ኢጣልያ፡ ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ክሳብ ክንደይ ምችእቲ እያ?

ናብራ ንምቕያር ብዝብል ሃረርታ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ብሰንኪ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኵነታት፡ ሓያለ ዜጋታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ - ብፍላይ ካብዚ ቀረባ ዓመታት ብብዝሒ ናብ ኣውሮጳ ክስደዱ ይረኣዩ።
ኢጣልያ ድማ እታ ቀዲሞም ዝረግጹዋ ሃገር እያ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ብፍላይ ብብዝሒ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ቈሪጾም ኣውሮጳ ክበጽሑ፡ ህይወቶም ኣትሒዞም ብዙሕ ዋጋ ከፊሎም እዮም። ሓያለ ኣብታ ቀዲሞም ዝረግጹዋ ኢጣልያ ሓድሽ ናብራ ስደት ክመርሑ እንከለዉ፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ብዝተፈላለየ መንገዲ ፋሕ ይብሉ።
እዚ ብመሰረት ሕጊ ስደተኛታት 'ደብሊን' ኣብታ ቀዲምካ ዝረገጽካያ ውሕስቲ ሃገር ኣውሮጳ ጥራይ ሕቶ ዕቝባ ከተቕርብ ስለዝፍቀድ፡ ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ዝግበር ስምምዕ እንተዘይተሓዊስዎ፡ እቶም ስደተኛታት ባዕላቶም ዝገብርዎ ምስ ዝኸውን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋራት'ውን ስለዝሕወሶ ህይወቶም ዝተሓላለኸ እዩ ዝኸውን። ሓንሳእ ኣብ ኢጣልያ ዝተሰነደ ኣሰር ኢድ ኣጻብዕ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ መሰል ንምርካብ ፍጹም ስለዘየኽእል፡ ነቲ ኣሰር ብዝተፈላለየ መገዲ ንምጥፋእን መንነትካ ንምሕባእን ዝገብርዎ ጻዕሪ ርእሱ ዝኸኣለ ዛንታታት እዩ።
እዚ ይዅን ግን፡ ነዚ ኵሉ ዝተሓላለኸ ኵነታት ስደትን መስርሕ ሕቶ ዕቝባን ምስጋር ዝሰኣኑ ወይ'ውን፡ ኢጣልያ ከም ዓዲ ስደቶም ተቐቢሎም ቀልጢፎም ኣብ ናብራኦም ዘድህቡ ስደተኛታት እዘን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ዓዲ ዘጋጥሞም፡ ምስ ምጅማር ሓድሽ ስርዓተ ናብራ፡ ምምላኽ ቋንቋን ባህልን፣ መስርሕ ምውህሃድ... ዝኣመሰለ ብሆታት'ውን ንባዕሉ ቀሊል ኣይኰነን። ነዚ ክውንነት እዞም ስደተኛታት ንምርኣይ ዝኣክል እምበኣር ኣብታ ሃገር ናይ ዝነብሩ ገለ ስደተኛታት ኣብነት ቀሪቡ'ሎ።
በእድሉ መንገሻን ኣበባ ተስፋይን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እዮም ካብ ሱዳን ተበጊሶም፤ ዶብ ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ሰጊሮም ክኣ ኣብ ኢጣልያ በጺሖም።
ክልቲኦም ግን ኣብቲ ጕዕዞ ከቢድ ብድሆ እዮም ርእዮም።
ኣብ ጽምዋ በረኻ ወዲቘም ዝተረፉ ሬሳታትን ኣዕጽምቲ ሰባትን እናረኣዩ፡ እናተሃረሙ፡ እናጠመዩን እናጸምኡን ከምኡ’ውን ብህይወቶም 'ጠላዕ እናተጻወቱ' ናብ ኢጣልያ ካብ ዝኣትዉ ዓመታት ኣሕሊፎም ኣለዉ።
እታ ተስፋ ዝሰነቝላ ሃገር ግን ብኸመይ ተቐቢላቶም?
