ቅልጡፍ ‘ዲፕሎማስያዊ’ ምዕባለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ የመልክት? ኣንፈቱ ኸ?

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብውሽጣዊ [ብሄራዊ] ግርጭታት፡ ብሕዱር ቂምታ ብዝቕስቀስ ምትንዃላት፡ ብዶባዊ ምስሕሓብን ምትእትታው ሓያላን ሃገራትን ዝናወጽ ካብ ተኣፈፍቲ ዞባታት ዓለምና እዩ።
ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝተባርዐ ኲናት፡ ነዚ ቀንዲ መለለዪ ቍርቍስ ‘ቲ ዞባ ዝዀነ፡ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዝግበር ኲናት ሕድሕድ፡ ኢድ ኣእታውነት ጐረባብቲ ሃገራትን ጽልዋ ሓያላን ሃገራትን ዘርኣየ ፍጻመ እዩ።
እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ብሰላማዊ ዘተ መዕለቢ ረኺቡ ድሮ ኣብ ብዙሓት ተስፋ ኣሕዲሩ ኣሎ።
ኵነታት ጸጥታ እቲ ዞባ ብውሽጣዊ ቍሩቁስን ብዞባውን ዓለምለኻውን ጽልዋታት ከምዝናወጽ ዝዛረብ ተንታኒ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣሰይድ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም፡ ከም መርኣያ ናይቲ ኵነታት ኣብቲ ዞባ ጽዑቕ ‘ድፕሎማስያዊ’ ምንቅስቓሳት ይካየድ ከምዘሎ ይሕብር።
ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ብጨረፍታ?

ምንጪ ስእሊ, Yemane G/Meskel
ሓደ ካብቲ ኣብ መወዳእታ ‘ቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ዝተራእየ ምንቅስቓሳት ካብን ናብን ዑደት መራሕቲ ኤርትራን ኬንያን እዩ።
ኬንያ፡ ኣብ ሽምግልና ተጻባእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ወሳኒ ተራ ዝተጻወተትን፡ ኣብ ርእሲኡ ኣብዚ ዞባ ጸለውቲ ካብ ዝበሃላ ዓበይቲ ሃገራት ትዅን እምበር፡ ምስ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ብዙሕ ዝጥቀስ ዕምቈት ዘለዎ ዝምድና ኣይጸንሓን።
ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ግን፡ ብ09 ታሕሳሳ 2022 ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ኣካይዱ። ብድሕሪኡ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ብ8 ለካቲት 2023 ንኬንያ በጺሑ።
ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣገደስቲ ስምምዓት ፈሪሞም፤ ኣብ ርእሲኡ ከም ሓደ ኣገዳሲ ምዕባለ ዝርአ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሃገሩ ናብ ኣባልነት ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ክትምለስ ተሰማሚዑ።
ብዘይካ’ዚ እቲ ፕረዚደንት፡ ብ 28 ለካቲት ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ምስ ወራስ-ዘውዲ ንግስነት ስዑድ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ሪያድ ከም ዝዘተየ ይፍለጥ።
ብፍላይ ድሕሪ 2015፡ ብስዑድያ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልፍንታዊ ሓይሊ ኣንጻር’ቶም ብኢራን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሓይልታት ሑቲ - የመን ኲናት ድሕሪ ምእዋጁን ኣድላይነት ንተጠቃምነት ወደብ ዓሰብ ስተራተጅያዊ እናዀነ ምስ ከደን ዝምድና ኤርትራን ስዑድ ዓረብን ዝያዳ ከም ዝደልደለ ይፍለጥ።
ብኻልእ መዳይ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሸሕ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ንሳልሳይ ግዜኡ፡ ብ 13 መጋቢት ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ምስ መራሕ ሃገር ተዘራሪቡ’ሎ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ 2019 ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ ነቲ ን30 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ጀነራል ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፡ ኤርትራ ነቲ ለውጢ ምድጋፋን፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ሱዳንን ምብጽጻሕ ሰበስልጣን ክካየድ ተራእዩ እዩ።
