ኢትዮጵያ፡ ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ውሳነ ዑለማ ስለምንታይ ኣካታዒ ኰይኑ?

ላማ ዝሓዘት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ን2ይ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ።

ብዕለት 22 ጥሪ 2016 (ግእዝ) ኣብ ወግዓዊ ፌስቡኩ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ቍጽሪ 12ን 13ን ዝተገልጸ ውሳነ ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ምስቲ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘስፈሮ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ዝጻረር እዩ ዝብሉ ከም “አዲስ ፓወር ሃውስ’’ ከምኡ’ውን “አርቲክል 35” ዝተበሃሉ ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝነጥፉ ምንቅስቓሳት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድምጾም የስምዑ ኣለዉ።

ኣብቲ መግለጺ ኣብ ቍጽሪ 12ን 13ን ዝሰፈሩ ውሳነታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

  • 12. ኣብ ገለ ከባቢታት ሃገርና ብስም ግዝረት፡ እቲ ኣንጻር ሸሪዓና ዝፍጸም ኢሰብኣዊ ፈርኦናዊ ግዝረት (ምትልታል ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ) ብሸሪዓና ዝተወገዘ ተግባር ምዃኑ ንሕብር።
  • 13. ኣብ ሸሪዓ ግዝረት ዋጂብ ድዩ ሱና ዝብል ኣብ መንጐ ዑለማታት ናይ ሓሳብ ፍልልይ እኳ እንተሃለወ፡ ዋላ ግዝረት እንተተገብረ’ኳ ብሞያዊ ሓኪም ጥራይ ክግበር ከምዘለዎ ተሰማሚዕና ኣለና።

ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ዘይሕጋዊ እናሃለወ "እንተተገይሩ ብሞያዊ ሓኪም ጥራይ ክግበር ተሰማሚዕማ ኣለና" ዝብል ውሳነ ብዓይኒ ሕጊ ብኸመይ ይረአ?

ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ገበን እንከሎ፡ ንዕኡ ዝፍጽም "ሞያዊ ሓኪም" ተባሂሉ ምስፋሩ ዝጋጮ ዶ ኣይኰነን?

ብደረጃ ሃገር ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ፡ ትካላት ሃይማኖት ክህልወን ምስ ዝግባእ ተራ ኣይጋጮን ድዩ?

እዚኦምን ተዛመድቲ ነጥብታትን ኣብዚ ጸብጻብ ተዳህሲሶም ኣለዉ።

እቲ ውሳነ ንሕጊ’ታ ሃገር ክጥሓስ ይኽእል ድዩ?

ብመሰረት ገበናዊ ሕጊን ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን እቶም ፈሪማ ዝተቐበለቶም ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ስምምዓት፡ ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ገበን እዩ። ብተወሳኺ ሰብኣዊ መሰላት ዝግህስን ከቢድ ጸገማት ጥዕና ከምዘለዎን ብግልጺ ተጠቒሱ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓሊፈት መሓመድ ዩሱፍ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወሎ ፕሮፌሰር እስላማዊ ሕጊ እያ።

እቲ ዋዕላ ዑለማ ስዒቡ ዝወጸ መግለጺ መርገጺ፡ ነቲ ዝለዓለ ሕጊ እታ ሃገር ዝዀነ ቅዋም፡ ገበናዊ ሕጊ፡ ከምኡ’ውን ሰነዳት ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ከምዝዀነ ፕሮፌሰር ሓሊፈት ትገልጽ።

ንኣብነት ኢትዮጵያ፡ ውዕል መሰላት ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ሲኣርሲ) ከምኡ’ውን ውዕል ምውጋድ ኵሉ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ኣድልዎ (Convention on the Elimination of All Forms of Discrimination Against Women ወይ CEDAW-ሲዳው) ፈሪማ እያ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ኣህጉር መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ንምሕላው ዘዳለዎ ‘ፕሮቶኮል ማፑቶ’ እውን ፈሪማ ተቐቢላ እያ።

ዓንቀጽ 24 ውዕል ሲራሲ፡ ዝዀነ ዓይነት ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ እንተላይ ግዝረት ይኽልክል።

ዓንቀጽ 2 ስምምዕ ሲዳው እውን መሰል ጥዕና ምኽልካል ዝርከብዎም ዝዀነ ይዅን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ኣድልዎ ዝኽልክል እዩ።

