ኣንቶኒ ብሊንከን ብዛዕባ እቲ ዘተ ሰላም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዘራሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ ትማሊ ሰሉስ 15 ጥቅምቲ 2015 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሊንከን እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ደው ብዛዕባ ዝብለሉ ኣገባብ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ከምዝተዘራረበ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ሚኒስተር ኣህጉራዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ደቡብ ኣፍሪቃ ፓንዶርን እውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ግጭት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ምምኽኻር ክቕጽል እየ ኢሉ።
ወተሃደራዊ ስጉምቲ ነቲ ግጭት መፍትሒ ከምዘይከውን ዝገለጸ ኣንቶኒ ብሊንከን እቲ ልዝብ ሰላም ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ቀጻሊ ሰላም ከምጽእ ተስፋ ዘለዎ መገዲ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘተ ሰላም፡ ትማሊ ሰሉስ ከምዝተጀመረ ተገሊጹ’ዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ፡ ሕቡራት ሃገራትን ምትሕግጋዝ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን (ኢጋድ) ከም ተዓዘብቲ ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ እዩ።
ኣቦ መንበር ናይቲ ነቲ ዘተ ሰላም ዝመርሕ ዘሎ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ ፋኪ መሓመት፡ እቲ ሕብረት፡ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ሰላም፡ ዝኣተውዎ ግጭት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንኽረክብ ዝገብሮ ፃዕሪ ከምዝጀመረ ኣብቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ክዘራረቡሉ ዝኽእሉ ጉዳያት ብግልፂ እኳ እንተዘይኣፍለጡ፡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ግን፡ እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ምቁራጽ፡ ደረት ኣልቦ ሰብኣዊ ረድኤት ምሃብን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹን ዝብሉ ኣብቲ ዘተ ዝለዓሉ ህጹጽ ጉዳያት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ እዩ።
መንግስቲ ፌደራል ግን ብወገኑ ቅድሚ ሕጂ፡ "ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት" ንዝርርብ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ትማሊ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ብሓጎስ ከምዝቕበሎ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ’ዩ።
ስለዚ ኣብቲ ዘተሰላም ዝሳተፉ ዘለዉ ተዛተይቲ እቲ ግጭት፡ ናይ መወዳእታ ፍታሕ ንክረክብ ትኹረት ገይሮም ንኽዛተዩ እቲ ሚኒስተር ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ምቁራጽ ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዘለዎ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ እቶም ተደራደርቲ ነቶም በቲ ኲናት ዝተሃሰዩን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮምን ሰባት፡ ደረት ኣልቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክወሃብ፡ ድሕነት ሲቪላውያን ንምሕላው ስጉምትታት ንክወስዱ፡ ከምኡ’ውን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽወጹ ክሰማምዑ ጸዊዑ።
ደቡብ ኣፍሪካ ነዚ ናይ ሰላም ልዝብ ብምውዳባ ዘድነቐ እቲ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፡ ነቲ ዘተ ዝመርሕዎ ዘለው፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኤሊሰጉን ኦባሳንጆ፡ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ማላምቦ ንግኩካን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ዘለዎ ድጋፍ'ውን ወሲኹ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







