ፈራዶ ቡሩንዲ ብሰንኪ ብልሽውና ተዋሪዶም

ፕረዚደንት ኤቫሪስት ዳዪሺሚየ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፕረዚደንት ቡሩንዲ ፈራዶ እታ ሃገር ብብልሽውና ኣዝዮም ተቖማጢዖም ብምህላዎም ብኣሽሓት ዝቑጸር ጉዳያት ጌና መፍትሒ ኣይረኸበን ብምባል ኣዋሪድዎም።

ፕረዚደንት ኤቫሪስት ዳዪሺሚየ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣብ ዝገበሮ ርክብ እዩ ነቲ ህዝቢ ወኪሉ ብንብዓት ተዛሪብዎም።

"ኣብ ቅድሜኹም ክነብዕ ከለኹ ኣይትሓዝኑለይን ዲኹም?" ድማ ኢሉ።

ብዛዕባ እቲ ቅጥዒ ስኢኑ ዘሎ ስርዓት፡ ካብ መላእ ቡሩንዲ ብዙሕ ጥርዓናት ከም ዝበጽሖ ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት ገለ ሰባት ብናቶም መገዲ ፍትሒ ንምርካብ ይፍትኑ ምህላዎም ተዛሪቡ።

ዝበዝሕ ግዜ ጉዳያት ንዓመታት ይምጠጥ ምህላው'ውን ገሊጹ።

ኣብቲ ስርዓተ ፍትሒ ዘሎ ብልሽውና ንናይ ደገ ኣውፈርቲ'ውን ይገትእ ኣሎ ኢሉ።

ነቲ ዝርአ ናይ ዘይብቑዕነትን ምዝመዛን ጸገማት ንምፍታሕ ኣብቲ ስርዓተ ፍትሒ እቲ ፈጻሚ ኣካል ገለ ሓላፍነት ክስከም ከም ዝግባእ ነቐፍቲ ይገልጹ።

ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብታ ሃገር ንዘሎ ድኹም ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ጠንቁ ኣብ ስርዓተ ፍትሒ ዘሎ ብልሽውና ምዃኑ ይኸሱ።