ዓንቀጽ 5 ፕሮቶኮል ማፑቶ ድማ ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ይኽልክል።

ቅዋም መንግስትን ገበናዊ ሕጊን ኢትዮጵያ እውን ነዞም ስዒቦም ዝተጠቕሱ ድንጋገታት ይጠቅስ።

  • ሕጊ ገበን ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 565 ግዝረት ገበን ከምዝዀኑ ይጠቅስ።
  • ሕጊ ገበን ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 561-570፡ ብጐዳኢ ባህላዊ ልማዳት ኣብ ልዕሊ ህይወት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ጉድኣት ክበጽሕ ምግባር፡ ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ፡ ምትልታልን ምስፋይን ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጐዳእቲ ልማዳዊ ተግባራት ዝኽልክሉ ድንጋገታት ንኸይትግበር ምልዕዓል፤ ንህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ምእታው ገበን ከምዝዀኑ ይገልጽ።
  • ዓንቀጽ 16 ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኵሉ ሰብ ካብ ኣካላዊ ጉድኣት ክሕሎ መሰል ከምዘለዎ የፍልጥ።
  • ዓንቀጽ 35 (4) ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጽልዋ ጐዳኢ ባህሊ ነጻ ናይ ምዃን መሰለን ክሕሉ ከምዘለዎን ንደቂ ኣንስትዮ ዝጭፍልቝን ብኣካል ይዅን ብኣእምሮ ዝጐድኡ ሕጊታትን ልምድታትን ክልኩላት ምዃኖም የስምር።
  • ዓንቀጽ 9 (1) ቅዋም መንግስቲ፡ ዝዀነ ይዅን ሕጊ ወይ ልምዲ ንውሳነ መንግስታዊ ኣካል ወይ በዓል ስልጣን ዝጻረር እንተዀይኑ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዘይኽእል ይገልጽ።
  • ዓንቀጽ 9 (4) ቅዋም መንግስቲ፡ ኢትዮጵያ ዘጽደቐቶም ዓለምለኻዊ ስምምዓት ኣካል ሕጊ እታ ሃገር ምዃኖም ይድንግግ

ንግርዘት ጓል ኣንስተይቲ ዝወሃብ መቕጻዕቲ ናይ 3 ወርሒ ማእሰርትን 500 ብር ከምዝዀነ ሓባራዊ መስራቲትን ምክትል ሓላፊትን ሆርን ሆራይዘን ሱዓድ ኣሕመድ ትገልጽ።

እዚ መቕጻዕቲ ክብ ንክብል ምዝታይ ኣብ ዘድልየሉ እዋን እቶም ዑለማታት ዝወሰድዎ ውሳነ፡ ምስቲ ግዝረት ንምምካት ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ ዝጻረር ምዃኑ ወሲኻ ትሕብረ።

ኣብ ቅዋም መንግስቲ ኣብ ዓንቀጽ 25 ዝተወሃበ መሰል ማዕርነት፡ ኣብ ዓንቀጽ 35 ዝተወሃበ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዓንቀጽ 36 ዝተወሃበ መሰል ህጻናትን ዝምንዝዕ ውሳነ’ዩ ትብል።

‘አርቲክል 35’ ዝተበሃለ ጾታዊ ማዕርነት ዝጠልብ ምንቅስቓስ፡ ካብ ኣስላም ደቂ ኣንስትዮ ዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጐስጓስ እናካየደ ይርከብ።

መስራቲት እቲ ምንቅስቓስ ዝዀነት ኪያ ዓሊ፡ "ግዝረት እንተተገይሩ እውን በዓል ሞያ ሕክምና ክኸውን ይግባእ" ተባሂሉ ዝተጠቐሰ ሓሳብ "በዓል ሞያ ሕክምና ብዝብል ሰበብ ገበን ዘተባብዕ'ዩ” ትብል።

ከም መርትዖ ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ 2017 ዘውጽኦ ጸብጻብን ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዝበተኖ መዘኻኸሪን ትጠቅስ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብን መዘኻኸሪን፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ክፍጽሙ ኣይኽእሉን፤ ፈጺሞም እንተተረኺቦም እውን ብሕጊ ተሓተትቲ ይዀኑ’ዮም።

ቤት ምኽሪ ዑለማ እንታይ እዩ ኢሉ?

ቤት ምኽሪ ዑለማ፡ ግዝረት ብሕጊ እታ ሃገር ዝተኸልከለ እንከሎ ስለምንታይ ግዝረት ዝፈቅድ መግለጺ ኣውጺኡ?

