'ዲዲ' ኮምብስ ሰባት ንጾታዊ ርክብ ብምስግጋርን ምንዝርናን ሓድሽ ክስታት ቀሪቡሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስሙይ ኣመሪካዊ ራፐር "ዲዲ" ኮምብስ፡ ናብ መጋባእያ ክቐርብ ሓደ ወርሒ ኣብ ዝተረፎ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጾታዊ ርክብን ኣብ ምንዝርና ብምውፋርን ዝብሉ ሓደስቲ ገበናዊ ክስታት ቀሪቡሉ።
እዚ ብዓርቢ ኣብ ቤት ፍርዲ ማንሃታን ወግዓዊ ዝኾነ ሓድሽ ክስታት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ካልእ ግዳይ ንዝተፈጸመ ገበናዊ ግህሰታት ዝገልጽ ክስታት ዘጠቓልል እዩ።
ኮምብስ ነታ ግዳይ ካብ 2021 ክሳብ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ጾታዊ ተግባራትን ምንዝርናን ክትዋፈር ከም ዝመልመላ፡ ከም ዘጓዓዓዛን ከም ዘገደዳን ኣኽበርቲ ሕጊ ይኸሱ።
እዚ ኮኾብ ሂፕ-ሆፕ ንኹሉ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክስታት ነጺግዎ'ሎ። ጠበቓታቱ'ውን እቲ ክስታት "ብግዴታ ኣብ ዝተፈጸመ ዘይኮነስ" ብስምምዕ ኣብ ዝተፈጸሙ ንጥፈታት ዝተመርኮሰ እዩ ክብሉ ይሙጕቱ።
ጉጅለ ጠበቓታቱ ኣብ ኣሜሪካ መሻርኽቲ ቢቢሲ ንዝኾነ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "እዚኦም ሓደስቲ ክስታት ወይ ሓደስቲ ከሰስቲ ኣይኮኑን። ተመሳሰልቲ ውልቀሰባት እየን። ኣብ ስምምዕ ዝተመስረተ ዝምድናታት ዝነበረን ናይ ነዊሕ እዋን ኣፍቀርቱ እየን። እዚ ከኣ ናይ ብሕቲ ጾታዊ ህይወቶም እዩ ነይሩ። ብፍቓድ እምበር ብግዴታ ዝግለጽ ኣይነበረን" ኢሎም።
'ዲዲ' ኮምብስ ዝሓለፈ ዓመት ብውዲት ምእካብ ዘይሕጋዊ ገንዘብ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጾታዊ ርክብን ሰባት ኣብ ምንዝርና ንምውፋር ምጉዕዓዝን ተኸሲሱ ነይሩ። እዞም ክልተ ሓደስቲ ክስታት ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ንዝቐረቡ ፌደራላዊ ክስታት ናብ ሓሙሽተ የብጽሕዎ።
እቲ ኣብ 2024 ኣብ ልዕሊ ሾን ዲዲ ዝቐረበ መበገሲ ክስታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጾታዊ ርክብን ናብ ምንዝርና ምውፋርን፡ ምስቲ ካብ 2009 ክሳብ 2018 ዝነበረ ክስታት ዘተኣሳስር ኮይኑ፡ ምስ ዝተፈለዩ ግዳያት ዝተሓሓዝ እዩ።
ቀንዲ ክፋል ናይቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ራፐር ዝቐርብ ዘሎ ኣዝዩ ከቢድ ክስታት፡ ምስ ክሲ ውዲት ዘይሓጋዊ ገንዘብ ዝተኣሳሰር እዩ።
እዚ ድማ ጭውያ ደቂ ኣንስትዮ፣ ሓሽሽ ምጥቃምን ንሰባት ናብ ጾታዊ ንጥፈታት ምግዳድን ከምኡ ድማ ገለ እዋናት ብረት ምጥቃም ወይ ብዓመጽ ምፍርራሕ የጠቓልል።
እቲ ክሲ፡ ፖሊስ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ካብ ዘካየዶ ዘመተ ንዝተረኸበ ዝርዝር መረዳእታ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ሽዑ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝተሓሰቡ ሓሽሽን ካልኦት ተዛመድቲ ነገራትን ተረኺቦም።
ኮምብስ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣሜሪካ ዕዉታት ራፐራትን ጎብለላት ሙዚቃን ካብ ምንባሩ ብተወሳኺ ንጀምርቲ ከየንቲ ኮኾባት ንምግባር ብምሕጋዝ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ሕሉፍ እዋናት ፓፊ፣ ፓፍ ዳዲ፣ ፒ ዲዲ፡ ላቭ ወይ ብራዘር ላቭ ብዝብሉ መጸውዕታት ይፍለጥ ነይሩ። ኣብ 1990ታት ኣብ መድረኽ ሙዚቃ ዓለም ተቐልቂሉ።
ናይ ሙዚቃ ትካሉ 'ባድ ቦይ ሪከርድስ' ነዊሕ ከይጸንሐ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ትካላት ራፕ ክኸውን ብምብቅዑ ንፌይዝ ኢቫንስ፣ ማ$ኤ፣ 112፣ ማርያ ካሪን ጀኒፈር ሎፐዝን ናብ ዘጠቓለለ ትካል ሰፊሑ።
ጀመርቲ ደረፍትን ራፐራትን ናብ ደረጃ ኮኾብነት ምብቃዕ ቀንዲ ውራዩ ገይሩ ብምስራሕ ድማ ይፍለጥ።
ኮምብስ ናብ ዓይኒ ሕጊ ምስኣተወ፡ ንዝናኡን ዓቕሙን ተጠቒሙ ንሰባት ሓሽሽ ክጥቀሙ ብምግባር፣ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፣ ብምዕማጽ፣ ምፍርራሕን ስቕ ክብሉ ብምፍርራሕን ዓሰርተታት ክስታት ቀሪቦምሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ብሩክሊን ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕዩር ሜትሮፖሊታን ተኣሲሩ ይርከብ። ገበናዊ ፍርዱ ኣብ 5 ግንቦት ክጅምር መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







