ደቡብ ኣፍሪቃዊት ተቓላሲት ብልሽውና 'ድሕነት ኣይስምዐንን' ትብል

ሞሲሎ ሞቱፔ ብልሽውና ብምቅልዓ ስርሓ ስኢና
መግለጺ ስእሊ, ሞሲሎ ሞቱፔ ብልሽውና ብምቅልዓ ስርሓ ስኢና

ኣብ ቀረባ ብልሽውና መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘቃልዐት ሰራሕተኛ መንግስቲ ባቢታ ዴካራን ተቐቲላ'ያ።

እዚ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ብልሽውና ንምቅላዕ ሚስጢር ዝህቡ ውልቀሰባት ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ከም ዝበጽሖም ዘርኢይ ምዃኑ ቢቢሲ ብዘካየዶ መርመራ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።

"ሓለቓኻ/ኺ ኣብ ብልሽውና ዝጥሓለ እንተኾይኑ እንታይ ይብሃል . . . እሞ ኽኣ እቲ ፕሬዝደንት'ውን ተኣሳሲሩ?"

ሞሲሎ ሞቴፑ፡ ውልቃዊ ድሕነት፣ ጽቡቕ ዜግነትን ስነ ምግባርን ንዝብሉ መልሲ ንምርካብ ኣብ ገዝኣ ዝሰቐለቶ ሕቶ'ዩ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ብእወ ኣይፋል ተወጢራ ግራ ኣትዩዋ ጸኒሑ፤ ድሓር ግን እቲ ዝርኣየቶ ብልሽውና ክተቃልዕ ወሲና።

ኩሉ ነገር ከኣ ተቐይሩ።

"ድሕነት ኣይስምዓንን፤ ወትሩ ዝኾነ ሰብ ደድሕረይ ዝኽተሊ ዘሎ ስለ ዝመስለኒ ኣእምሮይ ኣይቀሰነን። ኣዝዩ . . . ኣዝዩ ኣጸጋሚ ግዜ'ዩ ኮይኑኒ" ትብል።

ንኽልተ ዓመት ስራሕ ምስኣን

ብልሽውና ኣብ ምቅላዕ ትኽክለኛ ስራሕ'የ ሰሪሐ ዝብል እምነት እኳ እንተሃለዋ ዋጋ ኣኽፊሉዋ'ዩ።

"መጀመርታ እቲ ጸብጻብ ብደረጃ ሃገር ክወጽእ እዩ ዝብል ግምት ስለ ዝነበረኒ፡ ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ተታሒዞም ክእሰሩ'ዮም ዝብል ግምት ነይሩኒ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ከኣ ስራሕ ጀሚረ ስሩዕ ህይወተይ ክቕጽል'የ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ። ግን ክኣ ንክልተ ዓመት ሙሉእ ካብ ስራሕ ቦዅረ ኣለኹ፤ እዚ'ዩ እቲ ዋጋ" ትብል ንብዓት እናተሓናነቓ።

ብ2015 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ሞቴፑ ዋና ዳይሬክተር ኩባኒያ ኢንቨስትመንት ትሪሊያን ነይራ።

እዚ ምስቲ ነታ ሃገር ተቖጻጺሩዋ'ዩ ዝብሃል ማእከል ዓበይቲ ገበናት ብልሽውና ምዃኑ ዝዝረበሉ 'ጉፕታ ፋሚሊ' ዓብዪ ርክብ ዘለዎ ኩባኒያ'ዩ።

እንተኾነ ዋላ ሓደ ተፈጺሙ ዝብሃል ገበን ይክሕድ።

እዚ ኩባኒያ ናይ ሓሶት ፋክቱር ብምጥቃም ካብ መንግስታዊ ኩባኒያታት እታ ሃገር ሚሊዮናት ከም ዝዘመተ ይኽሰስ፤ ሞቴፑ ነዚ ክተጻሪ ጀሚራ።

