ዑደት ብሊንከን ንዝሓርፈፈ ዝምድና ኢትዮጵያን ኣሜሪካን እንታይ ክልውጥ ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, @ABIYAHMEDALI
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ - ትግራይ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት፡ እቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ዝጸንሐ ዝምድና ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ንፋስ ኣትይዎ’ሎ።
ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ብዙሕ ደገፋት ኣሜሪካ ካብ ዝረኽባ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ብሰንኪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ርክበን ሃጓፍ ኣጋጢሙ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ኲናት ግን ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ንዝጸንሐ ዝምድና ክልተአን ሃገራት ብዝያዳ ሃስይዎ።
ብፍላይ ድማ እቲ ኲናት ተጓሃሂሩ ሰራዊት ኤርትራ ምስታፉ ከምኡ’ውን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመ ዘመልክት ሓበሬታ ምዝርግሑ ኣሜሪካ ብወግዒ ተቓውሞኣ ከተስምዕ ምኽንያት ኰይኑዋ እዩ።
ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝርከብዎም ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ኣካላት ቀዳማይ ስጕምቲ ወሲዳ።
በዚ ድማ ኣብ ምጕህሃር እቲ ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተሳትፎ ኣለዎም ዝበሃሉ ውልቀሰባት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ከምዝተኣገዱ ይዝከር።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቶም ኲናት ክጋደድ ዝገበሩን ግህሰት መሰላት ፈጺሞም ዝበሃሉን ሰባት እገዳ ክግበር ዘኽእል ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ብ7 መስከረም 2014 [ግእዝ] ከምዝፈረመ ይዝከር።
ብድሕሪ'ዚ ኢትዮጵያ ካብ ዝርዝር ናይተን ዝተፈላለዩ ፍርያተን ካብ ቀረጽን ታሪፍን ነፃ ብዝዀነ ዕድል ናብ ኣሜሪካ ዘእትዋ ሃገራት ተሰሪዛ።
እዚ ዅሉ እናተፈፀመ ግን ነቲ ንሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይዘርግ ዝተሰግአ ደማዊ ኲናት ደው ንምባል ንላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ከም ፍሉያት ልኡኻት ብምሻም፡ ጻዕርታት ክትገብር ጸኒሓ እያ።
ብኣንጻሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ኣሜሪካ ዝመጽእ ጸቕጢ ዘይግቡእን ልኡላውነት እታ ሃገር ዝጥሕስን እዩ ብምባል ብትሪ ክቃወሞ ጸኒሑ።
ሳዕቤን እቲ ኲናት
ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ካብ ዘስዓቦ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ዘለዋ ርክብ እውን ዝፀለወ እዩ።
ኣብ መንጐ ፌደራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ኲናት ካብ ዝውላዕ ንደሓር፡ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ኤምባሲ ዝመርሕ ዝነበረ ኣምባሳደራ ስለዘልዓለት እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክሳብ ሎሚ ብኣፈጻሚ ጉዳይ ይምራሕ ምህላዉ ይፍለጥ። ነዚ ዝገበረትሉ ምኽንያት ግን ብወግዒ ዝፍለጥ ኣይኮነን።
በብእዋኑ ዝቐያየረቶም ፍሉያት ልኡኻት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብተደጋጋሚ ናብ ኢትዮጵያ ተመላሊሶም።
እቲ ንኣዋርሕ ሃዲኡ ዝፀንሐ ኲናት፡ ኣብ ነሓሰ ዝሓለፈ ዓመት ዳግማይ ምስተወለዐ ኣሜሪካ ብፍሉይ ልኡኻ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣቢላ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ሓያል ጻዕሪ እያ ኣካይዳ።
እዚ ጻዕሪ ድማ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ወሳኒ ምንባሩ ይዝረብ።
ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ ዝገበረቶ ብዝተፈለየ ድማ ኣብ 2015 [ግእዝ] ብላዕለዎት ሰበስልጣናታ ኣቢላ ምስ መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምርኻብ ዘተታት ኣካይዳ።
በዚ መዳይ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቅድሚት ይስራዕ። ብሊንከን ብፍላይ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ብዛዕባ ኲናት ኢትዮጵያ ይዘራረብ ከምዝነበረ ይግለጽ።
ዝርርባት ኣብ መንጐ ኣብይን ብሊንከንን

ምንጪ ስእሊ, ABIYAHMEDALI
ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምርኻብ ነቲ ደማዊ ኲናት ንምቍራጽ ክዘራረቡን እንከለዉ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዘተ ከምዝገበረ ይንገር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ብሊንከንን ብ15 ጥቅምቲ 2015 [ግእዝ] እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ኣብ ዝብለሉ ኵነታት ከምዝተዘራረቡ ተሓቢሩ ነይሩ።