ኣብ መንጎ ግዝረት ዝድግፉን ዝቃወሙን ዑለማታት ኣፈላላይ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ግን እቲ መግለፂ ክወጽእ ከምዝተወሰነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዑለማታት ኢትዮጵያን ኣባል ኮሚተ ፈትዋን ዝዀነ ሸኽ ሙሓመድ ዛይን ዘህረዲን ሓቢሩ።

"ሕጊ ኢትዮጵያ ስለዝኽልከለ እቲ ሃይማኖት ኣይተርፍን። ሕጊ ኢትዮጲያ ኣይኰነን ሕጊ ዓለም፡ ዋላ ሕጊ መሬት ክልክል እዩ እንተበሉ እቲ ሃይማኖት ዝፈቐዶ ክልክል ክኸውን’ዩ ማለት ኣይኰነን" ብምባል ብዛዕባ ምጽራር ሕጊ እታ ሃገር ንዝምልከት ሕቶ ምላሽ ሂቡ።

ብዛዕባ’ቲ መግለጺ ርእይቶ ርእይቶ ክህብ ዝሓተተ ሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን፡ ካብ "ይዝተየሉ ኣሎ" ምባል ሓሊፉ ካልእ መብርሂ ክህብ ኣይፈቐደን።

ክፍሊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ሚኒስቴር ጥዕና፡ ሚኒስቴር ፍትሕን ሚኒስቴር ሰላምን እውን ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ኣይሃቡን።

ቢቢሲ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) እውን ብዛዕባ’ቲ መግለጺ ርእይቶ ክህብ ሓቲቱ።

"እቲ ትካል ኣብዚ እዋን'ዚ ዋላ ሓንቲ ክብል ኣይክእልን'ዩ" ዝብል ምላሽ እዩ ረኺቡ።

ቤት ምኽሪ ዑለማ ስለምንታይ ምስ ገዛእ ርእሱ ተጻሪሩ ድዩ?

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 15-49 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ እተን 65.2 ሚእታዊት ንግዝረት ዝተቓልዓ ከምዝዀና ኣንጻር ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ዝነጥፍ 'ፕሮጀክት ኦርኪድ' ኣብ 2010 ዘካየዶ መጽናዕቲ የመልክት።

እቲ መጽናዕቲ "ንግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዮም ዝተቓልዑ ከባቢታት መብዛሕትኦም ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከቡ" ምዃኖም ይጠቅስ። ካብተን ካብ 15-40 ዓመት ዝዕድሚአንን ካብ ዝተኸንሸባ ኣደታት ዝተወልዳን ደቂ ኣንስትዮ እተን 64 ሚእታዊት ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ግዝረት ከምዝተፈጸመን እውን ይሕብር።

እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ብባህላዊ መንገዲ ዝፍጸም ኰይኑ፡ ዓይነቱ ድማ "ዝተወሰነ ክፋል ስጋ ምቝራጽን ምእላይን" ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ ውሳነ ዑለማ፡ ግዝረት "ኢሰብኣዊ" ተባሂሉ’ኳ እንተተገለጸ፡ ነዚ ስዒቡ "ክግበር እንተሃልይዎ ብሞያዊ ሓኪም ክግበር ይግባእ" ዝብል ሓሳብ ምስፋሩ ሓድሕዱ ዝጻረር ኣገላልጻ ምዃኑ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት የስምሩ።

ብዛዕባ እቲ ግዝረት ብ'በዓል ሞያ ሕክምና' ክፍጸም ኣለዎ ዝብል ኣገላልጻ ብምዝምልከት፡ ዳህሳስ ፕሮጀክት ኦርኪድ ከምዝጠቕሶ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ሕጊ ገበን ብሰብ ሞያ ጥዕና ዝፍጸም ግዝረት ብፍሉይ እንተዘይተጠቕሰ፡ ዓንቀጽ 561-570ን ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ብዘለዎም መንገዲ ንዅሎም ገበነኛታት ጐዳእቲ ባህላዊ ተግባራት ስለ ዝዅንን ሰብ ሞያ ሕክምና እውን ኣብዚ ዝጠቓለሉ ምዃኖም ንጹር እዩ።

ካብዚ ወጻኢ ኣብቲ ሕጊ ክመሓየሹ ኣለዎም ኢሉ ካብ ዝጠቐሶም ነጥብታት ሓደ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል’ዩ።

