ኢትዮጵያ፡ ሳዕቤኑ ዝርአ ዘሎ ምቍራጽ ዕድላት ኣጎዋ

በላይነሽን በዓል ቤታን ምስ ደቆም

ጓል 26 ዓመት በላይነሽ ቆልቻሞ ዊንሳ፡ ኣብ ጥቓ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ሃዋሳ እያ ትነብር። እቲ ፓርክ ንዓኣን ንስድራቤታን ጐረቤታ ጥራይ ኣይነበረን።

ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ፓርክ ካብ ዝርከቡ ፋብሪካታት ኣብ ሓደ ተቘጺራ፡ 2200 ብር እናተኸፍላ መነባብሮኣ ክትመርሕ ጸኒሓ።

ካብ ሃዋሳ ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ ቁሸት፡ ኣለታ ጭኮ ዝተወለደት በላይነሽ፡ ኣብቲ ፋብሪካ ቅድሚ ምቝጻራ ብትምህርቲ ዝረኸበቶ ሞያ ስለዘይነበራ፡ ብመዓልታዊ ሽቕለት እያ ትመሓደር ነይራ።

እቲ ኣስራሒኣ ዝነበረ ፋብሪካ ዕድል ስራሕ ጥራይ ዘይኮነስ ስልጠና'ውን እዩ ሂብዋ። ዋላ’ኳ ደሞዛ ዘዕግብ እንተዘይኮነ፡ መግቢ ሰራሕተኛታት በቲ ፋብሪካ ይዳሎ ብምንባሩ ግን፡ መዓልታዊ ወጻኢታት መግቢ ንኽትቍጥብ ሓጊዙዋ እዩ።

ካብ ቅድሚ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ግን ናብቲ ዝነበረትሉ ሸቕለት ኣልቦነት ክትምለስ ግድን ኮነ። እቲ እትሰርሓሉ ዝነበረት ፋብሪካ ክዳውንቲ ንሓያሎ ሰራሕተኛታት ከሰናብት እንከሎ፡ ንሳ’ውን ካብ መንጐ እቶም ዝተነከዩ ነበረት።

"ኣስራሒና ፍርያተይ ዝቕበል ኣካል ስለዘየለን ዕዳጋ ስለዝሰኣንኩን ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰራሕተኛታት ክንኪ ክግደድ እየ ኢሉና" ትብል።

ሎሚ፡ ካብቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ፓርክ ኢንዳስትሪ፡ ሒደት ኣማኢት ሜትሮታት ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ብጭቃ ዝተሃንጸ ናይ ክራይ ገዛኣ፡ ኣብ ኣፍደገ ሽጉርትን ድንሽን ዘርጊሓ ብምሻጥ ቅሩብ ኣታዊ ክትረክብ ትጽዕር ኣላ።

ጻዕራ ግን እኹል ውጽኢት ትረኽበሉ የላን፤ "ስቕ ኢለ እየ ኮፍ ዝብል ዘለኹ" ትብል። "ህይወት ኣዝዩ ከቢድ'ዩ። ሳሙና፡ ቅብኣት - ኣብዚ እዋን ኵሉ ነገር ክቡር እዩ። ብዘይ ስራሕ ኮፍ ምባል ኣዝዩ ከቢድ እዩ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እቲ ብዝያዳ ዘጨንቓ ጉዳይ ድማ ዕጫ ክልተ ንኣሽቱ ደቃ እዩ።

"ዘይተጸበናዮ ውሳነ"

ኣሜሪካ ኣብ 2000 [ኣ.ኣ] ድንጋገ ልምዓትን ፍሉይ ጥቕምን ኣፍሪካ ኣብ ዘጽደቐትሉ እዋን ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ተረባሕቲ እያ ነይራ።

እቲ ብኣሕጽሮተ-ቃል ብ ‘ኣጎዋ’ [AGOA] ዝፍለጥ ድንጋገ፡ ዝተወሰና ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ፍርያተን ብዘይ ቀረጽ ናብቲ ሰፊሕ ዕዳጋ ኣሜሪካ ከእትዋን ክሸጣን ዘኽእል እዩ።