ኢጣልያ፡ ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ክሳብ ክንደይ ምችእቲ እያ? በእድሉ መንገሻን ኣበባ ተስፋይን ታሪኾም ንቢቢሲ ኣካፊሎም ኣለዉ።
__________________
በእድሉ መንገሻ ሓሓሊፉ ብዕድሉ እናሓዘነ፡ ካልእ ግዜ ድማ እናተጸናንዐ እዩ ናብ ኢጣልያ በጺሑ።
ሰሃራ ሰጊሩ ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝስደደሉ ዝነበረ እዋን ሞት ርእዩ፡ ተሃሪሙ፡ ተኣሲሩ፡ ሰብ ክጻወሮ ዝኽእል ዘይመስሎ "ኵሉ ጸበባ" ርእዩ። ኣብ ርእሲኡ ኣጻምእን ነድሪ በረኻን ተቓሊሱ እዩ።
"ኣነ ክመጽእ ከለኹ፡ ነዚ ኵሉ ምጽዋር ስኢኖም ዝሞቱ ብዙሓት ሰባት ነይሮም" ይብል።
ኣበባ ተስፋይ እውን ነቲ በእድሉ ዝኸደሉ መንገዲ ሓሊፉቶ እያ።
ኣብ መቐለ ተወሊዳ፡ ኣብ መቐለን ኤርትራን ዝዓበየት ኣበባ፡ ናብ ኢጣልያ ንምእታው ከቢድ ዋጋ ከፊላ’ያ።
ኣበባ ኣብ ንእስነታ ዝወለደታ ጓላ ገዲፋ "መጻኹ" ኢላ እያ ካብ ገዛኣ ወጺኣ። እንተዀነ፡ ናብ ዓዳ ከይተመልሰትን ንጓላ ከይረኸበትን ዓመታት ኣሕሊፋ።
ኣበባ ካብ ገዛኣ ክትወጽእ እንከላ ኢጣልያ ኣብ ኣእምሮኣ ኣይነበረን። ሓሳባ ኣብ ካልእ ከተማ ኢትዮጵያ ሰሪሓ ንስድራኣ ክትሕግዝን እዩ ነይሩ።
ኣጋጣሚታት ግን ናብ ዘይሓሰበቶ ኣንፈት መሪሖምዋ።
ፈለማ ኣብ መተማ ሻሂን ቡንን ክትሸይጥ ጀሚራ፤ ደሓር ግን ሰባት ኣብ ሱዳን ዝሓሸ ገንዘብ ከም እትረክብ ምስ መኸርዋ ናብኡ ኣቕኒዓ። ኣብ ሱዳን ከም ሓላዊት ገዛ ኰይና ትሰርሕ ነይራ።
ካልእ ስራሕ እውን ፈቲና’ኳ እንተነበረት፡ ነገራት ግን ኣይሰመሩላን።
ኣብ ሱዳን ዝተላለየቶም ሰባት ድማ ናብ ኢጣልያ እንተሰጊራ “ካብዚ ዝሓሸ ህይወት” ከም ዘጋጥማ ነጊሮምዋ።
ሰጋእ መጋእ ኣይበለትን፤ እቲ “ዝሓሸ ህይወት” ዝበልዋ ክትረክብ ናብ ካልእ ስደት ኣትያ።
“ናብ ኢጣልያ ምእታው ንዓይ ሕልሚ እዩ። ኣብ ከባቢና፡ ሰብ ዘለዎ ዘመድ ዘለዎ እዩ ዝኸይድ። ከምኡ እናተነገረና ኢና ዓቢና። ጐረቤት ክኸይድ እንከሎ ሓውን ሓፍትን ኣለዎ ተባሂሉ ይንገረና ነይሩ" ትብል።
ሽዑ ግን ናብ ኢጣልያ እትኣትወሉ ኣጋጣሚ ከም ዘሎ ምስ ፈለጠት፡ ኣብ ሱዳን እናሰርሐት ንጕዕዞ ዝኸውን ገንዘብ ከተዋህልል ጀሚራ።
ዘዋህለለቶ ገንዘብ ከፊላ ንመገሻ ክትዳሎ እንከላ ግን ከም ዝተታለለት ተረዲኣ።
"እቶም ደላሎ ገንዘበይ በሊዖሞ።"
እንተዀነ ተስፋ ኣይቆረጸትን፤ ዳግማይ ተዳልያ ናብ ኢጣልያ ክትበጽሕ ጕዕዞኣ ቀጺላ። እኹል ገንዘብ ስለ ዘይነበራ ግን ኣብ ሊብያ ተቘጺራ ሰሪሓ እያ።
ብድሕሪ እዚ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ክትኣቱ ጕዕዞ ጀሚራ።
ኣብ ጕዕዞኣ ብዘይካ ማእሰርቲ ኵሉ እቲ በእድሉ ዝሓለፎ ብድሆ ኣጋጢምዋ እዩ። ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና እውን ካልእ ተወሳኺ ብድሆታት ከም ዝሓለፈት ትዛረብ።
