'ሞት ንሰራዊት እስራኤል' ኢሎም ብምጭርሖም፡ ማዕከናት ዜና ዓለም ዘዛርቡ ዘለዉ ሙዚቀኛታት

ምንጪ ስእሊ, PA
ኣብ ሙዚቃ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ መድረኻት ዓለም ምዃኑ ዝንገረሉ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝካየድ ፈስቲቫል ግላስቶንበሪ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ኣዘራራቢ ኰይኑ ቀጺሉ።
እቶም 'ቦብ ቪላን' ተባሂሎም ዝፍለጡ ፓንክ ከምኡ'ውን ራፕ ዝጻወቱ ሙዚቀኛታት፡ ኣብቲ መድረኽ፡ "ሞት ንሰራዊት እስራኤል፡" ኢሎም ጨደሩ። እዚ መልእኽቲ'ዚ ከኣ ብቢቢሲ ብቐጥታ ብምትሕልላፉ ቀንዲ መዛረቢ ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ኰይኑ ይርከብ።
መራሒ ናይታ ባንድ ቦቢ ቪላን ኣብቲ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝተሳተፉዎ ፈስቲቫል ግላስቶንበሪ፡ "ፍልስጤም ናጻ ክትከውን እያ፡" ኢሉ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ምዕራባውያንን ድማ ኣብ ቅትለት ፍልስጤማውያን ተሓባበርቲ ምዃነን ገሊጹ።
ቀጺሉ፡ ኣብቲ መድረኽ፡ "ሞት ንሰራዊት እስራኤል፡" ኢሉ ክጭድር ዝተሰምዐ ቦቢ ቪላን፡ ንተዓዘብቲ'ውን፡ "ሞት ንሰራዊት እስራኤል፡" ክብሉ ዕድመ ኣቕረበሎም'ሞ፡ እቶም ኣሽሓት ሰባት ከኣ ንዓኡ ስዒቦም ነቲ መልእኽቲ ኣቃሊሖሞ።
ነዚ ስዒቡ ኣዳለውቲ እቲ ፈስቲቫል፡ እቲ ሙዚቀኛ "ሞት ንሰራዊት እስራኤል" ብምባል፡ ተዓዘብቲ ከም ዘቃልሑዎ ምግባሩ ከም "ዘሰንበዶም" ገሊጾም።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር፡ "ቅሉዕ ናይ ጽልኢ ዘረባ፡" ክብል ነቲ ተግባር ኰኒኑዎ።
ብተወሳኺ፡ ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ባንድታት ቦብ ቪላን ከምኡ'ውን ንፍልስጤም ብእትህቦ ደገፍ እትፍለጥ ኣርላንዳዊት ባንድ ኒካፕን ናይ መርመራ ክሲ ከም ዝኸፈቱ ኣፍሊጦም።
ነቲ ፈስቲቫል ግላስቶንበሪ ብቐጥታ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ቢቢሲ፡ ነቲ ምርኢትን "ሞት ንሰራዊት እስራኤል" ዝብል ጭርሖን ናብ ተዓዘብቲ ኣመሓላሊፉ።
ቢቢሲ ነቲ ቀጥታዊ ፈነወ ከቋርጾ ነይሩዎ ዝብል ወቓሳ ይቐርበሉ ኣሎ። ንመራኸቢ ብዙሓን ናይ ምቍጽጻር ዝለዓለ መዚ ዘለዎ ኣፍኮም፡ "እቲ ምርኢት ብቐጥታ ምትሕልላፉ ዘተሓሳስብ እዩ፣ ቢቢሲ ክምልሶም ዝግባእ ሕቶታት ኣለዉ፡" ክብል ብመንገዲ ወሃቢ-ቓሉ ተዛሪቡ።
ነዚ ዝሰዓበ ወቐሳታት ስዒቡ፡ እቲ 'ቦቢ' ብዝብል ናይ መድረኽ ስሙ ዝፍለጥ ፓስካል ሮቢንሰን ፎስተር ኣብ መትከሉ ብምጽናዕ፡ "እቲ ዝበልኩዎ ኢለ ኣለኹ፡" ብምባል ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፉ።
ንዓባይ ብሪጣንያ ድማ፡ "ፓሊሲ ወጻኢ ጉዳያታ ክትቅይር፡" ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ጊታሪስትን ገጣምን ዝዀነ ቦቢ ምስ ወቓዒ ከበሮ ቦብ ብምዃን እዮም ነታ 'ቦብ ቪላን' ዝሰመዩዋ ባንድ ኣብ 2017 መስሪቶማ። እዞም ብ'ቦብስ' ዝፍለጡ ሙዚቀኛታት፡ ተመሳሳሊ ናይ መድረኽ ስም እዩ ዘለዎም።
