ኤርትራ ብወግዒ ናብ ኢጋድ ንምምላስ ዘቕረበቶ 'ጠለብ' ተዘትዩሉ

ምንጪ ስእሊ, William Ruto/twitter
ኤርትራ ናብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ንምምላስ ዘቕረበቶ ውግዓዊ ጠለብ ከምዝተዘረበሉ ፕረዚደንት ኬንያ ሓቢሩ።
ዊልያም ሩቶ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ምስ ዝመርሖ ልኡኽ ኤርትራ ድሕሪ ምርኻቡ'ዩ ነቲ ሓበሬታ ብመንገዲ ትዊተር ዘርጊሑ።
"ናብ ኢጋድ ናይ ምምላስ ጠለብ፣ ዞባዊ ጸጥታ፣ ምውጋድ ቅጥዕታትን ካብቶም ኣብ ጠረጴዛ ዝቐረቡ ጉዳያቶም"።
"ካብ መሰናኽላት ናጻ ዝኾነ ስርዓተ-[ኢሚግረሽን]፡ ውህደት ንምዕማቚ፣ ርክባት ንምስሳን፣ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ኬንያን ኤርትራን ዘሎ ንግዲ ንምድንፋዕ" ዝሕግዝ ምዃኑ እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሩቶ ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ "ካብ ሎሚ ጀሚሩ ቪዛ ንምውጋድ ተሰማሚዕና ኣለና" ክብል ኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር።
ብዘይካ'ዚ ኬንያ ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ክትከፍት ከም ዝኣዘዘ'ውን ሩቶ ገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ሃገሩ ነቲ ኣደስኪላቶ ዝነበረት ኣባልነታ ኣብቲ ዞባዊ ውድብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተሐድሶ ኬኒያዊ መዘናኡ ንዘቕረበሉ ዕድመ ከም ዝተቐበለ ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ "ጠለብ" ስለምንታይ ዳግም ልዝብ ክግበረሉ ከምዝተደለየ ግን ዝተገልጸ የለን።
ሱዳን እቲ ዘዋሪ ኣቦመንበርነት ኢጋድ ብምሓዝ ከተገልግል ምጽንሓ ይፍለጥ።
ኣብቲ ርክብ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝኾነ የማነ ገብረኣብን፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ በየነ ርእሶምን ተረኺቦም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, William Ruto/twitter
ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኢጋድ ኣብ ርእሰከተማ ጂቡቲ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ዘቑምዎ ኮሚተ ሓደ ካብ ኣካላት እቲ ውድብ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2008 ዝተወልዐ ዶባዊ ግጭት ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰ ይግለጽ።
ኣብ 2018 ብመንጎኝነት ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ዝተወስደ ንክልቲአን ሃገራት ናይ ምቅርራብ ተበግሶ ኣይተዓወተን።
ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም 2018፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ብናይቲ ዞባ መዛንኡ ተሰንዩ ኣብ ጂቡቲ ምብጻሕ ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ መፋርቕ መስከረም ናይቲ ዓመት'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ናይ ጂቡቲ መዘናኡ ዑመር ገለን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም ነይሮም።
ኤርትራ፡ ኣብቲ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ጂቡቲን ሶማልያን ዝተሳተፍሉ፡ ኣብ ሞቓዲሾ ዝተኻየደ ብዛዕባ ጸጥታዊ ኩነታት ሶማልያ ዝዘተየ ኣኼባ ዘይምስታፋ'ውን ኣቓልቦ ስሒቡ ነይሩ'ዩ።
መንግስቲ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሶማልያ ከሰልጥን ምጽንሑ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