"እቲ ሕጊ ብዛዕባ ብሕክምናዊ ሓገዝ ዝፍጸም ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ንጹር ትርጕም ብምሃብ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ከባቢ ነዚ ተግባር ዝፍጽም፡ ክፍጽም ዝፍትን ወይ ዝሕግዝ ዝዀነ ይኹን ሰብ ሞያ ጽኑዕ መቕጻዕቲ ክረክብ ይግባእ" ክብል ይላበው።

ብዛዕባ "ብሕክምና ዝተሓገዘ ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ" ዝምልከት ዘለዎ መረዳእታ፡ ካብ 15-49 ዓመት ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮ 1 ሚእታዊት፡ ካብ 0-14 ዓመት ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮ ድማ 1.9 ሚእታዊት ጥራይ ናብ ትካላት ሕክምና ከምዝተወስዳ ይጠቅስ።

ኣብ ውሳነ ዑለማ "ሞያዊ ሓኪም" ዝብል ቃል ምጥቃም፡ ትካላት ሕክምና ይዅን ሰብ ሞያ ሕክምና ብዘይ ኣግባብ ግዝረት ንኽፍጽሙ ዝሕግዝ መንገዲ ከምዘመቻችእ እትገልጽ ሱዓድ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግዝረት ቅቡል ከምዘይኰነ’ያ ተስምር።

"ትካላት ሕክምና ነዚ ተግባር ኣይንፍጽምን ምስ ዝብሉ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ድማ ናብቶም ብባህሉ ግዝረት ዝፍጽሙ ሰባት እዩ ዝኸይድ። ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ጸገም ጥዕና ከስዕብ’ዩ" ትብል።

ኣብ 2016 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዲሞግራፊክን ጥዕናን ኢትዮጵያ፡ 25 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ዓይነት ግዝረት ከምዝተፈጸመን ከምዘይፈልጣ የመልክት።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሱዓድ፡ "ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት፡ ብመንን ብኸመይን እቲ ግዝረት ከምዝተፈጸመ ዝገልጹ ሓበሬታታት ትርጕም የብሎምን። ምትልታል ወይ ምስፋይ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሓኪም ይፈጸም ብባህሊ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘስዕቦ ቃንዛ ኣይቅይሮን።”

ሓሊፋት እውን፡ “ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግዝረት ቅቡል ኣይኰነን። ክኸውን’ውን የብሉን" ትብል።

ከቢድ መፍሰስቲ ደም፡ ረኽሲ፡ ምስ ሕርሲ ንዝተኣሳሰሩ ጸገማት ምቅላዕን ሞትን ከምዘስዕብ’ውን ተብርህ።

‘ሕጋዊ ግዝረት’ ዝበሃል ኣሎ ድዩ?

ውሳነ ቤት ምኽሪ ዑለማ፡ ብንጹር ገበን ዝበሎ ተግባር ንምቕላል ፍርቂ ሕጋውነት ንምሃብን ዝፈተነ ከምዝመስል ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት ይዛረቡ።

ኪያ ከምእትብሎ፡ ኣብ መንጎ ዝድግፉን ዝቃወሙን ምሁራት ብዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ መሰረት "ማእከላይ ደረጃ ንምምጻእ" ብ"ሰብ ሞያ ሕክምና" ይፈጸም ዝብል ሓሳብ ተላዒሉ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ "ዘስዕቦ ቀዋሚ ጉድኣት ደው ከብል ኣይኽእልን" ትብል።

"እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ህጻናት ይፍጸም ምህላዉ፡ ዝገደደ ይገብሮ። ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ምሉእ ህይወታ ዝስዕባ መጉዳእቲ እዩ። መን ፈጺምዎ ብዘየገድስ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት'ዩ" ክትብል ትውስኽ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኪያ፡ "ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ክሳተፉ ስለዘኽእሎምን ሕጋዊ መልክዕ ዝህብን" ስለዝዀነ ሚኒስተር ጥዕና ብመሰረት ዘውጽኦም ሕጊታትን መምርሒታትን መልሲ ክህብ ከምዘለዎ ተተሓሳስብ።

ምውጋዝ ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ

ብደረጃ ሃገር ግዝረት ንምውጋድ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ኣብ ግምት ካብ ዘእትውዎም ገለ ኣካላት ሃይማኖታዊ ትካላት ይጥቀሱ።