እዞም ሙዚቀኛታት፡ ፓንክ፡ ግራይም (ሂፕ-ሆፕ)፡ ንናይ ሮቢንሰን ፎስተር ዓይነት ኣጸዋውታ ዝተኸተለ ጀማይካዊ ሬገ፡ ከምኡ'ውን ዳንስ ሆል ዝተባህሉ ቅድታት ሙዚቃ ኣጣሚሮም ይጻወቱ።
ግጥምታቶም ኣብ ከም ዓሌትነት፡ ጭካነ ፖሊስ፡ ጭቆና፡ ርእሰማላውነት፡ ኣቦነትን መርዛም ተባዕታይነትን ዝኣመሰሉ ቴማታት የተኵሩ።
እዞም ሓያሎ ንጽል ደርፍታት ዘውጽኡ ሙዚቀኛታት፡ ኣብ 2020 ኣብ ኤውሮጳ ናይ መጀመርታ ኣልበሞም ዘርጊሖም ኣለዉ።
ኣልበሞም ካብ እትዝርጋሕ ጀሚሮም ምስ ከም ብዓል ኦፍ ስፕሪን፡ ዘ ሃይቭስ፡ ቢፊ ክላይሮ ዝኣመሰሉ ሙዚቀኛታትን ባንድታትን ዑደት ገይሮም እዮም።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ፈስቲቫል ሙዚቃ ሪዲንግ ከምኡ'ውን ሊድስ እውን ተጻዊቶም እዮም። ካብ ሓሙሽተ ኣልበሞም እታ ካልኣይቲ 'ፕራይስ ኦፍ ላይፍ' ኣብ ቻርት ዓባይ ብሪጣንያ መበል 18 ደረጃ ሒዛ።
ኬራንግ ኣብ ዝተባህለ መጽሔት'ውን ብሉጽ ኣልበም ናይዚ ዓመት - 2022 - ተባሂሎም ተሸሊሞም።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ዝወሃብ ሽልማት 'ሞቦ' ብሉጻት ኣማራጺ ሙዚቀኛታት ተባሂሎም ተዓዊቶም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ኣብ ሓሳብና ዘይክንሰማማዕ ይከኣል እዩ'
ኣብዚ ግዜ'ዚ 34 ዓመት በጺሑ ዘሎ ሮቢንሰን ፎስተር፡ ገና ወዲ 13 ዓመት ከሎ እዩ ግጥሚ ክጽሕፍ ዝጀመረ። ኒ ሃይ ብዝብል ናይ ብርዒ ስም ድማ ብግጥምታቱ ስም ረኸበ።
ወዲ 14 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ 2005 ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ማሕበር ፖሊስ ጸለምትን እስያውያንን ተዓዲሙ ግጥሙ ኣቕሪቡ።
ኣብታ ዝዓበየላ ከተማ ኢፕስዊች - ለንደን ንኻልኦት መንእሰያት'ውን ኣርኣያ ክኸውን በቒዑ እዩ።
ሙዚቀኛ ቦብ ቪላን ሓደ እዋን ንመጽሔት ትሪቡን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነታ ባንድ ዝጀመራ "ሰባት ሕቶታት ንኽሓቱ፡" ኢሉ ምዃኑ ገሊጹ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ፈስቲቫል ሙዚቃ ዳውንሎድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ሙዚቃኦም ንምንታይ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።
"ኣብዚ ሃገር ዘሎ ሰንሰለትን ኣቃውማ ሓይልታትን ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ንኽሕጸር ካብ ዝገበረና ልምዲ ህይወት ዝመጽአ እዩ፡" ክብል እቲ ጸሊም ሙዚቀኛ ቦብ ቪላን የብርህ።
"እዘን ደርፍታት ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ተዓዘብቲ ክንጻወተን ተመኵሮታትና ከነካፍልን ከለና፡ እፎይታ ዝፈጥር ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ይብል'ሞ፡ "ብኻልእ መገዲ'ውን ኣዝዩ ስምዒታዊ'ዩ፡" ይብል።
