መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ'ዩ? መዓልቲ ደቂ ተባዕትዮኸ ኣሎ’ድዩ?

ኣዴታት ኤርትራ ኣብ እዋን ናጽነት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ወይ ከኣ ብመገዲ የዕሩኽትኹም ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ ሰሚዕኩም ትዀኑ።

እንታይ ምዃኑ'ኸ ትፈልጥዎ'ዶ? መዓስ እዩ ዝውዕል? በዓል ድዩ ወላስ ተቓውሞ? ማዕረ ማዕሪኡ ዝዀነ ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ-ተባዕትዮ'ኸ ኣሎ'ዶ?

ህዝቢ ዓለም ንልዕሊ ሓደ ዘመን ን8 መጋቢት [ማርች 8] ሓንቲ ፍልይቲ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ገይሩ የብዕላ ጸኒሑ። ስለ ምንታይ?

መዓስ ተጀሚሩ

ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ምንቅስቃስ ሰራሕተኛታት ዝጀመረ ኰይኑ ብውድብ ሕቡራት ዓመታዊ ክበዓል ተገይሩ።

እዚ ክምዕብል ዝጀመረሉ ከኣ ብ1908 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣስታት 1500 ደቂ ኣንስትዮ፡ ንሓጸረ ሰዓታት ናይ ምስራሕ ዕድል፡ ዝሓሸ ክፍሊትን፡ ናይ ምምራጽ መሰል ክህልወን ኣብ ዝገበራኦ ጉዕዞ እዩ።

ሓደ ዓመት ጸኒሑ ከኣ፡ እቲ ናይ ማሕበርነት ሰልፊ ኣሜሪካ፡ ናይ መጀመርያ ሃገራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣዊጁ።

ነዚ፡ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ምግባር ዝብል ሓሳብ ከኣ ሓንቲ ክላራ ዘትኪን ዝተባህለት ሰበይቲ ኣበጊሳቶ።

ንሳ ነዚ ሓሳብ እዚ ብ 1910 ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ናይ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ እያ ኣቕሪባቶ።

እዚ ዕለት፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምግባር ዝብል ሓሳብ ከኣ ሓንቲ ክላራ ዘትኪን ዝተባህለት ሰበይቲ ኣበጊሳቶ

ምንጪ ስእሊ, TOPICAL PRESS AGENCY

መግለጺ ስእሊ, እዚ ዕለት፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምግባር ዝብል ሓሳብ ከኣ ሓንቲ ክላራ ዘትኪን ዝተባህለት ሰበይቲ ኣበጊሳቶ

ኣብዚ ዋዕላ እዚ፡ ካብ 17 ሃገራት ዝመጻ 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋ ኰይነን፡ ብሓደ ድምጺ ከኣ ተሰማሚዐን።

ንመጀመርታኡ ብ1911 ኣብ ኣውስትርያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ተጸንቢሉ።

መበል 100 ዓመቱ ብ 2011 ተጸንቢሉ፤ ኣብዚ ዓመት ከኣ ንመበል 113 ግዜ እዩ ዝጽንበል ዘሎ።

ኣብ 1975፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከብዕሎ ምስ ጀመረ፡ ወግዓዊ ኰይኑ ዓመታዊ ቴማ ክግበረሉ ጀሚሩ።

እቲ ፈላማይ ግን ብ1996 "ንዝሓለፈ እናኣብዓልካ፡ ንመጻኢ እናተለምካ" ብዝብል ጀሚሩ።

ኣብዚ ዓመት ከኣ፡ ጾታዊ ማዕርነት እተረጋግጽ ዓለም ክትፍጠር ጻውዒት የቕርብ።

ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብቲ ፈለማታት ዘይማዕርነት ንምቅላስ ብዝግበሩ ተቓውሞታት ዝልለ ነይሩ።

ሎሚ ሎሚ ድማ እቲ ዕለት፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ፣ ፖለቲካን ቁጠባን ንዘመዝገበኦ ዓወታት ዝጽምብል መዓልቲ ኮይኑ'ሎ።

መዓስ እዩ ዝበዓል

8 መጋቢት እዩ።

ናይ ካላራ ሓሳብ ንዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ውሱን ዕለት ኣይነበሮን።

ብ1917፡ ደቂ ኣንስትዮ ሩስያ ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝጸንሐ ኣንጻር መንግስቲ ዛር (Tsar) ናዕቢ ገይረን።