ብዛዕባ እዚ ንሓለፍታ ሓቲታ፤ ነዚ ትካል ተኣማኒት ምኾንኪ ሓላፍነት ክትወስዲ ትኽእሊ ነይርኪ ተባሂላ።

ንሳ ግን፡ ሃይማኖታዊ እምነተይን ውልቃዊ ስብእናይን ትም ክብል ኣየኽኣሉንን ትብል።

ስለ ዝኾነ ድማ ስራሕ ጠጠው ኣቢላ ዝሓዘቶ መረዳእታ ንዓቃቢ ሕጊ ኣሕሊፋ ሂባ።

ሳላ ከምኣ ዝበሉ ብልሽውና ንምቅላዕ ተበግሶ ዝወስዱ ሰባት'ዩ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰፊሕ ብልሽውና ክቃላዕ ዝርኣይ።

ነዚኦም ገለ ሕጋዊ ከለላ ዝወሃቦም እኳ እንተኾነ፡ ሞቱፔ ግን ንድሕነታ ኣዝያ ትሰግእ።

ብልሽውና ኮሮናቫይረስ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓላፊት ክፍሊ ፋይናንስ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ዞባ ጉተንግ ዝኾነት ባቢታ ዶካራን ብተደደጋሚ ብዝተተኮሰላ ጥይት ኣብ ደገ ኣፌት ገዝኣ ሞይታ ተረኺባ።

ብቕትለት እዛ ውልቀሰብ ዝተጠርጠሩ ሽዱሽተ ሰባት ተኸሲሶም ኣለው።

ንሳ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝውዕል መከላኸሊ ንምዕዳግ እቲ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ዝኣሰሮ ናይ 332 ሚሊየን ራንድ [23 ሚሊየን ዶላር] ውዕሊ ምትላል ተፈጺሙ'ዩ ብዝብል ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተጀመረ ምጽራይ ምስክር ዓይኒ ስለ ዝኾነት ዒላማ ክትኸውን ከም ዝኽኣለት ጥርጣረ ኣሎ።

ተቓላሺት ብልሽውና ባቢታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክሳብ ሕጂ ዝተቐተለትሉ ምኽንያት እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ፕሬዝደንት ስሪል ራማፎሳ ግእ "ጅግናን ሓርበኛን" ክብል ገሊጹዋ።

ናታ ቕትለት ክኣ "እዚ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ መንሽሮ [ንብልሽውና] ካብ ሃገርና ንምምሓው እንገብሮ ሓበራዊ ጻዕሪ ዘሎ ሽኻል ዘዘኻኽረና'ዩ" ኢሉ።

ስድራቤታ ግን ንህይወቶም ከም ዝሰግኡን ንመን ከም ዝኣምኑ ከም ዝተጸገሙን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ሞት ድካራን፡ ነዞም ብልሽውና ዘቃልዑ ሰባት ዝወሃብ ሓለዋ ትሑት ምዃኑ ዘርኢ'ዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ድማ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።

ብዛዕባ እዚ ክኣ ብዙሕ ኣሎ።

ካብ 2014 ክሳብ 2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ልዕሊ 106 ቢሊየን ዶላር ብብልሽውና ከም ዝጠፍአ ዩኒቨርሲቲ ስቴልቦሽ ዘካየዶ መጽናዕቲ ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ድማ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቅላስ ዝተሰልዐ በጀት ተሰሪቑ።

እዚ ኣካል እቲ ግዳይ ቕትለት ዝኾነት ዴካራን ዘቃልዐቶ ብልሽውና'ዩ።

ብምኽንያት እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብልሽውና ዜጋታት ተደጋጋሚ ሰልፍታት ተቓውሞ ከካይዱ እንከለው፡ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት ነበር ጄኮብ ዙማ ዘቕንዐ ይጥቀስ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ብልሽውና ብምቅዋም ካብ ሞንጎ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብታ ሃገር ዘሎ ብልሽውና ብምቅዋም ካብ ሞንጎ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ

ንሱ፡ ካብ 2009 ክሳብ 2018 ዓ.ም ኣብ ዘለው ዓመታት ኣብ ልዕሊ እቶም ብብልሽውና ዝኽሰሱ 'ጉፕታ ፋማሊ' ስጉምቲ ብዘይምውሳዱን ምስኦም ብዘለዎ ርክብን ይንቀፍ።

ዙማ ግን ነቶም ተፈጺሞም ዝብሃሉ ስለ ዝነጽጎም ምጽራይ ቐጺሉ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ደቡብ ኣፍሪቃ ብስሪል ራማፎሳ'ያ ትመሓደር ዘላ።