"ንብዙሕ ዝተቓላዕና ኢና፣ ንነብስና ንግዳም ኣውጺእና ኢና ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ሕብረተሰብናን ንዛረብ ዘለና፣ ንደርፍ ኣለና። ምሳና ዘይሰማምዑ ተዓዘብቲ ክጭድሩ ወይ ብዝደለይዎ መንገዲ ክቃወሙ ይኽእሉ'ዮም፡" ይብል ቦቢ።
ቦቢ፡ ሰባት ንዘይሰማምዕሉ ጉዳያት ኣልዒሉ ሓሳቡ ብናጽነት ክዛረብ ኣይፈርሕን'ዩ።
እዛ ባንድ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ግላስቶንበሪ ፈስቲቫል ምርኢት ኣቕሪባ ነይራ።
ምስ ፈስቲቫል ግላስቶንበሪ መሻርኽቲ ዝዀነ ቢቢሲ፡ 'ዊክድ ኤንድ ባድ' እትብል ደርፎም ናብ ተዓዘብቱ ኣቕሪቡዋ። ኣብቲ ሙዚቃኦም ንቐዳመይቲ ምኒስተር ነበር ማርጋረት ታቸር ዝወቅስን "ሃብታማት ንቐደም በሉ፡" ዝብል ቅየዐን ይርከቦ።
እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዓቢይ ፈስቲቫል ሙዚቃ 'ኮቸላ' ምርኢት ዘቕረበን ምስ ተዋሳእቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኤሚል ኤንድ ዘ ስኒፈርስ፡ ሎሪ ቪንሰንትን ሮክ ባንድ ኪድ ካፑቺን'ውን ዝተሓባበረ ራፐር፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ግላስቶንበሪ ኣብታ 'ድሪም ቢገር' እትብል ደርፊ ከተሰንዮ ንጓሉ ናብ መድረኽ ኣምጺኡዋ።
እዞም ራፐራት ትማሊ ሰንበት ኣብ መድረኽ ዌስት ሆልትስ ዘቕረቡዎ ምርኢት፡ ንፍልስጤም ብጽኑዕ ከም እትድግፍ ዝንገረላ ኣየርላንዳዊት ባንድ ኒካፕ ብድሕሪኦም ቀጺላ።
እታ ንቐዳማይ ምኒስተርን እስራኤል እትወቅስን እትጸርፍን ሙዚቃኦም ኣብ ቢቢሲ ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይተመሓላፈት፡ ድሒራ ግን ኣርትዖት ተገይሩላ ናብ ፈነወ ቀሪባ።
ኒካፕ ናይ ኣመሪካ ቪዛኦም ተሰሪዙ ኣሎ። ቦብ ቪላን'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣመሪካ ዑደት ክገብር መደብ እኳ እንተ ነበሮ፡ ምክትል ተሓጋጋዚ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክሪስቶፈር ላንዳው ግን ቪዛኡ ከም ዝስረዝ ኣረጋጊጹ።
ቦቢ ቪላን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቪድዮ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ፖለቲከኛታት "ክሓፍሩ" ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ "እዚ ተኣማንነቶም ንመን ምዃን ዘርኢ እዩ፡" ኢሉ።
"መጀመርታ ኒካፕ ነበሩ፣ ሕጂ ክልተና ኢና ዘለና፡" ይብል ቦቢ።
"ቅትለት ንጹሃት ሰባት ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ደው ክብል ኣለዎ ምባል፡ ፈጺሙ ጌጋ ኣይኰነን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ቦቢ ቪላን እውን ልክዕ ከም ኒካፕ ኣብ ዓለም ኣዛራቢ ኰይኑ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