ከም ውጽኢቱ፡ ኤርትራ “ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ዘኽእል ሓደ ተበግሶ” ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ ኣቕሪባ ምንባራ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ዝተባህለ “ተበግሶ” ግን ብግብሪ ኣይሰጐመን።
ኰይኑ ግን፡ እቲ ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎ ምክትል ልኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ - ሕሜቲ፡ ብ 13 መጋቢት ናብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዘራሪቡ።
ኣብ ርክቦም እቲ ፕረዚደንት፡ ሰራዊት ሱዳን ልኡላውነቱ ተሓልዩ ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሓራ ብምዃን እወታዊ ተራ ክጻወት ናይ ኤርትራ ድሌት ምዃኑ ነቲ ጀነራል ከም ዘረጋገጸሉ፡ ተገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE
እዚ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብ13 መጋቢት ናብ ደቡብ ሱዳን ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሳልቫ ኪርን ምክትሉ ሪክ ማቻርን ተራኺቡ ተዘራሪቡ።
ብዘይካ’ዚ ዋና ጸሓፊ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ምስ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ብዛዕባ ጸጥታን ሰላምን ናይቲ ዞባ ተዘራሪቡ'ሎ።
እዚ ዞባዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ጠመተ ዓበይቲ ሃገራት ማለት፡ ኣሜሪካ ሩስያን ቻይናን ሓራ ኣይኰነን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ።
እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ ሓምለ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሃገሩ ምስ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኲናት ድጋፍ ንምርካብ፡ ኢትዮጵያ ንእትርከበን ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጽሑ ይዝከር፡፡
ከም ግብረመልሲ ናይዚ ድማ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን እግሪ እግሩ፡ ጽልዋ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ንምዕጋት ዝዓለመ፡ ኣብ ሰለስተ ሃገራት በጺሑ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ንወራር ሩስያ ንዩክረይን ኣብ ዝዅንን ዋዕላታት ደገፋ ንሩስያ ዘርኣየት ኰይና፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት እናሓየለ ምምጽኡ ኸኣ ብዙሓት ይጠቕሱ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ከኣ፡ ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ፈጺሙ ናብ ኒጀር ኣቕኒዑ’ሎ።
እዚ ግን ፖለቲካዊ መልእኽቱ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, ASA
ኣሰይድ ዓብዱራሕማን፡ እቲ ጽኑሕ ጽልዋ ኣሜሪካ ኣብዚ እዋን’ ዚ፡ “ብፍላይ ብቻይናን ሩስያን ይብዳህ ስለዘሎ እዩ፡” ይብል።
ረብሓታት ሩስያ ኣብዚ ዞባ፡ ካብ ግዜ ዝሑል ኲናት ኣትሒዙ መብዛሕትኡ ግዜ ወተሃደራውን ጸጥታውን እምበር ቁጠባዊ መሓውር የብሉን፡ ዝብል ዓብዱራሕማን፡ “ናይ ቻይና ግን ምስ ቍጠባ ዝተኣሳሰር ስለዝዀነ ንኣሜሪካ ዓቢይ ስግኣት እዩ፡” ክብል የቐምጥ።
“ቻይና ኣብዚ እዋን ነቲ ሶፍት ፓወር ዝበሃል ቁጠባዊ ሓይሊ ቀዳምነት ሂባ ትመጽእ ኣላ፤ ብፍላይ ኣብ ወፍሪታት ትሕተ ቕርጺ። ህላወ ቻይና ብቝጠባ ይጀምር እምበር ውዒሉ ሓዲሩ ወተሃደራዊ ህላወ ክፈጥር ምዃኑ ስለዘይተርፍ ንኣሜሪካ ዓቢይ ስግኣት እዩ፡” ይብል።
እቲ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተካይዶ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ከኣ ነቲ ካብ ሩስያን ቻይናን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጽልዋታት ንምምካን ዝዓለመ ተባሂሉ ከርአ ከም ዝኽእል ኣቡሃሽም ይገልጽ።
ምሕዝነት ሃገራት እዚ ዞባ ንሓድሕደን ከ?