ኢትዮጵያ ንረቛሒታት እቲ ዕድል ጥሒሳ ብዝብል ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ምስ ካልኦት ክልተ ሃገራት ካብቲ ፕሮግራም ከምዝተሰረዘት ይዝከር።

በላይነሽ ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ናይዚ ውሳነ እያ።

ኣቶ ህብረት ለማ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ኢንቨስተራት ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቶ ህብረት ለማ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ኣውፈርቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ እዩ። እቲ ንልዕሊ 20 ኣውፈርቲ ዝውክል ማሕበር፡ ሓባራዊ ብድሆታት ብኸመይ ከምዝፍትሑ ኣብ ዘአንፍቱ ጉዳያት ፖሊሲ ምስ መንግስቲ፣ ዘይመንግስታዊ ትካላት ከምኡ’ውን መሻርኽቲ ኣካላት ይመክር።

እቲ ቅድሚ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ንኢትዮጵያ ካብ ዕድል ኣጎዋ ዝእግድ ውሳነ ብወግዒ ከይተኣወጀ ከሎ ኣብ ዝነበሩ ሒደት ኣዋርሕ፡ "መብዛሕትና ግብራዊ ከምዘይከውን ተስፋ ንገብር ነይርና" ይብል።

እቲ ውሳነ ህጹጽ ከምዝነበረን ንምድላው ግዜ ከምዘይሃቦምን ድማ ወሲኹ ይዛረቡ።

"ክንርድኦ ዘለና እቲ ውሳነ ሃንደበታዊ ውሳነ ምዃኑ'ዩ። ናይ ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ መዳለዊ ግዜ እዩ ነይሩና" ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

በዚ ምኽንያት ዓደግቲ ዝኣዘዝዎ ዕድጊ ንምቕያር፤ ኣፍረይቲ’ውን ኣማራጺ ፍታሕ ንምርካብ እኹል ግዜ ኣይነበሮምን።

ኣብ 2020 [ኣ. ኣ] ተጠቀምቲ ፕሮግራም ኣጎዋ ዝዀና ሃገራት 38 ነይረን። ካብ 1 ጥሪ 2022 ጀሚሩ ግን ኢትዮጵያ፣ ማሊን ጊኒን ካብቲ ዝርዝር ተኣልየን ኣለዋ።

ከም ምኽንያት ናይቲ ውሳነ፡ ጊኒን ማሊን ዘይሕጋዊ - መፈንቅለ መንግስቲ - ገይረን ብዝብል ብኣሜሪካ ክኽሰሳ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ብ"መንግስትን ካልኦት ኣካላትን" ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዘለዎም ሰብኣዊ መሰላት ብኸቢድ ብምግሃስ ተነቒፋ።

ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ላዕለዋይ ክኢላ ናይቲ ፓርክ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ፡ ነቲ ሓደጋ ግቡእ ኣቓልቦ ኣይሃቡን ብዝብል ይነቕፎም።

ብሓደ ወገን ኣሜሪካ ካብ መጠንቀቕታ ዝሓልፍ ስጕምቲ ኣይትወስድን ዝብል እምነትን ተስፋን ከምዝነበረ ዝገልጽ እቲ ክኢላ፡ "እዚ ተስፋ ግን ብዘይ ዝዀነ መርትዖ ዝተደገፈ ኣይነበረን" ይብል።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝረአ ዝነበረ ዘይንጹር መርገጺ ፍታሕ ናብ ዝመጽኣሉ ኣማራጺ ቆላሕታ ከይወሃብ ከምዝገበረ ኣረዲኡ።

"ብሓደ ወገን ‘ከም ኣጎዋ ዝኣመሰሉ መደባት፡ ወይ ረድኤት ኣየድልዩናን’ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቕ እዩ ዝመስል ነይሩ" ዝብል እቲ ውልቀሰብ፡ ብወገን መንግስቲ ጐስጓሳት ኣብ ምግባር ግቡእ ናይ ምጕት ደብዳበታት ምጽሓፍን ዝነበረ ድኹም ኣካይዳ ዋጋ ከም ዝኸፈለ ገሊጹ።

"እቲ ምጕያይ ዝተጀመረ ምስ ረፈደ እዩ ነይሩ" ክብል ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

