ኣል ሓበሻ፡ ኣብ ዱባይ ባህላዊ መግቢ ኢትዮጵያ ዘላለየ ቤት መግቢ

ወይዘሮ ሳራ መግቢ እናዳለወት

ምንጪ ስእሊ, AL HABESHA/YOUTUBE

ኣል ሓበሻ ሬስቶራንት፡ ናብ ዱባይ ዝበጽሐ ዝዀነ ኢትዮጵያዊ መግቢ ሃገሩ እንትናፍቘ ኣትዩ ዝምገበሉ ቤት መግቢ’ዩ።

እዚ፡ ኣብታ ሃገር ንልዕሊ 26 ዓመታት ባህላዊ መግቢ ኢትዮጵያ እናላለየ ይርከብ።

ኣል ሓበሻ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ትሕዝቶ መሬት እንከይሰፍሐ፡ ኣዝዩ ንኡሽቶ ቤት መግቢ ከም ዝነበረ ዋና እቲ ሬስቶራንት ወይዘሮ ሳራ ኣራዲ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ገሊጻ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ክኣ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኢመራት ትሽዓተ ጨናፍር ኣለዎ።

ኣብ ኵሎም ኣብያተ መግቢ ልዕሊ 40 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ተቘጺሮም ይሰርሑ። መብዛሕትኦም ግን ኢትዮጵያውያን’ዮም።

ኣብዚ ቤት መግቢ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ሃብቲ ከም ዘፍረየት እትገልጽ ወይዘሮ ሳራ፡ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ደረጃ ንምብጻሕ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ብዙሓት ብድሆታት ከም ዝሓለፈት ትዛረብ።

ሳራ፡ ብ1985 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ)፡ ጓል 21 ዓመት እንከላ እያ ንፈለማ እዋን ናብ ዱባይ ከይዳ። ኣብቲ እዋን፡ ሰሪሐ ክልወጥ ዝብል ተስፋን 500 ዶላርን ጥራይ ሒዛ ከይዳ።

ካብ እዋን ቁልዕነታ ኣትሒዙ ድማ፡ ተውህቦን ፍቕርን ምድላው መግቢ ነይሩዋ። ናብ ዱባይ’ውን በዚ ሞያ እያ ከይዳ።

መሓዝኣ ኣቐዲማ ናብ ዱባይ ከይዳ ስለ ዝነበረት፡ “ናብ ዱባይ መጺእኺ ናይ መግቢ ስራሕ እንተትጅምሪ ኣብ ሓጽር ግዜ ክትልወጢ ኢኺ” ትብላ ከም ዝነበረት ትዝክር።

እዚ፡ ኣብ ዘይትፈልጦ ሃገር ከጸግማ ከም ዝኽእል ይስምዓ ስለ ዝነበረ ግን ነዚ ምኽሪ ብዙሕ ትኹረት ከይሃበትሉ ትጸንሕ። መሓዝኣ ክኣ፡ ሳራ ሓሳባ ክሳብ እትልውጥ ብተደጋጋሚ ዓዲ ክትቅይር ከም ዘለዋ ትነግራ።

ኣብ መወዳእታ፡ “ክፍትኖ እሞ ንተዘይሰሚሩ ካልእ ኣማራጺ ክእልሽ’የ” ብዝብል ውሳነ ክኣ ዕድመ መሓዝኣ ተቐቢላ ናብ ዱባይ ትኸይድ።

ኣብኡ ምስ በጽሐት ግን፡ ብዙሓት ነገራት ከምቲ ዝሓሰበቶም ኣይኳዓኦኑን።

ስራሕ ንምጅማር ቦታ ሓርያ ገዛ ተኻርያ፤ እዚ ብኢትዮጵያውያን ደለልቲ ዝረኸበቶ ነበረ።

ናይ ክልተ ወርሒ ቅድመ ክፍሊት እኳ እንተፈጸመት፡ እቲ ገንዘብ (ኣስታት 10 ሽሕ ድርሃም) ናብ ዋናታቱ ኣይበጽሐን።

እቶም ደለልቲ ነዚ ገንዘብ ሒዞም ተሰዊሮም፤ ሳራ ገንዘባ ከተምልስ ብዙሕ እንተደኸመት’ውን ኣይሰለጣን።

ዳግም ክንድ’ዚ ዝኣክል ገንዘብ ከፊላ ስራሕ ክትጅምረሉ እትኽእል ዓቕሚ ኣይነበራን። ስለዚ፡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ።

ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመልሰት፡ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ’ኳ እንተፈተነት ቀልባ ኣብ ዱባይ ስለ ዝነበረ ሒደት ገንዘብ ኣዋህሊላ ዳግም ናብ ዱባይ ከይዳ።