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G. MESKEL/TWITTER
“ሃገራት እዚ ዞባ ዝተረድአን ይመስል ክንብል ንኽእል ኢና፡” ይብል ኣቡ ሃሽም።
ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ እንተዘይመጺአን፡ ክህሰያን ኣብ ዞባውን ዓለማውን መድረኽ’ውን ድኹማት ክዀና ከም ዝኽእላ ዝተረድአን ይመስላ፡ ዝብል መረዳእታ ከኣ የቐምጥ።
እዚ ዓቢይ ቁጠባዊ ስሕበት ዘለዎ ኣማኢት ሚልዮናት ህዝቢ ዝነብሮ ዞባ፡ ብስትራተጅያዊ ዓይኒ ብምጥማት ኣብ ሓደ እዋን፡ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብሓደ ክሰርሑ ተላዒሎም ነይሮም፡ ብምባል ነቲ ኣብ 2018 ዝጀመረ ጥቡቕ ዝምድና ሰለስቲአን ሃገራት ብኣብነት ይርኢ።
“እዚ ጥምረት’ዚ ግን ክልተ ጸገማት እዩ ገጢምዎ፤ ብቐዳምነት ብዓይኒ ረብሓታት ሓይልታት ወጻኢ ክጥምት ኣይከኣለን፡” ይብል።
ኣተሓሒዙ ዓብዱራሕማን፡ ዞባ’ውን ዓለማውን ረብሓታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ዘይተበገሰ ሽርክነት፡ ተጻብኦ ክገጥሞ ባህሪያዊ እዩ።
ንኣብነት ግብጺ፡ እቲ ዝምድናታት ዘየርብሓ እንተዀይኑ ክትጻብኦ ግድን እዩ፤ በዓል ኣሜሪካ’ውን ብተመሳሳሊ፡” ብምባል፡ እቲ ዝተፍጥረ ዝምድና ክንጽርን ምስቲ ዞባውን ኣህጉራውን ረብሓታትን ኣጠማምታታን ክቃነ ከም ዝነበሮ የቐምጥ።
ግብጺ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብምዕራባዊ ሸነኽ ምስ ፈለግ ኒልን ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ዝተኣሳሰር፡ ብምብራቓዊ ሸነኽ ድማ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተኣሳሰር ተገዳስነት እዩ ዘለዋ።
ግብጺ ካብ መትረብ ስወጽ እትረኽቦ ብቢልዮናት ዶላራት ኣታዊ ብቐጥታ ብቐይሕ ባሕሪ እዩ ዝጽሎ።
“እዚ መትረብ ዝሰርሕን ኣታዊ ዘምጽእን ኣብ ደቡብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ባብ ኤል መንደብ ዘሎ ኣፍደገ ምስ ዝሰርሕ እዩ፡” ብምባል እቲ ግብጺ ኣብዚ ዞባ ዘለዋ ስተራተጅያዊ ረብሓን ተገዳስነትን ቀሊል ከም ዘይኰነን ብምቕማጥ፡ እታ ሃገር ይዅን መሻርኽታ ዝወስዳኦ መርገጻት ነቲ ዞባ ከም ዝጸልዎ የረድእ።
እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ድኽመታት እቲ ስሉሳዊ ዝምድና ካብ ውሽጣዊ ቅርጻዊ ድኽመታት እተን ሃገራትን ከም ዝብገስ ከኣ የብርህ። “መንግስታት እዘን ስለስተ ሃገራት ንኣብነት፡ ንህዝቢ ዝውክሉ፡ ሰፊሕ ዲሞክራስያዊ ባይታ ዝፈጥሩ፡ ተቐባልነት ዘለዎም ሓያላት መንግስታት ኣይኰኑን፡” ብምባል፡
ውሽጣዊ ኵነታትካ ከይፈወስካን ከየሐየልካን ዝግበር ዝዀነ ይዅን ጥመረት፡ ግዝያዊ እንተዘይኰኑ ሓያልን ዘላቕነትን ዘለዎ ክኸውን ከም ዘይክእል የገንዝብ።
እዚ ድሕሪ ምባል ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ እቲ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት’ውን ካብዚ ዝተጠቕሰ ክልተ ቀንዲ ብድሆታት ሓራ ስለዘይኰነ ኣድማዕነት ክህልዎ ከምዘይክእል ይእምት።