እንተኾነ እቲ ስርቅን ዝምታን ጠጠው ኣይበለን፤ ክኢላታት፡ እዚ ጸገም ብልሽውና ክሳብ ክንደይ ሱር ዝሰደደ ምዃኑን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኔትዎርክ ዘለዎ ምዃኑን ዘርኢ'ዩ ይብሉ።

"እዚ ጸጋም ዳርጋ ለበዳ ኮይኑ'ዩ" ኢሎም ዝኾነ ነገር ንምግባር ዓርሰ ተበግሶ ዝወስዱ ሰባት ክኣ ንርእሶም ኣብ ከቢድ ጸገምን ኣብ ሓደጋን ክኣትው'ዩ ዝስትውዓል።

ፕሬዝደንት ራማፎሳ፡ "ኣብ ሃገርና ነዚ ዘቃልዑ ሰባት ጽቡቕ ኣይረኽቡን፤ ብግቡእ ክንሕዞም ዘይምኽኣልና የጣዕሰኒ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ማቴፑ፡ ካብ ዝበጽሓ ነገር ተበጊሳ እቲ ፕሬዝደንት ዝበሎ ሓቂ ምዃኑ ተረጋግጽ።

"ንገሊኦም ጅግና ኮይነ ክኸውን ይኽእል'የ፤ ስራሕ ዝህቡኒ ሰባት ግን ኣይቐርቡንን። በቲ ዝበጽሓኒ ሽግራት ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ኣጋጢሙኒ ሆስፒታል ደቂሰ'የ። ንወጻኢታት ሕክምና ዝኸውን ምድላው ኣይነበረንን።

"ናብ መን ክኸይድ፣ ንመን ክኣምን ዝብል'ውን ኣይፈልጥን፤ ጽልዋ ምስ ዘለዎም ሰባት'የ ገጢመ። ሕጊ ክከላኸለኒ ኣይክኣለን፤ ዘለኒ መማረጺ ንብሕተይ ምቅላስ'ዩ" ትብል።

ኣብታ ሃገር፡ ከም ሞቴፑ ዝበሉ ሰባት ስርሖም ንከይስእኑ ዝከላኸል ሕጊ ኣሎ'ዩ፤ እንተኾነ ክንድቲ ዝድለ ውጽኢታዊ ከም ዘይኮነ ነቐፍቲ ይዛረቡ።

ካብ 2015 ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ወይ ፖለቲካ ዝነበሩ ልዕሊ 850 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓደ መጽናዕቲ ገሊጹ።

መብዛሕትኦም ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየዱ መርመራታት ብልሽውናን ገበንን መሰኻኽር ዝኾኑ ወይ ሓበሬታ ዝሃቡ ከም ዝኾኑ ይሕብር።

ሃገራዊ በዓል መዚ ዓቃቢ ሕጊ ግን መንግስቲ ድሕነት እዞም ሰባት ኣብ ምሕላው ሰኒፉ'ዩ ዝብል ኣይቕበሎን።

ኩሎም ናጽነቶም፣ ስድራቤቶምን ውልቃዊ ረብሕኦምን ገዲፎም ብልሽውና ንዘቃልዑ ሰባት ግን መንግስቲ እንታይ ይገብረሎም'ውን ኢልናዮ።

ንኹሎም ክንሕልዎም ኣይንኽእልን፤ ዓርሶም ንምሕላው ክገብሩዎ ዝግባእ ንነግሮም ኢና፤ እቲ በዓል መዚ ድሩት ሓለዋ እዩ ክገብር ዝኽእል ዝብል ክብል ብጽሑፍ ምላሽ ሂቡ።

ሞቴፑ ብዛዕባ እቲ ትሰርሐሉ ዝነበረት ኩባኒያ ዝሰርሖ ብልሽውና ካብ እትዛረብ ኣርባዕተ ዓመት ሓሊፉ።

እቶም በዚ ጉዳይ ክሕተቱ ዝግብኦም ጉፕታ ግን ናብ ዱባይ ከይዶም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ህይወታ ዳግም ንኽዕሪ ድልየት ኣለዋ፤ ብዙሓት ኣንጻር እዚ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ ብልሽውና ንክዛረቡ ምትብባዕ ክፈጥረሎም'ዩ ዝበለቶ "Uncaptured" ዝሰመየቶ መጽሓፍ ድማ ጽሒፋ ኣላ።