ኣንፃር ብልሽውና ዝደረፈ ዛምቢያዊ ተቐይዱ

ፉምባ ቻማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም'ውን ተኣሲሩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፉምባ ቻማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም'ውን ተኣሲሩ ነይሩ

ፉማ ቻማ ኣንጻር ብልሽውና ዝደረፋ 'እንጭዋ ኣብ ዕትሮ' ትብል ደርፉ ኣብ ሽግር ከም ዝእተወቶ ይዝረብ።

ኣብ ርእስ ከተማ ሉሳካ ኣብ ዝርክብ መዕርፎ ነፈርቲ ከነት ካውንደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስኣተወ፤ ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢትርናሸናል 'ዘሰንብድ ውርደት ንፍተሒ' ብምባል ኮኒንዎ'ሎ።

ኣምነስቲ ኢትርናሸናል "ጵላቶ (ሳጓ ናይቲ ደራፋይ) ገበነኛ ኣይኮንን። ንለወጢ ዝቃለስን ስነጥባዊን'ዩ። ንሓንቲ ለይቲ ኣብ ቤት ማእስረቲ ክሓድር ኣይግብኦን፡ ካብ ቤት ማእስረቲ ከኣ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍታሕ" ክብል ኣብ መግለፂኡ ኣታሓሳሲቡ።

ቻማ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ብዛዕባ'ታ ዝደረፋ ደርፉ ናይ ሞት መጠንቀቅታ ምስ በፅሖ ንደቡብ ኣፍሪቃ ሃዲሙ። 'ኣንጭዋ ኣብ ዕትሮ' ዘርእስታ ደርፊ ንፕረደንት'ታ ሃገርን ምኒስተራትን ከም ኣስጋኢት ኮይና'ያ ትውሰድ።

እታ ደርፊ ምስተዘርገሐት ዓቢ ዝና ረኺቡ። ቻማ ኣብታ ደርፉ ሰብ-ስልጣን ከም እንጭዋ መግቢ ካልኦት ዝምንዝዑ ብምባል ብዙሕ ተቀባልነት ክረክብ ኪኢሉ። እንተኾነ ግን ደገፍቲ ናይቲ ገዛኢ ሰልፊ ንሓሳቡ ብትሪ ነጺጎሞ።

ኣብ ምስከረም 2017 ኣንጸር መንግስቲ ዝቀነዐ ኣድማ ብምስታፍ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወን፡ ብዋሕስ ካብ ቤት ማእስረቲ ምስወጸ ንደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝሃደመን ዝፍለጠ'ዩ።

ኣብ ወርሒ የካቲት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእቱ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ እኳ እንተሐለፈ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቀርብ ግን ኣይካከኣለን።

ፕረስደንት ዛምብያ ሉንጋ ኣንጻር ብልሸውና ክቃለስ ብዝብል መብጸዓ ስልጣን ሒዙ'ዩ፡ ሓንቲ ጌጋ ከምዘይብሉን ካኣ ይገልጽ።

ቻማ፡ ኣብ ዛምብያ ዓቢ ሽም ኮይኑ'ሎ። ሙዝቅኡ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ይርከብ።