እስራኤል ኣብ ገለ ክፋል ቓዛ 'ታክቲካዊ ውግእ' ደው ከተብልን ረድኤት ክኣቱ ክትፈቅድን'ያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
እስራኤል ኣብ ገለ ክፋል ቓዛ ውሱን "ታክቲካዊ ወተሃደራዊ ስጕምቲታት" ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ።
ሰራዊት እስራኤል ድሕሪ መጠንቀቕታ ጥሜትን ንሰሙናት ዝቐጸለ ዓለምለኻዊ ጸቕጥን፡ መግብን መድሃኒትን ዝጽዓና ቃፍላይ መካይን ናብ ቓዛ ንኽኣትዋ ዝሕግዝ ሰብኣዊ ኮሪደራት ክኸፍት ምዃኑ ገሊጹ።
ንኣዋርሕ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ቓዛ፡ ንከቢድ ሕጽረት መግቢ፡ ጽሩይ ማይን መሰረታዊ ቀረብ ሕክምናን ተቓሊዑ ኣሎ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) እስራኤል ኣብ ገለ ክፋል ቓዛ ወተሃደራዊ ስጕምትታት ደው ንምባል ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ከምኡ'ውን ሓገዝ ንኽኣቱ ሰብኣዊ ኮሪደራት ክኸፍት'የ ምባላ ብሓጐስ ከም ዝቕበሎ ገሊጹ።
እቲ ትካል ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ንመላእ ህዝቢ (2.1 ሚልዮን) ቓዛ ዝምግብ እኹል መግቢ ከም ዘለዎ ይገልጽ።
ጐኒ ጐኒ እቲ እስራኤል ኣቐዲማ ዝሃበቶ መረጋገጺታት - ከም ተወሳኺ ናይ ጽዕነት መካይን ክኣትዋ ምፍቃድን ኣብ ጥቓ ቆንስላት ተዅሲ ደው ምባልን- ግብራዊ ምግባር "ብዘይ ተወሳኺ ምድንጓይ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ናብ ዝጠመዩ ሰባት ንምብጻሕ ንኽውስኽ ዘኽእል" ተስፋ ከም ዘለዎ ይገልጽ።
ይዅን እምበር፡ ስርዓት ዘለዎን ውሑስን ኣገባብ ኣገደስቲ ቀረብ መግቢ ንምብጻሕ ዝሕግዝ እንኮ መገዲ'ዩ "ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ምቍራጽ ተዅሲ" ጥራይ'ዩ" ኢሉ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ካብ ሰለስተ ቓዛውያን ሓደ፡ ንመዓልታት መግቢ ከም ዘይበልዕን፡ 90 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ህጹጽ ሕክምና ከም ዘድልዮምን ይገልጽ።
ኣብቲ ግዝኣት ተኸሲቱ ዘሎ ኵነታት "ሰብ ሰርሖ ጃምላዊ ጥምየት" ክብል ይገልጾ።
ኣብዚ እዋን፡ ሓገዝ ብመሬት ናብ ቓዛ ክኣቱ ስለ ዘይተፈቕደ፡ ብኣየር ሓገዝ ክድርበ ምፍቃድ ክትዓት ኣልዒሉ ይርከብ።
ሓላፊ ትካል ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት -UNRWA - ፊሊፕ ላዛሪኒ፡ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብኣየር ምድርባይ "ክቡር፡ ውጽኢታዊ ዘይኰነ፡ ዋላ'ውን ብጥሜት ዝሳቐዩ ሲቪላት ክቐትል ዝኽእል'ዩ፡" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ላዛሪኒ፡ ትካሉ ኣብ ዮርዳኖስን ግብጽን "ማዕረ ሽዱሽተ ሽሕ ናይ ጽዕነት መካይን" ከም ዘለዋን፡ እዚአን ናብ ቓዛ ክኣትዋ ፍቓድ ይጽበዩ ከም ዘለውን ገሊጹ።
"እቲ ከበባ ንምልዓል፡ ኣፍደገታት ንምኽፋት፡ ውሑስ ምንቅስቓሳትን ንዝተጸገሙ ሰባት ምብጻሕ ረድኤትን ከም ዘሎ ንምርግጋጽ" ፖለቲካዊ ተበግሶ ከም ዘድሊ ገሊጹ።
"ሓገዝ ብመገዲ ምዝዋር ኣዝዩ ቀሊል፡ ዝያዳ ውጽኢታዊ፡ ዝቐልጠፈ፡ ዝሓሰረን ውሑስን እዩ፡" ክብል ላዛሪኒ ጽሒፉ።
ቅድም ኢሉ፡ ትካላት ረድኤት፡ እስራኤል ብኣየር መግቢ ናብ ቓዛ ክድርበ ከተፈቅድ ምውሳና እኹል ከም ዘይኰነን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ንዝተፈጥረ ጥምየት ዘየብቅዕ "ዘስደምም ምዝባል ኣቓልቦ" ምዃኑን ገሊጾም።
ሰራዊት እስራኤል፡ ንቃፍላይ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዝኸውን ሰብኣዊ ኮሪደራት ከም ዝኸፍት ድሕሪ ምግላጹ፡ ሎሚ ሰንበት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ከም ዘብጽሐ ገሊጹ።
እስራኤል፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ብዮርዳኖስን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣቢሉ ብኣየር ሓገዝ ክበጽሕ ከም እትፈቅድ ኣፍሊጣ ነይራ።
ልዕሊ 100 ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤትን ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግን፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ጃምላዊ ጥምየት ከም ዘጋጠመ ኣጠንቂቘም።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ሎሚ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ተወሳኺ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብጠቕላላ 87 ህጻናት ዝርከቡዎም 133 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ብዛዕባ ብኣየር ዝወሃብ ሓገዝ ዘስዕቦ ሓደጋታት ስክፍታታት ኣልዒሉ ኣሎ።
ሓደ ውልቀሰብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሓገዝ ካብ ኣየር ክድርበ ከሎ፡ ብቐጥታ ኣብ ቴንዳታት ክዓልብ ተኽእሎ ኣለዎ፤ እዚ ድማ መጕዳእቲ ወይ ሞት ከይተረፈ ሓዊሱ ከቢድ ጕድኣት ከስዕብ ይኽእል፡" ኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፍልስጤማውያን ንስድራቤታቶም ዝኸውን መግቢ ንምርካብ ይቃለሱ ኣለዉ፤ ሓንቲ ኣደ "ብዘይ መግቢ ወይ መስተ፡ ብዘይ መግቢ፡ ብዘይ ባኒ፡ ዋላ ማይ ከይተረፈ ኢና ንነብር ዘለና። ዋላ ማይ እውን ንብህግ ኣለና፡" ኢላ።
እስራኤል ብተደጋጋሚ ናብ ቓዛ ኣብ ዝግበር ምብጻሕ ሓገዝ ዝዀነ ገደብ ከም ዘየለ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Defence
ሓማስ ረድኤት ይዘምት ነይሩ ድዩ?