ሳራ፡ ምስ ዓማዊላ

ምንጪ ስእሊ, Sara

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብ1991 ዓ.ም ድማ ኣብ ዱባይ ፈላማይ ቤት መግቢ ‘ኣክ ሓበሻ’ ከፊታ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ዱባይ ዝነበሩ ብዝሒ ኢትዮጵያውያን ኣዝዩ ውሑድ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ዓሚል ኣይነበራን።

ንዜጋታት እቲ ዓዲ ናይ ኢትዮጵያ መግቢ ምልማድ ክኣ ከቢድ ኰነ።

በዚ ምኽንያት፡ ቀንዲ ስርሓ መግቢ ኣዳሊኻ ናብ ዓማዊል ምብጻሕ’ዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ዕለታዊ ስርሓ መግቢ ምስራሕ፣ እቲ ዝተዳለወ መግቢ ናብ ዓማዊል ምብጻሕ፣ ካብ ኢትዮጵያ ዝእዘዙ እታወታት ካብ መገዲ ኣየር ምቕባል . . . ነይሩ።

ኣብቲ ቤት መግቢ ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ ናይ ምቑጻር ዓቕሚ ስለ ዘይነበራ ክኣ ኵሉ ዓርሳ ትውግኖ ከም ዝነበረት ትዛረብ።

“24 ሰዓታት፡ ሓሓሊፉ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ከይደቀስኩ ዘሕልፎም መዓልታት ነይሮም” ትብል።

ቀስ ብቀስ ግን እቲ ቤት መግቢ ዓማዊል ክለምድ ጀሚሩ፤ “ኣዝዩ በዳሂ እዋን ገጢሙኒ ነይሩ” እትብሎ ድማ ቈልዓ ዝወለደትሉ እዋን እዩ።

ሽዑ፡ ካብ በዓል ቤታ ዝረኸበቶ ሓገዝን ሞራልን ክኣ እዚ ግዜ ክትሓልፎ ከም ዝሓገዛ ትገልጽ።

“ኣነ ናብ ስራሕ ክወፍር እንከለኹ በዓል ቤተይ ቈልዓ ይሕዝ፤ ስራሕና ክሰልጥ ክኣ የተባብዐኒ” ኢላ።

ብኣንጻሩ፡ መሓዙተይ “ጽባሕ ገዲፍክዮ ንእትኸዲ ነገር ብዙሕ ድኻም ኣየድልዮን ይብሉኒ ነይሮም። ኣነ ግን ሕልመይ ንክግሃድ ድልየት ነይሩኒ፤ እዚ ክኣ ብምስራሕ ጥራይ እየ ከዐውቶ ዝኽእል። ሕልመይ ክሰምር እንከሎ ኽኣ፡ ብውሳነታተይ ልክዕ ከም ዝነበርኩ ክርድኣኩም’ዩ” ይብሎም ነይረ ትብል።

ሳራ፡ ጐና ጐኒ ኣብ ኢትዮጵያ ንእሽቶ ድኳን ብምኽፋት ናይ ህንዲ ፊልም ዝተጽዓኑ ቪኤችኤስ ካሴታት ናብ ኢትዮጵያ ትልእኽ ነይራ።

ብዙሓት ዓማዊል ነዚ ብሃንቀውታ ይጽበዩዎ ነይሮም፤ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ካብ ዓማዊላ እቲ ሓደ ከም ዝነበረ ትዛረብ።

ቀጺላ፡ ሞባይል ስልክታት፣ እኩያለን ካልኦትን ብምልኣኽ እቲ ንግዲ ኣጠናኺናራቶ። እቲ ቤት መግቢ እናለመደ ምስ ከደ ክኣ ሙሉእ ትኹረታ ኣብ ሬስቶራንት ኣል-ሓበሻ ገይራ።

ንዝሓለፉ ልዕሊ 26 ዓመታት ኣብ ኢመራትን ዝተፈላለዩ ጨናፍር ዝኸፈተ ሬስቶራንት ኣል-ሓበሻ ንዝተፈላለዩ ሽልማታት በቒዑ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, AL HABESHA/YOUTUBE

መግለጺ ስእሊ, ንዝሓለፉ ልዕሊ 26 ዓመታት ኣብ ኢመራትን ዝተፈላለዩ ጨናፍር ዝኸፈተ ሬስቶራንት ኣል-ሓበሻ ንዝተፈላለዩ ሽልማታት በቒዑ'ዩ

ሳራ፡ ‘ናይፍ’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዱባይ’ያ ናይ መጀመርታ ቤት መግቢ ከፊታ። ድሕሪኡ፡ ‘ፍሪጅ ሙራር’ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ካልእ ጨንፈር ከፊታ። ንካልኦት ሰራሕተኛታት’ውን ዕድል ስራሕ ክትፈጥር ጀሚራ።

