ኣብ ነፍሲ ወከፍ 11 ደቒቕ ሓንቲ ሰበይቲ ብሰብኣያ ወይ ዘመዳ ትቕተል- ሕቡራት ሃገራት

ጾታዊ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Ravikiran Rajagopal / EyeEm

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 11 ደቒቕ ሓንቲ ሰበይቲ ብስብኣያ ወይ ድማ ብኣባል ስድራ ከምእትቕተል ተዛሪቡ።

እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ እቲ ቅትለት እተን ደቂ ኣንስትዮ 'ድሕነቱ ዝተሓለየ' ኢለን ኣብ ዝኣምናሉ ኣብ ገዛውተን ዝፍጸም ምዃኑ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓንቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ በጺሕዎ ከም ዝፈልጥ ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ዓመታዊ ዳህሳስ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከባሉ ኩነታታት (Status of Women) ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ "ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐን ዛሻቕልን ለበዳ" እዩ ክብል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ተዛሪቡ።

ጾታዊ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲ ታት ንምትራፍ፡ ተራ ደቂ ተባዕትዮ እንታይ ክኸውን ይግበኦ ዝብል ኣብቲ መድረክ ተልዒሉ ነይሩ።

"መጥቃዕቲ ንምክልኻል፡ እቲ ፈላማይ ስጉምቲ ልቢ ደቂ ተባዕትዮ ምቕያር እዩ። እቲ ጸገም ዝፈጥሩ ዘለው ንሳቶም እዮም። እቲ ጸገም ደው ከብልዎ ዝኽእሉ ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም" ኢሉ ጉቴሬዝ።

ጉቴሬዝ ኣብ ዝገበሮ ዘረባ፡ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ተባዕታይ "ኣብ መስተዋት ጠጠው ኢሉ ዕብለላ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ሱር መሰረቱ ምሒኻ ንምንቃል ቃል ክኣቱ ኣለዎ" ኢሉ።

ወሲኹ'ውን፡ "ሓደገኛ ስምዒታት ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ንምጥፋእ፡ ባህሊ ዝጽዕኖ ዝንቡዕ ኣረኣእያ ንምቕራፍ፡ ከምኡ 'ውን ንዘመናት መንቀሊ መጥቃዕቲ ዝኾነ ኣድልዎ ንምዕጋት ንባዕሉ ቃል ክኣቱ ኣለዎ" ኢሉ።

ጾታዊ መጥቃዕቲ ንምክልካል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ጥዑይ ተባዕታይ (positive masculinity) ዛጊድ ን880 ሺሕ ደቂ ተባዕትዮ ኣምሂሩ ኣሎ።

ነዞም ደቂ ተባዕትዮ፡ ጎንጺ ብሰላማዊ መገዲ ብኸመይ ምእላይ ከም ዝከኣልን ጥዑይ ርክብ ብኸመይ ምፍጣር ከም ዝከኣል ግንዛበ ተዋሂብዎም።

እንተኾነ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ እዚ ክሰራሕ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ሕድሕድ ኣባላት ሃገራት፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ጠጠው ዘብልሉ ኣንፈት ክነድፉ'ውን ሓቲቱ።

ኣብ ኣፍሪቃ ምምሕያሻት ይረአ ኣሎ

ፈንድ ስነ ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤፍፒኤ) ን 'ኢኳሊቲ ናው' ከም ዝብልዎ ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ መጥቃዕቲ ምምሕያሻት ኣርእያ ኣላ ይብል።

ኣብታ ኣህጉር ዝተርአየ ምምሕያሻት መጠን ምኽንሻብ ዘካትት እዩ።

እዚ እቶም ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝሰርሑ ሰብ ውራይ ተጣሚሮም ብምስርሖም ዝመጽአ ለውጢ'ዩ ተባሂሉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ 11 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝድህስስ ኮይኑ፡ ዝኾነ ይኹን ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝድህስስ እዩ።

እዘን 11 ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጒኒ፣ ኬንያ፣ ላይቤሪያ፣ ማሊ፣ ሴኔጋል፣ ሴራሊዮን፣ ሶማሊያ፣ ታንዛንያን ኡጋንዳን እየን።

ዝተረፉ ሃገራት ኣፍሪቃ ዛጊድ ምኽንሻብ ብሕጊ ኣይኣገዳን።

ኣብ 'ኢኳሊቲ ናው'፡ ሓላፊት ደው ምባል ጎዳእቲ ልምድታት ኣሴናት ሚትሀይ "ምኽንሻብ ብሕጊ ክእገድ፣ ፖሊሲ ክቕረጽ፣ ሃገራዊ ትልሚ ክንደፍ በጀት ክምደብን ዕቱብ ፖለቲካዊ ቆራጽነትን የድሊ" ኢላ።