ዓብዱራሕማን፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብቐዳምነት ውሽጣዊ ኵነታተን ከመሓይሻ ጥራይ እዩ ዘለወን፡ ብምባል ሓይሊ ዞባዊ ጥምረት ካብቲ ሃገራት ዘለወን ውሽጣዊ ሓይሊ እዩ ዝምንጩ ክብል ከኣ የስምረሉ።
ኤርትራ፡ ዝደኸመት ሃገር ትዅን እምበር ኣብዚ ዞባ ብፍላይ ዘለዋ ተራን ጽልዋን ኣነኣኢስካ ዝርአ ኣይኰነን፡ ከኣ ይብል።
“ፕረዚደንት ኢሰይያስ፡ ንረብሓኡ ናይ ምምዛማዝ ዓቕሙን ዘለዎ ናይ ልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ተመኵሮን ቀሊል ኣይኰነን፡” ይውስኽ።
ነዚ ከብርህ እንከሎ ዓብዱራሕማን፡ “ንሱ ዝደልዮ ግን፡ ንኤርትራ ከም ሓንቲ መዓስከር ጌርካ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ቀንዲ ተዋስኣይ ብምዃን፡ ካብ ኣሜሪካ ይዅን ሩስያ ወይ ቻይና ተቐባልነት ንምርካብ እዩ።
“ኣብዚ ብኣረኣእያኡ ጽቡቕ ሰጕሙ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ጽልዋኡ ንጹር እዩ። ኣብ ሶማል’ውን፣ እቲ ዝነበረ መንግስቲ ፎርማጆን እዚ ሕጂ ዝመጸ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን በበይኑ ኣካይዳታት ስለዘለዎም፡ እቲ ዝምድና ክዅለፍ እዩ ዝብል ግምታት ነይሩ እዩ። ከምኡ ግን ኣይኰነን፡” ብምባል ጽልዋ ኤርትራ ኣብ ሶማልያ’ውን ከምዘሎ የቐምጥ።
ኣተሓሒዙ ዓብዱራሕማን፡ “መራሕቲ ሱዳን፡ እዚ ኣብ ኣስመራ ዝቐነየ፡ [ሕሜቲ] ይዅን ኣልቡርሃን ከምኡ’ውን መራሕቲ ቀቢላታት ከይተረፈ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከም ሓደ ጸላዊ ሰብ እዮም ዝርእይዎ። ስለዚ ጽልዋ ናይ ኤርትራ ወይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሱዳን’ውን ርኡይ እዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ እዚ ጽልዋታት’ዚ ግን ውሽጣዊ ኵነታትካ ከየዐረኻ ቀጻልነት ከምዘይብሉ፡ ንግዚያዊ ኵነታት ጥራይ እናመዝመዝካ ዝግበር ግዝያዊ ምዃኑ ይምጕት።
“እቲ ፕረዚደንት ዝስሕቶ፡ ንሓንቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝገበርካያ ድኽምቲ ሃገር ሒዝካ ቀጻልነት ዘለዎ ጽልዋ ክህልወካ ኣይክእልን እዩ፤ ዋሕዲ ህዝቢ፡ ድኽመት ቍጠባን ድኹም ትካላት ምሕደራን መንግስትን ዘለዋ ሃገር ሒዝካ፡ ዘላቕነት ዘለዎ፡ ጽልዋ ክትፈጥር ኣይከኣልን።”
ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ዓብዱራሕማን ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ውሽጣዊ ኵነታት እታ ሃገር ንምምሕያሽ ተስፋ ከምዘየለ ዝእምት’ዩ፡ ይብል።
