‘ኣፍቃሪተይ ብምኽንሻባ ከም ዝሞተት'የ ዝኣምን’

ኣብ ሴራሊዮን፡ ዓበይቲ ዓዲ ባህልታትን ስርዓተን ንመናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ የውርሱ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሴራሊዮን፡ ዓበይቲ ዓዲ ባህልታትን ስርዓተን ንመናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ የውርሱ

ፋጥማታ ቱራይ፡ ኣደኣ ናብ ቁሸታ ክትምለስ ክትነግራ እንከላ ጓል 19 ዓመት እያ ነይራ።

እቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ማሕበር ‘ቦንዶ’ ዝበሃል ልምዲ ንኽትሓልፍ’ያ ተጸዊዓ። እዚ ልምዲ፡ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ንዓቕሚ ሄዋን ዝዳለዋሉ ሙዚቃን ሳዕስዒትን የጠቓልል።

ፋጥማታ ግን ድሕሪ 36 ሰዓታት ሞይታ።

ካብታ ብዕለት 18 ነሓሰ 2016 ዝተቐበረትላ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ኣፍቃሪኣ ጋዜጠኛ ታይሰን ኮንተህ ካሜራኡ ኣልዒሉ ክቐርጽ ጸኒሑ።

ድሒሩ ኣብ ዘካየዶ ቀረጻ፡ ንምንታይ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገር ክስነድ ከም ዝደለየ ንምግላጽ ትኽ ኢሉ ናብቲ ሌንስ ይጥምት።

"እዛ ንዓይ ኣዝያ ኒሕ ዘለዋ ፊልም፡ ክትዕ ንምፍጣር ክጥቀመላ እየ ዝደሊ። ፋጥማታ፡ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ክትመውት ምርኣይ ኣይትደልን። ድሌታ እዚ'ዩ" ይብል።

ፋጥማታ ኣብ ሕልሙ ክትዛረቦ ከም ዝጸንሐትን፡ ጠንቂ ሞታ ብምቅላዕ ነቲ ልምዲ ምቝራጽ ክፍሊ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ክገትእን ከም እትደሊ ከም ዝነገረቶን ይገልጽ።

ታይሰን ኮንተህ ኣብታ ፊልምኡ ናይታ ዝሞተት ኣፍቃሪቱ ፋጥማታ ቱራይ ምስሊ የርኢ
መግለጺ ስእሊ, ታይሰን ኮንተህ ኣብታ ፊልምኡ ናይታ ዝሞተት ኣፍቃሪቱ ፋጥማታ ቱራይ ምስሊ የርኢ

ምኽንሻብ ወይ ምቝራጽ ክፋል ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ማለት ከም ላዕለዋይ ሽፋን ምእላይ፡ ምስፋይ፡ ከፊላዊ ወይ ድማ ምሉእ ደጋዊ ኣካላት ምቝራጽን፡ ብዘይ ሕክምናዊ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ጾታዊ ኣካላት ደቂ-ኣንስትዮ ዝወርድ ተግባራትን መጥቃዕትታትን ዘጠቓለለ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትካል ብዝሒ ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት እዚ ተግባር ኣብ 92 ሃገራት ከም ዝፍጸም ሰኒዱ'ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ገለ ክፋል ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ግን ብብዝሒ ይርአ።

ኣብ ከም በዓል ሶማልያ፡ ሱዳንን ጅቡትን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ኢንፊቡሌሽን ዝበሃል ዓይነት ምትልታል ይፍጸም።

እዚ ደጋዊ ኣካላት ተቘሪጹ፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣፍ ርሕሚ ተዓሺጉ፡ ንሽንቲን ንወርሓዊ ጽግያትን መውጽኢ ትኸውን ክንዲ ዓይኒ መርፍእ ትኸውን ነዃል ዝገድፈሉ ስርዓት ምኽንሻብ ኰይኑ፡ እታ ሰበይቲ ምስ ተመርዓወት ጾታዊ ርክብ ቅድሚ ምጅማራ ድማ መሊሱ ይኽፈት።

ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈላለዩ ባህልታትን ሃይማኖታትን ከም ዝጥለብ ይንገር። እንተዀነ ኣብ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ጽሑፍ ነዚ ዝጠልብ ብግልጺ ዝተጸሓፈ ነገር የለን።

ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀነ ጥዕናዊ ረብሓ የብሉን፤ የግዳስ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ጥዕናን ደቂ-ኣንስትዮ ዝተሓላለኸ ጸገማት ኣብ ቀረባ ይዅን ኣብ ነዊሕ ግዜ ከስዕበለን ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ጸገም ሽንቲ፡ ርሕሚን ወርሓዊ ጽግያትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ሕርሲ ሞትን ካልኦት ጸገማትን ከስዕብ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።

ገለ ገለ ደቂ-ኣንስትዮ መድመይቲ፡ ብርቱዕ ቃንዛታት፡ ረኽስን ምምካንን ከም ዘጋጥመን ይዛረባ። ኣብ እዋን ሕርሲ፡ ኣብ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት፡ ኣብ ጾታዊ ርክብ ወይ ጾታዊ ተመኵሮታት ዝተፈላለዩ ጸገማት ከጋጥመን ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ።

ኣብ ሴራሊዮን፡ 83 ሚእታዊት ካብ 15 ክሳብ 49 ዓመት ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ከም ዝተኸንሸባ ይግመት።

ደቂ ኣንስትዮ ዝኽንሸባሉ ሓደ ቀንዲ ምኽንያት፡ ጾታዊ ድሌተን ንምልማስ እዩ። እንተተኸንሺበን ድንግልናአን ከም ዝሕልወለንን ምስ ተመርዓዋ ድማ ንሰብኡተን እሙናት ከም ዝዀናን ይሕሰብ።

"ዘይተኸንሸበት ጓል ኣንስተይቲ ካብ ዝተኸንሸበት ጓል ኣንስተይቲ ንላዕሊ ጾታዊ ርክብ ትፈቱ። ስለዚ ድማ ኢና ኣብአን ዘሎ ድሌት ነጕድሎ" ትብል ኣሚናታ ሳንኮህ ዝተባህለት ኣብ ሴራሊዮን ንደቂ ኣንስትዮ ትኽንሽብ ሰበይቲ።

'ንክሽን ሰሙን ወሲዱለይ'

ኮንተህ ነቲ ንዘመናት ዝጸንሐ መሰረት ጽባቐ፡ ስነጥበብን ባህልን ዝዀነ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቘፈ ሕብረተሰብ ቦንዶ ንምቕራጽ ሳሕቲ ዘጋጥም ዕድል ረኺቡ።

ካብ ሽማግለታት ቦንዶ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ባህላዊ ተራ በዓልቲ ቤትን ኣደን ዝወሃበሉ ጽምብል ስርዓት እዩ።

ትጽቢት ዝግበረሉን ኣድላዪን ከም ዝዀነ ተገይሩ’ውን እዩ ዝርአ።

ይዅን እምበር፡ ኮንተህ ሓደ ክፋል ናይቲ መስርሕ፡ ምኽንሻብ ክቐርጽ ኣይተፈቕደሉን።

ንጋይማ ካማራ ምኽንሻብ ከም ማእከላይ ኣካል እቲ ባህሊ እያ ትርእዮ
መግለጺ ስእሊ, ንጋይማ ካማራ፡ ምኽንሻብ ከም ማእከላይ ኣካል እቲ ባህሊ እያ ትርእዮ

"ኣብ ባህልና፡ እቲ ስርዓት ንነዊሕ እዋን ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝብና ክፍጸም ጸኒሑ'ዩ" ትብል ቀንዲ ከንሻቢት ንጋይማ ካማራ።

