ጃፓን፡ ሰብ ጸጋ ዕድመ 107 ዓመት ዝኾና መናቱ ክብረወሰን ጊነስ ሰይረን

መናቱ ወነንቲ ክብረ ወሰን ዕድመ

ምንጪ ስእሊ, GUINNESS WORLD RECORDS

መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም ጊነስ 107 ዓመት 300 መዓልታትን ዝሓለፈን ክልተ ጃፓናውያን መናቱን ብህይወት ዘለዋ ኣረጋውያን መናቱ ክብል መዝጊቡወን።

ኡሜኖ ሱሚያማን ኬሙ ኮዳማን ብ5 ሕዳር 1913 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ጃፓን ደሴት ሾዶ 13 ኣባላት ስድራ ካብ ዘለዎም ቤተ ሰብ ተወሊደን።

እዘን መናቱ፡ ቅድሚ ሕጂ ኪን ናሪታን ጂን ካኒን ብዝተባህሉ ጃፓናውያን ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን እየን ሰይረን ኣለዋ።

እተን መናቱን ኣሕዋት ንክልቲኡ ኵናት ዓለም ዝሓለፋ ኮይነን፡ መባእታዊ ትምህርተን ምስ ወድኣ ኣትሒዘን ተፈላልየን ክነብራ ጀሚረን።

ኡሜኖን ሙሜን ዝፈልጡወን ሰባት ማሕበራዊ ህይወት ዝፈትዋን ምስ ሰብ ሕውስውስ ዝብላን ምዃነን ይዛረቡ።

ጊነስ ንኽልቲአን ኣሕዋት ኣብ መዝገቡ ከም ዘስፈረ ትማሊ ኣብ መዓልቲ ሃገራዊ በዓል ኣረጋውያን ወግዓዊ ገይሩ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዘን መናቱ ናብ ዝነብራሉ ዝተፈላለየ ናይ ጃፓን ክፍሊ እቲ ካብ ሓደ መስከረም 2021 ጀሚሩ ወነንቲ እቲ ክብረ ወሰን ምዃነን ዝሕብር ምስክር ወረቐት ተላኢኹለን ኣሎ።

ጊነስ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ቅድም ኢሉ ነቲ ክብረ ወሰን ሒዞም ዝጸንሑ ጂን ካኔንን ኪን ናሪታን ብ107 ዓመትን 175 መዓልታትን ከም ዝኾነ ብምሕባር ኪን ብጥሪ 2000 ህይወቱ ከም ዝሓለፈን፤ ጂን'ውን ቐጺሉ ከም ዝሞተት ሓቢሩ።

እዚኦም ብሓደ ነሓሰ 1892 ዓ.ም ዝተወለዱ ኮይኖም ሽሞም ወርቅን ብርን ዝብል ትርጉም ነይሩዎ።

ቅድሚ ምሟቶም ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ታሪኾም ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ብተደጋጋሚ ይቐርብ ነይሩ።

እዘን ሓደሽቲ ወነንቲ ክብረወሰን ኡሜኖ ኣደ ኣርባዕተ ቖልዑት ኮይና ሙሜ ድማ ሰለስተ ቖልዑት ኣለውዋ።

ጃፓናውያን ነዊሕ ዕድመ ከም ዝነብሩ ይግለጽ፤ ንኣረጋውያን ድማ ዓብዪ ክብሪ ይወሃቦም።

ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር እቲ ዝለዓለ ዕድመ 118 ዓመት ኮይኑ ወናኒት እዚ ክብረ ወሰን ጃፓናዊት ካኔ ታናካ'ያ።