“. . .ልክዕ ከምዚ ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ትንታነ ዝህብ ዘሎ እምበር መራሒ ሓንቲ ሃገር ኣይመስል፡” ብምባል “እቲ ክምለስ ዝግባኦ፡ ንውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ ዘርብሕ እንታይ ስትራተጂ ኣለዎ፣ ዝተገብረ ጌጋታት ይዅን ገበናት ብኸመይ ክፈወስ ይሓስብ? ኣብ ስርዓተ ምሕደራ፡ ኣኽብሮት ሕግን ስርዓትን፡ ብዛዕባ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምምራጽ መራሕቱን፡ ዳርጋ ብምሉኡ ከምዘይምልከቶ እዩ ሓሊፍዎ፤ ስለዚ ጥዕና ዘይብሉ መሪሕነት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ጥዕና ዘለዎ ጽልዋን ኣበርክቶን ክገብር’ዩ ዝብል ግምት የብለይን፡” ይብል።
እቲ ፕረዚደንት ዝብህጐ ዞባዊ ጽልዋ ክብጻሕ ኣይክእልን እዩ፣ ግዝያዊ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ፤ ጽልዋ ናይ ገዛእ ርእሱ ረቛሒታት ዝሓትት እዩ፡ ይብል።
እዚ ይዅን ግን፡ ብውሑዱ ኣብተን ሃገራት ዝምድናታትን ምዝርራብን ምህላው ከም ሓደ ኣወንታ ክውሰድ ከም ዝኽእል እቲ ተንታኒ ወሲኹ የረድእ።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ከይባራዕ ተሰጊኡ ዝነበረ፡ ኲናት ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብዚ እዋን ምድኻሙ ድማ ተወሳኺ እወታዊ ምዕባለ እዩ፡ ይብል።
ኣብዚ መዳይ ዓብዱራሕማን፡ እቲ ብወገን ሱዳን ብፍላይ እቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት ዝግበር ዝነበረ ምትዅታዃ [ኣንጻር ኢትዮጵያ]፡ “ካብ ሱዳናዊ ረብሓን ኣተሓሳስባን” ዝመንጨወ ስለዘይነበረ ብበርጌሳዊ ማሕበራት ሱዳን ተመኪቱ እዩ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ “ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማሲ ብሓቂ ትዕግስቲ ኣርእዩ እዩ፤ እቲ ጉዳይ ሱዳናዊ ጉዳይ ከምዘይኰነ፣ ታሪኻዊ ተጻብኦ ዘለዎ ሳልሳይ ሃገር ኢዱ ይሕውሰሉ ከም ዘሎ ተረዲኡ፡ ዘርኣዮ ትዕግስቲ፡” ኣብቲ ዞባ ጽልዋኡ ቀሊል ከምዘይነበረ የረድእ።
ጉዳይ ሰሜን ኢትዮጵያ ኸ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ኣብ መወዳእታኡ ብዝርርብ እዩ ደው ኢሉ፡ ድሕሪ ምባል፡ “ኣብ መወዳእታኡ ጸብለልትነት እቲ ፈደራላዊ ሓይሊ’ኳ እንተተራእየ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት ግን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ልኡላዊ ቍጽጽር መንግስቲ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን፡” ብምባል እዚ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ንመጻኢ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ኵነታት ‘ታ ሃገር ሓደጋ ክፈጥረሉ ከም ዝኽእል፡ ኣቡሃሽም ስክፍታኡ የቐምጥ።
“እቲ ቅድሚ ሕጂ ሓይልታት ትግራይ ኣህጉራዊ ደገፍ ረኺቦም፡ ካብ መቐለ ሓሊፎም ንኣዲስ ኣበባ ገጾም ዝገስገሱሉ ኵነታት ዘይድገመሉ ኵነታት ኣይረኣየንን፤ እዚ ድማ ንኵነታት እታ ሃገር ይዅን እቲ ዞባ ኣዝዩ ተሃዋሲ ይገብሮ፡” ኢሉ።
ኣብ ርእሲኡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብድሆታት ይገጥሞ ኣሎ።