"ዓቢ ዕዳጋ" ምስኣን

ኣብቲ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ካብ ዝርከቡ ኩባንያታት ሓደ ናሳ ጋርመንትስ ፒ.ኤል.ሲ. ኰይኑ፡ ክልተ ፋብሪካታት ክዳውንቲ ኣለውዎ። ኣብቲ ሓደ ፋብሪካ ስረታት፡ ኣብቲ ካልእ ድማ ናይ ላዕሊ ክዳውንቲ የፍሪ።

እቲ ኣብ 2019 ብኣርባዕተ ሚልዮን ዶላር ዝጀመረ ፋብሪካ፡ ኣብዚ እዋን ናብ ዓሰርተ ሚልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ኩባንያ ከምዝዓበየ ሓላፊኡ ራጋው ፓታር ይዛረብ።

ህንዳዊ ራጋው ፓታር

ህንዳዊ ፓታር ንዝሓለፉ ዓሰርተ ሓደ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ተቐሚጡ’ሎ። ሕጂ ዝመርሖ ዘሎ ትካል "ሳልሳይ ፕሮጀክተይ" ክብል ይገልጾ። እዚ ፕሮጀክት ግን ኣብዚ እዋን ከቢድ ብድሆ ኣጋጢምዎ’ሎ።

ኢትዮጵያ ካብ ዕድል ኣጎዋ ቅድሚ ምስራዛ ኣብ ዝነበረ እዋን እቲ ንሱ ዝመርሖ ኩባንያ ካብ 80 ክሳብ 85 ሚእታዊ ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ይልእኽ ነይሩ።

ፓታር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ዝዓበየት ዕዳጋ እያ። ስለዚ ኣሜሪካ ፍርያትካ እንተዘይተቐቢላቶ፡ ኣብ ምፍራይ ክትንኪ ግድን ይኸውን" ክብል ገሊጹ።

ምስ ኣሜሪካ ክነጻጸር ንእሽተይ እዩ ዝበልዎ ዕዳጋታት ኣውሮጳን ካናዳን፡ ንምስሓብ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ዝዛረብ እቲ ሓላፊ “ኣማራጺታት ክንጥቀም ንፍትን ኣለና፤ ግን ግዜ ክወስድ'ዩ" ይብል።

ካብ ኣካላት መንግስቲ ጽቡቕ ደገፍ ይረኽቡ'ኳ እንተሃለዉ፡ ነቲ ጸገም ብዘላቒ መንገዲ ንምፍታሕ ግን "ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ዕድል ኣጎዋ ዝምለሰሉ ኵነታት ምምችቻእ ከምዘድሊ" የረድእ።

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ኣውፈርቲ ኣቶ ህብረት ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ናብ ዕድል ኣጎዋ ክትምለስ ዘኽእል "ውሱን ዕድል" ከምዘሎ ይዛረብ።

እዚ ንክኸውን ማሕበሮም ምስ መንግስቲ ይመክር ከምዘሎ ብምሕባር፡ "ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ እንታይ ከም ዝፍጠር ክንግምት ኣይንኽእልን ኢና" ኢሉ።

በላይነሽ

ስሙ ክንጠቕሶ ዘይደለየ ክኢላ ድማ፡ እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪን ኣብኡ ዘሎ ፍርያት ክዳውንትን ዘጋጥሞም ብድሆ ካብ ብዙሕ ምኽንያታት ከምዝነቅል የረድእ።

“ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ዓለማዊ ለበዳ ኮቪድ-19ን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናትን ዘስዓቦ ካብ ኣጎዋ ናይ ምስራዝ ሳዕቤንን ኣብ ርእሲኡ ድማ ብሰንኪ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ዝሰዓበ ወሰኽ ዋጋ መጓዓዝያ ኣሎ፡” ይብል።

ኣቶ ህብረት ኣብ እዋን ምጅማር ዓለማዊ ለበዳ ኮቪድ፡ መንግስቲ ዝወሰዶ ህጹጽ ናይ ደገፍ ስጉምትታት የድንቕ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዋጋ ጽዕነት ድጐማ ከምዝተገበረ ብምጥቃስ፡ ሎሚ’ውን ተመሳሳሊ ናይ ደገፍ ስጕምትታት እንተዘይተወሲዱ፡ ኣብቶም ኣፍረይትን ዝቘጸርዎም ሰራሕተኛታትን፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ቍጠባዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ኣሉታዊ ጽልዋ ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ድሒሩ ዝመጽእ ቃንዛ

