ሳዕስዒት ኢትዮጵያ እትምህር ጃፓናዊት

ምንጪ ስእሊ, ጁንኮ ያማማቶ
ጁንኮ ያማማቶ ጓል ቶክዮ እያ።
ቶክዮ 14 ሚልዮን ህዝቢ ላዕልን ታሕትን ዝብለላ ዓባይ ከተማ እያ።
ጁንኮ ሙዚቃ ትፈቱ’ያ። እንተተረቢሻ ድማ “ጃፓኗን ወድጄ” ትብል ናይ ኣምሓርኛ ደርፊ ትደርፍ።
በይና ኣይኰነትን። ብዙሓት ተምሃሮን ኣድነቕትን ኣለውዋ። ኣብ ቶክዮ፡ ኣብ ኪዮቶ ከምኡ’ውን ኣብ ኦሳካ።
ጁንካ ያማማቶ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት እያ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ክትፈትው ጀሚራ። ሕዚ ድማ ንጃፓናውያን ሳዕስዒት ጉራጊኛ ትምህር ኣላ።
ብተወሳኺ ወላይትኛ፡ ምንጃርኛን ሳዕስዒት ጎጃምን ከይተረፈ ትምህር።
ድሙቕ ባህላዊ ክዳን ተኸዲና፡ ጫፍ መቐነታ ሒዛ ናይ ጎንደር ‘ጉች ጉች’ ከምኡ’ውን ሰክሰክ’ ክትስዕስዕ ከላ ጓል ደባርቕ እምበር፡ ጓል ርሑቕ ምብራቕ ኣይትመስልን።
ቅድሚ ሕዚ ጁንኮ ያማማቶ ቀዳም ቀዳም ኣብ ጃፓን ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ንደቂ ዓዳ ሳዕስዒት ብሄራት ትምህር ነይራ። ንገለ ኢትዮጵያውያን እውን።
ኣብ ዙም (zoom) ሳዕስዒት ምምሃር፡ ከም ማይ ከይተንከፍካ ምሕንባስ ምምሃር’ዩ ዝመስል። ግን ኣይኰነን።
ናይ ርሕቀት ተማሃሮኣ ብንጥፈት ይሳተፉ። ነቲ እትህቦ መግለጺ ጽን ኢሎም ይከታተሉ።
ጁንኮ ኣብ ክሳዳ ብዙሕ መጋየፂ ትገብር። እዚ ድማ ምእንቲ ‘ድስቅ’ ንዝበሃል ሳዕስዒት ክሕግዝ እዩ።
ኣብዚ ሳዕስዒት እዚ እቶም ኣብ ክሳዳ ዘለዉ መጋየፅታት እናተንሳፈፉ ምስ ኣፍልባ ክጋጨዉ እንከለዉ ፍሉይ ምርኢት’ዩ ዝህብ።
‘ኪሞኖ’’ ዝበሃል ናይ ጃፓን ባህላዊ ቀምሽ ኣለዋ፤ ንሳ ግን መብዛትኡ ግዜ ናይ ሓበሻ ትመርጽ።
ኣቑሑት ቡን፡ ረኸቦት፡ እንተላይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጀበናታት ኣብ ክሽነኣ ኣለዉ - ብዘይካ ሓንቲ ዓይነት ጀበና።
“ናይ ጉራጌ ጀበና ደልየ ስኢነ” ትብል።
ልባ ክሳብ ዝጠፍእ ጉራጊኛ እናሳዕስዐት ናይ ጉራጌ ጀበና ከመይ ከም ዝሰኣነት ክትርዳእ ኣይክኣለትን።

ምንጪ ስእሊ, ጁንኮ ያማማቶ
ጥረ ስጋ’ዶ ሽሮ?
ጁንካ ያማሞቶ ካብ ኢትዮጵያ ሳዕስዒት ጥራይ ዘይኰነስ ምግቢ እውን ወሪሳ እያ። እንጀራ፡ ጸብሒ፡ እንተላይ ጥረ ስጋ።
ካልእ ይትረፍ ምጥን ሽሮ ካብ ገዝኣ ኣይጠፍእን።
ካብ ሽሮን ካብ ስጋን ኣየናይ ትመርጺ? "ጥረ ስጋ እዩ’ያ!"
ጥረ ስጋ ንብዙሓት ወጻእተኛታት ዘሰንብድ እዩ። ጁንኮ ያማማቶ ግና ብዓይነት ብዓይነት እናኸተፈት እያ ትምገብ።
"ጥረ ምብላዕ ባህሊ ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኰነን፤ ንሕና ጃፓናውያን ንኣብነት ሳሺሚ ዝበሃል ጥረ ዓሳ ናይ ምብላዕ ልምዲ ኣለና።"
ጁንኮ ያማማቶ ካብ ጃፓን ናብ ኣዲስ ኣበባ እንተኸይዳ ብኡ ንብኡ ናብ እንዳ ስጋ እያ ተቕንዕ።

