‘ኣንትሮሽት’፡ ኢትዮጵያዊ መዓልቲ ኣደታት

ዓመት መጸ ኣብ ካልኣይቲ ሰንበት ወርሒ ግንቦት ኣዴታት፡ ኣደ ዓባያት፡ ሓማታትን ከምኡ’ውን ኹለ ምስ ኣዴታት ዘሎ ምትእስሳር ይኽብር

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ዓመት መጸ ኣብ ካልኣይቲ ሰንበት ወርሒ ግንቦት ኣዴታት፡ ኣደ ዓባያት፡ ሓማታትን ከምኡ’ውን ኹለ ምስ ኣዴታት ዘሎ ምትእስሳር ይኽብር

ሰንበት 4 ግንቦት መዓልቲ ኣደታት እያ።

እዛ መዓልቲ ንኣደ ስድራቤት፡ ንኣደነት፡ ምትእስሳር ኣደታት፡ ከምኡ’ውን ኣደታት ኣብ ሕብረተሰብ ዘለወን ጽልዋ ዘኽብር ፍሉይ ጽምብል እዩ።

ሰባት ኣብዛ መዓልቲ ንኣዲኦም፡ ዓባዮም፡ ሓማቶም፡ ከምኡ’ውን ንኹሉ ምስ ኣደታት ዘሎ ምትእስሳር የኽብሩ።

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት ዝኽበር ኰይኑ ሰንበት ኣደታት ብዝብል እውን ይፍለጥ።

መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ወርሒ መጋቢት ወይ ግንቦት እዩ ዝውዕል።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ካብ ባህሊ ምዕራባውያን ዝተወሰደ መዓልቲ ኣደታት ክጽንብሉ’ኳ እንተተረኣዩ፡ ኢትዮጵያዊ መበቆል ዘለዎ መዓልቲ ኣደታት ግን ኣሎ’ዩ።

ኣብዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ሓፈሻዊ መዓልቲ ኣደታትን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኢትዮጵያዊ መዓልቲ ኣደታት ሓበሬታ ክትረኽቡ ኢኹም።

እዛ ናይ 1908 ስእሊ፡ ኣብ መዓልቲ ኣዴታት ሰለስተ ቆልዑ ንኣዲኦም ከሐጉሱ ተዳልዮም የርኢ - እቲ ዓቢ ግጥሚ፡ እቲ ካልአይቲ ኬክ፡ እታ ንእሽቶ ድማ ሒዞም ማዕጾ ክኽፈተሎም ይጽበዩ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, እዛ ናይ 1908 ስእሊ፡ ኣብ መዓልቲ ኣደታት ሰለስተ ቆልዑ ንኣዲኦም ከሐጉሱ ተዳልዮም የርኢ - እቲ ዓቢ ግጥሚ፡ እቲ ካልአይቲ ኬክ፡ እታ ንእሽቶ ድማ ሒዞም ማዕጾ ክኽፈተሎም ይጽበዩ

ታሪኽ መዓልቲ ኣደታት

ኣብ ማእከላይ ዘመን፡ ሓደ ልምዲ ማዕቢሉ ነይሩ።

እዚ ልምዲ ካብቲ ዝዓበዩሉ ቦታ ርሒቖም ዝጓዓዙ ሰባት፡ ክርስትያናዊ በዓል ዓቢይ ጾም ምስተጀመረ ኣብታ ራብዐይቲ ሰንበት ንኣደታቶም ክበጽሑ፡ ናብ ገዝኦም ወይ ናብ ‘ኣደ’ ኣብያተ ክርስቲያናት ክኸዱ ምፍቃድ እዩ።

ኣብቲ እዋን ቈልዑ ገና ዕድሚኦም 10 ዓመት ከሎ ካብ ገዝኦም ርሒቖም ክሰርሑ ዝተለምደ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ልምዲ እቲ ስድራቤታት ዳግማይ ንክራኸቡ ዝሕግዝ ዕድል እዩ ነይሩ።

እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ብሪጣንያ ሰንበት መዓልቲ ኣደታት ክኸውን ክኢሉ።

ዕለታት ዓቢ ጾም በብዓመቱ ስለ ዝፈላለ፡ ዕለተ ሰንበት ኣደታት እውን ከምኡ ይፈላለ እዩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መብዛሕትኡ ግዜ መዓልቲ ኣደታት ተባሂሉ እኳ እንተተጸውዐ፡ ምስ መዓልቲ ኣደታት ኣመሪካ ግን ዝዀነ ምትእስሳር የብሉን።

