ልዕሊ 50 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ብሓይልታት ሱዳን ከም ምሩኻት ተታሒዞም

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ፡ ሓያለ መንእሰያት ካብ መኪና ጽዕነት እናወረዱ ክቕጥቀጡን ክጋፍዑን እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣዛራቢ ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ። እዞም ሰባት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ገለ ኸኣ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ካብ ኢትዮጵያ ነቒሎም ብሱዳን ንሊብያ ክሰግሩ፣ ኣብ ሱዳን ዝተታሕዙ ምዃኖም ቢቢሲ ዘዘራረበን ቤተሰብ ግዳያት ኢና ዝበላ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ይገልጻ።
እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባኡ ዝቃላሕ ዘሎ ምሩኻት ሰራዊት ሱዳን ኰይኖም፡ ብሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ዝተታሕዙ ምዃኖም ዝነገር ይርከቦ። እተን ካብቲ ቪድዮ ሰበን ዘለለያ ኤርትራውያን ቤተሰብ ግን ምሩኻት ዘይኰኑስ ተራ ስደተኛታት ምዃኖም የረጋግጻ።
እቲ ቦታን ኵነታት ናይቶም ሰባትን ግን ቢቢሲ ብልክዕ ኣበይን እንታይን ምዃኑ ዛጊት ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ብ15 ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጐ'ቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ምዱብ ሰራዊትን ብሕሜቲ ዝምርሑ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን - ዳዕመ ሰሪዕ - ውግእ ድሕሪ ምውልዑ፡ ጸጥታዊ ኵነታት እታ ሃገር እናበኣሰ ክኸይድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥዩ።

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ማትዮስ ምስ ዓርኩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብሱዳን ኣቢሉ ናብ ሊብያ ክሰግር ብ 9/11/2023 ብሓደ ከምዝነቀሉ በዓልቲቤቱ ትምኒት ንቢቢሲ ትገልጽ።
ንሰለስተ ሳምንታት ደሃይ ኣጥፊኦም ድሕሪ ምጽናሕ ብ 2/12/2023 ማትዮስ ናብ በዓልቲ ቤቱ ደዊሉ ብወተሃደራት ሱዳን ተታሒዝና ኣሎና ኣይትሻቐላ ከምዝበላ ድማ ትዝክር።
ይዅን እምበር ኣብ ሕክምና ኰይኖም ይድውሉ ምንባሮም ምስ ነገራ ብሻቕሎት ሆስፒታል ዘእቱ ኵነታቶም ምስ ሓተተቶ፡ 57 ሰባት ምንባሮምን ሓደ ከም ዝሞቶምን ክልተ ከምዝቘሰሉን ነጊሩዋ፤ እቶም ሒዞምም ዘለዉ ሰራዊት ድማ 'ኣሕዋትኩም ገዲፍኩም ናበይ ክትከዱ?' ብምባል ክሳብ እቶም ዝተሃርሙ ዝሓውዩን፡ ሱዳን እውን ኣብ ዕግርግር ብምህላዋን ንድሕነቶም ክብሉ ሒዞምዎም ከምዘለዉን ከም ዝነገርዎም ብምሕባር ከይሻቐላ ሓቢሩዋ።
ድሕርዚ ግን ማትዮስ ሰልጠነን ብጾቱን ንከባቢ ሰለስተ ኣዋርሕ ደሃይ ኣጥፊኦም ጸጥ በሉ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ሻቕሎትን ጭንቀትን ስድራቤታት ዓሪጉ፤ እታ ዝተረፈት ሓንቲ ብተስፋን ጸሎትን ምጽባይ ጥራይ ኰነት።