ምንጪ ስእሊ, ጁንኮ ያማማቶ
ሙዚቃ ኢትዮጵያ
ንፈለማ ግዘ ሙዚቃ ኢትዮጵያውያን ዝሰምዐት ቅድሚ 21 ዓመታት እዩ።
ኣብ ሓደ ኢትዮጵያዊ ቤት ብልዒ ድራር እናተመገበት ነይራ። ምሸት ሓድሽ ዓመት እዩ ነይሩ።
ኣብ ጃፓን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ሃንደበት ነቲ ቤት ብልዒ ብዕልልታ መሊኦምዎ። ዓው ዝበለ ሙዚቃ ተኸፊቱ። እቲ ሳዕስዒት ደሚቑ። እቲ ገዛ ብሓንቲ እግራ ደው ኢላ።
ከምኡ ዓይነት ሙዚቃ ሰሚዐ ኣይፈልጥን ትብል ጁንኮ።
“ጃፓናዊ ስለ ዝዀንኩ፡ ነቲ ሙዚቃ ሓዳሽ እየ። ግና ንዓይ ዝተፈለየ እዩ ነይሩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ኣፍቂረ።"

ምንጪ ስእሊ, ጁንኮ ያማማቶ
ህዝቢ ኢትዮጵያን ጃፓንን
ህዝባ ኢትዮጵያን ጃፓንን ዘመሳስሎም ነገር ከምዘሎ ትዛረብ። ንኣብነት ሙዚቃኦም።
ቀዳማይ፡ ክልቲኦም ፔንታቶኒክ ስኬል ኣለዎም። እቲ ካልኣይ መተንፈሲ መሳርሒኦም እውን ተመሳሳሊ እዩ።
"ስለዚ'ዮም ጃፓናውያን ሙዚቃ ኢትዮጵያ ዝሰምዑ ይመስለኒ።"
ክልቲኦም ህዝብታት ትሑታት እዮም።
"ዓበይቲ ሰባት እውን ድንን ኢሎም ሰላም ክብሉ ይርእየ እየ" ትብል።
ክልቲኦም ህዝብታት ተቐበልቲ ኣጋይሽ ምዃኖም እውን ትዛረብ።
“በቃ ናብ ኢትዮጵያ ክኸይድ ከለኹ ጃፓን ዘለኹ እዩ ዝመስለኒ።”
ብስራሕ ናብ ቶክዮን ኣዲስ ኣበባን ትመላለስ እያ።
“ኣብ መንጎ ጃፓንን ኢትዮጵያን 10 ሽሕ ኪሎሜትር ርሕቀት ኣሎ። ኣብ ልበይ ግና እቲ ርሕቀት ትሕቲ 1 ኪ.ሜ. ትብል።