ኣቶ ህብረት ከምዝብሎ፡ ኢትዮጵያ ካብ ፕሮግራም ኣጎዋ ምውጽኣ ዘኸተሎን ዘኸትሎ ዘሎ ሳዕቤንን መሊእካ ንምርዳእ ግዜ ዝወስድ እዩ።

እቲ ጽልዋ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት (ድሕሪ ጥሪ ኣብ ዝነበራ ሰለስተ ኣዋርሕ) ውሑድ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ተጠቀምቲ ኣቐዲሞም ትእዛዝ ሰዲዶም ስለዝነበሩ።

እቲ ሳዕቤን ኣብ ከባቢ ግንቦት ክረአ ከም ዝጀመረ ብምሕባር ነዚ ከም መርትዖ ኣሃዛት የቐምጥ።

"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መዛዘሚ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብቲ ፓርክ 30 ሽሕ ሰራሕተኛታት ነይሮም" ብምባል ኣብ ከባቢ ሰነ ግን እዚ ቝጽሪ ናብ 26 ሽሕ ከምዝወረደ ብምንጽጻር የቐምጥ።

"እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ካብዚ ዝኸፍአ እዩ። እቲ ፓርክ ንሸቃሎ ጥራይ ዘይኮነስ ንምሉእ ከተማ'ዩ ዘርብሕ" ክብል ንቢቢሲ ዝተዛረበ ኣቶ ህብረት፡ ኣብቲ ከባቢ ንሰራሕተኛታት መግቢ ዘቕርቡ ንኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት ንግዲ፡ ባንክታት፡ ክኢላታት ሕሳብ፡ ጠበቓታትን ካልኦትን ኵሎም ሳዕቤኑ ቀስ ብቐስ ይሃስዮም ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተራእየ ምምሕያሻት ንድሕሪት ከይምለስ ስክፍታኡ ኣይሓብአን ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ኣውፈርቲ ኣቶ ህብረት።

ኣብ ደንገርገር ዝርከቡ

በላይነሽ መናብርታ፡ ቡን መሳትይታን መሓዙታን ኣብቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሸቃሎ እዮም።

በዓል ቤታ ሽመልስ ተስፋየ እውን ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ኣትዩ ይሰርሕ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ካብ ዕድል ኣጎዋ ብወግዒ ቅድሚ ምስራዛ ካብ ስራሕ ዝተነከየ ሽመልስ፡ ኣብ ካልእ ፋብሪካ ናይቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ስራሕ ክረክብ ተስፋ ገይሩ ነይሩ። እንተዀነ እተን ፋብሪካታት ሰራሕተኛታት ምውሳኽ ኣቋሪጸን ክንክያ ምስ ረኣየ ግን፡ ተስፋ ቘሪጹ ናይ ጉልበት ስራሕ ኣብ ምድላይ ተዋፊሩ’ሎ።

“እቲ ክሰርሓሉ ዝኽእል ሞያ፡ ኣብቲ ፋብሪካ ዝተማሃርክዎ ክዳውንቲ ምስራሕ እዩ። ካልእ እንታይ ደኣ ክሰርሕ?” ይብል።

ሽመልስ ተስፋዬ

ኣብቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ዝነበሮም ስራሕ ዝሰኣኑ በላይነሽን ከምኣ ዝኣመሰሉ መንእሰያትን ምናልባት ነገራት ተመሓይሾም ናብቲ ስሩዕ ስርሖም ክምለሱ ተስፋ ይገብሩ።

እቶም ዕድለኛታት ኮይኖም ክሳብ ሕጂ ስርሖም ከይስእኑ ዝጸንሑ እውን፡ “ተመሳሳሊ ዕጫ ከጋጥመና’ዶ ይኸውን” ብዝብል ኣብ ስግኣት ይርከቡ። እዚ ሕቶ ግን ብናታቶም ዓቕሚ መልሲ ዝረክብ ኣይኮነን።