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ሃንደበት ግን ማቲዎስ ናብ በዓልቲ ቤቱ ትምኒት ብምድዋል፡ ‘ንሕና ብጣዕሚ ሕማቕ ኣለና፡ እንተውጽኡና ኢልና ክንጽበ ጸኒሕና ንሶም ግን ሎሚ ጽባሕ ክብሉ ክሳብ ሕጂ ሕማቕ ኢና ዘለና፣ ኣብ ጋሪሪስኬሪ ዝበሃል ቦታ 56 ሰባት ሰባት ኣለዉ ኢልኩም ኣእውዩልና። ንሕና ነዛ ክንድውል'ውን ኣይንኽእልን ኢና ብኽንደይ ጸገም ኢና ተሌፎን ንረክብ።’ ብምባል ተማሕጺኑዋ።
ድሕሪ'ዚ ትምኒት ሰብ እናሓታተተት እንከላ ሃንደበት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ሱዳናውያን ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ብዙሓት ሱዳናውያን ክቀባበሉሉ ርእይቶኦም ክህቡሉን ርእያ።
ገለ ሰራዊት ጅግና ዝብል፡ ገለ ድማ እግዚኣብሄር ዶ ኣይትፈርሁን ንጹሃን ስደትኛትት እዮም ዝብል ዝተመቓቐለ እዩ። እቲ ተንቀሳቐሲ ሰእሊ እቶም ሱዳናውያን ወተሃደራት ነቶም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት እናቐጥቀጡን እናጋፍዑን ከወስድዎም የርኢ።
እናተደርዑን እናተጸፍዑን ካብ ዝረአዩ መንእሰያት ድማ ንገለ ካብኣቶም መቕርብ ቤተሰቦም ብንጹር ዘለለይዎም ኣለዉ።
ሓንቲ ካባኣቶም ሓዋን ዓርኪ ሓዋን ከተለሊ ዝኸኣለት ኤርትራዊት ተቐማጢት ካናዳ ሃዋ መሓመድ እያ።
‘ሓወይ ዓብደላ መሓመድ ኣሕመድ እዩ ዝበሃል። ኣብ መፈለምታ ወርሒ 11 [ሕዳር] ንሊብያ ኢሉ ተበጊሱ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጺኡ ኣብ መተማ እንከሎ ረኺበዮ ነይረ፣ ድሕር'ዚ ኣብ ሱዳን ምስ ኣተዉ ኣትዮም ዝብል ንሰምዕ ግን ደሃይ ዝበሃል ኣይነበሮምን። ጸኒሖም ግን ደዊሎም ሰብ ተሃሪሙና ስለዘሎ ሕክምና ክሳብ ዝውድእ ምስ ወተሃደራት ተታሒዝና ኣሎና ኢሉና
እቶም ሰምሰርቲ ከውጽእዎም ድዮም ጕዕዞ ክቕጽል ድዩ ወላሓንቲ ዝፍለጥ ነገር ኣይነበረን። ድሕሪ'ዚ ብሰበሰብ ንትምኒት ምስ ረኸብናያ ‘በዓል ቤተይ ምስኦም ኣሎ ደሓን እዮም፡ ኵነታት ሕማቕ ስለዘሎ መንገዲ ስኢንና እምበር ኵነታት ናብ ሸገራብ ክንመልሰኩም ኢና ኢሎሞም ኣለዉ። ምስ ወትሃደራት ሱዳን ኣለና ቦታ ግን ኣበይ ከምዘለና ኣይንፈልጦን ኢና ኢሎምኒ ኢላትኒ፡’ ብምባል ነቲ ኵነታት ተዘንቱ።

ምንጪ ስእሊ, Social Media

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ፈለማ ምስ ኣየናይ ሓይሊ ሱዳን ከም ዝነበሩ ከምዘይፈለጣን ሕጂ በዚ ተዘርጊሑ ዘሎ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ግን ምስ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ከም ዝጸንሑ ከእምዝፈለጣ ሃዋ ትዛረብ።
እቲ ኵነታት ምስ ኣጋጠመ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መቕርብ ነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርኸቡ ደለልቲ ምስተወከስዎም ‘ካብ ኢድና ወጺኦም ኣብ ኢድ መንግስቲ ስለዝኣተዉ፡ ጕዕዞኦም ክቕጽል ኣይክእልን እዩ። ኣነ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የለን ከውጽኦም ኣይክእልን እየ።’ ዝብል ምላሽ ከምዝተዋህቦም'ውን ትገልጽ።
"ኣብቲ ቪድዮታት ኣብ ገሊኡ ሓበሽ፣ ገሊኡ ሶማል፣ ጅኑብ ዝተፈላለየ ዘረባታት ይስምዑ እዮም፤ ግን 100 ካብ 100 ዝፈልጦም ሓወይ ዝርከቦም ምስኡ ደሃይ ኣጥፊኦም ዝነበሩ ምስኡ ዝተበገሱ ኤርትራውያን ባዕለይ ኣለልየ እየ፡" እትብል ሃዋ፡ ዓርኪ ሓዋ ዝዀነ ስዒድ መሓመድ ኑር እውን ከምዘለለየቶ ተረጋግጽ።
"ኣነ ንፖለቲካኦም ክብሉ ዝጻወትዎ ጸወታ እምበር ቁምነገር ዘለዎ ኣይመስለንን። ንሳቶም 53 ምሩኻት ሒዝና እናበሉ ዝዝርግሕዎ ቪድዮ ኣሎ፤ ግን እቶም ኣሕዋትና 56 እንተ ነሮም እቶም 3 ሰባት ኣበይ ኣለዉ? እዞም ሰባት ስደተኛታት እዮም ግን ከም ጸላእቲ እዮም ዝርእይዎም ዘለዉ፣ ብገንዘብ ምስቶም ኣንጻርና ሰራዊት ሱዳን ኰይኖም ይሰርሑ ነይሮም ይብሉ ኣለዉ። ደቀንስትዮ እውን ምስኣቶም ከም ዘለዋ ኣብቲ ቪድዮ ይርኣያ እየን፡" ትብል ሃዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