ኣብ ኣመሪካ መዓልቲ ኣደታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ካልኣይቲ ሰንበት ወርሒ ግንቦት ይኽበር።

እዚ ልማድ ኣብታ ሃገር ክጅመር ዘነቓቐሐት ኣና ጃርቪስ ትበሃል። እዚ ድማ ብ12 ግንቦት 1907 ንኣዲኣ ንእሽቶ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት ድሕሪ ምክያዳ እዩ።

ኣና ጃርቪስ ሞት ኣዲኣ ስዒቡ፡ ኣደታት ንደቀን ዝኸፈልኦ መስዋእቲ ንምኽባር ክትሕግዝ ሓሲባ።

ካብ ጆን ዋናማከር ዝተባህለ ነጋዳይ ገንዘባዊ ደገፍ ምስ ረኸበት፡ ኣብ ግንቦት 1908 ኣብ ግራፍተን ምዕራብ ቨርጂንያ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ሜቶዲስት ናይ መጀመርታ ወግዓዊ በዓል መዓልቲ ኣዴታት ኣዳልያ።

እታ ምሉእ ህይወታ ዘይተመርዓወትን ውላድ ዘይብላን ኣና ጃርቪስ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ኣደታታ ዓወት ምስ ረኸበት፡ እታ በዓልቲ ሃገራዊ ብዓል ኰይና ክትርኢ ወሲና።

ኣብ ኣመሪካ ንመዓልቲ ኣደታት ዘነቓቕሐት ኣና ጃርቪስ እያ

ምንጪ ስእሊ, HERITAGE IMAGES/GETTY

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣመሪካ ንመዓልቲ ኣደታት ዘነቓቕሐት ኣና ጃርቪስ እያ

በዓላት ኣመሪካ፡ ብዓወታት ደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለሉ ምዃኖም ብምምጓት፡ ንኣደነት ዘኽብር ፍሉይ መዓልቲ ክህሉ ዝጠልቡ ደብዳበታት ናብ ጋዜጣታትን ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ብምጽሓፍ ሰፊሕ ወፍሪ ኣካይዳ።

ኣብ 1912 ብዙሓት ግዝኣታት፡ ከተማታትን ኣብያተ ክርስትያናትን መዓልቲ ኣደታት ከም ዓመታዊ በዓል ተቐቢለንኦ።

ኣና ጃርቪስ እውን ንዕላማኣ ዘተባብዕ ዓለምለኻዊ ማሕበር መዓልቲ ኣዴታት መስሪታ። ጽንዓታ ኣብ 1914 ፍረ ረኺቡ፡ ፕረዚደንት ዉድሮው ዊልሰን ካልኣይቲ ሰንበት ወርሒ ግንቦት ከም መዓልቲ ኣዴታት ብወግዒ ኣፍልጦ ዝህብ ስጉምቲ ፈሪሙ።

ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ መብዛሕትአን ግዝኣታት ኣመሪካ ነታ መዓልቲ ክኽብራ ጀሚረን። ኣብ 1914 ድማ ከም ሃገራዊ በዓል ተቐባልነት ረኺባ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ 1920፡ ኩባንያታት ነቲ ብዓል ሰባት ህያባት ክገዝኡ ብምድፍፋእ ገንዘብ ዝረኽባሉ መገዲ ገይረን ክጥቀማሉ ምስ ጀመራ፡ ኣና ኣዝያ ተቖጢዓ፡ ዋላ’ውን ካብ ካላንደር ክእለይ ጎስጓስ ኣካይዳ ነይራ።

ንምንታይ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ዕለታት ይጽንበል?

መዓልቲ ኣዴታት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ወቕትታት ተመርኲሱ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲ እዩ ዝኽበር።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኩነታት ኣየር እናጸረየ ምስ ከደ፡ ኣባላት ስድራቤት ተኣኪቦም ካብ ኣሕምልቲ፡ ፎርማጆን ስጋን ዝተሰርሐ ምግቢ ይበልዑ፡ ብሓባር ድማ ብደርፍን ሳዕስዒትን የብዕሉ።

ኣብ ጃፓን፡ መዓልቲ ኣዴታት ፈለማ ኣብ ዕለተ ልደት ንግስቲ ኮጁን ብ6 መጋቢት እዩ ዝኽበር ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ 1949 ናብ ካልኣይ ሰንበት ወርሒ ግንቦት ተቐይሩ።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ እታ መዓልቲ ነተን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ደቀን ዝሰኣና ኣዴታት ንምጽንናዕ ዝሕግዝ መንገዲ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