ስምምዕ ሰላም ካብ ዝፍረም ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ ሓላፊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ቅልጡፍ ኣተገባብራ 'ቲ ውዕል ከምዝተዘራረቡ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብድሕሪኡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ዋዕላ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ንምስታፍ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ምስ ብሊንከን ውልቃዊ ርክብ ኣካይዶም።
ቀንዲ ኣጀንዳ ዘተኦም ከኣ መስርሕ ሰላምን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ምስሓብን ዝምልከት ነይሩ።
ኣብ 13 ጥሪ 2015 [ግእዝ] እውን ኣብ መንጐ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይን ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ብሊንከንን ተወሳኺ ዘተ ከምዝተኻየደ ይግለፅ።
ብመሰረት እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ርኡይ ስጕምትታት ከምዝተወሰደን ወተሃደራት ኤርትራ ምስሐብ ከምዝተጀመረን ምዝርራቦም ይፍለጥ።
መገሻ ብሊንከን ናብ ኣዲስ ኣበባ
ጽባሕ ረቡዕ 6 መጋቢት 2015 [ኣ.ግ] ብሊንከን ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ክዘራረብ ትፅቢት ይግበር።
ዛዕባኦም ድማ ኣተገባብራ እቲ ኲናት ንምቍራጽ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላምን ጉዳይ መሰጋገሪ ፍትሕን ክኽውን'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ብሊንከን ኣብ ዑደቱ ንሰበስልጣን ክልል ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ረኺቡ ከዘራርቦም ምዃኑ'ውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ተሓጋጋዚት ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ሞሊ ፊ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘፍለጠት ይዝከር።
እቲ ብሰንኪ ኲናት ዝተበላሸወ ዝምድና መንግስታት ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ሰላም ናብ ዝጽገነሉ ኣንፈት ይኸይድ ከምዘሎ፡ እቶም ብደረጃ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝካየዱ ዘለዉ ርክባት የመልክቱ።
እንተዀነ ሞሊ ፊ ነቲ ዝተበላሸወ ዝምድና ንምምላስ ገና ነዊሕ መገዲ ከምዘሎ ብምሕባር ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ንምሕዳስ ድልየት ከምዘለዋ ገሊጻ።
ኣሜሪካ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋን ክትጻወቶ እትኽእል ተራን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስታ ሃገር ዘለዋ ዝምድና ንምምሕያሽ ልዑል ተገዳስነት ከምዘለዋ እታ ተሓጋጋዚ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሓቢራ።
ረብሓ እዚ መገሻ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ነቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ክፍሊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዘለዉ ላዕለዎት ሰበስልጣን፡ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና ክተመሓይሽ ጸቕጢ ይገብሩ ከምዘለዉ መጽሔት ፎረይን ፖሊሲ ኣመልኪቱ’ሎ።
ኣሜሪካ ኣብታ ብሩስያን ቻይናን ትጽሎ ዘላ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለዋ ተራ ከይትስእን ዘድሊ ስጕምትታት ክትወስድ ኣለዋ ክብሉ እቶም ሰበስልጣን ይምጕቱ።
እዚ መገሻ ኣንቶኒ ብሊንከን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ናብ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዘሎ ሳልሳይ ዑደት ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ብኲናት ንዝተሃስየ ቍጠባኣ ንምጽጋን ዘኽእላ ገንዘብን ካብ ዓለምለኻዊ ትካላት ፋይናንስ ዘድልያ ነገራትን ክትረክብ ኣፍደገ ክኸፍት ይኽእል እዩ።
እዚ ድማ ካብ ኣሜሪካን ካልኦት ጸለውቲ ዓለምለኻውያን ትካላትን ዝርከብ ልቓሕ፡ ዘለዋ ዕዳ እትመልሰሉ እዋን ምንዋሕ፡ ብሰንኪ ኲናት ዝሰኣነቶ ሓገዝን ድጐማ ባጀትን፡ ከምኡ’ውን ናብቲ ካብ ቀረጽን ታሪፍን ነጻ ዝዀነ ዕድል ንግዲ ኣጎዋ ምምላስ ይርከብዎም።
ይዅን እምበር ሕጂ’ውን እቲ ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈጸመ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ ተሓታትነትን ነቲ መስርሕ ምምሕያሽ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ክጸልዎ ከም ዝኽእል ይእመን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰጋገሪ መስርሕ ፍትሒ ኣቢሉ ኣብ ዝፍጸሙ ገበናት፡ ፍትሒ ንምርግጋጽ ይሰርሕ ከምዘሎ ይገልጽ። ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተ ጕጅለ ክኢላታት መጽናዕቲ ብወገኑ ተሓታትነት ክቕድም ኣለዎ ዝብል ጸቕጢ ይገብር ኣሎ።
ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ ዑደት፡ ነዚ ጉዳይ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ከምዝዘራረበሉ ቤት ጽሕፈቱ ይሕብር።
ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዝገብሮ ዘተ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ገበናዊ ተሓታትነትን ትዅረት ክገብር ኣምነስቲ ሓቲቱ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







