ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝፍጠር ጾታዊ ዓመጽ ከመይ እዩ?

ፍትሕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣስታት 736 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ኣብ ህይወተን ሓንሳብ ካብ መጻምድተን ወይ በዓል ሓዳረን፣ ካብ ቀረብአን ወይ ጓና ወይ'ውን ካብ ክልቲኡ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘጋጥመን ጸብጻባት ይሕብሩ።

መብዛሕትኡ እቲ ጾታዊ ዓመጽ፡ ብበዓል ቤተን፡ ወይ ካብ ዝፈትሐኦ በዓል ሓዳረን ነበር፡ ወይ'ውን ናይ ቀረባ መጻምደን ዝፍጸም ኮይኑ፡ ልዕሊ 640 ሚልዮን ዓቕመ ሄዋን ዝበጽሓን ዘይበጽሓን፡ ካብ ደቂ 15 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድመአን ደቀንስትዮ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ይሳቐያ።

ክኢላ ዕብየትን ምዕባለን፡ ኣባል 'መርበብ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ' ዶክተር ኣስያ ዓብደልቃድር፡ ንደቀንስትዮ፡ እቲ ዝኸፍአን ዘይንገርን፡ ዝበዝሕ ግዜ እውን ሪፖርት ዘይግበርን እቲ ካብ መጻምደን ወይ በዓል ሓዳረን ዘጋጥመን ዓመጽ ምዃኑ ትጠቅስ።

" ኣብ ገዛኻ ዘጋጥመካ ነገር ናብ ፖሊስ ከይድካ ክትዛረብ ወይ ምስ ካልእ ሰብ ከተዕልለሉ ኣጸጋሚ'ዩ። እዚ ካብቲ ዝበርትዐን ስኑድ ዘይኮነን ጾታዊ መጥቃዕትን እዩ" ከኣ ትብል።

እቲ ውሽጢ ሓዳር ወይ ፍቕራዊ ምሕዝነት ዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብግልጺ ዘይዝረበሉ፡ ናብ ፖሊስን ኣካላት ጸጥታን ዘይቐርብ፡ እቲ ሕብረተሰብ እውን ከም ዘጋጥም ተርእዮ ዘይፈልጦ ምዃኑ ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ይገልጹ።

ኣባል ምንቅስቓስ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያን 'የለው ሙቭመንት' በዓልቲ ሞያ ሕጊ ወይዘሪት ረድኤት ባያሌው፡ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ እቲ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ዝተቐራረበን ኣብ ኣነባብራኡ ጽግዕተኛ ናይ ስድራ ቤት ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽ ኣይውግዐሉን'ዩ ትብል።

እቲ ሕብረሰተብ፡ ነታ መባእታን መሰረትና ዝኾነት ስድራ ቤት ልዑል ቆላሕታን ክብርን ስለዘለዎ፡ ህላዌኣን መሰረታን ብጾታዊ ጉዳያትን ንሱ ዘስዕቦ ነገርን ኣግሂድካ ብምዝራብ ኣብ ሓደጋ ንከይትወድቕ ስክፍታ ከምዘለዎ እያ ትኣምን።

"ኣብ ሕጊ ቤተሰብ ኢትዮጵያ፡ ዝኾነ ሓዳር [ከም] ሓዳር [ክጽዋዕን] ተቐባልነት ክህለዎን እንተኾይኑ [እቶም ተጻመድቲ] ጾታዊ ርክብ ክህሉዎም ኣለዎ ተባሂሉ ስለ ዝውሰድ፡ ዘቤታዊ ዓመጽ ንክውስኽ ምኽንያት ይኸውን እዩ" ትብል።

ከም እምነት ወይዘሪት ረድኤት፡ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽ፡ ጾታዊ ርክብ ካብ ፍቓድ እቲ ኻልኣይ ወገን ምስ ዝፍጸም እዩ።

በዚ ሓሳብ እትሰማማዕ ዶክተር ኣሲያ ብወገና፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብዘይድልየታ ወይ ኣይደለኹን እናበለት እንከላ እቲ መጻምድታ ጾታዊ ርክብ ክገብር ወይ ከገድዳ እንተፈቲኑ ከም ጾታዊ ዓመጽ'ዩ ዝቑጸር ትብል።

"ዋላ እውን [በዓልቲ ቤትካ] ትኹን፡ ፍቓድ እንተዘይሂባትካ ከተገድዳ ኣይግባእን እዩ። ክልቲኤኻ ተሰማሚዕኻ እምበር፡ ሰበይትኻ ስለ ዝኾነት ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ንጾታዊ ርክብ ምግዳድ ዓመጽ እዩ" ትብል።

