ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ብከቢድ ኣጽዋር ከምዝተሃርመ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝተሃርመ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ሎሚ ንግሆ ሰሉስ 22 መስከረም 2016 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ህንጻን ንብረትን እቲ ኤምባሲ ጉድኣት ከም ዘስዓበ እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ዲፕሎማት ገሊጹ።
ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ግን የለን።
ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ዲፕሎማት፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እቲ ኣልኣማራት ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኲናት ብዝተኣሳሰር ዝተፈላለዩ ሓይልታት ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲን ዝምታን ተፈጺምዎ’ዩ።
ሓደ ካብቶም ተጻባእቲ ወገናት ዝዀነ ሌ/ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሄመቲ) ዝምራሕ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣፍሊጡ።
ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ነቲ መጥቃዕቲ ከማዘካየዶ ዝኸሰሱ እቶም ሓይልታት ፡ "ኣብቲ ህንጻ ልዑል ጉድኣት ወሪዱ" ብምባል ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒኖሞ ኣለዉ።
እቲ መጥቃዕቲ ንምንታይ ከም ዝተፈጸመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ሓይልታት ጀነራል ኣልቡርሃን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዛጊት ዝበልዎ ነገር የለን።
እቲ ዲፕሎማት ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ኤምባሲታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሩስያን ደቡብ ኣፍሪቃን እውን ሎሚ ንግሆ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ’ዩ።
ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ፡ ኤምባሲታት ኢትዮጵያን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ካብ ካርቱም ምውጽኦም ይፍለጥ።
ኤምባሲ ኢትዮጵያ ናብ ገዳርፍ ብምግዓዝ ኣብኡ ኣብ ዝርከብ ቆንስላኡ ዲፕሎማስያዊ ስርሑ እናካየደ ይርከብ።
ኣብቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ዘለዉ ገለ ናይ ጸጥታን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ብመጥቃዕትን ምዝማትን ንተደጋጋሚ ጉድኣትን ጸገምን ይቃልዑ ስለዘለዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብታ ከተማ ንኸውጽኦም ጻዕርታት ይገብር ከም ዘሎ እቲ ዲፕሎማት ሓቢሩ።
ወሲኹ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ልዕሊ እቲ ኤምባሲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ሰራሕተኛ ከም ዝተጎድአን፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ድማ ምስ ምዝማት እቲ ኤምባሲ ብዝተኣሳሰር እቶም ሰራሕተኛታት ምንግልታዕ ከም ዝበጽሖምን ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ንርእሰ ከተማ ሱዳን ንምቁጽጻር ኣበርቲዖም ክቃለሱ ጸኒሖም እዮም።
ኣብዚ እዋን እዚ ክልቲኦም ሓይልታት ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ተቖጻጺሮም ይርከቡ።
ኣብ ካርቱም ካብ ትካላት ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣባይቲ ነበርቲ እውን ዝምታ ይፍጸም ከም ዘሎ’ዩ እቲ ዲፕሎማት ዝገልጽ።
ብሰንኪ እቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤምባሲታተን ዓጽየን ካብ ካርቱም ዘውጽኣ ክኸውን ከሎ፡ ዓለምለኸ ትካላት’ውን ሰራሕተኛታተን ኣውጺአን እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