እዚ ናይ በረኻ ጕዕዞ ህይወት ወዲ ሰብ ዝያዳ ዝሃሰረሉ መንገዲ እዩ። ሞት ቀሊል እዩ፤ ኣስከሬን ሰብ ምርኣይ ዘገርም ኣይኰነን።
ኣበባ ድማ ፈጺማ ዘይትርስዖ ነገር ኣጋጢምዋ እዩ።
ኣብቲ ጽምዋ በረኻ፡ "ኣብ መሬት ዝተሰርሐት ዊግ ረኺበ። ንዓይ ከምኡ እዩ መሲሉኒ። ምስ ኣልዓልክዎ ግን ካብ ትሕቲ እቲ ሑጻ ዓጽሚ ርእሲ ሰብ ተቐልቂሉ" ትብል።
እዚ ነቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዋላ ሓንቲ ማለት ኣይኰነን።
ኣበባ ባዕላ ምስኣ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ክልተ ዜጋታት ሶማልያ በቶም ኣሰጋገርቲ ተቐጥቂጦም ክቕተሉ ርእያ’ያ።

ምንጪ ስእሊ, ABEBA
ካልእ ብድሆ ብመኪና ዝግበር ጕዕዞ እዩ።
በእድሉ ኣብቲ በረኻ ዝገበሮ ጕዕዞ ብፒክኣፕ እዩ ነይሩ፤ ኣብ ሓንቲ ከምዚአን ዝበላ መካይን ክሳብ 30 ሰባትን ኣቝሑትን እዩ ዝጸዓን።
“ሓደ ሰብ እንተወዲቑ ደው ከይብሉ ይኽእል እዮም። ገዲፎምኻ እዮም ዝኸዱ" ይብል።
ኣበባ ናብታ ተስፋ ዝገበረትላ ኢጣልያ ንምብጻሕ፡ ኣብ ንእሽቶ መኪና ምስ 34 ሰባት ተጻዒና እያ ኣብቲ በረኻ ተጓዒዛ።
ነዚ ምስ ሓለፉ ድማ፡ ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ክዳለዉ ኣለዎም።
እተን ዝሰግሩለን ጀላቡ ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ጽዕነት ወይ ከቢድ ማዕበል ጸገም ከጋጥመን ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ስደተኛታት ብህይወቶም "ጠላዕ ክጻወቱ" ይግደዱ።
ብእድሉን ኣበባን ዕድለኛታት ኰይኖም ተዓዊቶም። ነቲ ባሕሪ ሰጊሮም መሬት ኢጣልያ ረጊጾም።
እቶም ዘይተዓደሉ ግን ሽሻይ እቲ በረኻ ወይ ባሕሪ ይዀኑ።
ስለዚ ድማ እዩ በእድሉ፡ "ዝወድቕ እናወደቐ፡ ዝለዓል እናተለዓለ እዩ ኢጣልያ ዝብጻሕ" ዝብል።
ንሱ ነዚ መንገዲ ሓሊፉ ናብ ኢጣልያ ካብ ዝኣቱ 18 ዓመት ገይሩ ኣሎ። ኣበባ ድማ 14 ዓመት ኣቝጺራ እያ።
ክልቲኦም ብህይወቶም ጠላዕ ተጻዊቶም፡ ጠምዮም ጸሚኦም፡ ተቐጥቂጦምን ተኣሲሮምን እዮም ህይወቶም ክልውጡ ተስፋ ገይሮም ናብ ኢጣልያ ኣትዮም።
ቋንቋን ባህልን
ብዙሓት ናብ ኢጣልያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ባህልን ቋንቋን እታ ሃገር ንምትዕጽጻፍ ግዜ ይወስዱ እዮም። ከይለመዱ እውን ዓመታት ዘሕልፉ ኣለዉ።
"ቋንቋ ጸገም'ዩ፡ ብቐሊሉ ኣይንረዳዳእን ኢና። ሓበሻ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታን ህይወትን እዩ ዝነብር። ካልእ ይትረፍ ካብ ጣፍን እንጀራን ኣይንፍለን። ብሓባር ኢና ንውዕል። ቀልጢፍና ቋንቋ ኣይንለምድን፤ ቀልጢፍና ምስ ሰባት ኣይንተሓዋወስን። ከም ናቶም [ተወለድቲ] ዓይነት ህይወት እናነበርካ፡ ዘሎ ተጻዊርካ ኣብ ህይወት ምዕዋት ከቢድ'ዩ" ይብል በእድሉ።