እቲ መንግስቲ ድማ ካብ ስልጣኑ ከወርድድ ተገዲዱ፡ ድሕሪኡ ዝመጸ ናይ ስግግር መንግስቲ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ምምራጽ ዕድል ክህልወን ገይሩ።

እቲ ናዕቢ ዝተጀመረሉ ዕለት፤ ብግሪጎርያዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ 8 መጋቢት እዩ ዝውዕል።

ኣብ ዝሓለፋ ቅሩብ ዓመታት ምንቅስቃስ ደቂ ኣንስትዮ ብዓቢ ደረጃ ዓብዩ እዩ።

ኣብ ጥቅምቲ 2017 ሚልዮናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት #MeToo ዘብል ጎስጓስ ጀሚሮም።

እቲ ጎስጓስ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽን መጥቀዕትታትን፡ ከምኡ'ውን ነቲ ሱር ዝሰደደ ወጽዓ ደቂ-ኣንስትዮ ንምኹናን እዩ።

ኣብ 2018 ድማ፤ እቲ ናይ #MeToo ጎስጓስ፡ ብዓለም ደረጃ ክዓብይ ክኢሉ። ናብ ከም በዓል ህንዲ፡ ፈረንሳ፡ ቻይና፡ ከምኡ'ውን ደቡብ ኮርያ ብሰፊሑ ዓብዩ።

መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ይበዓል?

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ 8 መጋቢት ከም ሃገራዊ በዓል ይበዓል።

ኣብ ቻይና፡ ብመሰረት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ 8 መጋቢት ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዕረፍቲ ይወሃበን።

ኣብ ዓዲ ጣልያን፡ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ወይ ከኣ 'ላ ፈስታ ደላ ዶና (la Festa della Donna)' ዕንባባ ብምሃብ እዩ ዝጽንበል። መበቖል ናይዚ ልማድ ፍሉጥ ኣይኮነን። ይኹን ደኣ እምበር፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ሮማ ከምዝጀመረ ይእመን።

ኣብ ኣሜሪካ ወርሒ መጋቢት 'ወርሒ ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ' ተባሂላ ትዝከር። ዓመታዊ ድማ ዓወታት ደቂ ኣንስትዮ ኣሜሪካ ዝጽንብል ፕሬዝደንታዊ ኣዋጅ ይሕተም።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት፡ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ኢንስታግራም ጽሑፍ፡ እቲ ወርሒ "ንውርሻ ዝተዘመረለንን ዘይተዘመረለንን መሃዝትን ዓለም ዝያዳ ፍትሓዊትን ናጻን ንክትኸውን ዝሕለቓ (ደቂ ኣንስትዮ) ዝኽበራሉ ክኸውን ይግባእ ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ንዝተፈላለዩ ሕቶታተን ዝገልጻሎም መገዲታት እናማዕበሉ መጺኦም እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰባት ስለምንታይ'ዮም ኣብዚ መዓልቲ ወይናዋይ ሕብሪ ዝገብሩ?

ከም መርበብ ሓበሬታ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ወይናዋይ፣ ቀጠልያን ጻዕዳን ሕብርታት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ'ዮም።

"ዋላ'ኳ ኣካታዒ ኣምር እንተዀነ ወይናዋይ፡ ፍትሕን ክብርን፣ ቀጠልያ ድማ ምልክት ተስፋ እዩ። ጻዕዳ ንጽህና ይውክል" ይብል።

እዞም ሕብርታት፡ ብ1903 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንመሰል ምምራጽ ደቂ ኣንስትዮ ንምቅላስ ዝተመስረተ ጉጅለ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ (WSPU) ዝጥቀመሎም ዝነበሩ እዮም።

ጉጅለ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ብ1909 ዘቐረቦ ሜዳልያ ተቓውሞ ጥምየት

ምንጪ ስእሊ, ELIZABETH CRAWFORD

መግለጺ ስእሊ, ጉጅለ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ብ1909 ዘቐረቦ ሜዳልያ ተቓውሞ ጥምየት

መሪሕ ቃል እዚ ዓመት እንታይ ይብል?