ድሕሪ እቲ ኵሉ ኲናትን ዝሰዓበ ከቢድ ዕንወትን፡ ደሓር ዝተበጽሐ ስምምዕን፡ ብሓፈሻ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓይሊ ናብ ኲናት ዝኣትወሉን እንደገና ስግኣት ነቲ መንግስቲ ዝዀነሉን ቍመና ኣሎ ድዩ? ዝብል ስክፍታ ብዙሓት እዩ።
ነዚ ሕቶ፡ ተንታኒ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም፡ “ብርግጽ እወ ኣሎ!” ድሕሪ ምባል “ብወተሃደራዊ ዓይኒ ክርአ እንከሎ፡ እቲ ሓይሊ ፈደራል ኣንጻር ዕጡቕ ሓይሊ ትግራይ ዝመከተ ኣብ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ተመርኲሱ ምዃኑ ብምግላጽ፡
“ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ክንደይ ሚእታዊት ካብዚ ዕጡቕ ሓይሊ’ዩ ብረቱ ኣውሪዱ፣ ኣብ መዓስከራት ኣትዩ ዝጣየስ ዘሎ? ክንደይ ሚእታዊት ካብቲ ኣጽዋራት ከ ተረኪቡ? ዓቢይ ምልክት ሕቶ እዩ፡” ብምባል እቲ ኲነታት ብወተሃደራዊ ዓይኒ ኣስጋእነቱ ልዑል ምዃኑ የተሓሳስብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን፡ እቲ ኣብ ክልላታት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘሎ ኵነታት ደሪኽዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምእማት፡ “እቲ ኵነታት ብሓደ ሰዓራይን ተሰዓራይን ስለዘይተዓጽወ ዘቕስኖ ኣይኰነን፡” ብምባል ብዅሉ ሸነኻት ዘሎ ስክፍታታት ይርኢ።
ብፖለቲካዊ መዳይ እንክርአ፡ እቲ መንግስቲ ብሓፈሻ ካብ ሕሉፍ ጌጋታት ብዙሕ ትምህርቲ ዝወሰደ ከምዘይመስል እዩ ዓብዱራሕማን ዘመልክት።
ኣቢይ ኣሕመድ’ውን ንባዕሉ ንጹር ኣይኰነን፡ ዲሞክራስያዊ መሲሉ ክቐርብ ዝመስል’ኳ እንተዀነ፡ ኣሃዳዊ ንጉሳዊ ዓይነት ስልጣን ክብሕት ዝደሊ ዘምስሎ ኣካይዳታት ኣሎ።
እዚ ንባዕሉ ከም ናቱ ውልቃዊ ሽግር ይኸውን’ዩ፡ እቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና’ውን ከም ሰልፊ፡ ጥሙር ስነ ሓሳብ ዘለዎ ሰልፊ ኣይኰነን፡ ስትራተጅያውን ስነሓሳባውን ረብሓን ምትእስሳርን ዘይብሉ ኣብ ግዝያዊ ‘ናይ ሓባር ጸላኢ’ ዝተመርኰሰ ጥምረት ብምዃኑ ውዒሉ ሓዲሩ ነቲ ሃገር ሓደጋ እዩ፡ ይብል።
ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ኣብዚ እዋን እቲ ናይ ትግራይ ሓይሊ ዝተዳኸመ’ኳ እንተመሰለ፡ ኣብ ውሽጢ ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ብኸመይ እዮም ክነብሩ ወይ እንታይ ተራ ክጻወቱ ይደልዩ? ካብ ኢትዮጵያ እንተተፈሊኻ’ኸ ብኸመይ ኢኻ ከም ናጻ ሃገር ክትነብር ትደሊ? ዝብል ወሳኒ ሕቶታት ብዕሊ ዝተመለሰ ኣይመስልን፡ ብምባል ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኵነታት እተን ሃገራት ብግቡእ እንተዘይተፈቲሑ፡ ንዞባዊ ይዅን ኣህጉራዊ ምትእትታዋት ከቃልዐን ከምዝኽእል፡ ነቲ ዞባ ድማ ኣብ ዘይዓርፍ ቍርቍስ ከንብሮ ከም ዝኽእል የተሓሳስብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