ንዓይ እቲ ጸገም ዝኸውን ጾታዊ ርክብ ካብ ፍቓድ ወጻኢ ክኸውን እንከሎ እዩ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓዳር ዝግበር ጾታዊ ዓመጽ ከኣ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝሓወሰ እዩ። ፍቓድ ዘይርድኦ ሰብ እንተኾይኑ ናብ ኣካላዊ መጥቃዕቲ'ውን ይሰጋገር እዩ።

ገበን ሕጊ [criminal code] ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ 'ብዘይፍቓድ' ዘጋጥም ኢሉ ዝገልጾ'ኳ እንተኾነ "ከም ገበን ግን ዝቖጽሮ ኣይኮነን" ትብል።

ምኽንያቱ ክተረድእ እንከላ ድማ፡ እቲ ናይ ገበን ሕጊ ካብ ሓዳር ወጻኢ ንዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽ ጥራይ ከም ዓመጽ ስለ ዝቖጽሮ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዘጋጥም ዓመጽ ከም ገበን ኣይቖጽሮን ኢላ።

"ዝኾነ ሰብ ኣገዲዱ ጾታዊ ርክብ እንተፈጺሙ ምዕማጽ እዩ ዝኸውን። ኣነ ድማ ከም ተሓላቂት መሰላትን ከም ውልቀቨሰብን ኣብ ሓዳር ይኹን ኣብ [ጾታዊ ዝምድና] ፍቓድ መጻምዲ ከይረኸብካ ብሓይሊ ዝግበር ነገር ከም ዓመጽ እየ ዝቖጽሮ። ንዓይ ፍቓድ እቲ ዝዓበየ ነገር'ዩ" ትብል።

እዚ ኣብ ውሽጢ ሓዳር የጋጥም'ዩ ዝብሃል ጾታዊ ዓመጽ ብሕጋዊ መገዲ ዝእለዩ ኣገባብ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ዝፈላለ ኮይኑ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ነዚ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽ ዝቐጽዕ ሕጊ እኳ እንተዘይብለን ከም ጀርመንን ኣመሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት ግን ነዚ ዝከታተልን ዝቐጽዕን ሕጊ ኣለወን።

እተን ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ፣ ዘይተደለየ ጥንሲ፣ ብጾታዊ ርክብ ንዝመሓላለፉ ሕማማትን ኤችኣይቪን ካልእን ናይ ምቅላዕ ዕድለን ዝለዓለ'ዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ምስ ኣንጻራዊ ጾታ ምሕዝነት ካብ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ እተን 42 ሚኢታዊት ካብ ኣፍቀርተን ወይ በዓል ቤተን ኣካላዊ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ በጺሑወን'ዩ ይብል።

ብፍላይ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝወሰኸ ዝገለጸት ዳይሬክተር ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፑምዚሌ ማላምቦ-ጉካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ [2020 ዓ.ም] ብደረጃ ዓለም 243 ሚልዮን ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ብናይ ቀረባ መጻምድተን ኣካላውን ጾታውን ዓመጽ ከም ዝበጽሐን ሓቢራ።

ካብአን ትሕቲ 40 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን ነቲ ዘጋጠመን ጾታዊ መጥቃዕቲ ሪፖርት ዝገብራ ወይ'ውን ሓገዝ ዝሓታ።

ፍቓድ እንታይ'ዩ?

ኣብ ዓለም መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ብበዓል ቤተን፣ ወይ ካብ ሰብ ሓዳረን ነበር ወይ መጻምደተን ጾታውን ኣካላውን ዓመጽ ከምዘጋጥመን ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረድእ።

እዚ ብዘይ ፍቓድ እታ ጓል ኣንስተይቲ ብሓይሊ ዘጋጥም ምዃኑ ወሃብቲ ርኢይቶ ይሰማምዑሉ። ፍቓድ [ኮንሰንት] ክብሃል እንከሎ ግን እንታይ'ዩ?