ሕቡራት ሃገራት፡ ነዚ ኣብዚ ዓመት ዝጽንበል ዘሎ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ "ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ነውፍር፤ ምዕባለ ነቐልጥፍ" ዝብል ኰይኑ፡ ኣገዳስነት ስጉምትታት ጾታዊ ማዕርነት ንምጉላሕ ዝዓለመ እዩ።

"ክሳብ 2025፡ ጐንጺታትን ምውሳኽ ዋጋታትን 75% ሃገራት ወጻኢታት መንግስቲ ክንክያ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል'ዩ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ደቂ ኣንስትዮ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር'ዩ" ክብል የጠንቅቕ።

መርበብ ሓበሬታ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ "ሓቛፍነት ነተባብዕ" ዝብል መሪሕ ቃል መሪጹ ኣሎ።

ኣዳለውትን ዝካየዱ ንጥፈታትን "መሰናኽላት ንምእላይ፣ ንጽልዋታት ንምፍታሕን ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ዝኽበራሉ ሃዋህው ንምፍጣርን" ዒላማ ክገብሩ ከም ዘለዎም ድማ ይገልጽ።

ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ኣለዋ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዛ መዓልቲ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝመጽአ ምዕባለታት ንምምልካት ዕድል እትህብ ኰይና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝረአ ዘሎ ምንካይ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምኡ'ውን ሳዕቤናት ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን ንክዝረበሎም'ውን ዕድል ትህብ።

ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ፡ ደቂ ኣንስትዮ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ኢራንን ዩክሬይንን ኣብ ውሽጢ ኲናትን ዓመጽን ኰይነን ንመሰለን ክቃለሳ ጸኒሐን ኣለዋ።

ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቓዛ ብወተሃደራት እስራኤል ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ እሙናት ጸብጻባት ከም ዝበጽሖም ይገልጹ።

ቢቢሲ'ውን፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸመ ዓመጽ፣ ጾታዊ ዓመጽን ምቑራጽ ኣካላትን ከም ዘጋጠመ ዘርእዩ መርትዖታት ክዕዘብ ክኢሉ'ዩ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ዕድሚአን ካብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ንላዕሊ ዝዀና ኣዋልድ ብጣሊባን ካብ ትምህርቲ ተኣጊደን ኣለዋ፤ እዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ትምህርቲ ንኸይረኽባ ማሕለኻ ዀይኑ'ዩ።

ኣብ ኢራን ብዙሓት ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ጸጉረን ክዕመማ ዝጠልቡ ሕጋጋት ምንጻግ ቀጺለን ኣለዋ።

ከም ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ናርገስ መሓማዲ ዝኣመሰላ ደለይቲ ፍትሒ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒነን ይርከባ።

ኣብ ሱዳን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ (RSF) ኣብ ዝቘጻጸርዎም ከባቢታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ግዳያት ጭውያን ጾታዊ ዓመጽን ይዀና ከም ዘለዋ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ብመሰረት እቲ ብዓለማዊ ጉባኤ ቁጠባ ዓመታዊ ዝሕተም ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ኣፈላላይ ጾታ 2023፡ ክሳብ ሕጂ ምሉእ ጾታዊ ማዕርነት ወይ ምዕሩይነት ዘረጋገጸት ሃገር የላን።

ዓለም ኣብዚ ደረጃ ንምብጻሕ ልዕሊ ሓደ ዘመን ክወስደላ ከም ዝኽእል ድማ የጠንቅቕ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋን ካብ ትምህርቲ ቦዂረን ይርከባ

ምንጪ ስእሊ, NAVA JAMSHIDI/BBC

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ተባዕትዮ ኣሎ ድዩ?

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ተባዕትዮ ካብ 1990ታት ጀሚሩ 19 ሕዳር ይኽበር ኣሎ።

እዚ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘይረኸበ ኰይኑ፡ ኣብ ብሪጣኒያ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 80 ሃገራት ይኽበር።

እቲ መዓልቲ "ደቂ ተባዕትዮ ንዓለም፡ ስድራቤቶምን ማሕበረሰቦምን ኣብ ዘምጽእዎ እወንታዊ ክብርታት" ዘተኰረ ምዃኑ ኣዳለውቲ ይገልጹ።

እወንታዊ ኣርኣእያታት ንምጉላሕ፡ ኣብ ጽቡቕ ህይወት ደቂ ተባዕትዮ ንቕሓት ንምዕባይን ጾታዊ ዝምድናታት ንምምሕያሽን ዝዓለመ እዩ።

ተዋዛዪ ሪቻርድ ሄሪንግ፡ ንነዊሕ ዓመታት፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝኽበረሉ ኣብ ኤክስ [ትዊተር ነበር] ብዛዕባ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይምህላዉ ንዝተቖጥዑ ሰባት መልሲ ብምሃብ፡ ንገባሪ ሰናይ ዘቤታዊ ዓመጽ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፓውንድ ከዋህልል ጸኒሑ'ዩ።