ፕረዚደንት ራማፎሳ፡ ኣብቲ ዝመርሖ ሰልፊ ዘሎ ብልሽውና ከምዝቃለሶ ገሊፁ

ፕረዚደንት ራማፎሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ራማፎሳ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሰሪል ራማፎሳ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝመርሖ ሰልፊ ኤ ኤን ሲ ዘለዉ ሕመቓትን ብልሽውናን ከምዘጽሪ ቃል ኣትዩ።

ኣብቲ ብምኽንያት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተኻየደ መረጻ፡ ዝመርሖ ሰልፊ ምዕዋቱ ስዒቡ ዝገበሮ መደረ፡ ንመረጽቲ ድሕሪ ምምስጋን ንጹር መልእኽቲ ከምዘሕለፉሉ ገሊጹ።

እቲ ውድብ (ሰልፊ) ዝረኸቦ 58 ሚእታዊት ድምፂ፡ ካብ ካሊእ እዋን ዝውሓደ ውጽኢት እንትኾን፡ ኣድመጽቲ ተስፋ ይቖርጹ ምህላዎም ዘመላኽት ከምዝኾነ እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።

ጅቦኦም ንምምላእ ዝጎዩ መራሕቲ ከምዘይመርጽ ድማ ቃል ኣትዩ።

ሰልፊ ኤ ኤን ሲ፡ ብውሑዳት ጸዓዱ ይምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ወዲቑ፡ ማንዴላ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ እዋን ጀሚሩ ን 25 ዓመታት ነታ ሃገር ኣብ ምምራሕ ይርከብ።

ዝደኸመ ቁጠባ፣ብልሽውና፣ ኣብ መናእሰይ ዝረአ ስራሕ ስእነትን፡ ተቐባልነት እቲ ሰልፊ ክቕንስ ገይሩዎ እዩ።

ጃኮብ ዙማ ኣብ 2017 ብብልሽውና ተኸሲሱ ካብ ስልጣን ምውራዱ ስዒቡ ፕረዚደንት ዝኾነ ራማፎሳ፡ ናይዚ ህዝቢ ጸገም ከምዝተረደአን ንምፍታሕ ከምዝሰርሕን ተዛሪቡ።

እቲ መራሒ፡ ኣብቲ ዝገበሮ መደረ፡ ''ገለ ሰባት ይፍተዉ ኣይፍተዉ ብዘየገድስ'' ብልሽውና ከምዘጥፍእ ቃል ኣትዩ እዩ።

እቲ መራሒ ኣብ ዘረብኡ፡ ነቶም ኣብ ዘበነ መሪሕነት ዙማ፡ ስሞም ምስ ብልሽውና ዝለዓሉ ዝነበሩ ኣባላት እቲ ዝመርሖ ሰልፊ እዩ ዘመላኽት ነይሩ።

ዓወት እቲ ሰልፊ ፕረዚደንት ራማፎሳ ኣብ ዘካየዶ ለውጢ ናይ ምምጻእ ጎስጓስ ዝተመስረተ እንትኾን፡ ኣብቲ ሰልፊ ዘሎ ባህሊ ብልሽውና ንምንቃል፡ ብዙሕ ስራሕ ከምዝጽበዮ ድማ እናተሓበረ እዩ።

ኮይኑ ግን ኣብ ሰልፊ ኤ ኤን ሲ ሓያል ምክፍፋል ከምዘሎን፡ ሕዚ 'ውን ብዙሓት ን ጃካብ ዙማ ከምዝድግፉን ይግለጽ።