ብሪጣንያ ካብ ኣፍሪቃ ናይ እተእትዎም ኣቑሑት ቀረጽ ክትቅንስ እያ

ሰራሕተኛታት ጨርቃ ጨርቂ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሪጣንያ ምስ ድኻ ሃገራት ዘለዋ ንግዳዊ ርክባት ንምሕያል፡ ካብተን ሃገራት ኣታዊ ኣብ እትገብሮም ኣማኢት ዓይነት ምህርትታት ዝጸንሐ ቀረጽ ከምእተጉድሎ ገሊጻ፡፡

እቲ ካብ መጀመርታ ናይ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን መደብ ምቕናስ ግብሪ፡ ካብ ምህርቲታት ምግቢ ክሳብ ዓለባ ዝሓውስ እዩ፡፡

ብመሰረት እቲ 'ትልሚ ግግዲ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት' ዝተሰመየ ውጥን፡ 99 ምኢታዊት ካብ ኣፍሪቃ ዝኣቱ ምህርቲ ካብ ቀረጽ ናጽ ክኸውን እዩ፡፡

ከም ክዳውንቲ፡ ጫማን ምግብን ዝኣመሰሉ ኣብ ብሪጣንያ ብበዝሒ ዘይፈርዩ ምህርትታት ኣብቲ መደብ ዝተጠቓለሉ ኮይኖም፡ 65 ሃገራት ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ክኾና እየን፡፡

ክፍሊ ዓለምለኻዊ ንግዲ እታ ሃገር ከምዝሓበሮ፡ እቲ መደብ ኣካል ናይቲ ብሪጣንያ ኣብ ምዕባይ ሃብቲ፣ ምእላይ ድኽነትን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘሎ ጽግዕተኝነት ምቕናስን እትገብሮ ምንቅስቓስ እዩ፡፡

እቲ መደብ ኣብ ከም ኩከምበር ዝኣመሰሉ ኣሕምልቲ ንዝነበረ ወቕታዊ ቀረጽ እውን ዘትርፍ እዩ፡፡

ብተወሳኺ ምህርቲታት ብውሱን መልክዑ ኣብ መበቆል ዓዶም ክስርሑ ንዘገድድ ሕጊ እታ ሃገር ክቃለል እዩ፡፡

ዳይሬክተር ጉጅለ ዓለባታት ባንግላድሽ ዲቢኤል መሓመድ ጃባር እቲ ብብሪጣንያ ዝተወሰደ ስጉምቲ ንትካሉ ዓብዪ ለውጢ ዘምጽእ ከምዝኾነ ይገልጽ፡፡

‘‘እዚ እንጥቀመሉ ጡጥ ካብ ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ክነምጽእ ዘኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ትካልና ተወዳዳርን ስርዓት ኣቕርቦትና ድማ ድልዱል ክኸውን ዝገብርን እዩ’’ ኢሉ፡፡

ጸሓፊት ዓለም ለኻዊ ንግዲ ብሪጣንያ ኣን-ሜሪ ትረቨልያን ብወገና፡ ምንካይ ቀረጽ ንትካላት ንግዲ እታ ሃገር ዝድግፍን ንቑጠባ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃራት ዘደንፍዕን ከምዝኾነ ተዛሪባ፡፡