ወሃቢ ቃል መንግስቲ እስራኤል፡ ቅድሚ ሕጂ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሓማስ ብምትሕብባር ምክፍፋል ሓገዝ ንምዝራግ ይሰርሕ ከም ዘሎ ከሲሱ ነይሩ።
ሕቡራት ሃገራት ነዚ ብምንጻግ፡ እስራኤል ብቢሮክራሲያዊ ዕንቅፋታት ኣቢላ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ሓገዝ ናይ ምሃብ ዓቕሙ ትዕንቅፎ ከም ዘላ ይገልጽ።
ብተወሳኺ እስራኤል፡ ሓማስ ረድኤት ክሰርቕ ጸኒሑ እዩ ብምባል ናብቲ ግዝኣት ዝኣቱ ሓገዝ ክትክልክሎ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዩኤስኤይድ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ስልታዊ ምዝማት ረአኤት ከም ዝተፈጸመ ዝሕብር መርትዖ ከም ዘየለ ኣመልኪቱ።
ውሽጣዊ ትንታነ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብኣመሪካ ዝምወል ሰብኣዊ ቀረብ ብሓማስ ከም ዝተሰርቀ ዝሕብር መርትዖ ከም ዘየለ ጸብጻባት ሮይተርስን ሲኤንኤንን ይሕብሩ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ ውሽጢ ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ብዝርከብ ቢሮ ከም ዝተኻየደን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ከም ዝተዛዘመን ይግለጽ።
እቲ ትካል 156 ፍጻመታት ስርቂ ወይ ምጥፋእ ብኣመሪካ ዝምወል ቀረብ ርእዩ። "ሓማስ" ካብቲ ሓገዝ ተጠቃሚ ምዃኑ ዝገልጽ ጸብጻብ ከም ዘየለ ድማ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ነቲ ጸብጻባት ብምቅዋም፡ "ሓማስ ከም ዝዘመተ ዘርኢ ብዙሕ ናይ ቪድዮ መርትዖታት ኣሎ፡" ክብል እኳ እንተገለጸ፡ ነቲ መግለጺ ዝድግፍ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ግን ኣየቕረበን።
ሲኤንኤን ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ውጽኢት ንሰበስልጣን - ኣብ ቢሮ ማእከላይ ምብራቕ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ንዝርከቡ ሓዊሱ - ናብ ኣመራርሓ እቲ ክፍሊ በጺሑ ድዩ ኣይበጽሐን ግን ንጹር ኣይኰነን።
ትንታነ ቢቢሲ ከም ዘመልክቶ፡ ንነፍሲ ወከፍ ክልተ ሚልዮን ነበርቲ ቓዛ እኹል መግቢ ንምቕራብ ኣስታት 160 ነፈርቲ ከም ዘድልያ ይሕብር።
እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ቓዛ ኲናት ከፊታ።
ኣብዚ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 59 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
እስራኤል ኣብ መጀመርታ መጋቢት ኣብ ምብጻሕ ረድኤት ፍጹም ዕጽዋ ኣንቢራ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ወተሃደራዊ መጥቃዕታ ዳግማይ ጀሚራ።
ነቲ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ተኹሲ ደው ምባል ድማ ኣፍሪሳቶ። በዚ ሓማስ ነቶም ዝተረፉ እስራኤላውያን ጅሆታት ንኽፈትሕ ጸቕጢ ክትገብር ከም እትደሊ ገሊጻ።
ዋላ'ኳ እቲ እገዳ ድሕሪ ዳርጋ ክልተ ኣዋርሕ ብኸፊል እንተፈዀሰ፡ ዓለምለኻውያን ክኢላታት ጥሜት ይኽሰት ከም ዘሎ መጠንቀቕታታት ኣብ ዝወሃበሉ እዋን፡ ሕጽረት መግቢ፡ መድሃኒትን ነዳድን እናገደደ መጺኡ።
መብዛሕትኡ ህዝቢ ቓዛ ብተደጋጋሚ ዝተመዛበለ ኰይኑ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ኣባይቲ ከም ዝተሃስየ ወይ ከም ዝዓነወ ይግመት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