ንሳ፡ ዘይተኸንሸበት ጓል ኣንስተይቲ "ኣብ ሩባ ምሳይ ክትሕጸብ ትሓፍር እያ። ኣብ መንገዲ እንተረኺበያ ሰላም ኣይክብላን እየ። ኣብ ዝዀነ ቦታ እንተተራኺብና ኣይከዛርባን እየ ክብል ይኽእል። ልክዕ ከም ሕምምቲ” ከም እትርእያ’ውን ትዛረብ።

ኮንተህ ኣብታ ሰነዳዊት ፊልሙ፡ ፋጥማታ ኣብቲ ስነስርዓት ቦንዶ ምስ ተሳተፈት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እንታይ ከም ዘጋጠማ የዘንቱ።

"ሬሳኣ ካብ ገዛ ወጻኢ ኣብ መሬት ኣብ መንጸፍ ተቐሚጡ ረኺብናዮ። ብጻዕዳ ጨርቂ ተሸፊኑ ነይሩ" ይብል።

"ደም ክፈሳ ይርአ። ኣብ ስርዓት ቦንዶ ድሕሪ ምቝራጽ ኣካላት ብልዕታ ከም ዝሞተት ተረዲእና።"

ፖሊስ ድሕሪ ምምጻኦም ሬሳ ፋጥማታ ናብቲ ኣብ ማከኒ ዝርከብ መቓብር ተወሲዱ።

ኣደኣን እታ ዝኸንሸበት ሰበይቲን ድማ ተኣሲረን።

ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት፡ በቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ሴራሊዮን ዝነበረ እንኮ ክኢላ ስነ-ሕማም ዶክተር ስምኦን ኦዊዝ ኮሮማ፡ መርመራ ሬሳ ተኻይዱ።

ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ማሕበራዊ ድሕነት፡ ጾታን ጉዳያት ህጻናትን ዝነበረት ዶክተር ሲልቭያ ብላይደን እውን ተረኺባ ነይራ።

ኣንጻር ምኽንሻብ ጎስጓስ እትገብር ሩጊያቱ ቱራይ፡ ጓል 11 ዓመት ከላ ተኸንሺባ እያ
መግለጺ ስእሊ, ኣንጻር ምኽንሻብ ጐስጓስ እትገብር ሩጊያቱ ቱራይ፡ ጓል 11 ዓመት ከላ ተኸንሺባ እያ

ዶክተር ብላይደን፡ ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ መሰል ምኽንሻብ ከም ዘለወን ትድግፍ’ኳ እንተዀነት፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ብግዴታ ምኽንሻብ ግን ብትሪ ትቃወም።

ንሳ ዕላዊ ኣብ ዝገበረቶ መግለጺ፡ ዝርዝር ናይቲ መርመራ ሬሳ ብምዝርጋሕ፡ ምቝራጽ ኣካላት ምስ ሞት ፋጥማታ ዝዀነ ርክብ ከምዘይብሉ ገሊጻ።

እታ ዝኸንሸበት ሰበይቲን ኣደ ፋጥማታን ድማ ተፈቲሐን።

ኮንተህ፡ ጠንቂ ሞት ኣፍቃሪቱ ስርዓት ቦንዶ ንምዕቃብ ተሓቢኡ እንተዀይኑ ንምጽራይ መርመራ ኣካይዱ።

ዶክተር ብላይደን፡ ዝና ስርዓት ቦንዶ ንምዕቃብ ክትብል ነቲ ሓቂ ፈጺማ ከም ዘይትሓብእ ትገልጽ።

ምስ ፋጥማታ ቱራይ ዝምድና ዘይብላ ሩግያቱ ቱራይ፡ ኣብቲ እዋን ምክትል ሚኒስተር ዶክተር ብላይደን እያ ነይራ። ንሳ፡ ንነዊሕ እዋን ኣንጻር ምኽንሻብ ክትጕስጉስ ጸኒሓ እያ።

