ንልዕሊ 4 ሽሕ ጽፍሪ ኣዝማልቶ ዝለኸየት መንእሰይ

ሊሻ ጽፍሪ እናለኸየት

ምንጪ ስእሊ, Falope Gbenga and Gibson Ogunkunle

ናይጀርያዊት ሊሻ ዳቾር ክብረወሰን ዓለም ንምስባር ኣብ 72 ሰዓታት ልዕሊ 4 ሽሕ ጽፍሪ ኣዝማልቶ ከም ዝቐብአት ተዛሪባ።

ጓል 19 ዓመት ሊሻ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ግዝኣት ፕላቶ ኣብ ዝርከብ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ዝቐርበሉ ማእከል እናተዛወረት ኣማኢት ጽፍሪ ኣጻብዕቲ ሰባት ብሰማያዊ፣ ሮዛን ሐምላይን ቫርኒሽ ክትቐብእ ሰለስተ መዓልታት ኣቑጺራ።

ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ማራቶን ምቕባእ ጽፍሪ ብረቡዕ እዩ ተዛዚሙ።

ሕግታት መዝገብ ክብረወሰን ዓለም ከም ዝሕብሮ ሚስ ዳቾር ዘካየደቶ ፈተነ ኣብ ግምት ክኣትው እንተኾይኑ፡ ኣብ ሰዓት 60 ጽፍሪ ኣጻብዕቲ ክትለክይ ኣለዋ።

ኣብዚ እዋን ነቲ ዘካየደቶ ፈተነ ዘርእይ መረዳእታ ኣቕሪባ ብጊነስ ንክግምገም ትጽበ ኣላ።

ሊሻ ዳቾር ንክብረወሰናት ዝምዝግብ ጊነስ ነቲ ዘቕረበቶ መረዳእታ ርእዩ ኣብ ቀረባ መረጋገጺ ክህባ ብተስፋ ትጽበ።

ንሳ ነቲ ስራሕ ተካይድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዙሓት ጽፍረን ንክትለኽየለን ናብቲ ትርከበሉ ውሒዘን።

ሚስ ዳቾር ነዚ ውድድር ዝጀመረት ብዛዕባ ከማኣ ዝኣመሰላ መንእሰያት ኣዴታት ዝምልከት ግጉይ ተረኻት ንምቕያር ምዃኑ ትገልጽ።

"ብዙሓት ሰባት ዝኾነ ነገር ዘለና ስለዘይመስሎም፡ ንሰባት ብፍላይ ድማ ነተን ደቀን ንበይነይ ኮይነን ዘዕብያ ኣዴታት ተስፋ ክህብ እደሊ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ሊሻ ጽፍሪ እናለኸየት

ምንጪ ስእሊ, Falope Gbenga and Gibson Ogunkunle

እታ ናይ ጽፍሪ በዓልቲ ሞያ፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኣብቲ ዓውዲ ክትሰርሕ ዝጸንሐት ኮይና፡ ካብ ሰሜን ናይጀርያ ንዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ክተተባብዐን ድልየት ከምዘለዋ ትገልጽ።

ሚስ ዳቾር፡ እቲ ናይ ክብረወሰን ፈተነኣ ንስም እታ ዝተወለደትላ ኣብ ናይጀርያ ትርከብ ፕላቶ ዝተብሃለት ግዝኣት’ውን ከጸውዕ ተስፋ ከምዘለዋ ትዛረብ።

ፕላቶ እቲ ብቐንዱ ኣስላም ዝኾነ ኣብ ሰሜን ናይጀርያ ዘሎ ህዝቢ ምስቲ ብዓቢኡ ክርስትያናዊ ዝኾነ ደቡብ ዝራኸበላን ብዙሓት ማሕበረሰባት ዝተሓዋወሱላን ግዝኣት እያ።

ሊሻ ምስ ሰባት ተሓቛቚፋ

ምንጪ ስእሊ, Falope Gbenga and Gibson Ogunkunle

እታ ዞባ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታውያንን ሃይማኖታውያንን ጉጅለታት ዝካየዱ ግጭታት ክተአንግድ ዝጸንሐት ኮይና፤ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት’ውን ተቐቲሎምላ።

"ሰባት ንፕላቶ ብርሑቕ እዮም ዝፈርድዋ። ብዘይካ'ቲ ዘለና ዓሌታዊ ጉዳያት ጽብቕቲ ቦታ እያ። ነዚ ፈተነ ክብረወሰን ኣብ ዝጅመርሉ እዋን ካብ ኩሎም ዓሌታት ደገፍ ረኺበ እየ" ትብል።