ኪያ፡ ትካላት ሃይማኖት ብመንጽር ኣብ ሕብረተሰብ ዘለወን ጽልዋን ተቐባልነትን መልእኽቲ ከመሓላልፋ ከለዋ፡ እቲ ሕብረተሰብ ነቲ ተግባር ምፍጻም "ኣድላዪ" ገይሩ ከምዝቘጽሮ ትዛረብ።

ከምኡ ዘይምግባር "ከም ነውሪን ዋላ ከም ሓጢኣትን" እውን ከምዝቝጸር ሱዓድ ትገልጽ።

ሓሊፋትም "ጎዳኢ ተግባራት ብደገፍ ሃይማኖት ክቕጽሉ" ከምዘፍቅድ እያ ተመልክት።

ኣብ መንጎ ዑለማታት ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ እኳ እንተሃለወ፡ ስለምንታይ ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ዝኹንን መግለጺ ዘይወጸ?

ሸኽ መሓመድ ዛይን ዘህረዲን፡ "ግዝረት ይትረፍ ዝብል መልእኽቲ ከነመሓላልፍ ኣይከኣልናን። ኣይንኽእልን’ውን። እቶም ዓቢ መምህር ይትረፍ ኣይበሉን። እንተተፈጺሙ ብጥንቃቐ ይፈጸም እዮም ኢሎም። ንሕና’ወን ንሱ ኢና ደጊምናዮ" ክብል ሃይማኖታዊ ስነ-ሞጎት ኣቕሪቡ።

እዚ ሃይማኖታዊ ስነ-ሞጎት እታ መምህር ሕጊ እስልምና ዝዀነት ሓሊፋት ኣይትቕበሎን። “ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እስልምና ግዴታ ኣይኰነን። ኣብ ቁርኣንን ኣብ ሱናን ዝዀነ መርትዖ የብሉን።”

ካብዚ ብኣንጻሩ ዝቐርብ ሃይማኖታዊ ስነ-መጐት ኣብ "ድኹም ወይ ልሕሉሕ (ብዓረብኛ ደዒፍ) ሓዲስ" ምጥቃስ ዝተመርኮሰ ምዃኑ ወሲኻ ትገልጽ።

ስለዝዀነ ድማ "ድልዱል መሰረት ዘይብሉ፡ ንሰብኣዊን እስላማዊ መሰላትን ደቂ ኣንስትዮ ዝግህስ፡ ኣንጻር ቁርኣንን ሱናን ዝዀነን" ክትብል ትገልጾ።

ቅኑዕ መርገጺ ቤት ምኽሪ ዑለማ እንታይ እዩ?

ሸኽ መሓመድ ዘይን "ጓል ንምንታይ ትኽንሸብ ኢሉ ዝኹንን ሓበሬታ የለን። እንተተገዘረት ካብ ፈጣሪ ዓቢ ዓስቢ ኣለዋ ዝብል መርትዖ እውን የለን" ይብል።

እቶም ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ "ግዴታ እዩ" ዝብሉ ዑለማታት "መርትዖኦም ዕቱብ ኣይነበረን" ይብል።

"ነቢይ መሓመድ ኣብ ከባቢኦም ንኣዋልድ እትኽንሽብ ጓል ኣንስተይቲ፡ ስርሓ ንሱ እንተዀይኑ ጸውዕዋ ኢሎም፡ ግዝረት ፈጽሚ ኢሎም ትእዛዝ ኣይሃብዋን። እንተኸንሺብኪ ካብ ውሽጢ ዘይኰነ፡ ጫፍ ጥራይ (ብዓረብኛ ዓሸሚሃ) ተንክፊ ኢሎምዋ" ዝብል ሃይማኖታዊ ሞጎቶም የቕርቡ።

ነዚ መሰረት ገይሮም ድማ "ግዝረት ጥንቃቐ የድልዩ’ዩ" ይብሉ።

ሓሊፋት ብኣንጻሩ ከም መርትዖ ዝተጠቕሰ ሓዲስ "ድኹም ወይ ልሕሉሕ" ዝብል ምዃኑ ትጠቅስ።

"ጓል ኣንስተይቲ መሰል ጾታዊ ዕግበታ ኣብ ቍርኣንን ሱናን ተሰኒዱ ኣሎ። ነዚ ዝጻረር እዩ። ኣብ ቍርኣንን ሓዲስን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝዀነ ጉድኣት ዘይምፍጻም፡ ኣላህ ዝሃቦ ኣካላዊ መልክዕ ዘይምቕያር ተጠቒሱ እዩ። ግዝረት ጓል ኣንስተይቲ ነዚኦም ዝጥሕስ እዩ” ትብል።

