጸንሑ ቅድመ-ኵነታት ከጕድልዎ ይኽእሉ ድዮም ዝብል ግን ዘይርጕጽነት ኣሎ።

እቶም ኣብ ቓዛ ዘለዉ ፍልስጤማውያንን ጅሆ ተታሒዞሞም ዘለዉ እስራኤላውያን ስድራቤታትን፡ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ካልእ ናይ ሓሶት ተስፋ ከይከውን ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ።

መንግስቲ እስራኤል ነቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ዝተፈነወሉ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ስርሒት ጀሚሩ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣስታት 1,200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 57,338 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ይሕብር።