ብኣበሃህላ ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ረድኤት፡ ጾታዊ ፍቓድ ዝብሃል፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዓርሳ/ነብሳ ኣብ እትፈልጠሉ ሰዓት፡ [ኣልኮል ወይ መዐወኒ ሓሽሽ ወሲዳ ውኒኣ ኣብ ዘይዘንግዐትሉ] ኩነታት እንከላ እትህቦ ወለንታዊ ፍቓድ እዩ።

ብተወሳኺ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ንእትህቦ ውሳነ ሳዕቤኑ ዘገናዘበ ክኸውን ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ስለ ዘይውሰድን ብሕጊ ትሕቲ ዕድመ ስለ ዝኾነትን 'እወ ይደሊ'የ' ዝብል ፍቓድ ክህልዋ'ዩ ኢላ ከም ዘይትኣምን ትዛረብ።

"ንዓይ እቲ ካብታ ጓል ኣንስተይቲ ዝወሃብ ፍቓድ ድማ ኩሉ ግዜ ዝሕደስ እዩ፤ ንኣብነት ጋሻ መጺኡ ቡን ከፍልሐልካ ትደሊ'ዶ? ኻልኣይኸ ክደግመኩም'ዶ" ኢልና ኢና ንሓትት። ጾታዊ ርክብ'ውን ከምኡ ፍቓድ ምሕታት የድልዮ'ዩ" ኢላ።

ይኹን'ምበር፡ ብፍላይ መጻምድኻ እንተዓሚጹካ ክትዛረብ ብዙሕ ሰብ ስለ ዘይኣምነካ ሕብረተሰብ'ውን ኣብ ውሽጢ ሓዳር ጾታዊ ዓመጽ ኣሎ'ዩ ኢሉ ዘይኣምነሉን ዘይቕበሎን እንተኾይኑ እቲ ጸገም ኣዝዩ ዝኸበደ ከምዝኸውን ዶክተር ኣስያ ትዛረብ።

"ጾታዊ ማዕርነት ስለ ዘየሎ፡ ኩሉ ግዜ ዘቤታዊ ዓመጽ ከጋጥም'ዩ። ኣብ ኣፍሪቃ እቲ መቕጻዕቲ እውን ዝበዝሕ ናብተን ግዳያት ዘዘንበለ'ዩ፤ ብዙሕ ሕቶ ይመጽአን። ምስኡ እንታይ ርክብ ነይሩኪ? ምሸት'ዶ ወጺእኺ? እንታይ ተኸዲንኪ ነይርኪ? ኣብ ምንታይ ነይርኩም? ዝብሉ ሕቶታት እዮም ዝመጽኡ" ክትብል ተብርህ።

ኣብ ገለ ባህሊ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን'ውን ክሳብ ቐረባ ግዜያት ብጾታዊ ዓመጽ ግዳይ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ክብሪ ስድራቤት ንከይጉዳእ ብዝብል ነቲ ዓማጺኣ ከምእትምርዓዎ ይግበር ነይሩ'ዩ። እዚ ነገር እዚ ሕጂ'ውን ጌና ዘይተሰግረ ጸገም ከም ዝኾነ እተን ወሃብቲ ርኢይቶ ይዛረባ።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ ንምክልኻልን ንምውጋድን ንኽልቲኡ ጾታ ማዕረ ዝገበረ ቓልሲ ክካየድ ከም ዘለዎ ዶክተር ኣሲያ ትገልጽ።

"ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሑስ ከባቢ ክነብራ ኣለወን፤ ደገ ወጺአን ዘይፈርሓሉ፣ ምስ ወዲ ተባዕታይ ዓርከን ብሰላም ዝርኣያሉ ሕብረሰተሰብ ኢና ንደሊ እምበር ነታ ዝተዓመጸት ሕቶ ዘምጽኣላ እንተኾይኑ እቲ ጸገም ክቕየር ኣይክእልን'ዩ" ብምባል እቲ ጉዕዞ ምጥባቕ መሰላት ሓያል ቓልሲ ዝሓትት ምዃኑ ኣገንዚባ።

ምክትል ዞባዊ ዳይሬክተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ዘቢብ ካቩማ ብወገና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ፡ ዓመት ሙሉእ ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሸት መዓልታዊ ክንቃለሶ ዝግብኣና ነገር'ዩ ብምባል ብፍላይ ብናይ ቐረባ መጻምዲ ዝፍጸም ዘቤታዊ ዓመጽ ንምውጋድ ቃልሲ ዝሓትት ምዃኑ ሓቢራ።

"ዓመጻት፡ ዘቤታዊ፣ ቁጠባውን ጾታውን ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። ዓመጽ ኣብ ዝኾነ ቦታ ወይ ግዜ እንተተፈጺሙ ዓመጽ'ዩ፤ ኣኸለ! ዓመጽ ክህሉ የብሉን። እቶም ዝበደሉ ከምዝሕተቱ ክንገብር፡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ማዕረ ምዃነን ንምርዳእ ኣካል እቲ ቓልሲ ክኾኑ ኣለዎም። ኩላትና ንሓድሕድና ንደላለ ኢና" ኢላ።