ሱዓድ አውን ምስ ሓሊፋት ትሰማማዕ። "ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዑለማታት፡ ግዝረት ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ እስላማዊ ሃይማኖታዊ መሰረት ከምዘይብሉ ብተደጋጋሚ ገሊጾም እዮም" ክትብል ትውስኽ።

ከም መርትዖ ድማ ኣብ 2006 ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣል ኣዝሃር ታርጌት ብዝተበሃለ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላትን ፕሮ እስላማዊ ጉዳያት ኣንጻር ግዝረት ደቂ ኣንስትዮን ዘዳለውዎ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ትጠቅስ።

"ካብ ኢትዮጵያ ሸኽ መሓመድ ዳሬሳ ተረኺቦም ነይሮም። እቲ ዝተቓልሐ ሓሳብ፡ ግዝረት ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝኽልክል'ዩ" ትብል።

ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ጥንታውያን ዩኒቨርሲቲታት ሓደ ዝዀነ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣል ኣዝሃርን 57 ኣባላት ሃገራት ዘለዎ ውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝን፡ ግዝረት ቅቡል ከምዘይኰነ ወሲኖም እዮም።

ኣብቲ ዋዕላ ዑለማ ስዒቡ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብ ቁጽሪ 12 "ኢሰብኣዊ ተግባር ዝተገልጸ ብዚ ምኽንያት’ዩ" ትብል።

ሸኽ መሓመድ ዛይን ግን ካብዚ ዝተፈልየ ርእይቶ ኣለዎ።

እቲ ውሳነ "ንመጀመርታ ግዜ ብትብዓት ዝወጸ፡ ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ብግዴታ ምፍጻም እንተተፈጸመ ወይ እንተዘይተፈጸመ ጸገም የብሉን ናብ ምባል ዝመጸ፡ ኣዝዩ ዕቱብ መግለጺ ፈትዋ'ዩ" ይብል።

"መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ግዝረት ይገድፎ ኣሎ፡ ንሕና ድማ ከነተባብዖ ጀሚርና ኣለና። ቀስ ብቐስ ክተርፍ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን።"

ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ዘጽድቕ ውሳነ ምሕላፉን ርእይቶ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ውሳነ ዘይምክታቱን ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "እቲ ፈትዋ ኣብዚ ምብጽሑ ጽቡቕ ነገር'ዩ። ድሕሪ እዚ እንተተገዲፉ ንምንታይ ገዲፍክምዎ? ኢሉ ዝኹንን ሰብ ኣይህሉን" ዝብል መልሲ ሂቡ።

‘ምቍጽጻር ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ’

ሓሊፋት፡ ሱዓድን ኪያን ግን እቲ መግለጺ ኣብ ህልው ኵነታት ስግኣት ዝፈጥር ከምዝዀነ ይሰማምዓ። ንሰብኣዊ መሰላትን ሕጊን ዝጥሕስን ንግዝረት ደቂ ኣንስትዮ "ሃይማኖታዊ ወይ ትካላዊ ፍቓድ" ዝህብን ምዃኑ የስምራ።

ዋላ'ኳ ብትካላት መንግስቲ ወግዓዊ መግለጺ እንተዘይሃለወ፡ ካብ ኣካላት መንግስቲ፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ካልኦት ግዝረት ንምውጋድ ዝሰርሑ ትካላትን ምላሽ ክወሃብ ይጽውዓ ኣለዋ።

“ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ክትቈጻጸር ምፍታን እዩ። እቲ ዘሕዝን፡ እቲ ብኣቦ ዝተዓብለለ (ፓትርያርካዊ) ስርዓት ነቲ ባህላዊ ልማድ ንምቕጻል ክሳብ ክንደይ ከም ዝኸይድ ዘርኢ'ዩ" ትብል ሓሊፋት።

"ሚኒስተር ፍትሕን ሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን፡ ከምኡ'ውን ማሕበረሰብ ኣስላም ነቲ ውሳነ ብንጹር ክኹንኖ ይግባእ።"

"እቲ መግለጺ ከም ንቡር እንተተራእዩን ስቕ እንተተባሂሉን፡ ዝገደደ ነገር ከስዕብዩ" ብምባል ተጠንቅቕ።

ኪያን ሱዓድን እውን ተመሳሳሊ ስክፍታ ከምዘለወን ብምግላጽ ነቲ ውሳነ ብዕቱብ ነቒፈን።