ኣበባ እውን በዚ ትሰማማዕ።
“ምሉእ መዓልቲ ምስ ሓበሻ ኢና ነሕልፎ። ... እግርና እምበር ርእስና ካብ ሃገር ኣይወጸን። 20 ዓመት ወይ 30 ዓመት ዝጸንሑ ኣብ ምምሕዳር ወይ ሕክምና ከይዶም ክረዳድኡ ዘይክእሉ ሰባት ኣለዉ። ሕጂ'ውን ብተርጓሚ እዩ ዝንገሮም።"
ኣበባ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ቋንቋ ስለ ዘይፈልጡ ግዴታኦም ከም ዘይዋጽኡ ትዛረብ። ሕጊን ደንብን ብምጥሓስ ድማ መቕጻዕቲ ይቃልዑ።
መሰሎም ኣብ ምኽባር እውን ብድሆታት የጋጥሞም’ዩ።
ብተወሳኺ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ስደት ተባሂሉ ዝውሰድ ስራሕ ምርካብ እውን ብዘይ ክእለት ቋንቋ ኢጣልያ ዝሕሰብ ኣይኰነን።
በእድሉ፡ “ከምቲ ብደገ ዝረኣይ ኣይኰነን። ኣብዚመጺእኻ ክትርእዮ ከለኻ ከቢድ እዩ። እቲ ቋንቋ ንዓና ሓድሽ እዩ። ምርድዳእ ከይከኣልካ ናይ ስራሕ ዕድል ኣይተርክብን። ኣብ ኣምሓርኛ ዝዝረበሉ ቦታ ውዒልካ እንዳ ኢጣልያዊያን ስራሕ ክትረክብ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ዝኸውን" ይብል።
እቲ ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ባሕሪ ሰጊሩ ናብ ኢጣልያ ዝመጽአ ሓበሻ፡ ቋንቋ ጥልያን ዝወሃበሎም ኣብያተ ትምህርቲ ምርካብ እውን ኣጸጋሚ ምዃኑ ይዛረብ።
ነቲ ቋንቋ ጽቡቕ ገይሩ ዝመልኽ በእድሉ፡ ቋንቋ ጣልያን ከቢድ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣይቅበሎን።
“ቋንቋ ኢጣልያ ከቢድ ኣይኰነን። ደስ ዝብል እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ክንድኡ ዘግልል ኣይኰነን፤ የግዳስ ኵሉ ምስጢራቶም ይነግሩኻ እዮም። [እቲ ቋንቋ] እንተዘይክኢልካ ግን ኣብ ከባቢኡ ክትከውን ዝደሊ ሰብ የለን” ክብል ይውስኽ።
"እቶም ነቲ ቋንቋ ዝለመዱ ሰባት ቅድመና ይዅን ብድሕሬና ኣብኡ ብዝግባእ ተረዳዲኦም ይነብሩ ኣለዉ። ቋንቋ ዘይምፍላጥ ብዙሕ የኽፍል እዩ። ተለማሚድካ ብቕልጡፍ ከምቲ እትደልዮ ዕዉት ንምዃን ዕንቅፋት ክኸውን'ዩ።"
እዚ ዝተረድኣት ኣበባ ክሳዕ ቋንቋ ለሚዳ ስራሕ ትረክብ ተጸጊማ ከም ዝነበረት ትዝክር።
ትጽቢታትን ክውንነትን
ኣበባ ኢጣልያ ምስ ኣተወት እቲ ዝነበራ ትጽቢትን ዝረኸበቶ ክውንነትን ዝቃዶ ኣይነበረን።
ኣበባን ካልኦት ስደተኛታትን ካብታ ጃልባ ብፖሊስ ተታሒዞም። ናብ መሬት ጥልያን ኣተዉ። ብኡንብኡ ድማ ኣሰር ኣጻብዕቲ ሂቦም።
ነዊሕ ከይጸንሐ ስደተኛታት ምዃኖም ዝእውጅ ሰነዳት ተዋሂብዎም። "ድሕሪኡ 'ቻው' ኢሎም ሰዲዶምና" ትብል።
ናብ ሮማ እትኸይድ ባቡር ተሰቒላ። ሮማ ግን ዝቕበላ፡ ዘጸግዓ ሰብ ኣይረኸበትን።