ምንጪ ስእሊ, ጁንኮ ያማማቶ
ጃፓናውያን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ይፈልጡ ድዮም?
ብኣረኣእያ ጁንኮ ጃፓናውያን ንኢትዮጵያ ዝጥምትሉ መነጽር ብወለዶ ዝፈላለ እዩ።
እቶም ዓበይቲ ወለዶ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ኣለዎም። እቶም ናይ ሕዚ ዘሎ ግና ብዙሕ ኣይኰኑን።
ንኣብነት ንጉሳዊ ስድራቤት ጃፓን ምስ ንጉስ ሃይለስላሴ ጽቡቕ ርክብ ነይርዎም።
ጁንኮ፡ ብሓቂ ሓደ ኢትዮጵያዊ መስፍን ጃፓናዊት ክምርዖ ከምዝደሊ ምግላጹ ኣብ ጋዜጣ ጃፓን ተሓቲሙ ከምዝነበረ ትዛረብ። እዚ ኢትዮጵያዊ መስፍን መን እዩ?
ኣበበ ቢቂላ ካልእ ጃፓናውያን ንኢትዮጵያን ዝፈትውሉ ምኽንያት እዩ። ኣበበ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ምዕዋቱ ጃፓናውያን ኣይርስዕዎን።
ብፍላይ ኣብቶም ዓበይቲ ወለዶ እዚ ዝኽሪ ኣሎ። ነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስትር ሺንዞ ኣቤ ከይተረፈ ብዛዕባ ኣበበ ቢቂላ ኣጸቢቖም ከምዝፈልጡ ምግላጾም ይዝከር።
ኣብ 2000 ኣብ ቶክዮ ኦሎምፒክ ወዲ ኣበበ ቢቂላ ብዙሕ ግዘ ናብ ጃፓን በጺሑ እዩ።
መስቀል ጉራጌ
ጁንኮ ኣድናቒት እማሆይ ጽጌ ማርያም፡ ማሕሙድ ኣሕመድን ሙላቱ ኣስታጥቄን እያ።
ሓንቲ ደርፊ ጸውዒ እንተተባሂላ ግን "ወሎ! ወሎ!'' ትብል ናይ ደርብ ዘነበ ደርፊ ትመርጽ።
ካብ ሳዕስዒት ድማ ኣድናቒት ጉራጊኛ እያ።
ጁንኮ ንመስቀል ናብ ጉራጌ ከይዳ ትፈልጥ እያ። ኣብቲ እዋን ካብ ዘገረማ ነገር እቲ ህዝቢ ጉራጊኛ ጥራይ ምስዕስዑ’ዩ ነይሩ። ዘይከም ናይ ከተማ ሰብ ሙዚቃ ኣይሓዋውስን ትብል።
ንሳ ክትስዕ ምስ ጀመረት ህዝቢ ጉራጌ ጉድ ኢሉ!
‘ጃፓኗን ወድጄ’
ጃፓናውያን "ጃፓኗን ወድጄ" ትብል ስምይቲ ደርፊ ጥላሁን ገሰሰ ይፈልጥዋ ድዮም? እወ።
ጁንኮ ያማሞማ ሓንቲ ምስክር እያ።
“...እዛ ደርፊ ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ዝተመስረተት ምዃና ኣይትፈልጡን ዲኹም? ብዛዕባ እዚ መጽናዕቲ ዝገበረት ሓንቲ ጃፓናዊት ሰበይቲ ሰሚዐ ነይረ። ምስቲ ኣይተ ሸዋንዳኝ ወልደየስ ዝተበሃለ ቀንዲ ሰብ ተራኺባ ኣዘራሪባቶ እያ። እቲ ሓቀኛ ታሪኽን ናቱ ስእሉን ከምኡ’ውን ስእሊ ናይታ ዘፍቀራ ጃፓናዊት ሰበይቲ ኣርኣየትኒ እያ።"

ምንጪ ስእሊ, ጁንኮ ያማማቶ
'ብዛዕባ ባህሊ ኢትዮጵያ ዝገርመኒ...'
ትርኢት ህዝባዊ ሳዕስዒት ኦሮሞ ኣብ ጃፓን
ሓደ ካብቲ ንጃፓናውያን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘገርም ነገር ምኹላስ እዩ።
ስነ-ስርዓት ቡን እውን ይምስጦም እዩ።
ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ስነ-ስርዓት ቡን ኢትዮጵያ ምስ ስነ-ስርዓት ሻሂ ጃፓን ዝመሳሰል ነገር ኣለዎ።
ጁንኮ ግን ብኻልእ ክልተ ነገራት እያ ትግረም።
ሓደ ሳዕስዒት ኣርሲ ኦሮሞ እዩ። ኵሉ ግዘ በቲ ክሳዶም ዝጠውዩሉ ኣገባብ ትግረም።
ካብቶም ዘፍርሕዋ ነገራት ድማ መናፍስትን ደብተራን ይርከብዎም።
ጃፓን ምስ ደብተራ እንታይ ርክብ ኣለዋ? ጁንኮ ፈጺማ ዘይትርስዖ ተመክሮ ኣለዋ።
"...ንበዓል ፋሲካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ወሰዶምኒ። ሽዑ፡ ሃንደበት ሓንቲ ሰበይቲ ኣዝያ ኣውያት ኣውጽአት እሞ ተንፈራፊራ ትወድቕ። ኣዝየ ሰንቢደ። ነታ ናብ ቤተክርስትያን ዝወሰደትኒ ሰበይቲ እንታይ’ዩ ኢለ ሓተቲተያ። እታ ሰበይቲ መንፈስ ከም ዝሰፈራ ገሊፋትለይ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ተገሪመ። ንዓይ ሓድሽ ተመክሮ እዩ ነይሩ።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