ኣብ ሜክሲኮ ‘ዲያ ደ ላስ ማድረስ’ ብዕለት 10 ግንቦት ይበዓል። ሰባት ንኣዴታቶም ናብ ቤት ምግቢ ወሲዶም ይጋብዝወን፡ ባንድታት ድማ ከም "ላስ ማናኒታስ" ዝኣመሰሉ ደርፍታት ይደርፉለን።

መዓልቲ ኣዴታት ኣብ ኢትዮጵያ

መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን መዓልቲ ኣደታት ምስቲ ካብ ባህሊ ምዕራባውያን ዝመጸ ጽንብል እዮም ዘተኣሳስርዎ።

ይኹን’ምበር ኣብታ ሃገር ነዊሕ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ መዓልቲ ኣደታት ኣሎ።

ኣብ ብሄረ ጉራጌ ‘ኣንትሮሽት’ ብዝብል ዝጽዋዕ ነዊሕ ክኽበር ዝጸንሐ ብዓል ኣሎ።

ኣንትሮሽት ብቋንቋ ጉራግኛ ቃል ብቃል "መዓልቲ ኣደታት" ዝብል ትርጉም ኣለዎ።

በዓል ኣንትሮሽት

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Women and Children

ኣንትሮሽት ብሄረ ጉራጌ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንኣደታት ንምምስጋንን ንምኽባርን ክካየድ ዝጸንሐ ኰይኑ ነታ ኣደ ንምሕጓስ ውራይ ከምዝዳለው፡ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ሳይንስን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ጉራጌ ዞን ይጠቅስ።

ኣንትሮሽት፡ ዓመት መጸ ኣብ ወርሒ ጥሪ ንሰለስተ መዓልታት ይኽበር። ኣብዚ ዓመት ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሰብ መዚን ኣብ ዝተረኸቡሉ 23 ጥሪ ብድምቀት ከምዝተኸበረ እቲ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ።

ዝተፈላለዩ መረዳእታታት ከምዘመልክትዎ፡ ኣብ እዋን ኣንትሮሽት ኣደታት ኣብ ቀጻልነት ወለዶ፡ ሰላምን ምዕባለን ሃገር ብዝገብርኦ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣበርክቶ ካብ ሰብኡተንን ደቀንን ዝተፈላለየ ህያባት ይረኽባ፡ ይሕብሓባ።

ኣብ እዋን ኣንትሮሽት፡ ስድራቤታት ተኣኪቦም ብባህላዊ ደርፍን ሳዕስዒትን ተሰንዮም ድግስ የካይዱ። ንመዓዲ ድማ ‘ሃሽ’ ይዳለው። ነዚ ዝኸውን እታወታት ዘምጽኡ ድማ ቆልዑ እዮም። ኣወዳት ስጋ ዕየት ወይ ብዕራይ፡ ኣዋልድ ድማ ኣሕምልቲ፡ ቀመማትን ጸባን ሒዞም ይመጹ’ሞ እታ ኣደ ‘ሃሽ’ ኣዳልያ እታ ስድራቤት ተኣኪባ ትዕንገል።

ብድሕሪኡ ኣዝዩ ድሙቕ ናይ ጽምብል ስሚዒት ይስዕብ።

ኣዋልድን፡ ንገጽን ኣፍልቢን ኣደታተን ጠስሚ ይቐብኣ፤ ኣዴታት እውን ከምኡ።

ሽዑ ስድራቤትን ጀጋኑን ዘኽብሩ ደርፍታት እናተደረፉ ኵሎም ብሳዕስዒት የድምቕዎ።

እዚ ዑደት ድግስን ጽምብልን ድማ ንሰለስተ መዓልቲ ይካየድ።

ፈረሰኛታት

ምንጪ ስእሊ, Ezha Woreda Office of Science & Info Technology

ዝተፈላለዩ ኣካላት ፈስቲቫል ኣንትሮሽት ሃገራውን ዓለምለኻውን ክኸውንን ከም ኣህጉራዊ ቅርሲ ክምዝገብን ከምዘለዎ ሓሳብ የቕርቡ ከምዘለዉ፡ ክፍሊ ሳይንስን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ዞባ ጉራጌ ይጠቅስ።

በዓል ኣንትሮሽት ከም ካልኦት ሃገራዊ በዓላት ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ልዑል ግደ ክህልዎ ተኽእሎ ስለ ዘሎ ቆላሕታ ክገብረሉ ድማ ይሓትት።