መንግስቲ ኢጣልያ መንበሪ ገዛ ከም ዝህባ፡ ምቹእ ናብራን ከም ዝህልዋ እያ ትሓስብ ነይራ።
እቲ ክውንነት ግን ካብዚ ዝተፈለየ እዩ ነይሩ።
ብሰብ ብሰብ ኣብ ሮማ ዘጸግዓ ሰብ ረኺባ። እቲ ዝረኸበቶ ሰብ ኣብ ኢጣልያ "ቅሩብ ዝጸንሐ" ገዛ ተኻርዩ ዝነብር እዩ ነይሩ።
"ሕጂ'ዮም ሰባት ክሳዕ ነቲ [ሃገር] ዝለምድዎ መዕቆቢ ዝህቡ እምበር ሽዑ ኣይህቡን ነይሮም" ትብል ኣበባ ምስቲ ሰብኣይ ሓዳር መስሪታ። እቲ ከም መዕቆቢ ዝመስረተቶ ሓዳር ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን።
“ምቹእ ስለ ዘይነበረ ገዲፈዮ ወጺአ። ጥንስቲ ኰይነ እየ ተፈልየዮ” ትብል።
መንግስቲ ኢጣልያ ክሳብ ትወልድ ትነብረሉ ገዛ ሂብዋ ነይሩ።
ኣብ መንጐ እዚ እቲ ሽዑ ዝነበራ ጸገም ዝረኣዩ ሰባት ውላዳ ብገንዘብ ክልውጥዋ ሓቲቶም።
"ኣነ ግን ኣብየ።"
ድሕሪ ምውላዳ ነዊሕ ከይጸንሐት ካብቲ መንግስቲ ዝሃባ ገዛ ክትወጽእ ተነጊርዋ። ዳግማይ ናብቲ ዝነበረቶ ጸገም ተመሊሳ።
እታ ትሓስባ ዝነበረት ኢጣልያ ክትረኽባ ኣይከኣለትን።
ኣብ ኢጣልያ ን18 ዓመታት ዝጸንሐ በእድሉ፡ ኢጣልያ ወርቂ ዝፈሰላ ቦታ ከም ዘይኰነት፡ ዘይረሃጸ ሰብ ዝረኽቦ ነገር ከም ዘየለ ንምፍላጥ ነዊሕ ኣይወሰደሉን።
ብኣጋጣሚ ኣብ ሓደ መዐደሊ ነዳዲ፡ መካይን ይሓጽብ ነይሩ፤ ከም ሰራሕተኛ ጽሬት እውን ተቘጺሩ ሰሪሑ እዩ።
ሸቕሊ ኣልቦ ኰይኑ "ነቲ ከባቢ ብምርኣይን ብምዛርን" እውን ሓደ ዓመት ኣሕሊፉ ከም ዝነበረ ይዝክር።
ብድሕሪ’ዚ ኣብ መንበሪ ኣምባሳደር ኣንጎላ ኣብ ቫቲካን ን12 ዓመታት ከም ጽሬት፡ ኣሰላፊ ተሓጋጋዚ ኣዳላዊ መግቢ ኰይኑ ሰሪሑ።
ድሕሪ እዚ ዅሉ ግዜ እንታይ ረኺቡ?
"ኣምላኽ ይመስገን ክሳብ ሕጂ ኢድ ሰብ ኣይረኣኹን። ንጸገማት ኢደይ ከይሃብኩ እየ ዝነብር ዘለኹ። ሰብ ከየሸገርኩ ባዕለይ ክኢለ እየ ዝነብር" ይብል።
ሽዑ ግን እቲ ዝምነዮ "ሃብቲ" ኣብ ስደት ከም ዘይርከብ ተረዲኡ። ኣብ ሃገሩ እውን ንብረት ከፍሪ ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, BEDLU
"ኣብ መጻኢ ኣብ ሃገረይ ገዛ ሰሪሐ ገለ መለ ኣብ ዝብል ደረጃ ኣይበጻሕኩን።"
"ሕጂ ደቀይን በዓልቲ ቤተይን ኣብ ካልእ ሃገር እዮም ዘለዉ። ብዝረኽባ ደሞዝ ሰለስተ ቈልዑ ምምሕዳር ኣዝዩ ኣዝዩ በዳሂ'ዩ" ይብል።
"ብዙሕ ነገራት ሓሲበ እየ ናብ ኢጣልያ መጺአ" ትብል ኣበባ፡ ትጽቢታ ካብቲ ክውንነት ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ክትግንዘብ ግዜ ኣይወሰደላን።
እታ ትሓስባ ዝነበረት ገንዘብ መሊኡ ዝፈሰሳ ኢጣልያን እያ፤ እታ ኣብ ክውንነት ዝረኸበታ ኢጣልያ ድማ ካልእ እያ።
ብዙሕ ናይ 'ጉልበት' ስራሕ ዝሰርሐት ኣበባ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ እንግሊዝ ከም ኣሰላፊት ኰይና ትሰርሕ ኣላ።