ሕቡራት ኢመራት ዓረብ፡ ዜጋታት ብዙሓት ሃገራት ዝመርጹዋ ማእከል ቢዝነስ እናዀነት ምስ ከደት ድማ፡ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን’ውን ክውስኽ ጀሚሩ።

እተዳልዎ መግቢ ተፈታዊ እናዀነ ምምጽኡ ዝተዓዘበት ሳራ፡ ኣብ ኣቡ ዳቢ፣ ኣጅማን፣ ሻርጃን ራሰ ኣልኬማን ኣብ ዝተባህሉ ከባቢታት ኢመራት ሓዊሱ 11 ጨንፈራት ከፊታ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሬስቶራንት ኣል-ሓበሻ 26 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ። ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክልተ ጨንፈራት እቲ ቤት መግቢ ከም ዝተዓጽው ትገልጽ።

ኣብ ዱባይ ኣዝዩ ዘጸግም ነገር እንጀራ ምስንካት እዩ፤ ሳራ ኰነት ካልኦት ኣብያተ መግቢ ብተደጋጋሚ ፈቲኖምዎ ዘይተሳኽዐሎም ነገር እንተሃለወ’ውን እንጀራ ምስንካት እዩ፥

እቲ እንጀራ ኣብኡ ክስንከት እንከሎ፡ ቀልጢፉ ይደርቕ፣ ጣዕሙን ሕብሩን ይቕይር፤ ትኽክለኛ ቅርጹ’ውን ሒዙ ኣይወጽእን።

ኰን ዶ’ዀን እቲ ጸገም ናይ ማይ ይኸውን ብዝብል፡ ማይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጽዒኖም ብምውሳድ ፈቲኖምዎ እዮም። እንተዀነ፡ እዚ’ውን ለውጢ ኣየምጽአን።

በዚ ምኽንያት፡ እቶም ኣብያተ መግቢ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ እንጀራ’ዮም ዝጥቀሙ።

ሳራ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ መሰንከቲ እንጀራ ኣለዋ፤ ኣብዚ 20 ኣደታታት ተቘጺረን ይሰርሓ ኣለዋ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝስንከት እንጀራ ድማ፡ መዓልታዊ ናብ ዱባይ ይልኣኽ።

“እንጀራ ብመንጽር ጥዕና ጽቡቕ’ዩ ስለ ዝበሃል፡ ደቂ እዚ ዓዲ’ውን ለሚዶምዎ ናባና መጺኦም’ዮም እንጀራ ዝወስዱ” ትብል።

እቲ ሬስቶራንት ስራሕ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኢትዮጵያውያን ተቘጺሮም ከም ዝሰርሑ ትዛረብ።

“ናብ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጐ ዝተመልሱ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ዝዀኑ ናይ ባዕሎም ስራሕ ከፊቶም ኣብ ዓብዪ ደረጃ በጺሖም’ዮም”።

ሳራ፡ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ምልላይ ዓብዪ እጃም ኣበርኪተ እየ ኢላ ትኣምን።

“ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተቐያየሩ ኣምባሳደራት ንላዕሊ ንሃገረይ ከም ዘላለኹ ይስምዓኒ” ትብል።

ኣብ ሬስቶራንት ኣል-ሓበሻ ካብ ሞንጐ ዝተቘጸሩ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዝዀኑ ባንግላዲሻዊ ዳዱ፡ ን16 ዓመታት ኣብቲ ቤት መግቢ ሰሪሑ’ዩ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣሳሳዪ ኰይኑ ክሰርሕ እንከሎ፡ ሕጂ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ዱባይ ዝልኣኽ እንጀራ ናብ ካልኦት ግዝኣታት ኢመራት ካብ ሞንጐ ዘብጽሑ መራሕቲ መኪና ሓደ’ዩ።

ካልእ ን17 ዓመታት ዝሰርሐ ህንዳዊ’ውን ኣሎ፤ እዚኦም ቋንቋ ኣምሓርኛ’ውን ለሚዶም ስርሖም ብግቡእ ዝሰርሑ ዘለው ሰራሕተኛታት እዮም።

ሳራ፡ ካብ መንግስቲ እታ ሃገር ዝረኸበቶ ሓገዝን ምትብባዕን ልዑል ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ደቂ እቲ ዓዲ “ሰሪሕና ክንልወጥ ክርእዩ እንከለው ‘ፈጣሪ ይሓግዝኩም’ ካብ ምባል ወጻእ ካልእ ክፉእ ነገር ኣይሓስቡን” ኢላ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብታ ሃገር ስለ ዝተቐመጠት፡ ሕጂ ዱባይ ከም ሃገራ እያ እትቘጽራ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ዓመታዊ ንኣስታት ሽዱሽተ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ከም እትሕግዝ ትዛረብ።

ሰላም እታ ሃገር ምምሕያሽ ምስ ኣርኣየ ድማ፡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ክትሕግዝ ከም እትደሊ ገሊጻ።