ኣብ ሴራሊዮን፡ ምቝራጽ ክፋል ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕጋት ዝነጥፍ ትካል ምንቅስቓስ ተበግሶ ኣማዞን መስሪታ ትመርሕ ኣላ።

ሩግያቱ ቱራይ፡ ጓል 11 ዓመት ከላ ተኸንሺባ’ያ፡ ብዘይምማታ ድማ ዕድለኛ ከም ዝዀነት ትዛረብ።

"ብዙሓት ሰባት ሞይተን። ንፈልጥ ኢና፡ ኵላትና ንፈልጦ ኢና። ብቕንዕና ክንዛረብ ይግባእ" ትብል።

"ዳርጋ ሞይተ ነይረ። ንሓደ ሰሙን ክሽን ኣይክእልን ነይረ። እቲ ስርዓት ምስ ተዛዘመ'ውን ርሕመይ ሓቢጡ ነይሩ።"

'ቦንዶ ደው ክብል እዩ'

ቱራይ፡ ዶክተር ብላይደን ኣብቲ መርመራ ሬሳ ንምንታይ ከም ዝተረኽበት ትሓትት።

"ንምንታይ ሓንቲ ሚኒስተር ናብ መርመራ ሬሳ ክትኣቱ ትፈቕደላ? ዋላ ሓኪም እንተዀነት፡ ኣብኡ ዋላ ሓንቲ ስራሕ የብላን።"

"ነታ ኸንሻቢት’ያ ደጊፋ። እዚ ድሮ ወጊና ከም ዝነበረት ዘርኢ እዩ። እቲ ዘይረኣናዮ ውጽኢት መርመራ ከም ዝተቐየረ ኢና ንኣምን። ድምጺ መረጻ ንምርካብ ብህይወት ደቂ ኣንስትዮ ክንዋገ ኣይንኽእልን ኢና።"

ዶክተር ብላይደን ብዛዕባ ጠንቂ ሞት ፋጥማታ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከም ዝተዛረበት ነጺጋ። እንተዀነ ግን ፋጥማታ ብሰንኪ ምኽንሻብ ከም ዘይሞተት ሕጂ’ውን ትኣምን፤ ውጽኢት መርመራ ሬሳ ምስ ሕክምናዊ ታሪኽ ፋጥማታ ዝሰማማዕ ከም ዝዀነ ትገልጽ።

ዝዀነ ይዅን ናይ ምሕባእ ሓሳብ ሓሶትን ሻራዊን ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ መርመራ ሬሳ ስድራቤት፡ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፖሊስን ኣባላት ሕክምናን ኣብ ዝተረኸቡሉ ከም ዝተኻየደ ወሲኻ ገሊጻ።

ከም ሚኒስተር ምዃና መጠን ኣብ መርመራ ሬሳ ክትሳተፍ ግቡኣ ምዃኑ ብምምጓት፡ ንዝዀነ ፖለቲካዊ ረብሓ ተረኺባ ዝብል ሓሳብ ነጺጋ።

ቢቢሲ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኣብታ ፊልም ዘሎ ክስታት ሒዙ ናብ ዶክተር ኦዊዝ ቀሪቡ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ዶክተር ግን መልሲ ክህብ ኣይፈቐደን።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ቱራይ፡ ኣማራጺ ስርዓታት ወይ ደም ዘየፍስስ ቦንዶ ዝበሃል ዘይክንሽብ ፈላማይ ማሕበር ቦንዶ መስሪታ።

ደቂ ኣንስትዮ፡ ምኽንሻብ እንተቋሪጸን እቲ ቦንዶ ንባዕሉ ክጠፍእ ከምዝኽእል ትኣምን።

"ደቂ ኣንስትዮን ኵሉ ሰብብ ብዛዕባ ምቝራጽ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ምጕስጓሶም እንተቐጺሎም፡ ቦንዶ ኣብ ዝጠፍኣሉ ደረጃ ክበጽሕ'ዩ።"