እትረኽቦ ኣታዊ መዓልታዊ ወጻኢታታ ካብ ምሽፋን ዝሓልፍ ኣይኰነን። ገንዘብ ምቝጣብ ኣይሕሰብን።
“ሕጂ ሸሞንተ ሰዓታት ሰሪሐ ንወርሐይ ጥራይ እየ ዝኽእል። ንሓደ ወርሒ እንተዘይሰሪሐ ኵሉ ዜሮ እዩ ዝኸውን።"
ኣደ ክልተ ቈልዑ ዝዀነት ኣበባ፡ ከም በእድሉ፡ ኣብ ሃገራ ንብረት ክተፍሪ ኣይከኣለትን። ይትረፍ’ዶ ንብረት ምፍራይ ናብ ሃገራ ክትምለስ እውን ከቢድ እዩ።
ኣብ ውሽጢ 13 ዓመት ሓንሳብ ጥራይ እያ ናብ ሃገራ ክትበጽሕ ዝኸኣለት።
“ኣብ 2007 ናብ ሃገረይ ተመሊሰ ነይረ። ብድሕሪኡ ተመሊሰ ኣይፈልጥን። ንምንታይ? - ኣይክእልን። ኣቋራጭ መንገዲ እንተዘይረኺበ፡ ህይወተይ ክቕይር እየ ክብል ኣይክእልን እየ" ክትብል ትገልጽ።
ክእለት ስራሕ
“ዘስተብሃልኩሉ ሓደ ነገር ኣሎ። መብዛሕትና እንስደድ ናይ ስራሕ ሞያ የብልናን" ይብል በእድሉ።
ኣብ ኢጣልያ ናብ ባንቧ ይዅን ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ወይ ናይ መኪና ይኹን ናይ ማሽን ስራሕ፡ ሞያ ስፌት ወይ ዓለባ ዘለዎ ሰብ "ኣብ ኢዱ ስዒሞም" እዮም ዝቘጽርዎ።
እቲ ጸገም ሞያ ዘለዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ውሑዳት እዮም።
“መብዛሕትኦም ካብ ካልእ ቦታታት ዝመጹ ስደተኛታት እንተወሓደ ሞያ ኣለዎም። ብዙሕ ኣካዳሚያዊ ፍልጠት ዘይክህልዎም ይኽእል እዩ፤ ግን ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ኮንስትራክሽንን ካልእ ሞያን ተማሂሮም እዮም ካብ ሃገሮም ዝወጹ። ኣብዚ ምስ መጽኡ ድማ ስራሕ ክረኽቡ ኣይጽገሙን። ኣባና ግን ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ሞያ ዘለዎም" ይብል።
ንኣብነት ይብል፡ "ኣብ ሃገርና ሰፋይ ክዳን ብዙሕ ቦታ ዘይወሃቦ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ኣብዚ ግን ጽቡቕ ስራሕ እዩ። ንእሽቶ ዝተቐደደት ክዳን ብ5 ዩሮ ክትስፍያ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ሞያ ግን ኢትዮጵያዊ የለን። መብዛሕትና ሞያ ስለ ዘይብልና ኣብዚ ምስ በጻሕና ስራሕ ክንረክብ ኣዝዩ ይኸብደና'ዩ።"
በእድሉ፡ በቲ ኣነ ዝመጻእኩሉ መንገዲ ዝዀነ ሰብ ክመጽእ ኣይምነን እየ ይብል።
"ብዛዕባ ስደት ዝሓስብ ሰብ፡ ናብ ኣመሪካ ይኽድ ናብ ኢጣልያ ብዘየገድስ፡ ኣብ ሃገሩ ሞያን ኣፍልጦን እንተዘይሒዙ ኣብ ካልእ ቦታ ከገልግል ኣይክእልን። ኣብ ሃገር ብዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ብሞያ ይዅን ብኣካዳሚያዊ ክእለት ምምዕባል ተመራጺ እዩ። ባዶ ኢድካ ኴንካ ዝሓሸ ነገር ምጽባይ ኣጸጋሚ እዩ” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







